‹‹ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብምፍራሙ እንተናኣሰ ተኹሲ ጠጠው ኢሉ ፤ ህዝቢ ትግራይ ናይ ሰላም ንፋስ ክረክብ ዕድል ፈጢሩ ‘ዩ›› – ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር) ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር

ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር) ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂቦም ምስ ኢቲቪ መደብ ደሃይ ትግራይ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ‹‹ ኹናት ምስተጀመረ ብተደጋጋሚ እቲ ኹናት ዝሓፅረሉ ቀልጢፍና ናብ ዝርርብ እንኣትወሉ ፤ ነገራት ዝኸፍአ ፀገም ከየብፀሑ ናብ ሰላማዊ መገዲ ዝእተወሉ ንምእላሽ ዘይተገበረ ፃዕሪ የለን፤ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ብምፍራሙ እንተናኣሰ ተኹሲ ጠጠው ኢሉ ፤ ህዝቢ ትግራይ ናይ ሰላም ንፋስ ክረክብ ዕድል ፈጢሩ ‘ዩ፤ እዚ ዓብይ ስጉምቲ ‘ዩ ፤ ናይ መጀመርያ ዓላምኡ ‘ውን እዚ ስለዝኾነ፤ ሓንቲ መዓልቲ ብዛዕባ ተመዛበልቲ ህዝብና ከይተዛራረብና ዝደቅስናሉ እዋን የለን እዚ ፍታሕ ዝርከበሉ ኩነታት ንምፍጣር ኣንፈታት ተቐሚጦም ኮሚቴ ተጣይሹ ዘሎ ፀገማት ተገምጊሞም ብፍጥነት ናብ ተግባር ዝእተወሉ ኣንፈት ተቐሚጡ ‘ዩ፤ኣብ ፀጥታ ጉዳይ ከተማታት ትግራይ ድማ ተጠናኺሩ ንክቕፅልን ኣድላይ እንተኾይኑ ድማ ብፌደራል መንግስቲ ሓገዝ ዝግበርሉ ክንሰርሐ ኢና›› ኣብዚኦም ርእሰ ጉዳያት ኣስፍሕ ኣቢሎም ዝሃብዎ መብርሂ ከምዝሰዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና።ሰናይ ንባብ !

ሕቶ፡- ብብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ‹‹ባንዳ ፣ ከዳዕ ‘ዮም›› ዝባሃሉ እንታይ ይስመዖም?

ዶ/ር ኣብርሃም፡- እንታይ ዓይነት ሕቶ ኢኻ እትሓትት ዘላኻ ፤ኣብዚ እዋን እዚ ከምዚ ዓይነት ሕቶታት መልሲ የድልም ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን።ብሱሩ ‘ውን ከም ባህርያተይ ኣብራሃም ስለዘሞገስዎ ስለዝደገፍ ሞቕታ ዝስመዖ ፤ዝፀረፍዎን ዘይቕበልዎን ስለዘለዉ ድማ ካብ ዕላምኡ ንድሕሪት ዝብል ሰብ ስለዘይኾንኩ ብዙሕ ከምዚ ዓይነት ነገር ኣየጨንቐንን።እዚ ጉዳይ እዚ ንዓይ ብዙሕ ትርጉም ‘ውን ኣይህበንን።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኹነታት ኣሽንኳይዶ ፀሪፍስ ካልእ ‘ውን ዝውሰኾ ስለዝኾነ ዝዳሓዝ ‘ዩ ኢለ ኣይኣምንን።ገገሊኡ ግን ስለዘቕረበ ናተይ ወገን ‘ዩ ኢሉ ስለዝኣመነ ይመስለኒ በዚ ብርኪ ዝግለፅ ዝነበረ ።ከምዚ ዓይነት ፍረጃ ክህቡ ሓላፍነት ዝተውሃቦም ኣካላት መን ‘ዩ? ወሃቢ ስምን ፍረጃን ? እዚኦም ሰባት ንህዝቢ ትግራይ ውሕስና ዝኾኑ ሰባት ድዮም ኣይኮኑን ዝብል ንግዜ ተንገድፎ ፤ ግዜ ባዕሉ ዕድመ ባዕሉ ባንዳ እንታይ ‘ዩ? ባንዳ መን ‘ዩ ? እናብረሀ ዝመፀእ ዘሎ ጉዳይ ይመስለኒ ፤ ኣነ ደስ ዝብለኒ ከምዚ ተባሃለ ፣ተብሃልካ ዝብል ነቶም ዝበሉ ዝተብሃሉን ንግደፎ እሞ ኣብ መሰረታዊ ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ኣጀንዳ ገይርና ተንዛተ ደስ ይብለኒ ፡፡

ሕቶ፡- ኣብ ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ብርክት ዝብሉ ሕቶታትን መረረታትን ኣለዉ ፤ ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ጥሒላቶ ዘላ ኩነታት ንክትጥሕል ፍፃመታት ቅድሚ ኹናትን ኣብ እዋን ኹናትን ከመይ ይግምግምዎ ?

