“ምንቕስቓስ ቱሪዝም ብመንግስቲ ጥራሕ ዝፍፀም ስለዘይኮነ ኣብ ሕውየት ቱሪዝም ግድኡ ክዋፃእ ይፅውዕ” -ኣይተ የማነ ገድሉ

ቕድሚ እቲ ዂናት ካብ 80 ክሳብ 90 ሽሕ ዝኾኑ ቱሪስታት ወፃኢን ናብ ክልተ ሰለስተ ሚልየን ዝኾኑ ድማ ናይ ውሽጢ ዓዲ ከምኡ ‘ውን ንዝተፈላለዩ ፍፃመታት ንምጉብናይን ይመፅኡ ነይሮም ‘ዮም። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2016 ዓ.ም ከባቢ 3 ሽሕ ዝኾኑ ቱሪስታት መስሕባት ቱሪዝም ትግራይ ጎብንዮም።

ቕድም ክብል ኣብዝሓ ኣብ ኣኹሱም ከባቢ ተወሲኑ ዝነበረ ምንቓቓሳት ቱሪዝም ሎሚ ናብ ካልኦት ከባቢታት ገርዓልታ፣ ጉሎ መኻዳ፣ ጋንታ ኣፈሹም፣ ኣፅብን ውቕሮን ዝበሉ ከባቢታ መስሕባት ቱሪዝም እናሰፍሐ ዝኸድ ዘሎ ኮይኑ፤ ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ፈጠራታት ኢደ ጥበብን ከም ምሕዃር ጎቦታትን ዝበሉን ካልኦትን ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኹ ይኸዱ ብምህላዎም ናብ ትግራይ ዝመፅኡ ቱሪስታት ፃንሒት ግዝኦም ንምንዋሕ ተስፋ ዝህቡ ምንቕስቓሳት ይግበር ኣሎ።

ካብን ናብን ምንቕስቓሳት ቱሪስታት ሰላማዊ ንክኸውን ብመኽበርቲ ፀጥታ ዝተጠናኸረ ሓለዋ ይግበረሎም ‘ዩ። ካብ 2015 ጀሚሩ ኣብ ቱሪስታት እዚኣ ፀገም በፂሓ ዝብሃል የለን። እዚ ድማ ግንዛበ እቲ ሕብረተሰብ ዝለዓለ ስለዝኾነ ‘ዩ። ንቱሪዝም ዓቢ ግደ ዘለዎም መሰረተ ልምዓታት ከም መዕርፎ ነፈርቲ ሃፄ ዮሃንስን መኣዲ ንወለዶ(ገበታ ለትውልዲ) ዝበሉ ስራሕቲ ፅቡቅ ተስፋ ዝህቡ ምንቕስቓሳት ይግበሩ ኣለው።

ከምኡ ‘ውን ኣብ ገርዓልታ ብፌደራል መንግስቲ ዝስራሕ ዘሎ ኣካል መኣዲ ንወለዶ ዝኾነ ስራሕቲ ሎጅ ‘ውን ብፅቡቕ ምንቕስቓስ ይኸይድ ኣሎ። ከምኡ ‘ውን ገርዓልታ ከም ሓደ መስሕብ ቱሪዝም “ብሉፅ ቱሪዝም መንደር” ኮይኑ ኣብ ዓለም ንክወዳደርን ንክምረፅን ኣብ ቐፃሊ ድማ ሓደ ዓምዲ ልምዓት ቱሪዝም ትግራይ ንክኸውን ብመንግስቲ፣ ማሕበረሰብ፣ መዳርግቲ ኣካላትን ስራሕቲ ይካየድ ኣሎ።

እዚ ዝበሉ ናይ ሎሚ ጋሻና ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ብቕዓት ምርግጋፅ ዝኾኑ ኣይተ የማነ ገድሉ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ኣብ እዋናዊ ምንቕስቓስ ቱሪዝም ትግራይን ተዛማድቲ ዛዕባታትን ሙሉእ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፤ ሰናይ ንባብ:-

ወጋሕታ:- ብብርኪ ሃገር ይኹን ብብርኪ ዓለም ትኹረት በፃሕቲ ዓዲ ካብ ዝስሕቡ ወይ ክስሕቡ ይኽእሉ ‘ዮም ዝበሃሉ ዋና ፀጋታት ቱሪዝም ትግራይ እንታይ እንታይ ‘ዮም?

