ሲሳይ ለማ ኣብ ውድድር ማራቶን ቦስተን ተዓዊቱ

ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሲሳይ ለማ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ማለት 7 ሚያዝያ 2016 ኣብ ውድድር ማራቶን ቦስተን ንመበል 128 ግዜ ተዓዊቱ። እዚ ኣትሌት ኣብቲ ዝተኻየደ ንሕንሕ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ክሳብ መወዳእታ ብምምራሕ ብፀብለልታ ክውድእ እንከሎ ካልእ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት መሓመድ ኢሳ ድማ ካልኣይ ደረጃ ክሕዝ ክኢሉ ‘ዩ።

ኣብ ዓለምና 6 ዝዓበዩን ብኣትለቲክስ ዓለም ናይ ፕላትንየም ደረጃ ካብ ዝተወሃቦም ናይ ፅርግያ ውድድራት ሓደ ዝኾነ ቦስተን ማራቶን ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ እንትካየድ ልዕሊ ዓሰርተ ዝቐልጠፈ ናይ ማራቶን ግዜ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ድማ ነዚ ዓወት ተሳቲፎም።

ወዲ 33 ዓመት ኣትሌት ሲሳይ ለማ ኣብ ናይ 128 ዓመታት ታሪኽ እቲ ውድድር ንተወዳደርቲ ብልዕሊ ሰለስተ ደቓይቕ ብምምራሕ ዝተዓወተ ኣትሌት ብምዃን ንብዙሓት ኣገሪሙ ‘ዩ። ካሊእ ብዘይካ ሲሳይ፣ ሹራ ቂጣታ፣ ሃፍቱ ተኽሉን መሓመድ ዒሳን ብወገን ኢትዮጵያ ክዕወቱ ተገሚቱ ነይሩ። እቲ ዝተዓወተ ኣትሌት ቅድሚ ሕዚ ኣብዚ መድረኽ ውፅኢት እንተይቐንዖ ዝቐረየ እንትኾን ሕዚ ግን ብዘገርም መንገዲ ክዕወት ክኢሉ ‘ዩ።

ጉያ ሲሳይ ኣዝዩ ዝድነቕ ብምንባሩ ነቲ ናይ ቦታ ክብረወሰን ክሰብር ተቓሪቡ ‘ኳ እንተነበረ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ልዑል ሙቐት ግን ዕንቅፋት ኮይኑዎ ‘ዩ። ነዚ ውድድር ንምዕዋት 2 ሰዓትን 06 ደቒቕን 17 ሰከንድን ዝወሰደሉ እንትኸውን፣ እዚ ኣትሌት እዚ ኣትሌት ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ቫለንሽያ ሓሙሻይ ቕልጡፍ ሰዓት ኣመዝጊቡ ካብ ዘመዝገቦ ግዚኡ ብልዕሊ 5 ደቓይቕ ዝዘንገዐ ኮይኑ ‘ዩ።

ኣብቲ ውድድር 2 ሰዓት 01 ደቒቓን 48 ሰኮንድን ዝኣተዎ ዝቐልጠፈ ናይ ማራቶን ሰዓት ኮይኑ ከም ዘተመዝገበ ይዝከር ‘ዩ። በዚ ውድድር ድማ ብፍፁም ዓብላልነትን ብሰሓቢን ብምጉያይ ነቲ ውድድር ኣብ ርእሲ’ቲ ወርቂ መዳልያ ዝተዓወቶ ንኣትሌታት ዝወሃብ ናይ 150 ሽሕ ዶላር ተዓዋታይ ክኾን ክኢሉ ‘ዩ። ናይቲ ቦታ ክብረወሰን ደረጃኡ እንተዘመሓይሽ ነይሩ ተወሳኺ 50 ሽሕ ዶላር ቦነስ ኣብ ጁባኡ ክኣቱ ይኽእል ነይሩ።

እዚ ኣትሌት ኣብ ቫለንሽያ ዝሰርሖ ታሪኽ ኣብ ጎደና ቦስተን ክደግሞ ትፅቢት እኳ እንተነበረ ነቲ ክብረወሰን እንተይሰበረ ግን ክዕወት ክኢሉ ‘ዩ። ኣብዚ ውድድር ክዕወት ትፅቢት ተገይርሉ ዝነበረ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብዚ መድረኽ ተዓዊቱ ዝነበረ ኬንያዊ ኢቫንስ ቸቤት እንትኾን ኮይኑ ግና ብዝግባእ ምስ ሲሳይ ክፈታተን ብዘይምኽኣሉ ብሰፊሕ ኣፋላላይ ተሳዒሩ ‘ዩ።

