ሰልፊ ድጋፍ ኣብ መበል 6ይ ዓመት ለውጢ

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ክሳብ እዚ ሰሙን ኣብ ብዙሓት ክፋላት እዛ ሃገር ዓበይቲ ትኹረት ካብ ዝሰሓቡ ዛዕባታት ሓደ ንመበል 6ይ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ለውጢ ምኽንያት ብምግባር ዝግበር ዘሎ ድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ‘ዩ።

እዚ ድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ኣብ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ብብርኪ ዝተፈላለያ ከተማታትን ካልኦት ከባቢታን ክልል ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ዓፋር፣ ሶማል፣ ቤንሻንጉል፣ ጋምቤላ፣ሲዳማን ሃረሪን ኣብ ካልኦት ክልላትን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መንግስቲ ለውጢ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ዘምፅኦም ለውጥታት ዝድግፉ ጭርሖታት ብምሓዝ እናወፅኡ ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ኣብዚ ናይ መበል 6ይ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ለውጢ ምኽንያት ብምግባር ዝግበር ዘሎ ድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ብተወሳኺ ብዝተፈላለዩ ላዕላዎት ኣመራርሓታት መንግስትን ደገፍትን ዝተፈላለዩ መልእኽታት እናተመሓላፉ ዝርከቡ ኮይኖም፤ ካብቶም ዝተመሓላለፉ መልእኽትታት ዝተወሰኑ ከምዚ ዝስዕብ ነቅርብ። ሰናይ ንባብ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተገበረ ድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ንነበርቲ ዋና ከተማ ኣዲስ መልእኽቲ ዘሕለፋ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ መበል 6ይ ዓመት ብቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተመርሐ ለውጢ ንሃገርና ልዕል ብዘብሉ ዓበይቲ ስራሕትን ሕብረብሄራዊ ሕውነትን ልዕል ኢሉ ሓድነት ዝደመቐሉ ንክኸውን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ንመዘከርታ ዓወት ዓድዋ ሓዊሱ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ጀሚርና ዝዛዘምናሉ፣ መስሕባት ቱሪዝም ኸምኡ ‘ውን ማሕበራዊ ፍትሒ ንምዕሳል ዝጀመርናዮም ንወድሰብ ቐዳምነት ብዝሃበ ሰብ ተኮር ስራሕትና ሸኽሚ መነባብሮ ብዙሓት ቐሊሉ ንብዓቶም ተሓቢሱ ተስፍኦም ዝለምለመሉ ‘ዩ ኢለን ‘የን።

ብተወሳኺ ኣብ ቐፃሊ ‘ውን ከተማና ተምሳሌት ብልፅግና፣ ከምሽማ ሰሓቢትን ንናብራ ምችውትን ብምግባር ብኹሉ ዘፈር ዓለምለኸ ማእኸል ስሕበት ናይ ምግባር ፃዕርና ተጠናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ። ኹልግዜ ድጋፎም ንዘይተፈለየና ነበርቲ ከተማና ኽብርና ዝለዓለ ‘ዩ ብምባል፤ ብምምስጋን መልእኽተን ኣሕሊፈን ‘የን።

ከምኡ ‘ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ንነበርቲ እታ ከተማ ተጠቀምቲ ዝገብሩ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ዝገልፁ ድማ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ዣንጥራር ኣባይ ‘ዮም። ኣይተ ዣንጥራር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ንዝተረኸቡ ዓወታት ንምቕፃል ዝዓለመ ሰልፊ ድጋፍ እናተኻየደ ኣብ ዝነበረሉ ከምዝተዛረብዎ፤ እቲ ለውጢ ንኣዲስ ኣበባ ሓዳሽ ንክትኸውን ብዙሕ ገፀ በረከት ኣምፂኡ ‘ዩ።

ብፍላይ ኣብታ ከተማ ዝተኻየደ ልምዓት ገዛ ንሰብ ውዕለታ ሃገርን ዓቕመ ድኹማትን፣ ንልምዓት ዝተልዓሉ ከምኡ ‘ውን ንዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብ ግምት ዘእተወ ‘ዩ ብምባል፤ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንነዊሕ ዓመታት ማእኸል ዲፕሎማሲን ኢኮኖሚን ንምዃና ዘይምጥኑ መሰረተ ልምዓታት ዝነበሩዋ ከተማ ከምዝነበረትን ‘ውን ኣብ ዘረበኦም ገሊፆም።

ብተወሳኺ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ንኣዲስ አበባ ብዙሕ ፀጋታት ኣምፂኡ ‘ዩ። እዚ ለውጢ ንምቕፃል ድማ ሓላፊነትና ምውፃእ ይፅብየና ዝበሉ ምኽትል ከንቲባ ኣይተ ዣንጥራር፤ ብፍላይ ናብራ ምኽባር ንምፍታሕ ልዑል ድጎማ ገንዘብ ብምግባር ስራሕቲ ዕዳጋ ምርግጋእ ምፍፃሙ ተዛሪቦም ‘ዮም፡፡ ስለዝኾነ ብዙሓት ውፅኢታት ተረኺቦም ‘ዮም።