ኣይተ የማነ:- ኣብ ፀጋታት ቱሪዝም ትግራይ ክንርኢ ከለና ብታሪኽ፣ ተፈጥሮን ባህልን ናይ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ናይ ወፃኢ ቱሪስታት ዝስሕቡ ሃፍትታት ኣለውዋ ‘ዮም። እዚ ድማ ቕድሚ እቲ ዂናት ካብ 80 ክሳብ 90 ሽሕ ዝኾኑ ቱሪስታት ወፃኢን ናብ ክልተ ሰለስተ ሚልየን ዝኾኑ ድማ ናይ ውሽጢ ዓዲ ከምኡ ‘ውን ንዝተፈላለዩ ፍፃመታት ንምጉብናይን ይመፅኡ ነይሮም ‘ዮም።

ብፍላይ ኣብ ኣርኮሎጂ ክንወስድ ከለና ድማ፤ ብዙሓት ናይ ኣርኮሎጂ መስሕባት ኣለው ‘ዮም። ካብዚኦም ናይ ቅድመ ስልጣነ ኣክሱም ብዙሕ ሓድግታት ኣለው። ኣብዚ ድማ ናብ 11ን 12ን ዝኾኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታት ብኳዕቲ ተረኺቦም መፅናዕቲ እናተገብሮም ዝነብሩ ኮይኖም ኣብዚኦም ዝተረኸቡ ውፅኢታት ኣርክዮሎጂ ድማ ንልዕሊ 3000 ሽሕ ዓመታት ዕድመ ዘቁፀሩ ኣብ ማይ ኣድራሻን ኣብ ነበለትን ክልኦት ከባቢታትን ተርኺቦም ‘ዮም።

ብፍላይ ኣብ ነበለት ዝተረኸበ እንተወሲድና፤ ካብ 1ሽሕን 600ን ቅ.ል.ክ ኣብ ማይ ኣድራሻ ዝተረኸበ እንተወሲድና ድማ 1ሽሕን250 ዓ.ም ኣብ የሓ ‘ውን ካብ 8ይ ክሳብ 9ይ ኣብ ዘሎ ክፍለ ዘመን ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ዓዲ ኣካውሕ ‘ውን እንተወሲድና ምስኡ ዝተደረኸ ውፂኢታት ኣርክዮሎጂ እናተረኸቡ ዘለውሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

ብተፈጥሮኣዊ ክንወስድ ከለና ድማ፤ ኣብ ሞንጎ ብሄራዊ ፓርክ ሰሜንን ደናክል ዝተሓተ ትሕቲ ፀፍሒ ባሕሪ ዝርከብ ብምዃኑ ተፈጥሮኣዊ ሰሓባይን ብኣቀማምጥኡ ድማ ማራኽን ከምኡ ‘ውን ጎቦታትን እምባታትን ንምሑዃር ዝኣምሰሉ ምንቕስቓሳት ቱሪዝም ፅቡቕን መርአያ ዝኾኑ መስሕባት ዝርከብዋ ክልል ‘ያ።

ወጋሕታ:- ቅድሚ እቲ ዂናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ሰሜን ምዕራብን ካልኦት ከባቢን ጀሚሮም ዝነበሩ መፅናዕትታት ኣርኪዮሎጂ ኣብዚ እዋን ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከቡ?

ኣይተ የማነ:– መብዛሕትኤን ናይ ኣርኪዮሎጂ ቦታት ኲናት ዝተኻየደለን ከባቢታት ‘የን። ኣብ ከባቢ ሰሜን ምዕራብ እንተውሲድና ኣብ ከባቢ ሽረ ዘሎ ማይ ኣድራሻ ብዙሕ ኲናት ዝተኻይድሉ ቦታ ‘ዩ። ኣብ ከባቢ ጉሎ መኸዳ መነበይቲ እንተኸድና ‘ውን ኲናት ዝነበሮን ብዙሕ ፀገማት ዝነብሮ ‘ዩ።

ብፍላይ ኣብ ክልቲአን ማይ ኣድራሻን ነበለትን እንተወሲድና ኣብቲ ኲናት ብዝተሳተፉ ኣካላት ብዙሕ ጉድኣት ዝበፅሖምን ብፍላይ ኣብ ስቶር ዝነብሩ ሓድግታት ንክስረቁን ንክበታተኑን ተገይሩ ነይሩ ‘ዩ። ኣብዚ እዋን ግና ኣብቲ ምርምር ዝነበሩ ኣካላት ኣርኪዮሎጂ መፂኦም ኣብቲ ቦታት ኣርኪዮሎጂ ዝበፅሐ ጉድኣታት መፅናዕቲ ኣካይዶም ንቀፃሊ ከመይ ገይሮም መፅናዕቶም ከቐፅሉ ከምዝኽእሉ ስራሕቲ ሰርቨይ እናካየዱ ‘ዮም ዝርከቡ ዘለው።

ወጋሕታ:- ቅድሚ እቲ ዂናት ይኹን ኣብዚ እዋን ‘ቶም ዘለው ፀጋታት ቱሪዝም ብኣንፃር ዘለዎም ረብሓ ብመንግስቲ ይኹን ብውልቐ ሰብ ሃፍትን ሙሁራትን እኹል ቆላሕታ ረኺቦም ዝለምዑሉ ኩነታት እንታይ ይመስል?

ኣይተ የማነ:- ቅድም ኢሉ ቅድሚ እቲ ዂናት ተስፋ ዝህብ ምንቕስቓሳት ነይሮም ‘ዮም። ብፍላይ ኣብ ቦታት ኣርኪዮሎጂ፣ ተፈጥሮኣውን ታሪኻውን ቦታታት መሊኦም ተፅኒዖም ‘ዮም ኢልካ ምዝራብ ኣይክኣልን ‘ዩ። ከምዝፍለጥ ኣብ ኣክሱም ‘ኳ እንተወሲድናስ ልዕሊ 5 ወይ 10 ሚእታዊ ኣርኪዮሎጂ መፅናዕቲ ኣይተኻየደሎምን። ኣብ ካሊእ ከባቢ ‘ውን ከምኡ ‘ዩ።

ኣብቲ ስራሕቲ ልምዓት እንተወሲድና ‘ውን፤ እቲ ዝተረኸበ መስሕብ ቱሪዝም ናብ ዕዳጋ ካብ ምቕራብ ሓሊፍና እዚ ዝብሃል ኣፅኒዕና ዝኸድናዮ የለን። ይኹን ‘ምበር ተስፋ ዝህቡ ምንቕስቓሳት ነይሮም ‘ዮም። ቅድም ኢለ ከምዝገልፅክዎ ከባቢ 80ን 90ን ሽሕ ናይ ወፃኢ ቱሪስታት ይጉብንዩ ነይሮም ‘ዮም።

ብፍላይ ድማ ኣብ ባህላውን ሃይማኖታውን ከም ኣሸንዳ፣ መስቀል፣ ጥምቀትን ሕዳር ፅዮንን ካልኦትን ዝበሉ በዓላት ፍፃመታትን ፌስትቫላትን ካብ እዋን ናብ እዋን ቱሪስት ናይ ምስሓብ ዓቕሚ እናወስኹ ዝመፅእሉ ኩነታት ነይሮም ‘ዮም። ይኹን ‘ምበር ብኣንፃር ዘሎ ሃፍቲ ቱሪዝም ትግራይ ወሲድካ እንትርአ ግና ኣፍካ መሊእኻ ለሚዑ ‘ዩ ኢልካ ዝትዛረበሉ ኣይኮነን።

ወጋሕታ:- እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ፀጋታት ቱሪዝም ዘለዎ ምልከታ፣ ብፍላይ ኣብ ምዕቃብን ምልላይን እንታይ ይመስል?

ኣይተ የማነ:- ከምዝፍለጥ ‘ቶም ኣብ ትግራይ ዘለው ሓድግታት ልዕሊ 3 ሽሕ ዓመታት ዝፀንሑ ‘ዮም። እዚኦም ድማ ክሳብ እዚ ሓዚ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ሓብሒቡ ከይስረቁ ዓቂቡን ክብድ ዝበለ ነገር እንተጋጥም ‘ውን ክሳብ ሂወቱ ‘ውን መስዋእቲ እናኸፈለ እናተሰጋገሩ ንክፀንሑ ዝገበሮም እዚ ሕብረተሰብ እዚ ‘ዩ። ስለዚ እቲ ማሕበረሰብ ሓድጉ ኣብ ምንክብካብን ምዕቓብን ካብ እዋን ናብ እዋን እናማዕበለ ይመፅእ ኣሎ ‘ዩ።

ካብዞም መስሕባት ቱሪዝምከ እቲ ሕብረተሰብ እንታይ ይጥቀም ንዝብል ድማ ተስፋ ዝህቡ ስራሕቲ እናተሰርሐ ‘ዩ ዘሎ። ቅድም ክብል ከምዝፍለጥ መብዛሕትኡ ዝነበረ ምንቓቓሳት ቱሪዝም ኣብ ኣኹሱም ዝተወሰነ ‘ዩ ነይሩ፤ ሎሚ ግና ናብ ከባቢ ገርዓልታ፣ ጉሎ መኻዳ፣ ጋንታ ኣፈሹም፣ ኣፅብን ውቕሮን ዝበሉ ከባቢታ እናሰፍሐ ‘ዩ ዝኸድ ዘሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ፈጠራታት ኢደ ጥበብን ከም ምሕዃር ጎቦታትን ዝበሉን ካልኦትን ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኹ ይኸዱ ብምህላዎም ናብ ትግራይ ዝመፅኡ ቱሪስታት ፃንሒት ግዝኦም ንምንዋሕ ‘ውን ተስፋ ዝህቡ ምንቕስቓሳት ይግበር ኣሎ ‘ዩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ቱሪዝም ዘለዎ ግንዛበ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ይመፅእ ብምህላው ‘ዩ ዘሪአካ።

ወጋሕታ:- ኣብዚ እዋን ምንቕስቓስ ቱሪዝም ትግራይ እንታይ ይመስል እንታይ ለውጢ ኣሎ? ብፍላይ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኣብ ምንታይ ትኹረት ገይሩ ይሰርሕ ኣሎ?

ኣይተ የማነ:- ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝተኻየደ ስራሕቲ ክንርኢ ከለና ኣብ ሓድግታትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ባህልን ትግራይ ዝበፅሓ ዕንወት እንታይ ከምዝመስልን ብዝምልከቶም ኣካላት መፅናዕቲ ተኻይዱ ቀፃሊ ድማ ኣብዞም ዝበፅሑና ዕንወትን ኪሳራን ስራሕቲ ምሕዋይ ንምስራሕን ባህግን ድልየትን ትግራይ እንታይ ከምዝመስልን ነዚ እንታይ ከምዘድልን ድማ ‹‹ኒድ ኣሰስመንት›› ዝስራሕ ዘሎ ከይኑ ብኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ ቀፃሊ ስትራተጂ ልምዓት ቱሪዝም ኣብ ምድላው ኢና ንርከብ።

