ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ታሪኽ መበል ሳልሳይ ቅልጡፍ ሰዓት ኣመዝጊባ

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣብ ታሪክ መበል ሳልሳይ ቅልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊታ። ኣብ ቻይና ዝያሜን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጒያ ዲያመንድ ሊግ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ፣ ነቲ ርሕቐት ብ3 ደቒቓ 50 ሰኮንድን 30 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ነቲ ውድድር ብቐዳምነት ዛዚማ ‘ያ ። እቲ ዝኣተወትሉ ሰዓት ነቲ ርሕቐት ኣብ ታሪክ መበል ሳልሳይ ቅልጡፍ ሰዓት ብምዃን ከምዝተመዝገበ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከምኡ ድማ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ኣብ ለንደን ኣበ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ልዕሊ 40 ዓመት ዝኾኖም ኣትሌታት ካብ 2019 ንደሓር ቅልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ናእዳ ረኺቡ ‘ዩ፡፡ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ኣብ ውድድር ማራቶን ኣብ ዝተኻየደ ለንደን 2 ሰዓት 4 ደቒቕን 15 ሰከንድን ብምእታው ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ክዛዝም ክኢሉ ‘ዩ፡፡

ኣትሌቲክስ ዓለም እቲ ኣትሌት ዝኣተወሉ ሰዓት ድሕሪ 2019 ልዕሊ 40 ዓመት ዝኾኖም ኣትሌታት እንትምዝገብ ፈላማይ ከምዝኾነ ብምግላፅ ናእዳኡ ገሊፁ፡፡ ኣትሌት ቀነኒሳ ኣበ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ውድድር ማራቶን ቫሌንሲያ 2 ሰዓት 4 ደቒቕን 19 ሰከንድን ምእታዉ ዝዝከር እንትኸውን፣ ኣብ ማራቶን ለንደን ድማ እዚ ሰዓት ብኣርባዕተ ሰከንድ ኣመሓይሹዎ ‘ዩ፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You