ክብርትታት ዓወት ዓድዋ ንሓድነትናን ፍቅርናን

ዝኽሪ መበል 128 በዓል ዓወት ዓድዋ “ክብርትታት ዓወት ዓድዋ ንሰላም፤ ሓድነትን ብራኸን ትግራይ” ብዝብል ቴማ ኣብታ ታሪኻዊት ፍልፍል ፅንዓትን ሕላገት ፀለምቲ ኣፍሪካውያን ዝኾነት ከተማ ዓድዋ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ሚኒስትራት፣ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ክልል ትግራይ፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ነበርቲ ከተማ ዓድዋን ኣብ ዝተረኸብሉ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ዝተኸበረ እንትኾን፤ ከምኡ ‘ውን “ዓድዋ ምልክት ዓወት ፀለምቲ ህዝብታት” ብዝብል ቴማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገርን ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፈ-ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር፣ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ምክትል ፕሬዝዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ፣ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ነበር ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ፣ ርእሳነ፡ምምሕዳራት ክልል፣ ሚኒስትራት፣ ወታደራዊ ኣታሼታት፣ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ነበርቲ እታ ከተማን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብድሙቅ ከምዝተኸበረ ዝፍለጥ ‘ዩ።

ነዚ በዓል ብምምልካት ‘ውን ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ን ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴን ሓዊሱ ሚኒስትራት፣ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ከምዝቀረበ ይፍለጥ። ናይ ሎሚ እዋናዊ ዛዕባና ‘ውን ነዚ ዕለት ብዝምልከት ካብ ዝሓለፉ ዋና ዋና መልእኽትታት ከምዝ ዝስዕብ ክነቅርብ ኢና ሰናይ ንባብ:-

ነዚ በዓል ብምምልካት ካብ ዝሓልፉ መልእኽታት ብቀዳምነት ካብ እንሪኦ መልእኽቲ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ናይ እንኳዕ ኣብፅሐኩም ሰናይ መልእኽተን ዘብፅሓ እንትኾና በቲ ዝተኻየደ ውግእ ቡዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ፣ ከምዝተጎድኡ ፣ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተደፈራ ማእለያ ዘይብሉ ንብረትን ትካላትን ከምዝዓነወ ይፈልጥ’ዩ ብምባል፤ እዚ ኹሉ ኣሰካፍን መሕፈርን ፍፃመ ቅድም ክብል ኣብ ሓደ ሰሚሩ ኣንፃር ባዕዳውያን ወረርቲ ተሰሊፉ ከምዘይተዋገአን ንፀላእቲ ከምዘየሕፈረን ሎሚ ኣብ ቅድሚ እዚ ታሪኻዊ ቦታ ሓው ንሓው ውግእ ምግጣሙ ፣ ምቅትታሉ ዘሕዝን ፍፃመ’ዩ። ‘ዞም ጎቦታት ዓድዋ ብዛዕባ’ዚ ኣፍ ኣውፂኦም ተዝዛረቡ ደስ ምበለኒ ነይሩ።” ክብላ ገሊፀን ‘የን።

ብምቅፃል ‘ውን ሰላም ዝህነፅ ብሓደ ወገን ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኹላትና ፃዕሪ ዝጥይቅ ‘ዩ። ኣብ ሓደ ዝበፅሐ ፀገም ሱቅ ኢልና ንርኢ እንተኾንና እቲ ሓዊ ፅባሕ ኣብ ኣፍደገ ገዛና ይበፅሕ ‘ዩ። እዚ ኣብ ካልኦት ሃገራት ‘ውን ዝተረኣየ ታሪኽ ‘ዩ ንዓና ‘ውን ግልፂ ‘ዩ። ነዚ ፍልፍል ፀገም ዝኾነ መሪሚርና ካብ መሰረቱ ከነድርቆ ‘ዩ ዘለና እንተዘይኮይኑ ዕንክሊል ከይኮነና ክንጥንቀቅ ኣለና።

ቅድሚ ሐዚ ብተደጋጋሚ ከም ዘልዕሎ ካብ ሕድ ሕድ ኹናት ዝመፅእ ረብሓ የለን። ተዓዋቲ ‘ውን የለን። ሓደ ሰዓራይ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ ላዕላውነት ‘ውን ክረክብ ይኽእል ‘ዩ። ብሓፈሻ ግና ሓው ቀቲሉ ኣብ ናይ ባዕሉ መሬት ናይ ወገኑ ፈሲሱ ስለዝኾነ ዓወት ክብሃል ኣይኽእልን። ስለዚ እዚ ክንሓስቦ ይግብና ሓደራ ‘ውን ይብል ኢለን።

ከምኡ ‘ውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እንኳዕ ንመበል 128 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብፀሐኩም ምስ በሉ፤ ኣቦታትናን እኖታትናን ዓብዪ ዓወት ዓድዋ ካብ ዝህቡና 128 ዓመታት ኣቑፂሪና። ዓወት ዓድዋ ዝሃበና ክብሪታት ግን ብዝግባእ ዝተጠቐምናሎም ኣይመስለኒን። ብውሑዱ ኣርባዕቲኦም ዓበይቲ ክብሪታት ዓወት ዓድዋ ንህንፀት ሃገር ክንጥቀመሎም ግድን ይኸውን ብምባል፤ እቲ ፈላማይ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ‘ዩ።

ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዋና መልክዕ ኢትዮጵያ ምዃኑ ካብ ወፍሪ ዓድዋ ብዝሐሸ ከርኢ ዝኸኣለ ኣጋጣሚ ኣብ ዘበናዊ ታሪኽና ኣይንረክብን። ወፍሪ ዓድዋ ክልተ ግዘ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትና ኣርኢዩ ‘ዩ። ናይ መጀመርታ እዋን ወፍሪ እቲ ኲናትን ዓውትን ‘ዩ። ሎሚ ኣብ እንፈልጣ ኢትዮጵያ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ናብ ዓድዋ ዘይዘመተ ወገን የለን ኢልካ ምዝራብ ሓቂ ምዝራብ ‘ዩ።

እቲ ካልኣይ ኣጋጣሚ ድማ ዓወት ዓድዋ ምስ ዝተረኸበ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ንመጀመርታ እዋን በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትኽበር ትርኢት ዘቕረቡ ካብ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት እታ ሃገር ዝመፅኡ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ‘ዮም ነይሮም። ኣብዚ ምርኢት ኢትዮጵያ ሕብረ ብሄራዊት ሃገር ምዃና ኣብ ኣደባባይ እቲ ሰልፈኛ ኣርኢዩ ነይሩ ‘ዩ ኢሎም።

እዚ ኣብ ወፍሪን በዓልን ዓድዋ ዝተንፀባረቐ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኣፅኒዕና ክንሕዞ ይግባእ። ኢትዮጵያ ማለት ህብረ ብሄራዊ መነነት ዘለዎም ህዝቢታት ብሓድነት ዝነብሩላ ሃገር ‘ያ። ሕብረ ብሄራዊነቶም ካብ ፈጣሪ እንትረኽቡ ‘ዩ። ሓድነቶም ድማ ንሳቶም ባዕሎም ኣብ ዘበናት ምትእስሳርን መስዋእትነትን ሃኒፆምዎ ‘ዮም። ኢትዮጵያ እዞም ክልተ፣ ነገር ግን ሓደ ካብ ካሊእ እንተይተነፃፀሉ ዝነብሩ መግለፂታት ሓዲጋ ኢትዮጵያ ኣይትኸውንን። ኣብ ሕድሕድ ጉዕዞኣ እዚ እናረጋገፀት ክትጓዓዝ ኣለዋ።

እቲ ካልኣይ ክብሪ ንዓብዪ ሃገራዊ ዕላማ እንትበሃል ኣናእሽቲ ጠለባት ምስዋእ ‘ዩ። ናብ ዓድዋ ዝዘመቱ ኩሎም ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ስርዓተ መንግስቲ ዝስማዕምዑን ዝተሓጎሱን ኣይነበሩን። እንዲያውም ገለገሊኦም ምስቶም ንጉሰ ነገስት ጎንፂን ቅርታን ነይሩዎም ‘ዩ። ገለገሊኦም ድማ ብዝነበረ ሃገራዊ ኩነታ ቅሬታ ተሰሚዑዎም ምስ ፀላኢ ዝሰርሑ ነይሮም ‘ዮም። እቲ ነገር ጉዳይ ሃገር እንትኾን ግን ኩሎም ንኡስ ድሌታቶም ብምሕዳግ፣ ንዝዓበየ ድሌት ንሃገር ህልውና መስዋእቲ ንምዃን መፂኦም። ዝኾነ ይኹን ድሌት ትሕቲ ድሌት ሃገር ከምዝኾነ ኣርኢዮምና።

ኣሸንኳይ ሎሚ ብዙሕ ዓይነት ሓበሬታ፣ ፍልጠትን ናይ ሓሳብ መገዲታትን ኣብ ዘለዉሉ ዘበን ቅድሚ ሚኢቲ ዓመት ‘ውን ሰባት ፍሉይ ድሌታት ነይሮምዎም ‘ዮም። ብድሌቶም ዝተለዓለ ድማ ቅርታታትን ጎንፂታትን ነይሮም። ኩሉ ንሓደ ዕላማ ተተኣሳስር ሃገር ትበሃል ‘ያ። ሎሚ ‘ውን ንኡስ ድሌታትና ካብ ኢትዮጵያ ኣይበልፁን። ንኢትዮጵያ ዘዳኽም፣ ዘንእስን ዘስእንን መገዲ ምስቲ ዓብዪ ዕላማ ዝጋጮ መገዲ ‘ዩ።

ኲናት ናይ ዓብዪ ዕላማ ህልውና ኢትዮጵያ ዝኽበረሉ ‘ምበር መፈፀሚ እቲ ዝነኣሰ ከባቢያዊን ውልቃዊ ዕላማ ክኸውን ኣይግባእን። ኲናት ንንኡሽተይ ነገር ዝወፅእ ወፃኢ ኣይኮነን። እዚ እዋን ብዙሓት ፈተናታት ከምዘለዉዎ ብዙሓት ኣማራፂታት ‘ውን ኣለዉዎ። ምክርኻር፣ ምዝርራብ፣ ምልዛብ፣ ብሕጊ ምድናይ፣ ሓደ ንካሊእ ምፅዋር፣ ተቖፂሮም ዘይውድኡ ኣትረፍቲ መገዲታት ኣለዉዎ። እቲ ዝዓበየ ዕላማ ንኢትዮጵያ ንምምዕባል ክንብል ዝነኣሱ ዕላማታት እናሕመሙና ‘ውን እንተኾነ ክንስወኦም ይግባእ።

እቲ ሳልሳይ ክብሪ መረቕን ፍትፍትን ኲናት ምፍላጥ ‘ዩ። ኲናት ክንዲ ዝደለዮ ብዓወት እንተተዛዘመ ‘ውን ዘኽፍሎ ዋጋ ኣለዎ። ናብ ዓድዋ ዝዘመቱ ሃገር ኮይኑዎም፤ ሉኣላዊነት ኮይኑዎም፤ ጉዳይ ዝዓበየ ዕላማ ኮይኑዎም ‘ምበር ኲናት ናይ መጀመርታ ምርጫኦም ኣይነበረን። ዳግማዊ ሃፀይ ምኒልክ እቲ ነገር ብሰላም ንኽዕፆ ደጋጊሞም ፅሒፎም፤ ለሚኖም ‘ዮም። ኣይኮነን። ወፍሪ ዓድዋ ብዓወት ኢትዮጵያ ተዛዚሙ።

ኢትዮጵያ ዘመትቲ ግን ካብ ዓወት ዝተመለሱ ብሓጎስ ጥራሕ ኣይኮነን። ካብ ፊታውራሪ ገበየሁ ጀሚሩ ብዙሓት ጀጋኑ ነቲ ዓብዪ ዕላማ ንህልውና ኢትዮጵያ ክብሉ ተሰዊኦም ‘ዮም። ዝኸዱ ኩሎም ኣይተመለሱን። ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዓወትን ብሓዘንን ‘ዩ ተመሊሱ። ብዙሓት ‘ውን በቢከባቢኦም ብፌስታ ኣይነበረን ነቲ ዓወት ዘኽበሩዎ። ኢትዮጵያውያን ኣሸንኳይ ብናይባዕሎም ወገናት፣ ብጣልያናውያን ሞት ‘ውን ሓዚኖም ‘ዮም።

ኲናት ተገዲድና ጥራሕ ንዝዓበየ ዕላማ እንትንብል ንኣትዎ ናይ መወዳእታ ምርጫ ‘ምበር ካብ ኣፍ ልብና ብቅልጡፍ ንመዞ ኣይኮነን። ኣብዚን ኣብቲን ዝፍጠሩ ዘይምርድዳኣት ብጠበንጃ ንምፍታሕ ምብጋስ ናይ ዓድዋ ዘመትቲ ሓዘን ዘይምክፋል ‘ዩ። ዓወት ዘመትቲ ዓድዋ ዓወት ጥራሕ ዘይኮነስ ኲናት ዘስዕቦ መከራ ‘ውን ኣምሂሮም ሓሊፎም ‘ዮም።

እቲ ራብዓይ ክብሪ ዓወት ዓድዋ ትዕግስቲ፤ ምድላው ‘ምበር ፍርሒ ዘይምዃኑ ‘ዩ። ጣሊያን ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ንኢትዮጵያ እናተንከፍዋ ነይሮም። ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝበፅሐ ህልቀት እንስሳትን ሰባትን ምኽንያት ብምግባር ትንኮሳ ኣበኣኢሶምዎ ነይሮም። ኢትዮጵያ እናተገፍዐት ‘ውን እንተኾነ ተዓጊሳ ነይራ።

ትዕግስታ ግን ካብ ዓቕመ ደካማነታ ዝመፅአ ኣይኮነን። ንዝበኣሰ ነገር እናተሰናደአት ስለዝነበረት ‘ምበር። እኽሊ ክሳብ ዝበፅሕ፣ ሰብ ክሳብ እግሪ ዝተክል፤ ዝተገዝእ ኣፅዋር ክሳብ ዝበፅሕ፣ ዝበፅሐ ኣፅዋር ምስቲ ሰራዊት ክሳብ ዝላመድ ተዓጊሳ ‘ያ። ኣብ መወዳእታ ግን ውፅኢት ትዕግስታ ኣብ ጎቦታት ዓድዋ ኣርኢያ ‘ያ።

እዞም ክብሪታት ኩሉግዘ ምሕሳብ፣ ሓሲብና ምትግባር ንኽንክእል ዘዘኻኽረና ነገር የድሊ ነይሩ። ንዓድዋ ዝምጥን ታሪኹን ክብሩን ንሓስበሉ ዝኽሪ እቲ ወፍሪ ኣብ ዝተጀመረሉ ቦታ ፅባሕ ዘህነፅናሉ ግዘ ‘ዩ እቲ በዓል ነኽብሮ ዘለና። እዚ ድማ ንናይዚ ዓመት በዓል ሞገስን ክብሪን ወሲኹሉ ‘ዩ። ሎሚ እቲ ዝኽሪ ብዝኸበረ ኩነታት ወጊንና ኢና። ነገር ግን ክብሪታት ዓድዋ ብዝግባእ ብምጥቃም ከም ጎቦታት ዓድዋ ዝፀንዐት ኢትዮጵያ ምህናፅ ይተርፈና ‘ዩ። ንሱ ድማ ናይ ኩልና ህድኣት፣ ብስለትን ጥምረትን ይጠልብ ክብሉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም ‘ዮም።

ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ መበል 128 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ “ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንዓወት ጀጋኑ ዓድዋ ውርሱ ገይሩ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንዝበፅሕ ትንኮሳ ንምምካት ኹሉግዜ ድሉው ‘ዩ” ብምባል፤ ሰራዊት ምክልኻል ብሓድነትን ብስምዒት ፍቕሪ ሃገርን ከምዝጓዓዝ ፀላእቲ ይፈልጥዎ ‘ዮም ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ውን ተጋድሎ ሰራዊትን ሽርሒ ፀላእትን ክግንዘብ ይግባእ ኢሎም። ብተወሳኺ መበል 128 በዓል ዓወት ዓድዋ ነቲ ዓወት ኣብ ዝምጥን ሙዝየም ስለዝተኸበረ ፍሉይ ከምዝገብሮ ብምሕባር፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተጋድሎ ጀጋኑ ዓድዋ ብምውራስ ንሃገሩ ብኹርዓት ዘብዒ ክኸውን ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም።

ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ብወገኖም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ “በዓል ዓወት ዓድዋ ቀዳሞት ኢትዮጵያዊያን ክብረት መንነቶም ዘሐለውሉ፣ ኣብ ብዝሑነቶም ውሽጢ ናይ ሓባር ሓቂ ዝተኸተብሉ፣ ንዓለም ፀለምቲ ሕዝብታት ቀዳሞት መርኣያ ኮይኖም ንነፃነቶም ክዋደቁ ወነ ዝሰነቁሉ ናይ ኩሉ መጀመሪያ ‘ዩ።”ብምባል ንመላእ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታትን ኢትዮጵያ እንኳዕ ን128ኛው በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብፀሐኩም ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም።

ዓወት ዓድዋ ሓበራዊ ሓድነት ኣብ ፅኑዕ መሰረት ዘንበረ ‘ዩ ኢሎም። እቶም ኣፈ ጉባኤ፣ ሎሚ ዘበን ዝተኸበረ በዓል ዓወት ዓድዋ ነቲ ዓወት ብዝምጥን ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝተሃነፀሉ ምኽባሩ ፍሉይ ይገብሮ ብምባል፤ ኣቦታትና ሕልሚ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምምካን ዝኸኣሉ ብምድምማፅ ብሓባር ብምስላፍ ‘ዩ ንሕና ‘ውን ሓድነትን ሓበራዊ ራእይን ክህልወና ይግባእ እንብል ካብዚ ብምብጋስ ‘ዩ ኢሎም።

ዓወት ዓድዋ ውፅኢት ተሳትፎ ሕብረት ‘ዩ፤ ሕብረት ገኒኑ ዝተረኣየሉ፣ መራሕን ተመራሕን ዝተናበቡሉ ካብ ኣነነት ኣንሕና ብዝብል ሓቢሮም ሓያል ኩርናዕ ዝፈጠሩሉ ዓውዲ ‘ዩ። ሕብረት፣ ምንባብን ሓድነትን እንትድመሩ ወነን፣ ሓይልን ጥበብን ይፈጥሩ ብምባል፤ ናብ ዝተተለመ ዕላማ ንምብፃሕ ‘ውን ጉዕዞ የቀላጥፉ ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም።

ብሄር ብሄረ ሰባት ህዝብታትን ኢትዮጵያ ካብ ዓወት ዓድዋ ሕዝባዊ ፍቅሪ፣ ሕውነነትን ተማሂርና ኩሉ ዜጋ በነፃነት ዝነብረላ፣ ዝበልፅገት ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኸይዲ ምህናፅ ግደና ንክነበርክት ስራሕኩም አጠናኺርኩም ንኽትቅፅሉ ምስ ሓደራ መልእክተይ የመሓላልፍ ገሊፆም ‘ዮም።

ሚኒስትር ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ቀጀላ መርዳሳ ብወገኖም ከምዝበልዎ፤ ዓድዋ ታሪኻዊ ‘ዩ። ከም ዓድዋ ዝበሉ ዝኽበሩ ታሪኻዊ ዓወታት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኽበሩ ዓበይቲ ዝተፈላላዩ ዋና ዋና በዓላት ዓወት ዓድዋ ቀዳማይ ብሄራዊን ወይ ሃገራውን ‘ዩ ኢልና ክንወስድ ንኽእል ኢና። ብሄረ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሓደ ዝገበረ ዓድዋ ‘ዩ።

ካብ ኩሉ ኩርናዓት እታ ሃገር መፂኡ ኣብ ዓድዋ ዘይተሳተፈ የለን። ብርግፅ ህዝቢ ትግራይ መሪሕን ናቲ ኹናት ተጎዳኢ እንተኾነ’ውን ካብ ርሑቅ ጫፍ መፅኦም ዝተሰዉኡ ኢትዮጵያውያን ኣለው ‘ዮም። ዓወት ዓድዋ እንትኽበር ንሕብረትና ምጥንኻር ንሓድንትናን ንመፃኢ ወለዶና ‘ውን ንምምሕላፍ ስለዝኾን ዓድዋ በቢዓመቱ ብድምቀት ክኽበር ኣለዎ ኢልና ነኣምን።

ምክትል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብቲ ብዓል ተረኺቦም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ እቲ ዝተረኽበ ዓወት ባዕዳውያን ወረርቲ ኣፍሪካ ናይ ምቅርማት መደቦም ዝበደሀ ዓወት ‘ዩ ድሕሪ ምባል እቲ ዓወት ብሓፈሻ ናይ መላእ ፀለምቲ ህዝብታት ብፍላይ ከዓ ነቲ ኲናት ኣብ ዝባኑ ዝፆሮ ዓወት ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ኢሎም።

ዓወት ዉግእ ዓድዋ ዓወት መላእ ፀለምቲ ህዝብታት ብፍላይ ከዓ ዓወት እቲ ኣብ ዝባኑ ዝፆሮ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ብምባል፤ ኣብቲ እዋን ተደጋጋሚ ኲናት ዘጋጠሞ ህዝቢ ትግራይ ነቶም ወራራት ብፅንዓት ከምዝመከቶም ዝሓበሩ ሌ/ጀነራል ታደሰ፣ ነቲ ኲናት ስዒቡ ግን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከቢድ ማሕብረ ቁጠባዊ ፀገማት ከምዝቃልዐ ብምብራህ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ክወድቕን ግዳይ ዝተፈላለዩ ፀገምት ክኸውን ድማ ተገዲዱ ‘ዩ ይብሉ።

ኣብ ፕሪቶርያ ብዝተኸተመ ውዕሊ ተነፃፃሪ ሰላም ኣስፊኑ ‘ዩ ዝበሉ ሌ/ጀነራል ታደሰ ሕዚ ዘሎዉ ፀገማት ንምስጋር ‘ዉን ሓድነት ወሳኒ ከም ዝኾነ ብምጥቃስ ሓድነቱ ከጠናኽር ፀዊዖም ‘ዮም።ሕርያ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ‘ዩ ፤ ምስ ኩሎም ጎርባብቲ ብሰላም ንምንባር ከምዝሰራሕ ድማ ኣረጋጊፆም ‘ዮም።

ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ዝኾኑ ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሄር ዶ/ር ብወገኖም ከምዝገልፅዎ፤ ነዚ በዓል ንምኽባር ካብ ርሕቁን ቀረባን ናብታ ታሪኻዊት ፍልፍል ፅንዓትን ሕላገት ፀለምቲ ኣፍሪካውያን ዝኾነት ከተማ ዓድዋ እንኳዕ ደሓን መፅእኹም ድሕሪ ምባል፤ እንዝክሮን እነብዕሎን ዘለና በዓል መቀፀልታን መውዳእታን ናይቲ ዘመን ዝነበሩ ውግኣት ‘ዩ።

ኣያታትና ኣብ ውግኣት ጉንደት፣ ጉራዕ፣ ሰሓጢት፣ ኩፊት፣ ደጉዓለ፣ ደብረሕይላ፣ እምባ ኣላጀ እንዳየሱስን መቐለን ካልኦትን ኣንፃር ብርክት ዝበሉ ባዕዳዊ ወረርቲ በይኖም ዘኹርዕ ጀግንነት ፈፂሞም ዓዶም ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ከይኣቲ ገይሮም ‘ዮም። ወራሪ ጣልያን ኢትዮጵያ ንምውራር ክሳብ ኣምባላጀ እንትግስግሱ ህዝቢ ትግራይ ንልዕሊ ሸመንተ ኣዋርሕ እናተቃለሰ ፀኒሑ ‘ዩ።

ካብ ውግእ እምባ ኣላጀ ጀሚሩ ክሳብ ውግእ መቐልን ዓድዋን ካልኦትን ምስ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋቱ ብሓባር ኮይኑ ቅድም ክብል ዘረኸቦ ልምድታት ጀግንነት ብምጥቃም ምስ መቓልስቱ ኢትዮጵያውያን ንኣዋርሕ ብምቅላስ ኣብ ታሪኽ ዓለም ነፃነት ፀለምቲ ዘግሃገድን ኣብ ኩርንዓት ዓለም ቃልሲ ኣንፃር ዘርኣዊ ጭቆና ዘጎሃሃረ ከምዝኾነ ታሪኻዊ ዓወት ክተመዝግብ ክኢላ ‘ያ።

ኩሎም ፀለምቲ ህዝብታት በዚ ታሪኻዊ ፍፃመ ብዘጎሃሃሮም ፍፃመታት ፍትሒ፣ ሰላምን ዲሞክራሲን ዝረኸቡ ህዝብታት ዓለም ክውሕዝሉ ዝግባእ መቀይሮ ነጥቢ ዝኾነ ቃልሲ ነፃነት ጎቦታት ዓድዋ ተፅኒዖምን ለሚዖምን ንተመራመርትን ንጎብነይትን ሰሕብቲ ዝኾኑ ነቲ ፍፃመ ዘቅፅሉ ብርክት ዝበሉ ትካላት ክሕነፁ ይግባእ። ኣብ ተረኽ ፍፃመ እቲ ኲናት ዝረኣዩ ህፀፃት ብምእራም

ትኽክለኛ ግደ ህዝብታት ኢትዮጵያ ትግራይን ብምስናድ እዚ በዓል ንደገ ዘለዎ ትርጉም ከምዘሎ ኮይኑ፤ ንውሽጣዊ ሓድነት ልምዓትን ድሉይ ትኹረት ሂብና ክንሰርሐሉ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ይላቦ። ክብርትታት ዓድዋ ንቀፃሊ ፍልፍል ሓድነትናን ፍቅርናን ሰንያትናን ‘ምበር ፍልፍል ጎፅናን ፍልልይናን ከይኸውን ብዝግባእ መንገዲ ክንዕቅቦ ይግበአና ኢሎም ‘ዮም። ቀዲሞም ቃል ዝተኣተው ናብ ተግባር ዘይወዓሉ ፓን ኣፍርካን ዩኒቨርስቲ ሓዊሱ ብዙሓት መፅብዓታት ደጊሞም ክርኣዩን፤ ታሪኻዊ ፍፅመታት ዝኾኑ ክረኸቡ ዝግባእ ረብሓ ንክርክብ ክንሰርሕ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ፃዊዒቱ የቅርብ ኢሎም።

ንተወሳኺ ክብርታት በዓል ዓድዋ ዓቂብና ሰላምና ዝበለፀ ንክሰፍን ሓድነትና ዝያዳ ክሰጥም ሞራልና ክብርኽ ህልው ፀገማትን ዓፀባታትን ህዝብና ብእዋኑ ብልዑል ትኹረት ክንፈትሕ ጥንኩር ሓድነት የድልየና። ናይ ማዕዶ ሙቁማት ገዲፍና ኣብ ናይ ባዕልና ዋኒን ሽኺልና ህልው ዓቅምታት ወዲብና ፈተናታትና ናብ ረብሓ ቀይርና ብግዜ የለን ክንሰርሕ ይግብአና ክብሉ ገሊፆም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 28 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *