ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዕዎም

ኣብ ዝሓለፈ ዕለት ሶኑይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዓለም ብዙሓት ጉያ ውድድር ፅርግያ ኣብ ዝተኻየዱሉ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብፍላይ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ውድድራት ማራቶን ዓወት ቀኒዕዎም ‘ዩ። ካብዞም ኢትዮጵያውያን ኣሸነፍቲ ዝኾኑሎም ውድድራት ድማ ሓደ ማራቶን ፓሪስ እንትኾን ካሊእ ድማ ማራቶን ዴጉ ‘ዩ።

ድሕሪ ኣዋርሕ ዓብዪ መድረኽ ኦሎምፒክ ስፖርት ዝተዳለው ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝሓለፈ ዕለት ሶኑይ ኣብ ዓመታዊ ውድድር ፅርግያታት ማራቶን ፓሪስ እንትካየድ፤ ኢትዮጵያውያን ብኽልቲኡ ፆታታት ኣሸነፍቲ ክኾኑ ክኢሎም ‘ዮም። ቅድሚ ሐዚ ‘ውን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ዘሸነፉሉ ውድድራት ማራቶን ፓሪስ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ዳግም ብኽልቲኡ ፆታ ብዓብላልነት ዘሸነፉሉ ኮይኑ ኣሎ።

ንመጀመርያ እዋን ውድድር ማራቶን ዝገበረት ኣትሌት መስታወት ፍቅር ነቲ ርሕቀት ብ02፡20፡45 ብምዝዛም ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ተዓዋቲት እንትትኾን፤ ብተመሳሳሊ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ድማ ሙሉጌታ ኡማ ብ 02፡05፡33 ሰዓት ብምእታው ኣብቲ ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ዛዚምዎ ‘ዩ።

ጥንኩር ንሕንሕ ኣብ ዝተርኣየሉ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ሙሉጌታ ምስ ኣትሌታት ሃገረ ኬንያ ብርቱዕ ንሕንሕ ብምግባር ብዓሰርተ ሓሙሽተ ሰከንድ ኣፋላላይ ንዓወት ክበቅዕ ክኢሉ ‘ዩ። ኣብቲ ርሕቀት ዝኣተወሉ ሰዓት ድማ ናይ ባዕሉ ሙሩፅ ሰዓት ኾይኑ ተመዝጊቡሉ ‘ዩ።

ነቲ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ተኸቲሎም ዝኣተው ኬንያውያን ኣትሌታት ቲተስ ኪፕሩቶ ብ2፡0548 ሰዓት ብምምዝጋብ ካልኣይ ኤሊሻ ሮቲች ብ2፡06፡54 ሰዓት ብምእታው ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ዝዛዘመ ኮይኑ፤ ብፍላይ ሳልሳይ ኮይኑ ዝወድአ ኣትሌት ሮቲች ኣብ 2021 ናይቲ ውድድር ክብረ ወሰን ምስምንባሩ ተተሓሒዙ ኣብዚ ውድድር ‘ውን ንከሸንፍ ልዑል ግምት ተዋሂብዎ ዝነብረ ኣትሌት ‘ዩ።

ብወገን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቅድሚ ሐዚ ስማ ምስ ዘይተፈለጥ ዝነብረት ዝተገብረ ንሕንሕ ጉያ ማራቶን መስታወት ፍቅር ንመጀመርያ እዋን ኣብ ዝገበረቶ ውድድር ብ2፡20፡45 ሰዓት ዘሸነፈት እንትትኾን፤ ካሊእቲ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት እናትነሽ ኣላምረው ድማ ብ2፡20፡47 ሰዓት ካልኣይቲ ብምውፃእ ውድድራ ዝዛዘመት ኮይና፤ ናይ ዓለም ኦለምፒክ ነዊሕ ርሕቀት ቻንፕዮን ዝኾነት ኣትሌት ቪቪያን ቼርዮት ናብ ማራቶን ገፃ ካብ ዝገብረትሉ እዋን ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ዓወታት ዘመዝገበት እንተኾነት ‘ውን ኣብ ናይ ሎሚ ውድድር ፓሪስ ግና ተኸታቲለን ንዝኣተዋ ሓደሽቲ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ኢዳ ክትህብ ተገዲዳ ‘ያ። ቼርዮት ነቲ ውድድር ብ2፡21፡47 ሰዓት ብምምዝጋብ ‘ያ ዛዚማ።

ኣብ 2016 ዓ.ም ናይ ኦሎምፒክ ኣብ ሓሙሽተ ሽሕ ሜትር ናይ ወርቂ ሜዳልያ ኣሸናፊትን ኣብ ዓለም ቻምፒዮና ናይ ኣርባዕተ ዓመት ኣሸናፊት ዝነብረት ችሪዮት ካብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ናብዚ ንመጀመርያ እዋን ውድድር ማራቶን ከም ምግባራን ኣብ ኣርብዓ ዓመት ምስ ምህላዋን እንትርአ ዝመዝገበቶ ውፅኢት ዝኸፍእ ኣይኮነን።

ካሊእ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ትፅቢት ዝግበረሉ ካብ ዝነብረ ውድድር ማራቶን ደቡብ ኮርያ ኣብ ከተማ ዴጉ ዝተኻየደ እንትኾን፤ ኣብዚ ኣትሌት ሩቲ ኣጋ ናይቲ ውድድር ክብረ ወሰን ብምምሕያሽ ኣሸኒፋ ‘ያ። ደቂ ተባዕትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝተሳተፉሉ ውድድር ግና ኣብ ደረጃ ውሽጢ ከይኣተው ተሪፎም ‘ዮም።

ብዓለም ኣትሌትክስ ደረጃ ወርቂ ኣብ ዝተውሃቦ ማራቶን ዴጉ ኣትሌት ሩቲ ኣጋ ናይቲ ውድድር ናይ ቀደም ክብረ ወሰን ብ48 ሰከንድ ብምምሕያሽ ብ2፡21፡08 ሰዓት ምዝዛም ክኢላ ‘ያ። ንዕኣ ተኸቲለን ዝኣተዋ ኬንያውያን ኣንጌላ ቱናይ ብ 2፡21፡32 ከምኡ ‘ውን ኤቫሊን ቺርቺር ብ 2፡22፡12 ሰዓት ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ብምሓዝ ነቲ ውድድር ክዛዝማ ክኢለን ‘የን። ናይዚ ውድድር ናይ ቀደም ክብረወሰን 2፡21፡56 እንትኾን፤ ብ2022 ብኤርትራዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ተታሒዙ ከምዝፀንሐ ዝዝከር ‘ዩ።

ኣብዚ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ድማ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ቀዳማይቲን ካልኣይቲን ኮይነን ዝዛዘማ እንትኾና፤ ኣብዚ ኣትሌት ሙላት ተኽለ ናይ ዒስራን ሓደን ኪሎ ሜትር ውድድር ብ66፡53 ደቒቓ ብምዝዛም ቀዳመይቲ ክትኸውን ከላ፤ ካልኣይቲ ኢትዮጵያዊት ዘርኣይ ፍታው ብ67፡22 ደቒቓ ካልአይቲ ኮይና ክትዛዝም ክኢላ ‘ያ። ኣብዚ ውድድር ኣብ ሞንጎ ደቂ ተባዕትዮ ዝተገብረ ንሕንሕ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካፍቲ ውድድር ኣቋሪፆም ክወፅኡ ተገዲዶም ‘ዮም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 03 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You