ከምኡ ‘ውን ፕሮግራም ምገባ ኣብ ቤት ትምህርትታት ብዙሓት ተምሃሮ ተጠቀምቲ ምዃኖም ብምግላፅ፤ በቢእዋኑ ዝግበር ድጋፍ እታወታት ትምህርቲ ብኣብነት ብምልዓል ዝተዛረቡ እንትኾኑ፤ ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣብቲ ከተማ ዝስትውዓሉ ፀገማት ልምዓትን ካልኦትን ንምፍታሕ ናይ ለውጢ መንግሲቲ ዝጀመሮ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ።

ብመሰረት ኤፍ.ቢ.ሲ ከምዝፀብፀቦ ድማ፤ ብሃገራዊ ለውጢ ዝተረኸቡ ዓወታት ንምጥንኻር ጠመተ ብምሃብ ከምዝስራሕ ኣብ ክልል ሲዳማ ከተማ ሃዋሳ ሃገራዊ ለውጢ ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ደገፍ ኣብ ዝተሳለጠሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም ‘ዮም።

እቲ ዝተገብረ ደገፍ፥ “ንሰላምና ዘብዒ ክንከውን ኢና ለውጢ ክነቐፅል ኢና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተሳለጠ ኮይኑ፤ ‘ቶም ርእስ ምምሕዳር ወሲኾም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ክልል ሲዳማ ብመንግስቲ ለውጢ ዝረኸበቶ ብዙሓት ዕድላት ንምቕፃል ጠመተ ብምሃብ ክስራሕ ‘ዩ ክብሉ ተዛሪቦም ‘ዮም።

ከምኡ ‘ውን ድሑራት ኣተሓሳስባታት ብምሕንጋጥ ገስጋስ እቲ ለውጢ ንምትዕንቓፍ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ፍፁም ተቐባልነት ከምዘይብሎምን ‘ውን ብምግላፅ፤ ለውጢ ዘመዝገቦም ብዙሓት ውፅኢታት ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ህዝቢ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ለውጢ ከምዝስለፍ ምምስካሩ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ ‘ዩ።

ብተመሳሳሊ ሀገራዊ ለውጢ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፍ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ከተማ አሶሳ ኣብ ዝተገብረ ናይቲ ክልል ርዕሰ ምምሕዳር ዝኾኑ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ከምዝበልዎ፤ እቲ ሀገራዊ ለውጢ ንህዝቢ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ማዕረ ናይ ምውሳን መሰል ረኺቡ ‘ዩ። ከምኡ ‘ ውን እቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ30 ዓመታት ከልዕሎም ዝፀንሐ ዘይተመለሱ ሕቶታት ማዕርነት በቲ ሃገራዊ ለውጢ ክምለስ ተኻኢሉ ‘ዩ ክብሉ ተዛሪቦም ‘ዮም።

ብብርኪ ሃገር ኣብ ልምዓት እናተመዝገቡ ዘለው ዓወታት ብፅሒት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ልዑል ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ አሻድሊ፤ ህንፀት ግዙፍ ግድብ ህዳሰ ኣባይን ካልኦት መሰል ሜጋ ፕሮጀክታት ናብ ፍፃመ እናበፅሑ ምዃኖም ብምግላፅ፤ ኣብቲ ክልል ዝትግበሩ ዘለው ስራሕቲ ልምዓት ንምትዕንቃፍ ብዝተፈላለዩ እዋናት ፈተነታት እናተገበሩ ከምዝንበሩ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ቀፃሊ እቲ ሕብረተሰብ ብምስታፍ ብዝስርሑ ፅንኩር ስራሕቲ ሰላምን ፅጥታን ተንኮል ኣካላት ጥፍኣት ከምዘይሳኻዕ ብምግላፅ እቲ ሕብረተሰብ ብሃገራዊ ለውጢ ንዝተመዝገቡ ውፅዒታት ኣፍልጦ ንምሃብ ንዝርኣዮ ድጋፍ ብምምስጋን ብመንግስቲ ለውጢ ዝተረኸቡ ዓወታት ተጠናኺሩ ንክቅፅል በቢዘፈሩ ዝግበር ርብርብ ክጠናኸር ከምዝግባእ ኣረዲኦም።

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣሰሳ ዝኾኑ ኣይተ አብዱልከሪም አብዱረሂም ብወገኖም ለውጢ ሃገራዊ ተኸቲሉ ኣብ ሓምላዋይ ዓሻራ፣ ውፅኢት ገደናታት (ሌማት)፣ ቱሪዝምን ኣብ ካልኦት ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ዘፈራት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝተጨበጠ ውፅኢታት ተመዝጊቡ ‘ዩ።

