‹‹ኣብ መቐለ ዝርከባ ዝተወሰና ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ኣትየን’የን ›› – ኣይተ ኣታኽልቲ ስዩም

ኣብ ትግራይ በቲ ንኸባቢ ክልተ ዓመት ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ስዒቡ ብዙሓት ትካላት ዓንየን ‘የን:: ካብተን ዝዓነዋ ትካላት፣ ትካላት ንግድን ኢንዱስትሪን ምጥቓስ ይከኣል ‘ዩ:: ኣብቲ ትካል ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ናብ ብዙሕ ፀገም ተቓሊዖም ‘ዮም:: ንዝኸፍአ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያውን ፀገም ተሳጢሖም ‘ዮም::

ብኣንፃሩ ድማ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ኣንፃራዊ ሰላም ብምስፋኑ ብዙሓት ኢንዱስትሪታት ናብ ስረሐን ተመሊሰን ምህርቲ እናሃባ ይርከባ:: በዚ መሰረት ኣብቲ ትካል ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ናብ ስረሖም ተመሊሶም ህይወቶም እናመርሑ ይርከቡ::

ምስ እዚ ተታሒዙ ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን እዘን ኢንዱስትሪ እዚአን ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከባን ክንደይ ዝኣኽላ ናብ ስራሕ ተመሊሰን ክንደይ ዝኣኽለ ኸ ኣይተመላሳን ኣብ ዝብል ዙርያ ምስ ምክትል ሓላፊ ንግድን ኢንዱስትሪን ክልል ትግራይ ኣይተ ኣታኽልቲ ስዩም ዝገበርናዮ ፃኒሕት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዚ ስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና:: ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኢንዱስትሪታት ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከባ?

ኣይተ ኣታኽልቲ፡– በቲ ዘጋጠመ ኩናት ስዒቡ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ትካላት ዓንየንን ተዘሪፈንን ‘የን:: በዚ ምኽንያት ምህርቲ ዝህባ ዝነበረ ኢንዱስትሪታት ኣቋሪፀን ፀኒሐን ‘የን:: ብምኽንያት እዚ ኣብቲ ትካል ዝሰርሑ ዝነበሩ ንልዑል ኢኮኖሚያዊ ቑልውላው ተሳጢሖም ‘ዮም:: ሓደ ሓደ ኢንዱስትሪታት ድማ ዝጎደሎም ብምምላእ ናብ ስራሕ ዝኣተዉ ኣለዉ::

እቶም ዝዓነዉ ድማ መንግስቲ ሓላፍነት ወሲዱ ወይ ልቓሕ ብምምችቻው፣ ወይ ድማ ሓገዝ ብምግባር ምትዕርራያት ብምግባር ስራሕ ናብ ዝጅምርሉ ኩነታት ንምፍጣር ምዝርራብ ኣሎ:: ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ ዕልባት ኣይተረኽበን:: ክሳብ ሕዚ ክጅምሩ ዝግበኦም ኢንዱስትሪታትን ፋብሪካታትን ናይ ወፃኢ ሸርፊ ይኹን ልቓሕ ብዘይ ምርካቡ ናብ ስራሕ ኣትየን ‘የን ኢልካ ንምዝራብ ዘድፍር ኣይኮነን:: ሓፈሻዊ ኩናታት ነዚ ‘ዩ ዝመስል::

ወጋሕታ፡- ክሳብ ሕዚ ክንደይ ዝኣኽላ ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ተመሊሰን? ክንደይ ዝኣኽላ ኸ ዘይተመለሳ ይርከባ?

ኣይተ ኣታኽልቲ፡- ቑፅረን ንምግላፅ ሕዚ ዕሙቕ ዝበለ ሓበሬታ የብለይን:: ግን ንሕና ከም ተወከልቲ ናይ ንግዲ ማሕበረሰብ ምስ ሰብ ሃፍቲ ምዝርራብ የድሊ ስለዝኾ እናተዘራረብና ኢና:: ኮይኑ ግና ከምቲ ቕድም ዝበልክዎ ዕሙቕ ዝበለ ሓበሬታ ስለዘይብለይ ሕዚ ክንደይ ናብ ስራሕ ተመሊሰን ክንደይ ከ ኣይተመለሳን ንዝብል ሕቶ ብቑዕ መልሲ ክህበካ ኣይኽእልን::

በርግፅ ኣብ መቐለ ዝበፅሐ ጉድኣት ምስተን ኣብ ካሊእ ከተማታት ዝበፅሐ ጉድኣት ዝወዳደር ኣይኮነን:: ኣብ መቐለ ዝተወሰነ ጉድኣት ‘ዩ በፂሕዎን:: ኣብ ካሊእ ግና ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይነን ‘የን:: ኣብ መቐለ ዝርከባ ኢንዱስትሪታት ብዙሕ ጉድኣታት በፂሕዎን ‘ዩ ማለት ኣይከኣልን:: ኣብ መቐለ ዝርከባ ዝተወሰና ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ኣትየን’የን:: ልቓሕን ካልኦት ጥረ ኣቕሓን ወይ ምስትኽኻላት ተገይሩለን’ዩ ናብ ስራሕ ዝኣተዋ ኣ:: ገሊአን ዋላ ኣብ መቐለ ዝርከባ ‘ውን ናብ ስራሕ ዘይኣተዋ ኣለዋ ‘የን::

ካብ መቐለ ወፃኢ ዘለዋ ግና ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ስራሕ ኣይጀመራን:: ገሊአን ናብ ስራሕ ዘይኣተዋሉ ምኽንያት በቲ ዝበፅሐን ጉድኣት ኮይኑ ገሊአን ግና ቕድሚ ኩናት ናይ ባንኪ ልቓሕ ወለደን ስለ ዘለዎን ‘ዩ:: በቲ ኩናት ምኽንያት ጠጠው ኢለን ስለ ዝነበራ ኢሉ ‘ውን ብልቓሕን ወለድን ስለ ዝተትሓዛ እዚ ተዘይተፈቲሑለን ሕዚ ስራሕ ንምጅማር ኣብዘኽእል ኩነታት ኣይርከባን:: ናብ ስራሕ እንተኾነን ካብ መንግስቲ ዝግበር ትፅቢት ክረኽባ ኣለዎን:: ካብ መንግስቲ መፍትሒ የድልየን ‘ዩ::

በርግፅ ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ እዋን ምስ እዚ ተታሓሒዙ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዘተ ተገይሩ ‘ዩ:: ነዚ ንምፍታሕ ‘ውን ኮሚቴ ተጣይሹ ኣሎ ‘ዩ:: ዝተጠራቐመ ወለድ ኣሎ፤ ባንክታት ድማ ወለድ ክፈሉ እናበሉ ‘ዮም:: እቶም ፋብሪካታት ድማ ብሰንኪ እቲ ኩናት ኣብ ስራሕ ኣይነበሩን:: እዚ ክሕሰበሉ ይግባእ:: ዝተወሰኑ ናብ ስራሕ ዝኣተዉ ኣለዉ፤ መብዛሕተኦም ግና ናብ ስራሕ ኣይኣተዉን::

በዚ ምኽንያት ብዙሓት ሰራሕተኛታት ‘ውን ተበቲኖም ተሪፎም ‘ዮም:: ብፍላይ ካብ መቐለ ወፃኢ ዘለዉ መብዛሕተኦም ኣይጀመሩን:: ኣብ ዞባ ምብራቕ ከም ናይ ቆርበት፣ ሰራሚክ፣ መድሓኒትን ዝመሳሰሉ ፋብሪካታት ነይሮም ‘ዮም:: ኮይኑ ግና እዚኦም ዝበፅሖም ጉድኣት ከቢድ ምስ ምዃኑ ተታሓሒዙ ስራሕ ኣይጀመሩን:: ካብ መንግስቲ ብዙሕ ድጋፍ ዘድልዮም ‘ዩ::

ብሓፂሩ እቶም ፋብሪካታት መሊኦም ናብ ስራሕ ክኣትዉ መንግስቲ ልዑል ድጋፍ ክገብር ትፅቢት ይግበር:: ካብ መቐለ ወፃኢ ዝርከቡ መብዛሕተኦም ዓንዮም ‘ዮም:: ንኣብነት ኣብ ዓድዋ፣ ኣክሱም ዓድግራትን ውቕሮን ካልኦትን ዝርከቡ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ዓንዮም ‘ዮም:: እዚኦም ልዑል ድጋፍ እንድሕር ዘይተገይርሎም ናብ ስራሕ ክምለሱ ኣይኽእሉን::

እዚኦም ናብ ስራሕ ክኣትዉ ሕዚ ናይ መንግስቲ መፅናዕቲ ተገይሩሎም መፍትሒ ክቕመጠሎም ኣለዎ:: ምስ ባንክታት ዘለዎን ርክባት ክስተኻኸል ኣለዎ:: ምስ ባንኪ ከስማዕምዕ ዝኽእል ፖሊሲ የድሊ:: ምኽንያቱ ኣብዘይሰርሕሉ ምስ ወለዱ ክፈሉ እናተባህሉ ‘ዮም:: ኣብቶም ፋብሪካታት ዝበፅሐ ጉድኣት ዕሙቕ ዝበለ መፅናዕቲ የድሊ ‘ዩ::

ንኣብነት እቲ ፋብሪካ ጉድኣት በፂሕዎ እንተኾይኑ ከምኡ ‘ውን ኣብ ርእሲ እዚ ልቓሕ ኣለዎም፤ እዚ ዝፍተሐሉ ኣሰራርሓ የድሊ:: እዞም ፋብሪካታት ስራሕ ንኽጅምሩ እንታይ ክግበር ኣለዎ ኣብዝብል ናይ መንግስቲ መፍትሒ ምቕማጥ የድሊ:: ናይ ፖሊሲ ለውጢ የድሊ::

ነቶም ሰብ ሃፍትን ባንኪታትን ከታዓርቕ ዝኽእል ኩነታት ካብ መንግስቲ ውፅኢት እናተፀበና ኢና:: በርግፅ ኣብ ቀረባ እዋን መፍትሒ ከንህበኩም ኢና ተባሂሉ ኣሎ ‘ዩ:: ኣብዝሓለፈ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ነዚ ዝፈትሕ ኮሚቴ ብላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ተጣይሹ ኣሎ ‘ዩ:: ካብኦቶም ዝርከብ ውሳነ ንፅበ ኣለና::

ወጋሕታ፡- ኣብተን ትካት ተሰማርዮም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ምስ ምቑራፅ ደመወዝ ተታሓሒዙ ኣብምንታይ ኩነታት ይርከቡ?

ኣይተ ኣታኽልቲ፡– በቲ ኩናት ስዒቡ ብዝበፅሐ ጉድኣት ሰራሕተኛታት ብዙሕ ፀገም እናበፅሖም ይርከቡ:: ገሊኦም ተበቲኖም፤ ገሊኦም ድማ ንግዚኡ ምስ ቤተሰብ ተፃጊሞም ይርከቡ:: ብፍላይ ኣብቶም ስራሕ ዘይጀመሩ ኢንዱስትሪታት እቶም ሰራሕተኛታት ተበታቲኖም ‘ዮም ዝርከቡ:: ኮይኑ ግና ኣብ መቐለ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ምስ ምጅማር እቶም ኢዱስትሪታት ተተሓሒዙ ናብ ስራሕ ዝተመለሱ ኣለዉ::

ኣብዚ ኩነታት እዚ ናይ ዝሓለፈ ዘይተኸፈሎም ደመወዝ ዝጠየቑ ሰራሕተኛታት ኣለዉ::ኮይኑ ግና ብሰንኪ እቲ ኩናት እቶም ኢንዱስትሪታት ስራሕ ዘይሰርሑ ስለ ዝነበሩ ደሞዝ ክኸፍሉ ኣይከኣሉን:: ከምዚኦም ዝበሉ ፀገማት ኣለዉ:: እቶም ሰራሕተኛታት ብዙሕ ፀገም ‘ዩ ዘለዎም:: ብዘይ ስራሕ ምንባር ማለት ክንደየናይ ከቢድ ከምዝኾነ ፍሉጥ ‘ዩ:: ነዚ ዝኸፍል ትካል ድማ የለን::

ነዚ ብዘተ ንምፍታሕ ዘኽእል ድማ ኮሚቴ ተጣይሹ እናተሰርሐሉ ‘ዩ ዝርከብ:: እቶም ሰራሕተኛታት ብዙሕ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ኣለዎም:: ንኣብነት ናይ ቀለብ፣ ክራይ ገዛ ወዘተ ዝመሳሰሉ ፀገማት ኣለዎም:: ነዚኦም ንምፍታሕ እቲ ኮሚቴ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ስራሕ እናሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ:: እቲ ዘተ ተጀሚሩ ‘ዩ:: ነዚ መንግስቲ ፌዴራል እናሰርሐሉ ‘ዩ ዝርከብ:: እዚ ሰራሕተኛን ትካላትን ዘካስስ ጉዳይ የብሉን ብዘተ ዝፍታሕ ጥራሕ ‘ዩ ዝኸውን::

ምኽንያቱ በቲ ዝነበረ ጉዳይ እቲ ትካል ኣብ ስራሕ ስለ ዘይነበረ ከሲሩ ‘ዩ:: እዚ ጉዳይ እዚ ብዘተ ክፍታሕ ኣለዎ ብዝብል ካብ ቢሮ ዘስርሕ ሰራሕተኛን ትካል፣ ፍትሒ ዝመሳሰሉ ተወከልቲ ተውፃእፂኦም ነዚ ንምፍታሕ እናሰርሑ ‘ዮም ዝርከቡ:: ብተወሳኺ ትካላት ኢኮኖሚ ብውዕል ፕሪቶሪያ መሰረት ብመንግስቲ ናብ ዝነበርዎ ተመሊሶም ስርሖም ክጅምሩ ኣለዎም ስለ ዝብል እቲ ውዕል ሙሉእ ብሙሉእ እናተተግበረ እንትኸይድ ሓቢሮም ይፍትሑ ዝብል ተስፋ ‘ውን ኣለና::

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ጉዳይ እዚ ማለት እዞም ኢንዱስትሪታት ተፀጊኖም ናብ ስራሕ ንምእታው ብወገን ግዝያዊ ምንግስቲ ትግራይ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ኸ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ኣታኽልቲ፡– ንሕና ንመንግስቲ ፌዴራል ሕቶ ካብ ነቅርብ ዳርጋ ሓደ ዓመት ክኸውን ኢሉ ኣሎ:: ናብ ሚኒስቴር ፋይናንስ፣ ብሄራዊ ባንኪ ዝመሳሰሉ ትካላት ሓሳብ ኣቅሪብና ኢና:: ብኣካል ‘ውን እንተይቀረየ ዘተ ተገይሩሉ ‘ዩ:: ከምቲ ብሚድያ እንሰምዖ ‘ውን ካብ ፌዴራል ዝምልከቶም ኣካላት እናመፁ ይሪእዎ ‘ዮም::

ኣብዚ ሪኦም ንምስራሕ ተኣማሚኖም ይምለሱ ‘ዮም:: ኮይኑ ግና እቲ ፀገም ኣብ ናይ ምፍፃም ‘ዩ ዝመሰለኒ:: ‘ምበር ብኣና ወገን ክስራሕ ዝግበኦ ምስ ዝተወሰነ ጉድለቱ እናሰራሕና መፂእና ኢና:: ሕዚ ‘ውን ሱኽ ኣይበልናን:: ካብ ፌዴራል ዝምልከቶም ኣካላት እንትመፁ ዘተ ይግበር ‘ዩ:: እቲ ዘሎ ፀገም ‘ውን ይቀርበሎም ‘ዩ::

መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ‘ውን እዚ ‘ዩ ተባሂሉ ይቕመጥ ‘ዩ:: ከምኡ ‘ውን ትኽክል ‘ዩ ኢሎም ኣሚኖም ይኸዱ ኮይኑ ግና ናይ ምፍፃም ፀገም ኣሎ:: ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ‘ውን ዘተ ተኻይዱ ‘ዩ:: ከምቲ ቕድም ዝበልኩኻ እቲ ፀገም ኣብ ምፍፃም ‘ዩ:: እቲ ዘሎ ኩነታት ክነፍልጠኩም ኢና ‘ዮም ዝብሉና:: ንሕና ‘ውን መልሲ እናተፀበና ኢና ዘለና::

ወጋሕታ፡- ምስ እዚ ተተሓሒዙ ክተርፍ ዘይግበኦ ሓሳብ እንተሃልዩ ንምግላፅ ዕድል ክህቦም፤

ኣይተ ኣታኽልቲ፡– ጥቕልል ብዝበለ ንሕና ዝጠየቕናዮም ነገራት ሰለስተ ነገራት ‘ዮም:: እዞም ኢንዱስትሪታት ናብ ዝነበርዎ ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቓስ ክምለሱ፣ ሰራሕተኛታት ናብ ስረሖም ክምለሱ፣ እቶም ቢዝነስ ትካላት ‘ውን ናብ ስረሖም ክምለሱ ሰለስተ ነገራት ኢና ጠይቕና::

እቲ ሓደ እተን ባንክታት ልቓሕ ከማቻችዋ፤ እዞም ትካላት ኢንዱስትሪ ኣብ ስራሕ ኣብዘይነበርሉ እዋን እቶም ልቓሓት ወለድ እናቖፀሩ ነይሮም ‘ዮም:: ብምዃኑ ወለዶም ክስረዘሎም ኣለዎ:: ነዚ ድማ ካብ ባንኪ ዓለም ይኹን ካልኦት ሓገዝ ይገበር፤ መንግስቲ ድማ ካብ ካልኦት ይጠይቕ የማቻቹ ዝብል ሓሳብ ኢና ኣቕሪብና::

ካልኣይ ብውሱን መልክዑ ጉድኣት ዝበፅሖም ኣለዉ:: ግን ንእሽተይ ሓገዝ ተገይሩሎም ናብ ስራሕ ክኣትዉ ዝኽእሉ ‘ዮም:: ነዚኦም ናይ ደገ ሸርፊን ልቓሕን ተማቻችይሎም ናብ ስራሕ ክኣትዉ ይገበረልና:: ሳልሳይ ሙሉእ ብሙሉእ ዝዓነዉ ኣለዉ፤ ናይዚኦም ዕዳ ‘ውን ተሰሪዙ ካሊእ ዕዳ ተማቻችይሎም ናብ ስራሕ ክኣተዉ ይገበር እናበልና ኢና ንሓትት ዘለና::

እዚኦም ድማ ንመንግስቲ ዝኸብዱ ኣይኮኑን:: እቶም ባንክታት ልቓሕ ብምምችቻው እዞም ፋብሪካታት ናብ ስራሕ ዝኣትውሉ ኩነታት ክህሉ ኣለዎ እናበልና ሓሳብ እናቕረብና ኢና:: ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ ልቓሕ የለን ዘሎ:: እዚኦም ተፈቲሖምልና ከም ሃገር ብሓደ ልምዓትና ከነፋጥን ኣለና ዝብል ‘ዩ ሕቶና:: እዚኦም ይፈቱሑለይ ‘ዩ ዝብል ዘሎ:: ኣብዚ ጉዳይ እዚ መንግስቲ ሓላፍነት ወሲዱ ክሰርሐሉ ኣለዎ:: እቲ ክልል ሕልፊ ዝሓተቶ ነገር የለን::

ወጋሕታ፡- ምስ እዚ ተተሓሒዙ ከሕልፍዎ ዝደለይዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም፤

ኣይተ ኣታኽልቲ፡– ኣብ ሕድ ሕድ ትካላት ዝበፅሐ ጉድኣት ክንደይ ዝኣክል ከምዝኾነ ዳታ ኣሎ:: 25፣ 50 ሚኢታዊን ካብኡ ንላዕልን ዝበፅሖም ዕንወት ከምዘሎ መፅናዕቲ ኣሎ:: ነዚ መሰረት ብምግባር እቲ ክልል ሓቐኛ ሓበሬታ ብምቕራብ ቐፂሉ ድማ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ንምሕጋዝ ብፅሒቱ ክወስድ ኣለዎ:: ነዚ መሰረት ብምግባር መንግስቲ ፌዴራል ክሕግዝ ዝኽእል ሳልሳይ ኣካል የማቻቹወልና::

ከም ዎርልድ ባንክን ኣይ.ኤም.ኤፍን ንሕኽግዙ ከማቻቹ ኣለዎ:: መን እንታይ ክገብር ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ተታሒዙ መንግስቲ እዚ ክልል በቢሴክተሩ ኮሚቴ ብምጥያሽ የተሓባብር ኣሎ ‘ዩ:: መን እንታይ ክገብር ኣለዎ? ብምባል እቶም ፀገማት ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምዃን እናሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ:: እዚ ብቀንዱ ንመንግስቲ ፌዴራል ‘ዩ ዝምለከቶ:: ምኽንያቱ እዚኦም ናይ ቢዝነስ ትካላት ‘ዮም:: መንግስቲ ‘ዩ ክድግፎም ዝግባእ::

ካልኦት ከም ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ፣ ዳያስፖራ ተጋሩን ካልኦት ፈተውቲ ትግራይን ይምልከቶም ‘ኳ እንተኾነ ኮይኑ ግና ኣብ ኣብያተ ጥዕና ጣብያ፣ ትምህርቲን ካልኦትን እናተሳተፉ ‘ዮም ዝርከቡ:: ብኡኡ ድማ ክቕፅልሉ ይግባእ:: ሕዝቢ ንንግዲ ትካላት ዘይኮነ ዝድግፍስ ንሕብረተሰብ ‘ዩ:: ከምዚኦም ዝበሉ ትካላት መን ከምዝድግፎም ናይ ካልኦት ሃገራት ተሞክሮ ምውሳድ የድሊ::

እዚኦም መንግስቲ ብምትሕብባር ብቕንዕና ነዚ ፀገም እዚ ከመይ ከንፈትሖ ይግባእ ብምባል ክፈትሕ ትፅቢት ይግበር:: ዓለም ለኸ ከም ባንኪ ዓለም ዝመሳሰሉ ትካላት ብምትሕብባር ‘ዩ ብቐንዱ ክፍታሕ ዝኽእል:: ስለዚ መንግስቲ ፌዴራል ብቐንዱ ነዞም ትካላት እዚኦም ቖላሕታ ክገብረሎም በዚ ኣጋጣሚ መልእኽተይ ከመሓላላፍ ይደሊ::

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና::

ኣይተ ኣታኽልቲ፡- ኣነ ‘ውን ሓሰበይ ንምግላፅ ስለ ዝዓደምኩምኒ የቕንየለይ::

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 03 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You