ሲሳይ ናይቲ ውድድር ዓስራይ ቕልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ምስ ሰዓረ ርኢትኡ እንትህብ ‹‹ብቕልጣፈ ንምጅማር ከምዝደሊ ወሲነ ወሲነ፣ ቕልጠፈይ ብምሕላው ‘ውን ተዓዊተ ኣለኹ›› ይብል። ናይ 2021 ናይ ለንደን ማራቶን ሻምፕዮን ዝኾነ ኣትሌት ሲሳይ ኣብ ቫለንሽያ ውድድሩ ክብረወሰን 2፡02:00 ዝኾነ ዝቐልጠፈ ሰዓት ብምምዝጋብ ታሪኽ ምስርሑ ዝዝከር ‘ዩ። ኣብ ውድድር ማራቶን ቦስተን ተዓዋቲ ዋላ እንተኾነ ዕስራን ሓደን ኪሎ ሜትር ብ1፡00፡19 ብምጉያይ ነቲ ኣብ 2011 ዓ.ም.ፈ ብጀፍሪ ሙታይ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ክሕዝ ክኢሉ ‘ዩ።

ኢትዮጵያዊ ኣትሌት መሓመድ ዒሳ ኣብ መዛዘሚ ኪሎ ሜትራት ምስቲ ተዓዋቲ ኣትሌት ዝነበሮ ፍልልይ ኣፅቢቡ ብ41 ሰከንድታት ብምዝንጋዕ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ወዲኡ ‘ዩ። መሓመድ ነቲ ውድድር ንምውዳእ 2፡ 06፡58 ሰዓት ወሲድሉ ‘ዩ። በዚ ድማ 75 ሽሕ ዶላር ክሽለም ክኢሉ። ኣብ ናይ ዓሚ ውድድር ተዓዋታይ ዝነበረ ኬንያዊ ኢቫንስ ቸቤት ብ2፡07፡22 ሰዓት ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ ‘ ዩ።

ብኻሊእ ወገን ኣብቲ ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮ ዝተኻየደ ብርቱዕ ውድድር፣ ኬንያዊት ሄለን ኦቢሪ ዳግማይ ክትዕወት ክኢላ ‘ያ። ካብ መጀመርታ እቲ ውድድር ክሳብ መወዳእታ ምስ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝነበረ ሓያል ንሕንሕ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ኣይቀንዐንን። ኣትሌት ቡዜ ዲሪባ፣ ወርቅነሽ ኢዴሴ፣ ኣባብል የሻነህን ሰንብሬ ተፈሪን ብናይ ጋንታ ስራሕ ንሄለን ኦቢሪ ንምድኻም ዝፈተና እንትኾና ንናይ ሓባር ስራሕ ኬንያውያን ክፃወራ ስለዘይከኣላ እቲ ዓወት ብናይ ዓሚ ተዓዋቲት ኬንያዊት ተዛዚሙ ‘ዩ።

ኬንያውያን ኣትሌታት ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ‘ውን ክሕዛ እንከለዋ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ድማ ራብዓይን ሓሙሻይን ደረጃ ብምሓዝ ወዲአን ‘የን። ኣትሌት ቡዘ ድሪባ 4ይ ደረጃ ብምሓዝ ክትዛዝም እንተላ ሰንብሬ ተፈሪ ድማ 5ይ ደረጃ ብምሓዝ ዛዚማ ‘ያ። ወርቅነሽ ኤደሳ 7ይ፣ ጡርዬ መስፍን 9ይ፣ ዴራ ዲዳ 10ይ፣ ስራነሽ ይርጋ ድማ መበል 11 ኮይነን ውድድረን ዛዚመን ‘የን። በዚ መሰረት 4ይ ደረጃ ሒዛ ዝዛዘመት ኣትሌት ናይ 25 ሽሕ ዶላር፣ 5ይ ደረጃ 18 ሽሕ ዶላር፣ 7ይ ደረጃ 10 ሽሕ ዶላር፣ 9ይ ደረጃ 7 ሽሕ ዶላር፣ 10ይ ደረጃ 5 ሽሕን 500ን ዶላር ተሸሊመን ‘የን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You