ሰላም ምስተፈጠረ ጎና ጎኒ ድማ ብፍላይ ኣብ ፌስትቫላትን ፍፃመታን በዓላት ከዓ እቲ ሕብረተሰብ ‘ውን ብዝሳተፈሉን ብዝወነኖን ፅቡቕ ምስሊ ትግራይ ብዘንፀባርቁ መልክዕ ምንቕስቓስ ቱሪዝም ኣብ ባኬጅ መሰረት ዝገበረ ስራሕቲ ይስራሕ ‘ዩ ዘሎ።

ካብዚ ቐፂልና እንሪኦ ድማ ገርዓልታ ከም ሓደ መስሕብ ቱሪዝም ብዓለም ለኸ ትካል ሕቡራት ዓለም ቱሪዝም በቢዓመቱ ዘወዳድሮ “ብሉፅ ቱሪዝም መንደር” ኮይኑ ንክወዳደርን ንክምረፅን ኣብቲ ከባቢ ቱሪዝም መንደር ንክኸውን ክማልኡ ዝግብኦም ዝተፈላለዩ እታወታት ተግባር ቱሪዝምን ነቲ ውድድር ዝምጥኑ ስራሕቲ ዶክመንትታት ፅሑፍ፣ ፎቶ ግራፍን ቪድዮታትን ተዳልዮም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ተላኢኹ ኣሎ። ኣብ ቐፃሊ ድማ ሓደ ዓምዲ ልምዓት ቱሪዝም ትግራይ ንክኸውን ድማ ብመንግስቲ ብማሕበረሰብ፣ መዳርግቲ ኣካላትን ዝተፈላልዩ ዩኒቨርስቲታትን መፅናዕቲ ኣብ ምክያድ ከይዲ ‘ዩ ዝርከብ።

ኣብዚ ብሉፅ ቱሪዝም መንደር ክንብል ከለና ሓደ ኣብ ዘላቒ ከባቢያዊ፣ ኢኮኖሚያውን ተጠቃምነት ሕብረተሰብን ዘጠቃልል ኮይኑ፤ ካብ ፈጠራዊ ስራሕቲ ከባቢ እቲ ቱሪዝምን ባህልን ልምድን ንስራሕቲ ንረብሓ ቱሪዝም ብምውዓል ከም ባህላዊ ሜላ ኣተሓራርሳ ካልኦት ባህላዊ ምንቅስቃሳት ከም ባህላዊ መጎዓዓዝያን ዝበሉን ስራሕቲ ብምስራሕ ፃንሒት ዑደት ቱሪስታት ብምንዋሕ ብኢኮኖሚ ተጠቓሚ ዝኾነሉን ካብኡ ድማ ገርዓልታ ኣብ ናይ ዓለም ብሉፃት ምስሕብ ቱሪዝም ዝርዝር ክኣትው ከሎ ኣብ ምፍላጥ ዕዳጋ ክኸውን ይኽእል ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ይኹን ኣብ ናይ ዕቀባ ስራሕቱ ተሳትፎ ማሕበረሰብ ዓለም ዝሓየለ ንክኸውን ይገብሮ። ናይ ምልላይ ዓቕሙ ‘ውን ብኡ መጠን ክጎልህ ይኽእል።

ወጋሕታ:- ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃእን ምንቕስቓስ ዑደት ቱሪስታት እንታይ ይመስል?

ኣይተ የማነ:– ከምዝፍለጥ ብፍላይ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም እቲ ቅድም ኢሉ ኣብ እዋን ኲናት ተኣጊዱ ዝነብረ ምንቕስቓስ ቱሪዝም ድሕሪ ምልዓሉ ፤ ዋላ ‘ኳ ሐዚ ‘ውን እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ኩነታት ናይ ባዕሉ ፅልዋ የሃልዎ ኣብ ትግራይ ዝርአ ዝሎ ሃዋህው ሰላም ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘሎ ከባቢ ዝተመሃየሸ ሰላም ምህላው እናረአዩ ዝተፈላለዩ ቱሪስታት ብፍላይ ኣብ ከባቢ ገራልታ፣ ኣክሱም፣ ውቁር ኣብያተ ክርስትያን ዘለወን ከባብታት ተፈጥሮኣዊ መስሕብ ቱሪዝም ዘለዎን ከባቢታን ተስፋ ዝህብ ምንቕስቓሳት ኣሎ።

ኣብ 2016 ዓ.ም ክሳብ ሐዚ ‘ውን ከባቢ 3 ሽሕ ዝኾኑ ቱሪስታት ደቂ ወፃኢ መፂኦም ጎብንዮም ‘ዮም። ብፍላይ ኣብ ምሕዃር፣ ድንኳን ሰሪሖም ኣብ ምፅናሕ ዝኣምሰሉ ፅቡቕ ይንቐሳቐሱ ኣለው ‘ዮም። ኣብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ቱሪዝም ክንርኢ ከለና ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ፌስትቫላትን ፍፃመታትን ከምኡ ‘ውን መንእሰይ ትግራይ በቢከባቢኦም ብጉጅለታት እናተወደቡ ንኣብነት ኣብ ከባቢ ደቡብ ትግራይ፣ ኣክሱም፣ ሽረን ተምቤንን ካልኦት ከባቢታትን ብፍላይ ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ምሕዃር ጎቦታት ዝኣምሰሉ ብሰፊሑ ኣብ ቱሪዝም ተስፋ ዝህብ ምንቕስቓስ ‘ዩ ዝርኣይ ዘሎ።

ወጋሕታ:- ከምዝፍለጥ ሰላም ሓደ ከባቢ በፃሕቲ ዓዲ ቱሪስታት ኣብ ምስሓብ ወሳኒ ‘ዩ እሞ፤ ሰላም ኣብ ምጥንኻር ብፍላይ ኣብ ከባቢ መስሕብ ቱሪዝማት ከመይ ኣሎ?

ኣይተ የማነ:- ኣብዚ ወሳኒ ጉዳይ ግንዛበ ማሕበረሰብ ምዕባይ ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ፅቡቕ ካብ ዝትሪአሉ ሓደ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ቱሪስት ዘለዎ ግንዛበ ዝዓበየ ስለዝኾነ፤ ቱሪስት ካብን ናብን ኣብ ዝንቀሳቀሰሉ እዋን ብቆልዑ መናእሰይ ከም ልመናን ዝኣምሰሉ ከይዋከቡን ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ ሰብ ሞያ ቱሪዝምን ናይ ከባቢ ምምሕዳርን መዕበይ ግንዛበ ብምሃብ ቱሪስታት ብሰላምን ተኸቢሮምን ንክኸዱን ኣብ ጉዕዝኦም ፀገም ከየጋጥሞም ብመኽበርቲ ፅጥታ ዝተጠናኸረ ሓለዋ ይግበረሎም ‘ዩ።

ብፍላይ ከዓ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 151 ብዘለው መጎብነይቲ ኣካላት ከመይ ገይሮም ቱሪስት ከስተናግዱ ከምዝግብኦምን ምስቲ እዋን ዝኸይድ ዘሎ ምንቕስቓስ ቱሪዝም ስልጠናታትን ግንዛበታት ብምዕባይ ምችው ምንቕስቓስ ንክህሊ ሰፊሕ ስራሕቲ ኢና ንካይድ ዘለና። ንኣብነት ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ካብ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝንቐሳቐሱ ቱሪስታት እዚኣ ፀገም በፂሓ ዝብሃል የለን ኣይተፈጠረን። እዚ ድማ ግንዛበ እቲ ሕብረተሰብ ዝለዓለ ስለዝኾነ ‘ዩ።

ከምኡ ‘ውን ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ወፃኢ ገበርቲ ሰናይ ኣካላት ርክብ ብምፍጣር ብፕሮጀክትታት ብምፍጣር ተወዳዳራይ ዝኾነን ደረጅኡ ዝሓለወ ግልጋሎት ቱሪዝም ንምሃብን ናይ ምልላይ ስራሕቲ ንምስራሕን ሰፊሕ ምንቕስቓስ እናተገበረ ‘ዩ ዘሎ። ካሊእ ከምዝፍለጥ ኣብ ባህልን ታሪኽን ትግራይ በቲ ዂናት ሰፍ ዘይብል ዕንወት ኣጋጢምና ‘ዩ።

ብፍላይ ኣብ ቱሪዝም ዓብዪ ዕንወት ‘ዩ በፂሑ ስለዝኾነ እዚ ንምሕዋይ ድማ ብመንግስቲ ስራሕቲ ጥራሕ ክሽፈን ኣይክኣልን ‘ዩ። ስለዝኾነ ምስ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ተመራመርቲ ይኹኑ ዳያስፖራታት ብዝተፈላለየ መልክዕ ድጋፍ ንምርካብ ዝተጠናኸረ ርክብ ይስራሕ ኣሎ።

ወጋሕታ:- ከም ትራንስፖርት መዕረፊ ኣጋይሽን ካልኦት መሰረተ ልምዓት ቱሪዝምን ዝኣምሰሉ ኣብ ምምላእ ዝግበር ምንቕስቓስ እንታይ ይመስል? ብፍላይ ኣብ ስራሕ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ኣክሱም ዝበሉን ከም ኣብ ገርዓልታ ዝስራሕ ዘሎ ገበታ ለትውልድ ዝበሉ ስራሕቲ ኣብ ምንታይ በፂሖም ኣለው?

ኣይተ የማነ:- ከምዝፍለጥ መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ኣክሱም ብቲ ዂናት ብዘጋጠሞ ዕንወት ምኽንያት ክሳብ ሐዚ ግልጋሎት ኣይጀመረን ዘሎ። ሐዚ ግና ኣብ ኸይዲ ስራሕቲ ፅገና ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ሓፂር እዋን ስራሕቱ ከምዝዛዘም ‘ዩ ብዝተፈላለዩ ሚድያታት ዝስማዕ ዘሎ።

ከምኡ ‘ውን ቅድም ኢሎም ዓንዮም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ሆቴላት መዕርፎ ኣጋይሽን ናብ ስርሖም ንክምለሱ ኣብ ፅቡቕ ምንቕስቓስ ‘ዮም ዘለው። ብተመሳሳሊ ድማ ኣብ ገርዓልታ ብፌደራል መንግስቲ ዝስራሕ ዘሎ ኣካል ገበታ ንሃገር ዝኾነ ስራሕቲ ሎጅ ‘ውን ኣብ ፅቡቕ ምንቕስቓስ ‘ዩ ዝርከብ ዘሎ። ስለዚ ብሓፈሻ ፅቡቕ ተስፋ ዝህብ ምንቕስቓስ ‘ዩ ዘሎ።

ወጋሕታ:-ኣብ መወዳእታ ምስዚ ተተሓሒዙ ክልዓል ዘለዎ ዝትብልዎ ዘይተልዓለ ሓሳብ ወይ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም?

ኣይተ የማነ:- ምንቕስቃስ ቱሪዝም ብመንግስቲ ጥራሕ ዝፍፀም ኣይኮነን ስለዚ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ይኹን ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ዳያስፖራታትን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሕውየትን ህንፀትን ቱሪዝም ብዝኽእልዎ ዓቅሚ ብፍልጠትን ብፋይናንስን ድጋፍ ብምግባር ግደኦም ክዋፅኡ ፃዊዐተይ የቐርብ።

ወጋሕታ:- ንዝሃቡኒ ሓበሬታን መብርህን የቐንየለይ።

ኣይተ የማነ:- ኣነ ‘ውን የቐንየለይ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You