ህዝቢ ከተማ ኣሶሳ ንዚ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ምግባሩ ድማ ንዝሓለፉ ዓመታት ነቲ ሃገራዊ ለውጢ ዝመርሐ መንግስቲ ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ዝሓለፈ ውግንነቱ ብተግባር ዘርኢ ‘ዩ ኢሎም። ስለዝኾነ ብዝተፈላለዩ ግንባራት ውፂታዊ ተጠቃሚነት ንምቅፃል ዝክኣል ሰላምና ዘላቂ እንትኸውን ስለዝኾነ፤ ነባሪ ህዝቢ እቲ ከተማ ሕውነታዊነትን ምክእኣልን ብምጥንኻር ሰላሞም ከቀፅሉ ኣተሃሳሲቦም ‘ዮም።

ኣብቲ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ካብ ዝተረኸቡ ነበርቲ ከተማ ኣሶሳ ዝኾና ወይዘሮ ኣሙና አብዱልዋሂድ ሃገራዊ ለውጢ ተኸኢሉ ኣብ ከባቢአን እናተሰርሑ ካብ ዘለው ስራሕቲ ልምዓት ተጠቃሚት ምዃነን ብምግላፅ፤ ብፍላይ ኣብ ናይ ባዕለን ጉዳይ ባዕለን ክውስና ምኽኣለን ናይ ተጠቃሚነት ዋና መርኣይ ‘ዩ ብምባል፤ ኣብቲ ክልል ዘሎ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ እቲ ሕብረተሰብ ተሳታፊነቱን ተጠቃሚነቱን እናረጋገፀ ምምፅኡ ተዛሪበን።

ብተመሳሳሊ ነባሪ እቲ ከተማ ዝኾኑ ኣይተ እንድሪስ አልመሃዲ ዝብሃሉ ተሳታፊ እቲ ድጋፍ ሰልፊ ብወገኖም መናእሰይ እቲ ክልል ብነፃነት ተወዲቦም ብምስራሕ ዓርሶም ካብ ምልዋጥ ብተወሳኺ ነቲ ክልል ይኹን ንዕብየት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ግደኦም እናተዋፁ ምዃኖም ብምርዳእ፤ ጉዕዞ ሃገራዊ ለውጢ ኣብቲ ክልል ዝርከባ ከተማታት ዕብየት እናርኣያ ብምምፅአን እቲ ህዝቢ ብማሕበራዊን ኢኮኖሚን ተጠቃሚ እናኾኑ ምዃኖም ገሊፆም ‘ዮም ግ.ዚ.ኢ ፀብፀቡ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ወላይታ ሶዶ ዝተኻየደ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ብፍላይ ኣብ ከተማታት እቲ ዞን ካብ ዝርከቡ ምምሕዳር ወረዳታት ዝተወፅፅኡ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝተሳተፉ እንትኾኑ፤ “ሰላምና መሰረት ብልፅግናና ‘ዩ እሞ ንሃገርና ሰላም ተተሓሒዝና ክንሰርሕ ኢና”፣ “ሕብረ ብሔራዊነትና ብምጥንኻር ንኹሉ ዝትምችው ኢትዮጵያ ክንሃንፅ ኢና ” ዝብሉን ጭርሖታት ዘስምዑ ኮይኖም፤ ኣብ ዞባ ጋሞ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጪ ናይ ለውጢ መንግስቲ እናመዝገቦ ዘሎ ውፅኢት ዝድግፍ ኣብ ዝተኻየደሉ ‘ውን ‘ቶም ሰልፈኛታት መንግስቲ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ፈተናታት ተፃዊሩ ውፅኢት ከምዘመዘበ ዘመለኽቱ ጭርሖታት ኣስሚዖም ‘ዮም።

ከም ሃገር ደው ዝብለሉ ስትራቴጂ ብምቅራፅ ጥንኩር ዲስፕሊን ብምትግባር ብብርኪ ዓለም ኣፍልጦ ዘትረፈ ዕብየት ኢኮኖሚ ምምዝጋቡን ተደራራቢ ፀገማት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝኸፍአ ዋጋ ከየኽፍል ኣኽኢሉ ‘ዩ። ድሕሪ እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ኣብዛ ሃገር ሓዱሽ ኣተሓሳስባ ፖለቲካ ንምፍጣር ፀገማት ብዘተን ድርድርን ንምፍታሕ ዘኽእል ባህላዊ ፖለቲካ ብምፍጣር በቲ ትፅቢት ዝተገበረሉ ብርኪ ውፅኢት እንተዘይ ምፅአ ‘ውን ኸይዲ ምፍጣር ሓዱሽ ኣተሓሳስባ ፖለቲካ ኣብ ምምፃእ ዓቢ ቦታ ዝወሃቦ ‘ዩ።

እዚ ሓቂ ብምርዳእ ድማ ሐዚ ዝግበሩ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ነዚ ተግባር ግቡእ ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ብዝሓለፈ፤ ናይ ለውጢ ሓይሊ ከም ሃገር ዝተፈጠሩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ስብራቶታት ምሕካም ዘኽእል ቁርፀኝነት ንክፍጠር ተወሳኺ ዓቅምን ፅንዓት ዕላማን ዝፈጥሩ ‘ዮም ተባሂሉ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 03 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You