ዶ/ር ኣብርሃም፡– ቅድሚ ናብ ኹናት ምእታውና ዝነበሩ ኩነታት ንዓይ ከም ኣብርሃምን ትግራዋይን ብጣዕሚ ኸበድቲ እዋናት ዝነበርሉ፤ ቅድሚ ኹናት ዝነበረ ዉጥረት ናብ ኹናት ንከይቕየር ብዙሕ ፃዕርታት ዝተገበረሉ ፤ ብመራኸቢ ሓፋሽ ዝነበረ ጎስጓሳት፤ ብዝተፈላለዩ መልክዑ ዝግለፁ ዝነበሩ ትንኮሳታት፤ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነበሩ ሆይዎይታ ፤ ኣብ ውልቀሰባትን ዘርእን ትኹረት ዝገበሩ ዝርርባት ከይዶም ከይዶም ናብ ጥፍኣት ከምዝወስዱና ስለዝፈለጥና ከም ሓደ ትግራዋይ ኣብቲ እዋን ብብርኪ ሚኒስትር ‘ኳ ተዘይነበርኩ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ስለዝነበረኒ ብቐረባ ምስ ኣመራርሓ ትግራይ ብተደጋጋሚ በቢ መዓልቱ ብዝባሃል ብርኪ ብዝወከልዎም ኣካላት ነገራት ንክሰኽኑ እናተዘራረብና እናተመኻኸርና ብዙሕ ሞኪርና ኢና ።ግና ክነሳኽዖ ኣይካኣልናን።እቲ ኹናት ተፈጢሩ።

ኹናት ምስተጀመረ ‘ውን ብተደጋጋሚ እቲ ኹናት ዝሓፅረሉ ቀልጢፍና ናብ ዝርርብ እንኣትወሉ ፤ ነገራት ዝኸፍአ ፀገም ከየብፀሑ ናብ ሰላማዊ መገዲ ዝእተወሉ ንምእላሽ ዘይተገበረ ፃዕሪ የለን።ናብ ሚድያ ኣይውፀን ‘ምበር ብሕቡእ ብስልኪ እናተዛራረብና ኢና ነይርና።እቲ ኹናት ጠጠው ክብል ሰላም ክመፅእ ህዝብና ክነድሕን ይኣኽለና ዝብል ሓላፍነት ወሲድና ኣብ ዝተፈላለዩ ዓድታት ብኣካል ተራኺብና ኢና።

ምስ ዝወከልዎም ዓበይቲ ሰባት ዳያስፖራ በቢ መዓልቲ ብዝባሃል ብርኪ ብፍላይ ድማ በቢ ምዕራፉ ዝነበሩ ኹናት ንከይቕፅሉ ብዙሕ ልመናን ምኽርን ሕውነታዊ ብዝተላበሶ ፃዕሪ ገይርና ኢና።ብዙሕ ፅዒርና ኣይተሳኸዐልና።እቲ ኹናት በቢ ምዕራፉ እናኸደ ዝገደደ ጥፍኣት እናተወሰኾ ቀፂሉ ‘ዩ።ኣብዚ ከይዲ እዚ እቲ ኹናት ጥራሕ ኣይነበረን ስቓይ፤ ትግራዋይ በቲ ወጥሪ ‘ውን ኮርነር ተገይሩ፤ ኹናት ብልተፈጠረ ‘ውን ናብ ጥርጣረ ዘእቱ ኹነታት ተፈጢሩ ኣብ ማሓውር መንግስቲ ዝሰርሕ ዝነበረ ናብ ስራሕ ዘይኣትወሉ ወይም ኣብ ገዝኡ ዝፀንሐሉ ኩነታት ክፍጠር ተገይሩ ‘ዩ።

ነጋዶ ‘ውን ተረጋጊዖም ከይሰርሑ ብድንጋፀ ሃፍቶም በቲኖም ናብ ዘምፀሎም መገዲ ዝተበተንሉ ፤ ሰባት ዝእሰርሉ ኣብ ሓደ ቦታ ተይኾነ ኣብ ኩሉ ቦታታት እዚ ድማ እቲ ዘጋጠመ ፀገም ሰፊሕ እንተነበረ ካብኡ ከይገድድ ብዝተኽኣለ መጠን ንክቕንስ ፤ ፅልኢት እንተሃለወ ‘ውን ፀላኢኻ ፈሊኻ ምርኣይ፤ ህዝብን ፀላእን ክፍለይ ከምዘለዎ ፤ ንሕናን ‘ውን እንቃለስ ዘለና ንሰላምን ህዝብን ክንብል ስለዝኾነ ክርዳእ ምስ ኹሎም ክልላት ኣመራርሓ ኣካላት ፀጥታ ተሓባቢርና ብዙሕ ፅዒርና ኢና።ግና ብዝነበረ ስፍሐት ኹሉ ክብፃሕ ኣይተኽኣለን ፤ኹሉ ‘ውን ክፍታሕ ኣይተካኣልን።

እዚ ኹሉ ሸኽሚ ሓሊፍና ኢና ናብ ስምምዕነት ፕሪቶርያ በፂሕና።ስምምዕነት ፕሪቶርያ ምስተፈረመ ከማይ ዝተሓጎሰ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን።ብዙሕ ነገራት ተቓሊሉ ‘ዩ፤ ድሕሪ ኸዚ እንተናኣሰ ግፍዕን በደላትን ንከይቕፅል ህዝቢ ትግራይ ሰላማዊ ንፋስ ክረክብ ዕድል ተፈጢሩ ‘ዩ ዝብል እምነት ስለዝሓዝኩ።ከምትፈልጥዎ ተወከልቲ ፌዴራል ከይዶም ፈሪሞም ዝመፁ ኣካላት ናይ ሰላም ጀጋኑ ኢኹም ኢለ ኣብ ኤርፖርት ብዕምበባ ጉንጉን ‘የ ተቐቢለዮም።

