ሓደሽቲ ኾኾባት ኢትዮጵያውያን ዝደመቁሉ ውድድር ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ዓለም

ኣብ ስኮትላንድ ግላስጎው ንስለስተ መዓልትታት ክካየድ ዘፀነሐ መበል 19 ውድድር ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያ ብዘይተለመደ ሓዱሽ ርሕቀት ሜዳሊያ ወርቂ ብምምዝጋብ ዛዚማ።ብደቂ ኣንሰትዮ ብ1500 ሜትር ፍረወይኒ ሃይሉ ሜዳሊያ ወርቂ ከምኡ ‘ውን ብ800 ሜትር መንእሰይ አትሌት ፅጌ ድጉማ ወርቂ ኣመዝጊበን ‘የን፡፡

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ቤልግሬድ ብ800 ሜትር ወናኒት ሜዳሊያ ብሪ ዝነብረት ፍረወይኒ ሃይሉ ብ 1500 ሜትሮ ሜዳልያ ወርቂ ንኢትዮጵያ ክተመዝግብ ክኢላ ‘ያ። ነዚ ውድድር ብዘተኣማምን ብቅዓት ኾኾብ ምዃና ኣመስኪራ ‘ውን ‘ያ።ኣብ ውድድር ገዛ ውሽጢ ሌቪንን ቱሪንን ተዓዋቲት ዝነብረት ጓል 23 ዓመታ ኣትሌት ነዚ ሻምፒዮና ርሕቀት ንምዝዛም 4:01.46 ዝኾነ ሰዓት ወሲድላ ‘ዩ።

ምዕዋታ ተኸታቲሉ ከምዝገልፀቶ ‹‹እዚ ውፅኢት ነዓይ በጣዕሚ ፅቡቅ ዝብሃል ‘ዩ።ነዚ ዘብቅዓኒ ድማ ኣብ ጉጅለ ስልጠናና ውሽጢ ብምትሕግጋዝ ምስራሕና ‘ዩ። ጠንኪርና ብምስራሕና ንውፅኢት ኣብቂዑኒ ‘ዩ። ኣብ ቀፃላይ ድማ ንኦሊምፒክ ካብዚ ብዝሐሸ ጠንኪርና ክንሰርሕ ኢና ›› ክትብል ኣብሪሃ ‘ያ።

ኢትዮጵያ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ብ800 ሜትር ውድድር ብሕታዊ ዓወት ታሪኽ ብመሓመድ ኣማን ዝተፅሓፈ ነይሩ ‘ዩ።መሓመድ ኣማን ኣብ 2013 ሻምፒዮና ዓለም ኢስታምቡልን ኣብ ሶፖት ውድድር ውሽጢ ገዛ ዓለም ውስጥ ብተከታታሊ ምስተዓወተ ነዓመታት እዚ ታሪኽ ዝሰርሕ አትሌት ከይተረኸበ ፀኒሑ ‘ዩ።ኣብናይ ሎሚ ሻምፒዮና ግና ኣብ ኣደናቂ ብቅዓት ዘትርከብ መንእሰይ ኣትሌት ፅጌ ድጉማ ኣብቲ ርሕቀት ካሊእቲ ዓወት ክተመዝግብ ክኢላ ‘ያ።

እዛ ሓዳሽ ኾኾብ ኣትሌት ነቲ ውድድር ተቆፅፂራ ብምጉያይ ናይ መወዳእታ ዙር ምስ በፅሐት ብሓይሊ ብምጉያይ ካብ ‘ተን ካልኦት ጎየይቲ ኣፈላላይ ብምፍጣር ተዓዋቲት ክትኾን ክኢላ ‘ያ።ጓል 23 ዓመት ዝኾነት ኣትሌት ካብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ዝተረኸበት እንትትኾን፤ ካብ ፍርያት ማዕኸል መሰልጠኒ ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ከምዝኾነትን፤ ኣብዚ እዋን ንክለብ ኣትሌቲክስ ንግዲ ባንኪ እናጎየየት ዝትርከብ ኮይና ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ውድድራት ብምስታፍ ተስፋ እናርአየት እትርከብ መንእሰይ ‘ያ።

ኣብዚ ውድድር ዓመት ናይ መጀመሪያ ውድድራ ኣብ በልጂየም ገይራ ብዓወት ዘጠናቀቀት ኮይና፤ ኣብ ውድድር ዓለም ውሽጢ ገዛ ቤልግሬድ ድማ 1ደቂቃ ከ59 ሰከንድ ምስ 66 ማይክሮ ሰከንድን ዝኾነ ቅልጣፈ ሰዓት ብምእታው ተዓዋቲት ከምዝነበረት ዝዝከር ‘ዩ።

እታ ኣትሌት ኣብ 2017 ኣ.ፈ ብኣዳላውነት ኣልጄሪያ ኣብ ዝተኻየደ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ብ200 ሜትር ሜዳሊያ ብሪ ክተዕውት ክኢላ ነይራ ‘ያ።ብ 400 ሜትር ድማ ብተኸታታሊ ካብ 2019 ክሳብ 2022 ኣብ ሻምፕዮና ኢትዮጵያ ወናኒ ሜዳሊያ ኮይና ነይራ ‘ያ።ኣብ ነዊሕ ርሕቀት ኣትሌቲክስ ኣብ ኢትዮጵያ አትሌቲክስ ካብ ዝምስረት ኣዲሳ እንቁ ሓዱሽ ነገር ምምዝጋባ ቀፂላ ‘ያ፡፡

ልዕል ኢላ ኣብ ዝተረአየትሉ ኣብ ውድድር ዓለም ሻምፕዮና ‘ውን ነቲ ርሕቀት ብ2:01.90 ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ኣብቲ ሻምፕዮና ካልኣይ ወርቂ ንኢትዮጵያ ኣርኪባ ‘ያ።ድሕሪ እቲ ውድድር ምስ ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ዝነበራ ፃንሒት ‹‹እቲ ውድድር ክንድምንታይ መሐጎሲ ከምዝነብረ ዝገልፀሉ ቃላት የፅግመኒ ‘ዩ ኢላ ‘ያ።

ኣብዚ ዝተጠቀምኩሉ ንምጉያይ ስልቲ ንቅድሚት ንክኸይድ ብምግባር ተዓዋቲት ክኸውን ገይሩኒ ‘ዩ።ናብዚ ውድድር እንትመፅእ ከምዘሽንፍ ‘ውን ይስምዓኒ ነይሩ ‘ዩ። ምኽንያቱም ጥንኩር ምድላዋት እናገበርኩ ‘የ ነይረ። ድሕሪ ሐዚ ሙሉእ ትኹረተይ ናብ ኦለምፒክ ‘ዩ፤ ሜዳሊያ ወርቂ ደጊመ ናብ ሃገረይ ክወስድ ይደሊ ‘የ ›› ብምባል ተዛሪባ ‘ያ። ዝተረፉ ሜዳሊያታት ድማ ብክልቲኡ ፆታታት ኣብ 3ሽሕ ሜትር ዝተረኸቡ እንትኾኑ፤ ኣብቲ ርሕቐት ብጣዕሚ ትፅቢት ክግበረላ ዝፀንሐት አትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሜዳሊያ ብሪ ኣመዝጊባ ‘ያ።

ጥንኩር ንሕንሕ ዝተረኣየሉ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ክሳብ ናይቲ ውድድር ናይ መወዳእታ ሜትራት ብዝነበረ ከቢድ ንሕንሕ ሜዳሊያ ብሪ ንሕንጢጥ ካብ ኢድ ሰለሞን ባረጋ ክትወፅእ ክኢላ ‘ያ። በዚ’ውን ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ኣርባዕተ ሜዳሊያታት ብምርካብ ኣብቲ ደረጃ ሰንጠረዡ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም ድማ ሓምሸይቲ ደረጃ ብ ምሓዝ ፈፂማ ‘ያ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ሻምፒዮና ብ800 ሜትሮ፣ብ1500 ሜትሮን ብ3000 ሜትሮ ብ8 ደቂ ኣነስትዮን ብ5 ደቂ ተባዕትዮን በድምር 13 አትሌታት ብምሓዝ’ያ ተሳቲፋ፡፡እቲ ልኡኽ ናብ ሃገሩ ዝተመለሰ እንትኾን ኣቀባብላውን ተገይርሉ ኣሎ፡፡ሜዳልያ ወርቂ ንዝረኸቡ ብር 40 ሽሕ፤ብሩር ንዝረኸቡ ብር 25 ሽሕ ከምኡ’ውን ነሓስ ንዝረኸቡ ብር 15 ሽሕ ሽልማት ተበርክቲሎም ኣሎ፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 28 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *