‹‹ኣብ ማንዴላ ካፕ›› ውፅኢት ዘመዝገበ ጉጅለ ቦክሲ ኣቀባብላ ተገይርሉ

ኣዲስ ኣበባ፡– ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ደርባን ከተማ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ማንዴላ ካፕ ውድድር ቦክሲ ውፅኢታዊ ተሳትፎ ብምግባር ኢትዮጵያ ብኹርዓት ዘፀወዐ ናይ ቦክሲ ብሄራዊ ጉጅለ ኣቀባብላ ተገይርሉ። ኣብዚ ውድድር ኢትዮጵያ ዝወከለ ጉጅለ 3 ብሩር፣ 3 ነሓስ ብሓፈሻ ሽድሽተ ሜዳልያ ብምምዝጋብ ውድድሩ ዛዛሙ ‘ዩ።

እቲ ጉጅለ ናብ ሃገሩ እንትምልስ ብሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ፌዴሪኢ ብዝተዳለወ መርሃ ግብሪ ኣቀባብላ ናይ ኢትዮጵያን ኣዲስ ኣበባን ቦክስ ፌደሬሽናት ስራሕ ፈፀምቲ ፣ ተወከልቲ ሚኒሰቴር ባህልን ስፖርትን ኣብቲ ስፍራ ተረኺቦም ነቶም ስፖርተኛታት ዕምባባ ኣበርኪቶም ‘ዮም።

ካብ ዝተምዝገቡ ሜዳልያታት እቶም ኣርባዕተ ብተወዳደርቲ ደቂ ኣንስትዮ እንትርከቡ ፤ እቶም ኽልተ ካብ ኣባላት ክለብ ፖሊስ ስፖርት ኣዲስ ኣበባ ዝተረኸቡ ‘ዮም።

በዚ ውድድር መድረኽ ኢትዮጵያ ብምፅዋዕ ኹርዓት ንዝኾኑ ንኣባላት ብሄራዊ ጉጅለ ድሕሪ እቲ ውድድር ኣባላት ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ደርባን ከተማ ነበርቲ ብዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ንዝገበርዉ ድሙቕ ተሳትፎ ልዕሊ 450ሽሕ ብር ብዉህብቶ ኣበርኪቶም ‘ዮም።

ወጋሕታ 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You