ፅቡቕ ኣቀባብላ ‘ውን ተገይሩ ‘ዩ።እዚ ኹሉ ዝገበርና እቲ ዝነበረ ሸኽሚ ስለዝፈልጦ ‘የ።እቲ ዝነበረ ከይዲ ዘስታዉሶ ንከይደግም ንከይንሪኦን ንከይንሰምዖን ድሕሪ ኸዚ ኣባና ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ካልኦት ‘ውን ከይፍጠር፣ ንሰላም ንክሰርሕ ዘስታወሰኒ ግዜ ‘ዩ።ግዜ እናሃለወካ ሰለም እናሃለወ ንሰላም ምስራሕ ብጣዕሚ ኣድላይ ‘ዩ።ሰላም እንድሕር ተበላሽያ ምምላሳ ኸቢድ ‘ዩ።ኹናት እንታይ ከምዝፈጥር ኣሪእና ‘ዩ።ሽዑ ተንኽእል ነይርና እቲ ናይ መጀመርያ ‘ኳ ተዘይኻኣልና ኣብቲ ካልኣይ ሳልሳይ ምዕራፍ ስኽን ኢልና ስምምዕነት ተንፈጥር ነይርና ክንደይ ህይወት ሰብ መድሐና ነይርና።

ሕቶ፡- ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣብ ቦትኡ ኣሎ ኢሎም ዶ ይሓስቡ ? ብዙሓት ወገናት ብዙሓት ተስፋታት ተግባራዊ ኣይተገበሩን ዝብል ዝላዓሉ ሓሳባት ኣለዉ፤ ካብዚኣቶም እቲ ሓደ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓደሽቲ ይኹኑ ነባራት ውድባት ፖለቲካ ዘካተተ ብልፅግና ሓዊሱ ስግግር መንግስቲ ክጣየሽ ኣለዎ ‘ዩ ዝብል ፤ መንግስቲ ፌደራል ግና ግልፂ ብዘይኾነ ኣካይዳ ህወሓት ዝቆፃፀሮ መንግስቲ ክጣየሽ ‘ዩ ተገይሩ ፤ እዚ ብምንታይ ምኽንያት ‘ዩ ተገይሩ ?

ዶ/ር ኣብርሃም፡– ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣብ ቦትኡ ኣሎ ዶ ዝብል ንምርኣይ ንብዙሕ ነገር ምርኣይ ኣድላይ ‘ዩ።መጀመርያ እቲ ኣተሓሳስባ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኹሉ ፀገማት ትግራይ ይፈትሕ ‘ዩ ኢልካ ምውሳድ እንድሕር ሃልዩ ጌጋ ‘ዩ።እተን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተቐመጣ ነጥብታት ናብ ተግባር ንክቕየራ ትፅቢት ካብ ምግባር ዝተልዓለ ሕቶ ከምዝኾነ ይኣምን።

ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ እንታይ ‘ዩ ክረክብ ገይርዎ ኢልካ ምሕታት እቲ ዝተረኸበ ‘ውን ምድናቕ የድሊ።እቲ ዝጎደለ ‘ውን ክፍፀም ምሕታት ትኽክል ‘ዩ።ግና ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብምፍራሙ እንተናኣሰ ተኹሲ ጠጠው ኢሉ ፤ ህዝቢ ትግራይ ናይ ሰላም ንፋስ ክረክብ ዕድል ፈጢሩ ‘ዩ።እዚ ዓብይ ስጉምቲ ‘ዩ ፤ ናይ መጀመርያ ዕላምኡ ‘ውን እዚ ስለዝኾነ።

ካልኣይ ቅድሚ ፕሪቶርያ ምስምዕማዕና ብኹናት ብዙሓት ኸባብታት ትግራይ ተዳሒዘን ‘የን ነይረን፤ እዚ ተመሊሱ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክርከብን ክማሓደርን ዝተገበረ ሳላ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ‘ዩ፤ እተን ተሪፈን ዘለዋ ኣካራኻሪ ቦታታት ናብ ተወሳኺ ጎንፂ ከይወስዳናን ስምምዕነት ፕሪቶርያ ክፈርስ ከይግበርን ሓይልታት ፌደራል ኣብቲ ቦታ ክኾኑ ተገይሮም ‘ዮም፤ ግዝያዊ ምምሕዳር ተጣይሹ ‘ውን ከም መንግስቲ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ብፍጥነት ክፈትሕ ዝተገበረ ‘ውን በዚ ስምምዕነት ‘ዩ፡፡

ብተወሳኺ እቲ ፀገም ሰፊሕ ስለዝነበረ ብተደጋጋሚ ኹናት ስለዝነበረ ብዙሕ ሓገዛት ዘድሊ ከምዝነበረ ኩሎም ክልላት ምምሕዳር ከተማ፤ ፌደራል ሚኒስቴር ትካላት ዝኻእልዎ ኹሉ ሓጋዝ ንክገብሩ ዕድል ዝተፈጠረ ስምምዕነት ፕሪቶርያል ስለዝተፈጠረ ‘ዩ።

ኹለን ግልጋሎት መንግስቲ ናብ ስራሕ ክምለሳ ስራሕቲ፤ ቴሌኮም ብቁልጥፍ ተፀጊኑ ናብ ስራሕ ክኣቱ፤ መንገዲ ኣየር ብቅልጡፍ ስራሕ ክጅምር ፤ ባንክታት ስረሐን ክጅምራ ፤ ጥዕና ጣብያን ቤት ትምህርትን ናብ ስራሕ ክኣትዋ እዚ ኹሉ ዝተፈጠረ ሳላ ሰላም ስምምዕነት ፕሪቶርያ ከምዝኾነ ምእማን ብጣዕሚ ኣድላይ ይመስለኒ።

ዘይተግበረ ጥራሕ እናሓዝና ምኻድ ኣድላይ ኣይመስለንን።ስለዚ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ ቦትኡ ‘ዩ ዘሎ።ውዕሊ ፕሪቶርያ መንግስቲ ፌደራል ካብ ውዕሊ ንላዕሊ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ዘሎ እምነት ክሰፍሕ ዝወሰዶም ውሳነታት ምዝንጋዕ ዘድሊ ኣይመስለንን፡፡

ኣመራርሓ ፌደራል ብቀጥታ መቐለ ከይዶም ህዝብና ‘ዩ ኢሎም ዝራኣይሉ ኩነታት ናብ ሰላም ክምለስ ዘሎ ድልየት ዘርኣየ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ኸዚ እንሪኦ ዘለና ናብ ሕርሻ እንኣትው ዘለና ጉዕዞ ዘድሊ ዘርኢ ክበፅሕ ቅድሚያ ንትግራይ ክዋሃብ ዝተገበረ ብምኽንያት ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንሰላም ዘለዎ ድልውነት ንምርኣይ ተሓሲቡ ‘ዩ፡፡

ብስምምዕነት ፕሪቶርያ ኹሉ ኣሳታፊ ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር መስርቱ ‘ዩ ዝብል።እቶም ዝተውዓዓሉ ኣካላት ተመኻኺሮም ካብ ኹሎም ግዝያዊ ምምሕዳር ሓዊሶም ክምስርቱ ‘ዩ ትፅቢት ዝግበር ።ከም መንግስቲ ፌደራልን ብልፅግና ፓርትን ዝወሰድናዮ ውሳነ ሐዚ እንታይ ‘ዩ ድልየትና ግዝያዊ ምምሕዳር ፈጢርና እዚ ናተይ እዚ ናትካ እናበልና ግዜ ምውሳድ ድዩ ወይስ ፀገማት ህዝብና ብግዜ ምፍታሕ ‘ዩ? ትግራይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣካል ክመርሖ ዓቕምን ክእለት ዘይብሉ ድዩ ኾይኑ ? ኣለዎ ‘ዩ።

ሙጉታት ከይፈጠርና እቲ ድልየትና ሰላም ስለዝኾነ ብሰላማዊ መገዲ ካብ ኹሎም ኣካላት ዘሳትፍ ብፍላይ ድማ ብፍጥነት ናብ ስራሕ ክኣትውሉ ዝኽእሉ ምሁራት ፣ ዳያስፖራን ፣ፖለቲከኛታት ኣካላት ፀጥታ፣ እቲ ፓርቲ ‘ውን ኣሳቲፎም ተሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ከጣይሹ ኢና ዕድል ሂብናዮም።

እዚ ፌደራል መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ምልዕዓል ዝተፈለየ ኣጀንዳ ‘ውን ከምዘይብሉ ከርኢ ስለዘድሊ ብፍጥነት ድማ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ክፍትሑ ስለዘለዎም ንክፍልጡ፤ ኣካላት እቲ ፀገም ብቕርበት ዝፈልጡ ቀልጢፎም እቲ ፀገም ፈቲሖም ፀገም ህዝቢ ትግራይ ከቃልሉ ዝተገበረ ‘ምበር ካልእ ሽርሒን ድልየት ዘለዎ ኣይኮነን፤ ቅንዕና ዘለዎ፤ ንህዝቢ ትግራይ ንምኽባር ዝተገበረ ‘ዩ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣሳታፊ ድዩ ንዝብል ምሁራን ፣ዳያስፖራ ፣ ኣካላት ፀጥታ ፣ ህወሓትን ፓርትታን ዝተወከሉ ኣለዉ ‘ዮም ፤ ግና እኹልን ተመጣጣንን ድዩ ? ብኸምዚ ብርኪ ድዩ ክኾን ዝነበሮ ? ካብዚ ንላዕሊ ክመሓየሽ ዶ ኣይምነበሮን ? ንምንታይ ኸ ብሓደ ወገን ዝዕብለል ኾይኑ? ዝብል ነገራት ትኽክለኛ ሕቶ ‘ዩ።እዚ ክዕረ ኣለዎ ምባል ሚዛናዊ ዝሓለወ ሕቶ ይመስለኒ።እዚ ንምግባር ‘ውን ክስረሐሉ ይኽእል ‘ዩ፤ ብዙሕ ፀገም ስለዘይብሉ።

ተዘይኾይኑ ግና ፌደራል መንግስቲ ሓቢሩ ብዘይምእታው ወይም ኣብቲ ምምሕዳር ብዘይምህላዉ ካልእ ዓይነት ሽርሒ ሓሲቡ ‘ዩ ዝብል ግን ትኽክኛ ኣረዳድኣ ኣይኮንን።ከምዚ ዓይነት ድልየት የለን ፤ እቲ ድልየት ክብሪ ህዝቢ ትግራይ፣ ትግራዋይ ባዕሉ ንባዕሉ ኪኢሉ ህዝቡ ክመርሕ ከምዝኽእልን ዝተፈለየ ኣጀንዳ ኣብ ትግራይ ስለዘይብሉን ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።

ሕቶ፡- ካብ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝተመዛበሉ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣፅሊሎም ፀገም ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ንምንታይ ‘ዩ ሱቕታ ተመሪፁ?

ዶ/ር ኣብርሃም፡- ሱቕታ? ኣሽንኳይዶ ዝተማዛበለ ህዝቢ ዓብይ ጉዳይ ሒዝካስ ኣብ ካልኦት ጉዳያት ‘ውን ሱቕታ ኣይተመረፀን።ዘንጊዑ ‘ዩ ትኽክል ።ብጣዕሚ ውሽጥኻ ዝጎድእ ‘ዩ።ብፍይ ድማ ወለድና ፣ ኣሕዋትና ኣዴታትና ‘ዮም ኸቢድ ነገር ‘ዩ።ኣብ ማንም ዜጋ ክፍጠር ዘይትደልዮ ‘ዩ ገጢምዎ ዘሎ ህዝብና።

እዚ እናሃለወ ሱቕታ ዝመርፅ ዝሓመመ ተዘይኾይኑ የለን።ብኣና ወገን ሱቕታ ይኹን ዕረፍቲ የለን። እንታይ ኢና ገይርና፤ ፅባሕ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ናይ መጀመርያ ኣጀንዳና ብቕልጡፍ ህዝብና ናብ ገገዝኡ ንመልሶ ‘ዩ።ካልእ ኣጀንዳ ነርክበሉ ኢና።ህይወት ህዝቢ ይድሓን ፣ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ይረጋገፅ ፣ ሕገ መንግስታዊ መሰል ይረጋጋፅ ፣ ክሳብ ኸዚ ዕረፍቲ ዘይሃበና ናይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ጉዳይ ‘ዩ።

ከምትዝክርዎ ዓሚ ቅድሚ ሰነ ክረምቲ ከየርከበ ተመዛበልቲ ክምለሱ ኣለዎም ፤ ክምለሱ እንተኾይኑ ብኸመይ ይመለሱ ? ድሕንነቶም ከመይ ይረጋገፅ ? ከጋጥሞ ፀገማት መን ‘ዩ ዝፈትሐሎም? ዝብሉ ሕቶታት ተላዒሎም።መሰረታዊ ዝኾኑ መትከላት ኣቕሚጥና፤ ንምንታይ ኢና ይመለሱ እንብል ዘለና፤ ከመይ ኢሎም ‘ዮም ይመለሱ እንብል ዘለና ዝብል ጉዳይ ተላዒሉ ‘ዩ ።ግና ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣለዎም ።

ካልኣይ ጉዳይ ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ‘ዩ።ሳልሳይ ሰብኣዊ መሰሎም ‘ዩ።ራብዓይ እዞም ዜጋታት ናብ መረበቶም ክምለሱ ከለዉ ብሰላማዊ መገድን ድሕንቶም ብዘረጋገፅ ክፍፀም ኣለዎም ‘ዩ።ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብዘፍርስ ኣካይዳ ‘ውን ኣይኾነን።ኣብ ፕሪቶሪያ እኮ ኣከራኻሪ ተባሂሎም ዝኣተዉ ቦታታት ካልኦት ቦታታት ኣከራካሪ ስለዘይኾኑ ‘ዮም።ኣካራኻሪ ቦታ ስለዘሎ ‘ዩ፤ ተዘይህሉ ነይሩ ኣብ ፕሪቶርያ ‘ውን ኣይመኣተወን ነይሩ።

ስለዚ እዚ ኣካራኻሪ ቦታ እዚ ከመይ ኢልና ኢና ጎንፂ ከይፈጠርና ሰብኣውን ሕገመንግስታውን መሰል ህዝብና ነረጋግፅ ዝብል ‘ዩ እቲ መሰረታዊ ሕቶ ኾይኑ ዝተቐመጠ።እዚ እንተኾይኑ ከመይ ገይርና ኣብቲ ቦታ ዘሎ ድሕንነት ነረጋግፅ ፤ እዚ ከረጋገፅ ዝኽእል ሓይሊ ፌደራል ‘ዩ።ስለዚ ኣብዚ ኸባቢ ዘሎ ዕጡቕ ሓይሊ ከፅሪ ፣ ከውፅእ ፣ ዕጥቂ ከፍትሕ መከላከያ ሓይልን ፌደራል ሓይልን ተወዲቡ ኣትዩ ክቆፃፀር ኣንፈት ኣቕሚጥና።

ዝተመዛበለ ህዝብና ብዝተወደበ መንገዲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣበይ ጣብያ ኣበይ ወረዳ ከምዝተመዛበለን ኣበይ ከምዝኣቱን ብዝተወደበ መገዲ ከምፅእ፤ ተቐቢሉ ብሰላማዊ መገዲ ናብ ገዝኡ ክኣቱ ኣካላት ፌደራል ፀጥታ ድሕንነቱ ከረጋግፅሉ ክግበር ፤ ኩሎም ዝተመዛበሉ ኣካላት ሰባት ከየንጠባጠቡ ናብ ገዘኦም ክምለሱ ዕጥቂ ዝሓዘ ሓይሊ ግን ከይህሉ ካብ ፌደራል ወፃኢ እዚ ድማ ጎንፂ ከይፍጠር ተባሂሉ ‘ዩ ኣንፈት ተቐሚጡ።

ፌደራል ፀጥታ ኣካላት ብቀጥታ ናብ ስራሕ ‘ዮም ኣትዮም።ትልሚ ኣውፂእና ስምሪት ሂብና ሓይሊ ወዲብና ኢና ናብ ስራሕ ኣቲና።እዚ ኣንፈት እዚ ተዳሒዙ ህዝቢ ናይ ምምላስ ከይዲ ግና ኣይተፈፀመን።ምምላስ እንድሕር ተኻኢሉ ተመሊሱ ከመይ ይመሓደር፤ እንድሕር ተመሊሱ ናይ መጀመርያ ጉዳይ ምምሕዳር ናይ ምምራፅ ናይቲ ማሕበረሰብ ‘ዩ።

ጣብያ ፣ወረዳ ኣማሓዳሪኡ ባዕሉ ይምረፅ ማሓውር መንግስቲ ይመስርት ፣ በጀት ብቀጥታ ይርከብ ፤ ኣብ ከይዲ እዚ እናገበረ እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ኩነታት ግና መረፃን ህዝበ ውሳነ ንክገብር ዘኽእል ኩነታት ምህላዉ ቦርድ መረፃ ምስኣረጋጋፀ ካልኦት ሳልሳይ ወገን ዘለዉዎ ምስክራትን ተዓዘብትን ኣብ ዘለዉዎ ህዝበ ውሳነ ምክያድ ይካኣል ‘ዩ ተባሂሉ ኣንፈት ተቐሚጡ ‘ዩ ናብ ስራሕ ተኣትዩ ነይሩ።

እዚ ብግልፂ ተመያይጥናሉ ኢና ናብ ተግባር ክወርድ ኣንፈት ኣቕሚጥና ፤ ተንቀሳቂስና ‘ውን ኢና ፤ ግና እታ ሰነ’ውን ኣምሊጣትና ድሕሪ ሰነ ‘ውን ተዛቲና ፤ እንተናኣሰ ቅድምያ ንህዝብና ድሕንነት ንሃብ ናብ መረበቱ ይመለስ ካልኦት ኣጀንዳታት ግዜ ሂብና ‘ውን እንተተዘራራብናሉ ፀገም የብሉን።

ድሕሪ እዚ ‘ዩ ካልኦት ሕቶታት ክምለስ ዝኽእል ፤ እንተስ ሕቶ መሬት ይኹን ካልኦት ሕቶታት ሕገመንግስታዊ ብዝኾነ መገዲ እዚኦም ምምላስ ‘ውን ዘይተኸኽኣለ ቅድም ኢሎም ዝተገለፁ ናብ መሬት ምውራድ ስለዘይተኽኣለ ‘ዩ’ምበር ሓንቲ መዓልቲ ብዛዕባ ተመዛበልቲ ህዝብና ከይተዛራረብና ዝደቅስናሉ እዋን የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ገምጋም ‘ውን እዚ ጉዳይ ተላዒሉ ‘ዩ።ፍታሕ ዝርከበሉ ኩነታት ንምፍጣር ኣንፈታት ተቐሚጦም ኮሚቴ ተጣይሹ ክሳብ ኸዚ ዘሎ ፀገማት ተገምጊሞም ብፍጥነት ናብ ተግባር ኣንፈት ተቐሚጡ ‘ዩ፤ እዚ ናብ ተግባር ንክቕየር እናተፀበና ኢና።ስለዚ ቅድሚ እቲ ገምጋም ‘ውን ሱቕ ኣይበልና ካልእ ፖለቲካ ኣጀንዳ ‘ውን ክሕወሶ ስለዘይብሉ።

ኣካይዳ ፌደራል መንግስቲ ‘ውን እዚ ‘ዩ ኢልና ኣቕሪብና ኢና።ዝሓሸ ኣካይዳ እንድሕር ሃልዩ ‘ውን ይምፃእ ኢልና ኢና።ንሕና ዘይፈለጥናዮ ንህዝቢ ሰላማዊ ኩነታት ዝፈጥር ኣካይዳ እንድሕር ሃልዩ ‘ውን ንሕና እንደሊ እዚ ‘ዩ።ኣነ ድማ ከም ትግራዋይ ካብዚ ንላዕሊ ኣጀንዳ ዝገብሮ ነገር የለን ዒስራን ኣርባዕተን ሰዓት ሓሳበይ እዚ ‘ዩ።ህዝበይ ተመሊሱ ከይራእኹ ዝዓርፈሉ ደቂቃ ዝህሉ ኣይመስለንን።

ሕቶ፡- ፌደራል መንግስቲ ዝፍቀድ ብዝመስል መልክዑ ዕንደራ ፅንፊ ዝሓዙ ‹‹ዕጡቓት ኣምሓራን ከምኡ ‘ውን ወራሪ ሰራዊት ሻዕብያ›› ኣብ ብርክት ዝበሉ መሬታት ትግራይ ይርከቡ እዚ መንግስቲ ፍታሕ ዘየምፀአሉ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ?

ዶ/ር ኣብርሃም፡– ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለፅኽዎ ኣከራከርቲ ቦታ ተዘይኾይኖም እቶም ካልኦት ቦታታት በተለይ ምስ ሓይሊ ኣምሓራ ተደሒዙ ዝለዓል ጉዳይ ውሽጣዊ ጉዳይ ‘ውን ስለዝኾነ ኣከራኸርቲ ቦታታት (ኮንቴስትድ ኤርያ) ዝባሃሉ እቲ ቅድም ኢለ ዘቕመጥናዮ ኣንፈት ‘ዩ ፍታሕ ዝህቦ።

ኣብዚ ኸባቢ ካብ ፌደራል ሓይሊ ወፃኢ ማንም ዝተዓጠቐ ሓይሊ ከይህሉ ፌደራል መንግስቲ ሓላፍነት ወሲዱ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ።እተን ኣከራኻሪ ቦታታት ዘሉ ካብ ፌደራል ወፃኢ ዘሎ ዕጡቕ ሓይሊ ካብቲ ቦታ ክወፅእ ፌደራል መንግስቲ ሓላፍነቱ ወሲዱ ይሰርሕ ኣሎ ።ቅድሚ ፕሪቶርያ ብዙሓት ኸባቢ ትግራይ ኣብ ኢድ ሓይሊ ሻዕብያ ኣቲይዎ ነይሮም ‘ዮም።ድሕሪ ፕሪቶርያ ኣብዝሓ ቦታታት ክወፅእ ክኢሉ ‘ዩ፤ ኸዚ ‘ውን ዝተረፉ ቦታታት ኣለዉ፤ ኣብ ገምጋም ‘ውን ርኢናዮ ኢና።

ኸዚ ‘ውን እተን ተሪፈን ዘለዋ ቦታታት ኣብ መሬት ወሪድኹም ፌደራልን ክልልን ዝተወፃፀአ ሰብ መዲብና ኣየናን ከባቢታት ‘የን ሓይልታት ሻዕብያ ዘለዉዎ ኣፃሪኹም ብዝርዝር ይቕረብ ፍታሕ ክንህበሉ ኢልና እናሰራሕና ኢና ንርከብ።ስለዚ ዝገደፍናዮ ኣጀንዳ የለን ኹሉ እናሰራሕናሉ ኢና።ኹሉ ኸዓ መስመር ክድሕዝ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ሕቶ፡-ኸዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ፤ እዚ ድርቂ ካብ ፌደራል ተወኪሎም ኸይዶም ‘ውን ዝራኣይሉ እዋን ኣሎ ፤ከም ሓደ ባዓል ስልጣን ፈፃሚ ስራሕ ዉድብ ብልፅግና ነዚ ኹነታት እዚ ከመይ ‘ዮም ዝሪእዎ ?

ዶ/ር ኣብርሃም፡- ዓሚ ብንደልዮ፣ መልክዑ ዝናብ ዘይረኸብናሉ እዋናት ‘ዩ።ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ድማ እተን ዝተርኣያ ፈርያት ‘ውን ብምኽንያት ኣንበጣ ዝተሳኣናሉ ግዜ ‘ዩ ፤ ኣብዝሓ ቦታታታት ድማ ገባርና ተረጋጊዑ ናብ ሕርሻ ዝኣተወሉ ኩነታት ስለዘይነበረ እቲ ፀገም ተደራራቢ ስለዝኾነ እቲ ድርቂ ኸቢድ ገይርዎ ‘ዩ።

ስለዚ በቲ ዝተለመደ ሓገዝ ፍታሕ ክርከብ ‘ዩ ኢልካ ምዝንጋዕ ኣየድልን፤ ሓገዝ ስለዘይኸደ ኣይኮነን ብፌደራል መንግስቲ ኾነ ብመዳርግቲ ኣካላት ሓገዝ እናበፅሐ ‘ዩ።ብቑፅሪ ‘ውን ይፍለጥ ‘ዩ፤እዚ ግና ምስቲ በፂሑ ዘሎ ፀገም እኹል ድዩ. ኢልካ ምርኣይ ብጣዕሚ ኣድላይ ‘ዩ።እቲ ዝላኣኽ ዘሎ ሓገዝ ኣብቲ ሕብረተሰብ ይበፅሕ ኣሎ ድዩ ኣይበፅሕ ዘሎን ኢልካ ምርግጋፅ ‘ውን ሓደ ነገር ‘ዩ።

ኹሉ ንትግራይ ሓገዝ ክረባረብ ግልፂ ዝኾነ ኣንፈት ‘ዩ ተቐሚጡ፤ ነዚ ‘ዩ ሕድሕድ ሚኒስቴር መስሪያ ቤት ናብ ትግራይ እናኸዳ ሓገዝ ዝገብራ ዘለዋ ፤ ሞያዊ ሓገዝ እታዎታዊ ሓገዝ ዝግበር ዘሎ።ግና እቲ በፂሑ ዘሎ ድርቂ በዚ ዝምለስ ድዩ ፤ እቲ ዘሎ ሓገዝ ይጠናኸር ዝውሰኸህ ሓገዛት ይወሰኽ እቲ ኸዚ ዘሎ ኩነታት ግና ኢንቨንተሪ ይሰራሕ ተባሂሉ ከምቲ ዝራእኽምዎ ተወከልቲ ፌደራል ሞያተኛታት ኮሚቴ ተዳራጅዮም ኣብ ስራሕ ‘ዩ ዘሎ፤ እቲ ኻልኣይ ንትግራይ ድርቂ ሓገዝ ዘተሓባብር ብሄራዊ ኮሚቴ ካብ ፌደራልን ክልልን ትግራይን ኣነ ባዕለይ ዘለኽዎ ተጣይሹ ‘ዩ።

ትልሚ ኣውፂእና ኢና ዕላዊ ክንገብሮ ኢና።ኹሉ ስለ ትግራይ ዝሓስብ ትግራይ ንክትሓዊ ዝምነ ኣካል ኣብዚ ሰዓት እዚ ዕድላት እናዳለውና ኢና ሰብ ሃፍቲ ፣ ምሁር ፣ ገባር፣ ዳያስፖራ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ህዝቢ ትግራይ እቲ ኸዚ በፂሕዎ ዘሎ ድርቂ ሓዊሱ ክረባረብ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒተይ የቕርብ።

ሕቶ፡- ድሕሪ ፕሪቶርያ ኣብ መብዛሕትአን ከተማታት ትግራይ ሰላምን ፀጥታን ኣብ ሕቶ ይኣቱ ኣሎ፤ እዚ ከመይ ‘ዩ ዝፍታሕ ይብሉ?

ዶ/ር ኣብርሃም ፡– ከም ሃገር ጉዳይ ፀጥታን ድሕንትን ኣሰራርሓ ኣለዎ ‘ዩ።ምንም ‘ኳ በቲ ተፈጢሩ ዝነብረ ፀገም ክፍተታት እንተሃለወ፤ እቲ ኣብ ከተማ ዝረአ ብውልቀ ሰባት ዝስራሕ ገበናት በቲ ምምሕዳር ወገን ፍታሕ ዝዋሃቦ ጉዳይ ‘ዩ።

ኩነታት ትግራይ ድሕሪ ብዙሕ ኹናት እሞ ድማ ብዙሕ ዝተዓጠቐ ሓይሊ ዝተበተነሉ ፤ ብዙሕ ሓይሊ ስራሕ ዝተስኣነሉ ፤ ብዙሕ ኣብ ፀገም ዝወደቐሉ ስለዝኾነ እቲ ዓይነት ገበን ሰፊሕ ‘ዩ።ውልቀ ሰባት ንብረት ዝምንዝዕሉ ፤ ገዛውቲ ዝዘርፍሉ ፤ ሰባት ንእሽተን እንድሕር ፀልሚቱ ዝድንግፅሉ ፤ ተረጋጋዖም ምንባር ስግኣት ዝኾነሉ ኩነታት ይረአ ኣሎ ‘ዩ።

እቲ ዓይነት ገበን ‘ውን ሓደ ዓይነት ዘይኾነ እቲ ሓደ ሓደ ሽርሒ ኢኮኖሚ ዘለዎ ፤ ዝተወደበ ዝርፍያ ፣እዚ ኹሉ ንምስትኽኻል ዝተናበበ ወፍሪ ክንኣቱ ኢና።ኣብ ፀጥታ ጉዳይ ድማ ተጠናኺሩ ንክቕፅልን ኣድላይ እንተኾይኑ ድማ ብፌደራል መንግስቲ ሓገዝ ዝግበርሉ ክንሰርሐ ኢና።

እቲ ዝተኣሳሳረ ዝተናበባ ጉጅሊያዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ካብ ደንበር ተሳጊሩ ‘ውን ዝሓልፍ ሃፍቲ ዘረፋ ንትግራይ ጥራሕ እንተይኾነስ ንሃገር ‘ውን ሓደጋ ‘ዩ።ዝተወሰኑ ኣካላት ጅቦኦም ዝመልእሉ ብዙሓት ድማ ኣብ ፀገም ዝወድቕሉ እዚ ፀገማት ትግራይ ብዝፈትሕ ተይኾነስ ገበናት ዝሰፍሕሉ ኩነታት ‘ዩ ዝረአ ዘሎ።

እዚ ሱቕ እንድሕር ኢልናዮ ሓደገኛ ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ስርዓት ንከይህሉ ዝገብር ስለዝኾን ፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ መንግስቲ ዘዳኽም ስለዝኸውን ግዜ ከይሃብና መፍትሒ ክንደልየሉ ኢና።ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ተናቢብና ብዙሓት ፀገማት ክንፈትሕ በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ ይደሊ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 28 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *