‹‹ዘይተቖራረፀ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክረክብ ከም ሪጅን ብዝኻኣልናዮ መጠን እናሰራሕና ኢና›› – ኣይተ ሮቤል ገ/እግዚኣብሄር

ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር መምርሒ ሰሜን ሪጅን መተሓላላፊ መስመርን መከፋፋሊ ጣብያ ኦፕሬሽንን ፅገናን ኣይተ ሮቤል ገ/እግዚኣብሄር ኣብ ዝነበረና ቃለ መሕተት ካብ ዘልዓልዎም ሓሳብ ‹‹ኣብ ክልል ትግራይ ብዝነበረ ኹናት ምኽንያት ጉድኣት ዝበፅሖም መከፋፈሊ ጣብያ ከምዘለዉን እዚኦም ናብ ዝነበርዎ ንምምላስ ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ከምዝግባእ ገሊፆም ‘ዮም።

እዚ ተግባራዊ ንክኸውንን ዘይተቆራረፀ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሕብረተሰብ ንክረክብ እቶም ዝበፅሑ ጉድኣት ብምፍላይ ግዝያዊ እንተይኾነስ ቀዋሚ ዝኾነ ፅገና ተገይርሎም ናብ ስራሕ ንክእቶ እናፃዓርና ኢና ኢሎም። ኣብተን ጣብያታት ሕፅረት መለዋዋጥቲ ናውቲ ከምዘሎን እዚ ንምቕራፍ ምስ ዋና ቢሮ እናተዛራብና ኢና ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም። ምስ ኣይተ ሮቤል ዝገበርናዮ ቃለ መሕተት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ ፡- እቲ ሪጅን ሰሜን ክንደይ ዝኣክል መከፋፈሊን ጣብያታትን ክንደይ ዝኣክል ኪሎሜትሮ መስመራት ምምሕልላፍ ኣለው ፤ እቲ ሪጅን ዝሽፍኖም ኸባቢታትን ኣየነኦም ‘ዮም ?

ኣይተ ሮቤል፡- ኣብ ሪጅን ሰሜን ናብ ዓሰርተ ሓደ ዝኾኑ መከፋፈሊ ጣብያ ዘለዉ እንትኾኑ እቶም ሰለስተ ብምኽንያት ዝነበረ ኩነታት ፀጥታ ኣብቲ ቦታ ኣቲና ንምስራሕ ኣይካኣልናን ።

ኣብ ትሕቲ ሰሜን ሪጅን ዝርከቡ መከፋፈሊ ጣብያታት ካብቶም ዓሰርተ ሓደ 7 ( ሸውዓተ) ባዓል 230 ኪሎ ቮልት ፣ ኣብ ኣላማጣ ፣ መኾኒ ፣ መቐለ ፣ ኣኽሱም ሽረ ፣ ወልቃይትን ሑመራን ከምኡ ‘ውን 4 (ኣርባዕተ ) ባዓል 132 ኪሎ ቮልት ዉቕሮ ፣ ዓዲግራት፣ ዓድዋን ዓብይ ዓድን እንትርከቡ መተሓላላፍቲ መስመራት ብዝምልከት 230 ኪሎ ቮልት 780 ኪሎሜትር 132 ኪሎ ቮልት 230 ኪሎሜትር ጠቕላላ 1010 ኪሎ ሜትሮ መተሓላለፍቲ መስመራት ኣብ ትሕቲ ሪጅን ሰሜን ይርከቡ። እቲ ሪጅን ኩለን ዞባታት ትግራይ ይሽፍን።

ወጋሕታ፡- ዘተኣማምንን ዘይተቖራረፀ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቕራብ በቲ ሪጂን እናተሰርሑ ዘለዉ ስራሕቲ እንታይ ‘ዮም ? ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምዕባይን ምምሕያሽን ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንተሃልዮም ?

ኣይተ ሮቤል፡- ኣብዚ ሐዚ ዘተኣማምንን ዘይተቖራረፀ ኤሌክትሪክ ንምሃብ ዝስርሑ ስራሕቲ ኣለዉ። በዚ ልክዕ ድማ ዘይተሰርሑ ስራሕቲ ‘ውን ኣለዉ ። ኣብዚ ሕዚ ከም ሪጂን እናሰራሕናዮ ዘለና ኦፕሬሽን ዓመታዊ ፍተሻ ስራሕ ‘ዩ።

እዚ ፍተሸ ዝስራሕ ኣብ ምቁርራፅ መብራቲ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ስራሕ ፍተሻ ምክያድ ‘ዩ። በዚ ድማ ናይ ፍተሻን ፅገናን ስራሕ እናሰራሕና ኢና። ዓቕሚ ምዕባይን ምምሕያሽን ብዝምልክት ስራሕ ንምስራሕ ዘሎ ሓይሊ ሰብ እኹል ‘ዩ። ምስራሕ ‘ውን ዝኽእሉን ዓቕሚ ዘለዎምን ‘ዮም።

ኾይኑ ‘ውን እቲ ሪጅን ዝሓዞ ትልሚ ሙሉእ ብሙሉእ ንኽሳኻዕን ውፅኢታዊ ስራሕ ንክስራሕን እቲ ዋናን ወሳንን ኣብ ሓይሊ ሰብ ምስራሕ ብምዃኑ ብምእማን ዓቕሚ ሰራሕተኛ ኣብ ምዕባይ ብዝተወሰነ መልክዑ ስልጠና ብምሃብ እናሰራሕና እንተኾነ ‘ውን ኣብ ቀፃሊ ከም ትልሚ ሒዝና ኣጠናኺርና ንምቕፃል ምድላው እናገበርና ኢና። ኣብዚ ዓመት ዓቕሚ ሰራሕተኛ ንምዕባይ ካብ 2015 ጀሚሩ ሕቶ ቐሪቡ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ብምስራሕ እቲ ትካል ካብ ወፃኢ ብምድሓን ዝተሰርሐ ስራሕ ኣሎ ዶ ? ናይ ቴክኖሎጅን ፍልጠትን ስግግር ስራሕቲ ኸ ብኸመይ መገዲ ይስራሕ ኣሎ?

ኣይተ ሮቤል፡- ኣብዚ ሪጅን ዘሎ ሓይሊ ሰብ በቢ መከፋፈሊ ጣብያ ፀገም እንተጋጥም ናይ ፅገና ስራሕቲ ዝሰርሕ ‘ዩ። እዚ ስሩዕ ስራሕና ‘ውን ስለዝኾነ እዚ ዝኣክል ሰሪሕና ኢልካ እትዛረበሉ ኣይኮነን ። ምኽንያቱም ናይ ኹሉግዜ ስራሕና ስለዝኾነ። እዚ ክንብል እንኽእል ካብ ትልምና ወፃኢ ተዋሳኺ ክንሰርሕ እንተኾይና ‘ዩ። ከም ሪጅን ከምዚ ዓይነት ስራሕ ሰሪሕና ኢና ወፃኢ ድማ ቆጢብና ዝብል ስራሕቲ የለዉን።

ዘለዉና ሰራሕተኛታት ፅገና ኾነ ካልኦት ነገራት እንትሰርሑ ብምትሕብባር ስለዝሰርሑ ዘለዎም ዓቕሚን ፍልጠትን ንምዕባይ ዝስራሕ ስራሕቲ ኣለዉ ፤ ፅገና መከፈፋሊ ጣብያታት ብምትሕብባር ‘ዩ ዝስራሕ። ንሰራሕተኛታት ሓፀርቲ ስልጠና ንዋሃም ዝግበር ስራሕቲ ኣሎ ። እቲ ስራሕተኛ ብጉጅለ ተረዳዲኡ ብምስራሕ ናይ ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ስግግራ ስራሕቲ እናሰርሐ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብ መከፋፈሊ ጣብያታት ሕፅረት መቀያየሪ ናውቲ ከምዘሎ ተገሊፅና ‘ዩ ፤ እዚ ንምፍታሕ እንታይ ተሰሪሑ?

ኣይተ ሮቤል፡– በቢ መከፋፈሊ ጣቢያ ብምኽንያት ዝነበረ ኹናት ቀሊል ዘይባሃል ናውቲ ዓንዩ ‘ዩ። ድሕሪ እዚ ናብ ስራሕ ኦፕሬሽን እንትንኣቱ እንተናኣሰ እዚ ሪጅን ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ብምባል ዝዓነዉ መስመራትን ኣብ መከፋፈሊ ጣብያ ዘጋጠሙ ፀገማት ዝርዝር ብምሓዝ ኣብ 2015 ዓ.ም ናብ ዋና ቢሮ ሊእኽና ኢና።

ናብ ዝነበሮ ንምምላስ መለዋዋጢ መሳርሒ የድሊ ‘ዩ እዚ ዓብይ ሕፅረት ‘ዩ ዘሎ ፤ እዚ ድማ በቢ መከፋፈሊ ጣብያታት ከም ሕቶ ኾይኑ ምልዓሉ ሓቂ ‘ዩ። እዚ ሕቶ ድማ ናብ ዋና ቢሮ ንክምለስ ልኢኽና ኢና። ብሓፈሻ ከም ሪጂን ዘድልዩ ዝርዝራት ክንደይ ዝኣክል በጀት ከምዘድሊ ‘ውን ናትና ናይ ዕዳጋ ክፍሊ ዘይሮም ብምርኣይ ካብ ሰብስቴሽን ዝቐርብ ሕቶ ናብ ዋና ቢሮ ነቕርብ ኢና።

ዘጋጠሙና ማተርያል ሕፅረት በጀት እንትልቀቕ ኢና ምግዛእ እንኽእል። እቶም ናውቲ ካብ ደገ ዝመፁ ብምዃኖም ናይ ምድንጉይ ኩነታት እንተሃለወ ‘ውን ግና እቲ ስራሕ ግዜ ስለዘይወስድ ብቕልጡፍ ንክስራሕ ምስ ዋና ቢሮ እናተዘራረብና ኢና። በጀት ተፈቒዱ መለዋዋጢ ኣቁሑ መፂኦም ትራንስፎርመርን ካልኦትን ተገዚኦም እንድሕር ቐሪቦም ናይ ምምሕያሽ ስራሕ ንምስራሕ ሞያ ዓቕሚ ‘ውን ስለዘሎ ዕንቅፋት ክህሉ ኣይኽእልን።

ግና ካብ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ እዚ ‘ዩ ዝሰራሕናዮ ኢልና እንብሎ ነገር የለን ። ዝስርሑ ናይ ኦፕሬሽን ስራሕቲ ብልሽት እንተጋጥሞም ግዝያዊ ፍታሕ እናሃብና ኢና እናሰራሕና ዘለና። ዘላቒ ዝኾነ ናይ ምምሕያሽ ስራሕቲ ግና ሰሪሕና ምባል ኣይካኣልን።

ወጋሕታ፡- ኣብ ሓደ ሓደ ሰብስቴሽን ሕፅረት ሰብ ከምዘሎ ኣስተውዒልና ኢና ፤ እቲ ስራሕ ናይ 24 ሰዓት ስራሕ ‘ዩ ፤ ሕፅረት ሰብ ሓይሊ ካብ ምቕራፍ ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንታይ ይመስል ? ኣብዚኸባቢ ዝርከቡ ፋብሪካታት እኹል ሓይሊ ካብ ምርካብ መንፅር ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ሮቤል፡- ኣብ ናትና ሪጅን ክሳብ ኸዚ ሕፅረት ሰብ የለን። ብሓደ ሽፍቲ ሓደ ሰብ እንድሕር ኾይኑ ክርከብ ዝኽእል ሓደ ሰብ ‘ዩ። ብስራሕ ምኽንያት ዝጎደሉ ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም ግና ብሕፅረት ሓይሊ ሰብ ምኽንያት ዝበፅሐ ዕንቅፋት የለን። ብፍላይ ድማ ሰብስቴሽን ካብ እኹል ንላዕሊ ‘ዩ ‘ኳ ተዘይበልናዮ ግና ነቲ ቦታ ዝምጥኑ ሓይሊ ሰብ ኣሎ ‘ዩ።

ኣብዚ ሪጅን ዘሎ ችግር ካብ ሓይሊ መፈልፈሊ ርሕቐት እናወሰኽካ ክትኸድ ከለኻ ፀገም ሲስተም እንተጋጥም ፋብሪካታት እኹል ሓይሊ ኣይረኽባን። ካብ ፋብሪካታት ዝቐረብ ቅሬታ ኣለዉ ‘ዮም። ግና ከም ርጂን ሒዝና ኮፍ ኣይበልናን። ጉጅለ ብምጥያሽ ቅድሚ ኸዚ ‘ውን ዝነበሩ ፀገማት ብፍላይ ድማ ዓበይቲ ዝባሃሉ ፋብሪካታት ዓበይቲ ደንበኛታትና ስለዝኾኑ ንምፍታሕ እናሰራሕና መፂና ኢና።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘለዎ ፀገም እንታይ ‘ዩ ኢልና ክንርኢ ከለና ብሓፈሻ ኣበዚ ሪጅን ዘሎ ብምኽንያት ኹናት ዝዓነዉ መስመራት ትራንስምሽን ግዝያዊ መፍትሒ ‘ዩ ተገይሩ ‘ምበር ሙሉእ ብሙሉእ ፅገና ኣይተገበረሉን ። በዚ ምኽንያት ድማ መስመራት ይቆራረፅ፤ኣባና ሪጂን ድማ ብጣዕሚ ምቁርራፅ የጋጥም ‘ዩ። እዚ ንምቕራፍም ከም ሪጅን ንምስራሕ ሞኪርና ነይርና ኢና፤ ግና ብናትና ጥራሕ ንምፍታሕ ዝካኣል ኣይኮነን። ኾይኑ ግና ዘሎ ፀገማት ብምፍላጥን ብምፍላይን ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

ኣይተ ሮቤል፡- ኣብዚ ሐዚ እዋን መቐለ ዘለዉ መከፋፈሊ ጣብያታት ድሕሪ ኸዚ ንዝመፅእ ደምበኛ ምክፍፋል ኣይንኽእልን ዝመልኡ ‘ዮም። እዚ ቀልጢፍና ፍታሕ ንምሃብ እናሰራሕና ኢና፤ እዚ እንድሕር ተዛዚሙ እንተናኣሰ መቐለን ኸባቢኣን ዘለዉ ፀገማት ክቐርፍ ‘ዩ ኢልና ንሓስብ።

ኣብ ትግራይ ዝነበረ ፀገም ኹላትና ንፈልጥ ኢና፤ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ንቀፃሊ ‘ውን ብዝሓሸ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንሕብረተሰብ ንምቕራብ ክንሰርሕ ይግባእ። ቅድሚ ኸዚ ክውሰኹ ተሓሲቦም ዝነበሩ መከፋፈሊ ጣብያታት ኣለዉ ፤መቐለ ዙርያ ኣብ ዓዲ ግራት ፣ እንጥጮ ፣ ኣክሱም ክስርሑ ‘ዮም ኢልና ዝተለምናዮም ስራሕቲ ስለዝነበሩ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ክስርሑ ይግባእ።

ኸዚ ፋብሪካታት ሓይሊ እናሓተቱና ‘ዮም ። እዚ ተሓሳቢ ብምግባር መከፋፈሊ ጣብያታት እንሰርሖም ስራሕቲ ኣለዉ። ቀፂሉ ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክሕግዘና እንደልዮ ኣብ ምስፍሕፋሕ ስራሕትን ስርቂ ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ዓብይ ጉድኣት ኣብፂሑ ‘ዩ ፤ ከምዚ እንድሕር ቀፂሉ ንሕብረተሰብ ‘ውን እኹል ኤሌክትሪክ ንምሃብ ክንፅገም ኢና።

ክሳብ ኸዚ በቢ እዋኑ ስርቂታት ዘጋጥሞም ኸባብታት ኣብ ዓመት ኽልተ ግዜ ዝነበረና ፍተሻ ናብ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ብምግባር ከይድና እናፀገና ‘ምበር በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ስርቂ እኹል ኤሌትሪክ ንምሃብ ኣፀገሚ ‘ዩ። በቢ ወረዳን ጣብያን ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ኾነ ነበርቲ እዚ ንብረት መንግስቲ እንድሕር ሓለዋ ዘይገይሮምሉ በቢ እዋኑ ግልጋሎት ምቁርራፅ ሓይሊ ምግጣሙ ኣይተርፍን።

እዚ ድማ መንግስቲ ሓላፍነት ወሲዱ ክሕግዘናን ኣብ ማሕበረሰብ ድማ ግንዛበ ምፍጣር የድሊ። ንሕና ከም ሪጅን ኣብዚ ዘሎ ማሕበረሰብ ዘይተቖራረፀ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክረክብ ብዝኻኣልናዮ መጠን እናሰራሕና ኢና። እዚ ንምግባር ብሪጅን ጥራሕ ዝፍታሕ ኣይኮነን ብምኽንያት ኹናት ዝዓነወ መስመራት ክቕየሩ ይግባእ፤ ጉድኣት ዝበፅሖም መከፋፈሊ ጣብያታት ምምሕያሽ እንትግበረሎም ‘ዩ ዘይተቖራረፀ ሓይሊ ንሕብረተሰብ ክነብፅሕ እንኽእል።

እዚ ስራሕ ንምስራሕ ድማ ምስ ዋና ቢሮ ዘለዉ ኣመራርሓታት እናተዘራብና ኢና እዚ ፍታሕ እንድሕር ረኺቡ እቲ ሕብረተሰብ ድማ ዘይተቖራረፅ ሓይሊ ኤሌትሪክ ክረክብ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ኣይተ ሮቤል ፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You