“ኣብ ሕውየት ማይን ልምዓትን ዝነጥፉ ኣካላት ሒዝና ኢና እዚ ኹሉ ስራሕቲ ነካይድ ዘለና” -ኣይተ ሞገስ ገብረ እግዚኣብሄር

ጠለብ ማይ ትግራይ በቲ ልሙድ ንክንርድኦ እንትንፍትን ኣፀጋሚ ‘ዩ። እቲ ጠለብ ምውሳኹ ትኽክል ‘ዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ከተማ መቐለ እንተርኢኻ ካብ ደቡብ፣ ካብ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ምብራቅን ካልኦትን ከባቢታት ትግራይ ብዙሕ ተፈናቃላይ ‘ዩ ኣለው። ነባሪ መቐለ ክልተ ሰለስተ ዕፅፊ ወሲኹ ‘ዩ፡፡

ብ”ዋን ዋሽ” ካብ ዝስራሓ ዓበይቲ ስራሕቲ ማያት ኣብ ገርዓልታ፣ ውቅሮ ማራይ፣ ዓዲዳዕሮን ጨርጨርን ዝበሉ ፅቡቅ ኸይዲ ‘ዩ ። ካብዚ ብተወሳኺ ገና ኣብ ኸይዲ ጨረታ ዘለዋ ድማ ከምእኒ ናይ መቻረን ፊናርዋን ዝበሉ ስራሕቲ ዝሐሸ ነገር ‘ዩ ዘሎ።ኣብ ግድብ ኣባይ ብዝምልከት ብዙሕ ምባል ይከኣል ‘ዩ ። ሓደ መርኣያ ቆራፅ ውሳነ ምዃኑ፤ እቲ ካልኣይ ከዓ ምስ ጎረባብቲን ካልኦት ሃገራትን ዝነበረና ዲፕሎማሲያዊ ርክባት በመሰረታዊነት ዝቕይር ‘ዩ።

ብዝበለፀ ከዓ ህንፀት ግድብ ኣባይ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ረብሓታት ህዝብና ናብ ዝለዓለ ብራኸ ናይ ምብፃሕ ተኽእሎ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ከምኡ’ውን ኣይስራሕን፤ ኣይትኽእሉን ንዝብሉና ዝነበሩ ‘ውን ዓብይ ትምህርቲ ዝሃበ ስራሕ ‘ዩ። ነዚ ዝበሉ ናይ ሎሚ ጋሻ ገይርና ዘቅረብናዮም ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ዝኾኑ ኣይተ ሞገስ ገብረ እግዚኣብሄር ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣብ ዛዕባ ማይ ትግራይን ግድብ ህዳሴ/ ኣባይን መሰል ዛዕባታትን ኣልዒሎም ዝገበርዎ ፃኒሒት ከምዚ ዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና፡፡ ሰናይ ንባብ:-

ወጋሕታ:- ብቀዳማነት ክቡር ግዝኦም ሰዊኦም ንዝህቡኒ ሓበሬታን መብርህን ካብ ልቢ ከመስግን ይፈቱ፤ብምቅፃል ጠለብን ኣቅርቦትን ማይ ትግራይ ኣብ ምንታይ ብርኪ ይርከብ?

ኣይተ ሞገስ:- እቲ ዘለናሉ ኹነታት ከምእትፈልጦ ከቢድ ‘ዩ። ማይ ድማ ንሕብረተሰብ እንታይ ማለት ምዃኑ ንኹሉ ግልፂ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝሓስብ። ደሓር ክዓ ድሕሪ ኹናት ዘሎ ኩነታት ኣብዝሓ ኣብ ፅገና ዝዓነዋ ማያት ጥራሕ ትኹረት ገይርና እንሰርሓሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ።

ክሳብ ሐዚ ሓዱሽ ንምልማዕ ዝተተሕዘ በጀት የለን። ቅድሚ ሐዚ ክንደይ ነይሩና ንዝብል ድማ ቅድሚ ኹናት ዝነብረ ከም መበገሲ ብምግባር፤ ብተደጋጋሚ ከምዝገለፅናዮ ዝነበረ ቀረብ ማይ ኣብ ገጠር 60 ሚእታዊ ኣብ ከተማ ድማ 56 ሚእታዊ ‘ዩ ነይሩ። እዚ ድማ እንታይ ‘ዩ ዘርእየና ናብ 42 ሚእታዊ ዝኸውን ህዝቢ ግቡእ ዝኾነ ክትትል ዘይግበሮ ማይ ዝጥቀም ዝነበረ ‘ዩ ማለት ‘ዩ።

ድሕሪ ኹናት ዘሎ ‘ውን ናይ መጀመርያ ዳህሰሳ ከምዘርኢ፤ ቀረብ ማይ ትግራይ ናብ 22 ሚእታዊ ከምዝወረደ ‘ዩ። ብኻሊእ ኣገላልፃ ካብ 75 ክሳብ 78 ሚእታዊ ዝነበረ ልምዓት ማይ በቲ ኵናት ከምዝዓነዋ ‘ዩ። ድሕሪ ጠጠው ምባል ተፃብኦ ውዕሊ ፕሮቶሪያ ናብ ምፅጋን ኢና ኣቲና ብርግፅ ብውስን መልክዑ እንተኾነ ‘ውን ኣብቲ እዋን ኹናት ኮይንና ‘ውን ፅገናታት ንገብር ነይርና ኢና። ዋላ ናብ ኩሉ ናባፅሕ ተዘይነብርና ‘ውን።

ሐዚ ‘ውን እንተኾነ ሃንድ ፓንፕ እንብለን (ተሓቆንቲ) ማያት ኸይዲ ፅገና እናገብርና ኢና ንርከብ ዘለና። ሐዚ ግና ኣብዚ ዓብዪ ፈተና እናኾነና ዘሎ ኣብ ብዙሕ ቦታት ድርቂ ተኸሲቱ ብስእነት ማይ ብጣዕሚ ዝተፀገሙ ከባቢታት ብዙሕ ኣለው። ማይ ንምቅዳሕ ርሑቅ ከባቢ ብምኻድ ናብ 4 ክሳብ 8 ሰዓት ዝወስደሎም ኾይኑ ብለይቲ ከይተረፈ ኣብ ዝጓዓዝሉ እዋን ንሓደጋ ዝቃልዑሉ ኩነታት ‘ዩ ዘጋጥመና ዘሎ።

እቲ ቁፅሪ ክንደይ በፂሑ ንዝብል ግና ንእሽተይ ንምግላፅ የፀግም ‘ዩ። ክሳብ ሐዚ እናሰራሕና ፀኒሕና ሐዚ ድማ ሙሁራት መቐለ ዩኒቨርስቲ እናዳለውዎ ‘ዮም ዝርከቡ። ዋላ ንእሽተይ ዘይተስማዕማዕናሉ ጉዳይ እንተሃለወ ካብ ትካላት ፌደራልን ናይ ክልልን ዘለውዎ ብሓባር ዝሰራሕናዮ ኣሰስመንት ሓደ ሓደ ምምሕያሽ ዘድልዮ ነገር ዘሎ ኮይኑ ብማእኸላይ ውፅኢት ናብ 32 ሚእታዊ ኢና ርኢና።

እዚ ማለት ኣብተን መጀመርያ ዝነብራ ትካላት ‘ዩ። ኣብተን ካልኦት እንተሪናዮ ድማ እተን ንማይ መስተ ተባሂለን ኣብ ኸይዲ ስራሕ ዝነበራ ግን ድማ ብሰንኪ እቲ ዂናት ተቋሪፀን ዝፀነሓ ግና ካብ ገረብ ግባን ኣክሱምን ወፃእ ዳርጋ ናብ ስራሕ እናኣተዋ ‘የን ዝርከባ።

ወጋሕታ:- ጠለብ ማይ ኣብ ትግራይ ካብ እዋን ናብ እዋን ንክውስኽ ካብ ዝገብሩ ዋና ዋና ፅልዋታት እንታይ እንታይ ‘ዮም?

ኣይተ ሞገስ:- ምውሳኽ ጠለብ ማይ ትግራይ በቲ ልሙድ ንክንርድኦ እንትንፍትን ኣፀጋሚ ‘ዩ። እቲ ጠለብ ምውሳኹ ትኽክል ‘ዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ከተማ መቐለ እንተርኢኻ ካብ ደቡብ፣ ካብ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ምብራቅን ካልኦትን ከባቢታት ትግራይ ብዙሕ ተፈናቃላይ ‘ዩ ዘሎ።

ነባሪ መቐለ ክልተ ሰለስተ ዕፅፊ ወሲኹ ዝብል ‘ዩ ዘሎ። ልዕሊ 1 ነጥቢ 25 ሚሊየን ቁፅሪ ‘ዩ ዘሎ ዝብሃል። በቲ ዝነብረ ትልሚ እንተሪእኻዮ ግና ናብ ከባቢ 400ን 450 ሽሕ ተባሂሉ ዝተገመተ ‘ዩ ነይሩ። እዚ ክንዲምንታይ ፀገም ከምዝኾነ ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ። እተን ዘለዋ ማያት ‘ውን ኣብ ማእኸል ብተደጋጋሚ ናይ ምብልሻይ ኩነታት ይርኣይ ‘ዩ። በቲ ኹናት ምኽንያት ድማ እዚአን ክፅገና ኣይተኽኣለን ነይሩ። ኣብቲ እዋን ዝንከባኸብ ኣካል ‘ውን ኣይነበረንን።

ኣብ ካልኦት ከተማታት ‘ውን ብፍላይ ኣብተን ዕብይ ዕብይ ዝበላ ከተማታት ተመሳሳሊ ‘ዩ። ብዙሕ ተመዛበልቲ ኣለወን። እዚ ንጠለብ ተወሳኺ ግልጋሎት ማይ ፅዕንቶ ‘ዩ። ኣብዚ ንሰርሕ ኣለና ኢና ይኹን ‘ምበር ምስቲ ዘሎ ጠለብ ማይ ግና ዝመጣጠን ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብዚ ሰለስተ ወርሒ እዚ ፅቡቅ ስራሕ ንሰርሕ ኣለና ኢና፡፡ ንኣብነት ኣብ ወረዳ ኣፅቢ 9 ሓገዝቲ ተሓቆንቶ ማይ ከምኡ ‘ውን ኣብ ሳምረ 10 ዝኾና ኣብ ቀረባ እዋን ሰሪሕና ኢና፡፡ ኣብ ካልኦት ‘ውን ብተመሳሳሊ ተሰሪሑ ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ኣብ ትግራይ ምስቲ ዘጋጠመ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ፀገማት ተደማሚሩ ዝተፈጠረ ድርቂ ንምምካት ግደ ማይ ወሳኒ ‘ዩ እሞ ኣብዚ እንታይ ፃዕርታት ይግበር ኣሎ? ኣብዚ ዝተሰርሐ ነገር እንተሃልዩ?

ኣይተ ሞገስ:- ኣብዚ ዝስርሓ ዘለዋ ብመንግስቲ ፌደራል ‘ውን ዝፍለጣ ብሰንኪ እቲ ኹናት ተቋሪፀን ዝነብራ ፕሮግራማት ዝብሃላ ኣለዋ። ንኣብነት ከምእኒ “ዋን ዋሽ”ን “ኮ ዋሽ”ን ዝበላ ፕሮግራማትን ከምኡ ‘ውን ናይ ሰቆጣ ቃል ኪዳን ዝበላ ኣለዋ። ኣብ መስኖ ድማ ኣብ ኸይዲ ዝስርሓ ኣለዋ ‘የን። ብፍላይ ብዋን ዋሽ ፕሮግራም ኣብሊና ኣብ ብዙሕ ቦታት ጉድጓዳት ማይ ንኹዕት ኣለና ኢና።

ወጋሕታ:- ኣብ ኸይዲ ስራሕ ዘለዋን ተሰሪሐን ዝተዛዘማን ኣብ ግልጋሎት ዝወዓላን ክንድዚ ኢልካ ብቁፅሪ ዝጥቀስ ስራሕቲ ኣሎ ዶ?

ኣይተ ሞገስ:- ኣብቲ ዝግበር ዘሎ ስራሕቲ ሓደ ሓዲአን ሓደሽቲ ኣይኮናን። ካሊእ ዝተሰርሐ ቁፅሪ ክንድዚ ምባል ብዙሕ ገላፂ ኣይኮነን ምኽንያቱ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢ ብቁፅሪ ዝጥቀሱ ኮይኖም ይኹን ‘ምበር፤ ብሰንኪ ዝተወሰኑ ከባቢታት ናይ ተፃብኦ ከባቢ ብምዃኖም ካብ መማልእቲ ቁፅሪ ዝሓለፈ ግቡእ ግልጋሎት ‘ውን ዘይህቡ ስለዘለው ክንድዚ ምባሉ ዝህቦ ረብሓ የብሉን።

ወጋሕታ:- ስራሕቲ መስኖ ንምስፋሕ ውልቀ ተበግሶ ሓረስቶት ትግራይ እንታይ ይመስል? ነዞም ኣብዚ ዝነጥፉ መርኣያታት ዝኾኑ ሓረስቶት ንምድጋፍን ንምትብባዕን እንታይ ዝስራሕ ነገር ኣሎ?

ኣይተ ሞገስ:- ኣብዚ ዝሐሸ ኣንፈት ዘርኢ ኣሎ ‘ዩ። ኣንሕና ብዙሕ ትኹረት ሂብና ኣብ ምስራሕ እንቀሳቀሰሉ ዝነብርና ኣብ ማይ መስተ ‘ዩ ነይሩ፤ እቲ ሓረስታይ ግና ኣብ ዘይተገመተ እዋን ገንፊሉ ናብ ስራሕ ዝወፅአሉ ኩነታት ‘ዩ ተራእዩ። ምኽንያቱ እቲ ዘጋጠሞም ከቢድ ድርቂ ሪኦሞ ‘ዮም።

‘ቶም ዝነብርዎም ኣብዑር ‘ውን እንተኾኑ ማይ እንተዘሃልዩ ብዙሕ ዋጋ ከምዘይብሎም ሪኦሞ። ስለዚ ዝነብርዎም ኣብዑር ከይተረፈ እናሸጡ ‘ዮም ጎዳጉዲ ማይ ዘኹዕቱ ዘለው። ንኣብነት ኣብ ክልተ ወረዳታት ራያ ዓዘቦን ራያ ቆቦን ጥራሕ እኳ ሸሞንተ ጎዳጉዲ ማይ ብሓረስቶት ዝተዃዓታ ኣለዋና። ናብ 74 ከባቢ ዝኾኑ ማሕበራት ድማ ኣብ ኸይዲ ኣለው ‘ዮም።

ኣንሕና ኣብዚ እንገብሮ ዘለና ስራሕ እዚ ስራሕቲ ብዘይ ስሩዕ መንገዲ ከይኸይድ ነዚ ኸይዲ ክሕግዝ ዝኽእል መምርሒ ኣውፂእና (ብርግፅ ገና ‘ኳ ኣይፀደቀን) ኢና፡፡ ይኹን ‘ምበር፤ ዝተፈላለዩ ኣካላት እናተወደቡ ናብ ስራሕ ንክኣትውን ከምኡ ‘ውን ናይ ልቃሕ ዕድል ዝረኽቡሉ ኩነታት ንምምችቻው ኢና ንፍትን ዘለና።

ንኣብነት መናእሰይ ጥራሕ ብሓባር ኮይኖም ዝውደቡሉ ኣሎ፣ ከምኡ ‘ውን ሓረስቶት ጥራሕ ንበይኖም ዝተወደቡሉ ኩነታት ኣሎ ክልቲኦም መናእሰይን ብሓባር ተሓዋዊሶም ብሓደ ዝተወደብሉን ፅቡቅ ዝረኣዩ ኸይድታት ኣለው ‘ዮም። እቲ መንግስቲ ክሳብ ሐዚ ኣብ ስራሕቲ ፅገና ‘ምበር ኣብዚ ስራሕ ብዙሕ ከይዓመመ ‘ዩ ፀኒሑ ነይሩ። ምኽንያቱ እቲ መንግስቲ ነዚ ኹሉ ክበፅሐሉ ኣይኸኣለን።

ይኹን ‘ምበር እቲ ካብ ሓረስታይ ዝመፅእ ሕቶ ሱቅ ኢልና ክንድርብዮ ኣይደለናን። ስለዚ ብፕረዝደንት ዝምራሕ ሓዱሽ ኮሚቴ ክምስረት ብምግባር፤ ሙሉእ መፅናዕቲ ዝገብር ጉጅለ ገይርና ኢና። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ‘ውን በዚ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ መኾኒ ምስ ሓረስቶትን ተወከልቶም ተራኺብና ዘቲና ኢና። እቲ ብቀዳምነት ክስራሕ ዘለዎ ‘ውን ተዘራሪብና ኢና።

ኣብዚ ብዙሕ ዝልዓሉ ፀገማት ኣለው ‘ዮም። ዝኾነ ኾይኑ እቲ ዘሎ ኣንፈት ግና ኣብተን ዝተፀንዓን ተዃዒተን ዘለዋን ጎዳጉዲ መንግስቲ ንፓንፕን መሰልን ስራሕቲ ዝኸውን ሃፍቲ ከተኣላልሽ ‘ዩ ነይሩ። እዚ ስራሕ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ዝምራሕ ‘ዩ፡፡ንኣብነት ፕረዝደንትን ምኽትል ፕረዝደንት ጀነራል ፃድቃንን ገ/ትንሴን፣ ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃን ዘለውሉ ‘ዩ።

እዚ ድማ ብኽልተ መንገዲ ኢና ንኸደሉ ዘለና፤ መንግስቲ ክሕግዞ ዝኽእል እንተሃልዩ ክሕግዝ ይኹን ‘ምበር መንግስቲ ንኹሉ ሓጊዙ ስለ ዘይኽእሎ፤ ብማሕበር ዝተወደቡ ስለዝኾኑ ልቃሕ ዝረኽቡሉ መንገዲ ንምምችቻው ኢና ንሰርሕ ዘለና። እዚ ኣብ ከባቢ ደቡብ ጀሚሩ ዘሎ ኮይኑ ብኻልኦት ዝተፈላለዩ ካባቢታት ዘለው ሓረስቶት ‘ውን እቲ ሕቶ ይመፅእ ኣሎ ‘ዩ። ንዓዓቶም ‘ውን ብተመሳሳሊ ከምዚ እናገበርና እናወደብናን እናተሓባበርና ኢና ክንኸድ ‘ምበር ሙሉእ ንሙሉእ እንሰርሓሉ በጀት የብልናን።

ወጋሕታ:- ሓደ ጉድጓድ ማይ ክንደይ ዘኣክል ተጠቃማይ መስኖ ክሕዝ ይኽል:-

ኣይተ ሞገስ:- ካብ ሓደ ናብ ሓደ ክፋላለ ይኽእል ‘ዩ፡፡ብሓፈሻ ግና ክሳብ ሐዚ ከምዝረናዮ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ራያ ናይ ማይ ፀገም የለን።

ንኣብነት ናብ ሽዱሽተ ዝኾና ካብ ዝረአናየን ጎዳጉዲ ኣብዝሓአን ካብ 30 ክሳብ 55 ሄክታር ዘልምዓ ኣለዋ። ከምኡ ‘ውን ኣብ ሓደ ሓደ ቦታ ካብ 74 ክሳብ 94 ሄክታር ዘልምዓ ኣለዋ ‘የን። ካልኦት ክሳብ ሐዚ ናብ ማይ ሃፍቲ ዝመፅአ 30 ማሕበራት ‘ውን ተመሳሳሊ ዝኾነ ትሕዝቶ ‘ዩ ዘለወን። እተን ገና ዘይተዃዕታ ግና ዘለወን ትሕዝቶ ገና ኣይተፈልጠን።

ወጋሕታ፡- ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ካብ ዝተፀገና ማያት ናይ ፓንፕታት ስርቂ ይርኣዩ ኣለው ዝብል ሓበሬታ ይስማዕ ኣሎ እሞ፤ ኣብዚ እንታይ ይብሉ?

ኣይተ ሞገስ:- ቅድም ክብል ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኣይነበረን። ሐዚ ግና ብኣጋጣሚ ኣብ ሓንቲ ወረዳ ኣጋጢማትና ነይራ፤ ነዚ ኣረጋጊእናዮ ነይርና ኢና። ፀኒሑ ግና ኣብ ካልኦት ሰለስተ ወረዳታት ተመሳሳሊ ኣጋጢሙ ‘ዩ። እዚ ዘጋጥም ዘሎ ስርቂ ተራ ስርቂ ኣይመስልን።

ዝኾነ ኮነ ተባሂሉ ዝተዋደደ ነገር ዘለዎ ‘ዩ ዝመስል። ኣብዚ ጉዳይ ወረዳታት ኣብ ኣኽሱም ኣኪብናዮም ነይርና ኢና፤ ስለዚ ኮሎም ምስ ሓይልታት ፀጥታ ተዋዲዶም ከባቢኦም ክሕልውን፤ ከምኡ ‘ውን ዝኾነ ፓንፕ ገዚኦም ዝጥቀሙ እንተሃልዮም ዘገልገለ ገዚኦም ከይጥቀሙ ጥንክር ዝበሉ መልእኽትታት ኣሕሊፍና ንምቁፅፃር ንፅዕር ኣለና ኢና።

ወጋሕታ:- እዚ ኩነታት ስርቂ ፓንፕ (ተሓቃኒ ማይ) ኣበይ ከባቢ ‘ዩ ዝርኣይ ዘሎ?

ኣይተ ሞገስ:– ብመሰረት ዝመፅኣኒ ሪፖርት እንትኾይኑ መጀመርያ እቲ ስርቂ ካብ ተምቤን ትሕት ኢልካ ዘሎ ከባቢ ጣንቋ ምላሽ ዝብሃል ‘ዩ ጀሚሩ።

ካብኡ ግና ኣብ ኣምባስነይቲ፣ ማይ ቅነጣል፣ እንዳባ ፃሕማን ከባቢ ዓዴትን ኣብዝሓን ኣብ ከባቢ ማእኸላይ ዞባ ዝርከባ ከባቢታት ‘የን። ከምኡ ‘ውን ንእሽተይ ናብ ከባቢ ሓውዜን ‘ውን ክርኣይ ጀሚሩ ነይሩ ‘ዩ፡፡ ይኹን ‘ምበር ኣካልት ፀጥታ እቲ ከባቢን ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ብቅልጡፍ ክቆፃፀርዎ ክኢሎም ‘ዮም።

ወጋሕታ:- ዝተፈላለያ ስራሕቲ ማይ ተጀሚረን፤ ብሰንኪ እቲ ዝተፈጠረ ኲናት ተቋረፀን ዝፀነሓ ፕሮጀክታት ሐዚ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለዋ?

ኣይተ ሞገስ:- እዚኣተን ፈሊና ንርኣየን። ካብዚአን ሓደ እተን ፕሮግራማት ‘የን። ብገንዘብ ሚኒስቴር ገይረን ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ፈንዲ ከም ባንኪ ዓለም፣ ልምዓት ባንኪ ኣፍሪካ ዝመፅኣ ዝተወሰነ ምድኑጋያት እንተነብረ ‘ውን ስራሕተን ጀሚረን ኣብ ዝሐሸ ኸይዲ ‘የን ዘለዋ።

ብ”ዋን ዋሽ” ካብ ዝስራሓ ዓበይቲ ስራሕቲ ማያት ኣብ ገርዓልታ፣ ውቅሮ ማራይ፣ ዓዲዳዕሮን ጨርጨርን ዝበሉ ንሰርሕ ኣለና ፅቡቅ ኸይዲ ‘ውን ‘ዩ ዘለዎ። እተን ናይ ሃንድ ፓንፕ ዝበላ ድማ ኣብ ብዙሕ ቦታት ሰሪሕና ኣረኪብናዮም እናተጠቀሙ ‘ዮም ዝርከቡ። ካብዚ ብተወሳኺ ገና ኣብ ኸይዲ ጨረታ ዘለዋ ድማ ከምእኒ ናይ መቻረን ፊናርዋን ዝበሉ ስራሕቲ ዝሐሸ ነገር ‘ዩ ዘሎ።

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ቁሩብ ኣሸገርቲ ኮይነን ዘለዋ እተን ግድባት ‘የን። ግድብ ገረብ ሰገን ቁፅሪ ክልተ ዝስራሕ ዘሎ ፕላንት ብልቃሕ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዝስራሕ ኮይኑ ቦታ ኣረኪብናዮም ፓፕ ላይን ኣብ ምቅራብ ‘ዩ ዘሎ። ናይ ኣክሱም ‘ውን ግድብ ክስራሕ ዝተወሰነ ንጥፈታት ኣሎ ‘ዩ።

እቲ መፅናዕቲ ቅድሚ እቲ ኹናት ተኻይዱ ነይሩ ‘ዩ። ሐዚ ዝሐሸ ኮሞኒኬሽን ንለዋወጥ ኣለና ኢና። ግድብ ገረብ ግባ ብዝምልከት ግና ዝኾነ ሓበሬታ የብልናን። እቲ ጉዳዩ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ኣብ ሞንጎ ገንዘብ ሚኒስቴርን ፕረዝደንት ክልልን ዝተትሓዘ ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ከምዝፍለጥ መበል 13 ዓመት ህንፀት ግድብ ህዳሰ/ኣባይ ዝኽበረሉ እዋን ‘ዩ እሞ፤ ኣብ ዛዕባ ግድብ ኣባይ ዝትብልዎ ነገር እንተሃልዩ?

ኣይተ ሞገስ:- ኣብ ግድብ ህዳሰ/ ኣባይ ብዝምልከት ብዙሕ ምባል ይከኣል ይኸውን። ሓደ ህንፀት ግድብ ኣባይ መርኣያ ቆራፅ ውሳነ ምዃኑ፤ እቲ ካልኣይ ከዓ ምስ ጎረባብቲን ካልኦት ሃገራትን ዝነበረና ዲፕሎማሲያዊ ርክባት በመሰረታዊነት ዝቕይር ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ብዝበለፀ ከዓ ህንፀት ግድብ ኣባይ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ረብሓታት ህዝብና ናብ ዝለዓለ ብራኸ ናይ ምብፃሕ ተኽእሎ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ከምኡ’ውን ኣይስራሕን፤ ኣይትኽእሉን ንዝብሉና ዝነበሩ ‘ውን ዓብይ ትምህርቲ ዝሃበ ስራሕ ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ኣብዚ ክለዓል ኣለዎ ዝብልዎ ዘይተልዓለ ሓሳብ እንተሃልዩ ናይ መወዳእታ ዕድል ክህቦም?

ኣይተ ሞገስ:– ዝተረፈ ብዙሕ ነገር የለን ፤ብዚ ኣጋጣሚ ዘሕልፎ እንተሃልዩ ኩላኹም ናይ ሚድያ ኣካላትን ካልኦትን ማይ ማለት እንታይ ከምዝኾነ ብትኽክል ዘይተረድኡ ኣካል ማሕበረሰብ ስለዝህልው፤ ነዚኦም ብዛዕባ ማይ ግንዛበ ክህብ ዝኽእል ጥንክር ዝበለ መልእኽቲ እንተዝሓልፍ ይብል። ምኽንያቱ ብዝሓለፈ ሰሙን ዓለምለኸ መዓልቲ ማይ “ማይ ንሰላም” ብዝብል ቴማ ተኸቢሩ ነይሩ ‘ዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ማይ ጉዳይ ሕማቅ ዝሰርሑ ሰባት ካብ ኩሉ ሕመቅ ንላዕሊ ምዃኑ ክርድኦም ክኽእል ኣለዎ። ኩሎም ኣብ ማይ ሕውየት ልምዓትን ዝነጥፉ ኣካላት ከመስግን ይደሊ። ኣብዚ ዝሳተፉ ዘይመንግስታዊ ትካላት ሒዝና ኢና እዚ ኹሉ ስራሕቲ ፅገና ነካይድ ዘለና። ከምኡ ‘ውን ኣብቲ ሚኒስቴሪ ዘለው ኣካላት እተን ዝዓነዋ ማያት ናብ ንቡር ንክምለሳ ዝገበርዎ ፃዕሪ ዓብይ ‘ዩ እሞ ንዓዓቶም ከምስግኖም ይደሊ።

ወጋሕታ:– ንዝሃቡኒ ሓበሬታን መብርህን የቐንየለይ።

ኣይተ ሞገስ:- ኣነ ውን የቐንየለይ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 26 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You