‹‹ሓድነት ኢትዮጵያ ንዓለም ኣብነት ንክኾን ክንሰርሕ ኢና›› -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናብ ዞባ ጉራጌ ከተማ ወልቂጤ እንትበፅሑ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰውን ኣባላት ካቢኔ እቲ ክልልን ከምኡ ‘ውን ሽማግለታት ዓድን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም ‘ዮም ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ጋሻ ሽማግለታት ዓዲ ብባህላዊ ምረቓ ንዑደቶም ምስጋና ከምዘቕረቡሎም ተገሊፁ ‘ዩ፡፡

ንለውጢ መንግስቲ ዝድግፍ ህዝባዊ መድረኽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ወልቂጤ ዝተሳለጠ እንትኸውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝገብርዎ መደረ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና፡፡

ሕምብርቲ ኢትዮዮጵያ ዝኾነት ከተማ ወልቅጤ ኾይነ ከማሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፤ ጉራጌ ብዛዕባ ሓድነት ፤ ብዛዕባ ሓባራውነት ዘምሀረን ብተግባር ዝነበረ ህዝብን ብቋንቁኡ ድማ ሓድነት ሓይሊ ‘ዩ ኢሉ ዝኣምን ብሓድነት ዝርከብ ፀጋ ብልምዲ ህይወቱ ዝተገንዘበ ዝኸፋፍሉና፣ ክፈልዩና ከባልዑን ንዝደልዩ ፤ ኢትዮጵያ ንምክፍፋል ንምብልላዕ በቢግዚኡ ፍልጠቶም ጉልበቶም ገንዘቦም ዘጥፍኡ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ኹሉ ጉራጌ ሓድነት ሓይሊ ምዃኑ ፤ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብዚ ፃዕራም ህዝቢ ሰላም ፎታይ ህዝቢ ትምህርቲ ወሲዱ ንፀላእቱ በሪ ከይኸፈተ ሓድነቱ ሓልዩ እዛ ድንቂ ሃገር ንደቅና ኣበልፂግና ምስጋር ንክንኽእል ናይ ግዴኡ ንክዋፃእ ካብ ከተማ ወልቅጤ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ መልእኽተይ ከመሓላልፍ ይደሊ ‘የ፡፡

ጉራጌ ብዛዕባ ሰላም የምህር ብሰላም ይነብር ብዛዕባ ሰላም ዘጋውሕ ‘ዩ፡፡ ብዛዕባ ሰላም እንትዛረብ ዝዘርእዎ ይቦቅል ከምዝባሃል ብዛዕባ ሰላም ከይተዛረብና ከይተምሀርና ሰላም ክንጎናፀፍ ኣይንኽእልን፡፡ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ጉራጌ ተማሃሩ ሰላም ኣድዚሕና እንደሊ ሓቢርካ ንምንባር ንምትሕብባር ዝለምዐትን ዘይትልምን ኢትዮጵያ ንምርኣይ ኹላትና ብሓባር ጠጠው ክንብል ክንኽእልን ዝተሰሓሓትኹም ኣሕዋትና ልቦና ንክህበኩም ኣነን ህዝቢ ከተማ ወልቅጤ መልእኽቲ ነማሓላልፍ፡፡

ኢትዮጵያውያን ብዙሕ ባህሊ ቋንቋ ፣መግለፂ መንነት ዘለና ምዃኑ እሙን ‘ዩ፡፡ እዚ ተፈጥራዊ ‘ዩ እዚ ምትራፍ ምሽፋን ኣይካኣልን፡፡ ኾይኑ ግና ናትና ምፍልላይ ቋንቋ ፣ ባህሊ ኢትዮጵያ ዝብትን ክኾን የብሉን፡፡ ኸዚ ‘ውን ሓድነት ኢትዮጵያ ንምርዳእ ሓድነት ጉራጌ ምርኣይ ጠቓሚ ‘ዩ፡፡

‹‹ሰባት ቤት›› ዝበለሉ ምኽንያት ሸውዓተ ገዛ እንተሃለወ ‘ውን እቶም ሸውዓተ ገዛውቲ ብምትሕብባር ብምክብባር ክነብሩ ከምዝኽእሉ ኣቦታት ጉራጌ ንደቆም ኣምሂሮም ኸዚ ጉራጌ ብዝተፈላለየ ገዛ እንተተፀወዐ ‘ውን ዝተፈላለየ ቋንቋ እንተሃለወ ሓደ ዝገብሮ ምፍለይ ንኢትዮጵያ ኣብነት ብምዃኑ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተፈላለየ ቋንቋ እንተተዛረብና ‘ውን ዝተፈላለየ

እምነት እንተኣመና ፆታና እንተተፈላለየ ንኻልኦት ተገዚእና ኢትዮጵያ እንከፋፍል ዘይኮና ንሓድነት ኢትዮጵያ ብሓባር ጠጠው ዝበልና ንክንኾን ሎሚ ‘ውን ንኻልኣይ ግዜ ፃውዒተይ ከመሓላልፈልኩም ይደሊ፡፡ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ እምቢ ዝበለት ዘይተገዝአት ንነፃነታ ዝተቓለሰት ሃገር ከምዝኾነት ዝዝረብ ‘ዩ ኹላትና ንፈልጥ ኢና፡፡

ካልኣይ ወረራ ጣልያን ካብ ኩሉ ዙርያ ኢትዮጵያ ተሰብሲቦም ደም ኣዕፅምቶም ከስኪሶም ነፃነት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምርግጋፆም ሓደ ኢትዮጵያዊ ፊታውራሪ ሓደ ዘይተወደአ ነገር ኣሎ ኢሎም፡፡ ድሕሪ ካልኣይ ወራር ጣልያን ኢትዮጵያ ነፃ እንተነበረት ‘ውን መርካቶ ግን ነፃ ኣይነበረትን፡፡ መርካቶን ፣ ኢኮኖሚና ነፃ እንድሕር ዘይገይርና ነፃነት ዝተማለአ ከምዘይኾን ዝኣመኑ እቶም ፊታውራሪ ካብ ኣርባዓ ዘይበለፁ ጉራጌ መልሚሎም መርካቶ ኣትዮም፡፡

ሎሚ ኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኾነትስ መርካቶ ነፃ ዝኾነት ብጀግናታት ኣቦታት ጉራጌ ‘ዩ፡፡ ቅድሚ እዚ ግና ጉራጌ ብኢትዮጵውያን ጥራሕ እንተይኾነስ ብብዙሕ ሃገራት ዜጋታት ዝተድሓዘ ዓብይ ማእኸል ንግዲ ነይሩ፡፡ ሎሚ ሚኢቲ ብሚኢቲ ብዝባሃል ብርኪ ነፃነት ኢትዮጵያ መረጋጋፂ ሰናይ ኢኮኖሚ ዋልታ ዝኾነ መርካቶ ናይ ናፅነት ካልኣይ ኣብነት ‘ዩ፡፡

ናፅነት ማለት ብሓይሊ ደንበር ምሕላው ጥራሕ እንተይኾነስ ናፅነት ብንግድ ብኢኮኖሚ ባዕልኻ ብምኽኣል ካብ ልመና ምግልጋል ምቁጣብ ከምዘድሊ ንኢትዮጵያ ዘምሃረ ንኢትዮጵያ በረኸት ዝኾነ ህዝቢ ተረኺብና ብዛዕባ ናፅነት ኢኮኖሚ እንትንዛረብ ብዓብይ ኽብርን ደስታን ‘ዩ፡፡

ዝኸበርኩም ህዝቢ ጉራጌ ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኽልተ ኣመላኻኽታ ኣሎ ኢትዮጵያ ትፈርስ ‘ያ ትበታትን ‘ያ ዝብሉን ንሕና ድማ ኢትዮጵያ ክትብልፅግ ‘ያ ናይ ኣፍሪካ ኣብነት ኢኮኖሚ ሓድነትን ክትኾን ‘ያ እናበልና ኢና፡ ፡ እዚኦም ኽልተ ሓሳባት ብቀሊሉ ኣይተዓረቑን ንሕና ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብልፅግናን ሰላምን ሓድነትን ምፅዓርን ምልፋዕ መሪፅና ኢና፡፡

ጅግና ህዝቢ ጉራጌ ሎሚ ብመራሕቱ ከምዝተዛረቦ ኢትዮጵያ ኣይትከፋፈልን፣ ኢትዮጵያ ኣይትፈርስን ፣ ኢትዮጵያ ክትብልፅ ‘ያ ፡፡ ኣብ ጎንና ጠጠወ ንክትብሉ ፃውዒተይ ከቕርብ ይፈቱ፡፡ ኢትዮጵያ ክትብልፅግ ‘ያ ኣይትፈርስን እንብል ዘለና ብሕልሚ ኣይኮነን፡፡ ብዝፀረየ ሓሳብን ብስራሕን ‘ዩ፡፡

ንኣብነት ኣዲስ ኣበባ ናይ ደቂ ጉራጌ ረሃፅ ዘፅነሓ ሎሚ ድማ ዒስራን ኣርባዕተን ሰዓት ፅባቐኣ ንምሕላው እናሰራሕና ዘለና መዲና ኣፍሪካ ኾይና ንክትርከብ ካብ ምድላይ ጉራጌ ትማሊ መርካቶ ነፃ ከምዘውፀኦ ሎሚ ድማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ርስሓት፣ ካብ ርካሽ፣ካብ ረሳሕ ኣተሓሳስባ ናፃ ብምግባር ናብ ዝሐሸ ንምስግጋር ኣብ እንገብሮ ኣብ ጎንና ኾይንኩም ንክትሕግዙና ኣብ ሓፂር እዋን ንኢትዮጵያን ንኣፍሪካ ፅብቕቲ ዝኾነት ከተማ ንደቅና ንክንረክብ ኣብ ጎንና ንክትኾኑ ብትሕትና ንሓትት፡ ፡

ኣብ ከተማ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ገጠር ብስርናይ ፣ ሩዝ ፣ ብቡና ብሻሂ ብሌማት ቱርፋት፣ ብደርሆ ፣ ብእንቋቁሖ፣ ብፀባ ከምኡ ‘ውን ብምግቢ ነፃ ብምውፃእ ስርናይ ንምርካብ ብልመና ካብ ምስላፍ ንምልማዕ ምስላፍ ይምርፅ ኢልና ተላዒልና ዕላማና ክሳብ ሎሚ ደጊፍኩም ናብ ፍረ ዘለዎ ነገር ከምዘብፃሕክምዎ ኹሉ ጉራጌ ሎሚ ‘ውን እኹል ጉልበት እኹል መሬት ዘለዋ ኢትዮጵያ ኣይትልምንን ንልመና ኣይትስለፍን ብልምዓት ዓርሳ ንክትኽእል ኣብ ምግባር ክትሕጉዝና ፃዒተይ የቕርብ፡፡

ዓለም ብስርናይ ባዕልና ክንኽእል ኢና እንትንብል ብዙሕ ኣይዛርብን ፤ ደጋጊሙ ግና ጠሚኹም ኢኹም ክትጠፍኡ ኢኹም ይብሉና፡፡ ቅድሚ ኽልተ ወርሒ ዓብይ ድርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሎ ተባሂሉ ሰፊሕ ፕሮፖጋንዳ እናተሰራጨወ ነይሩ ‘ዩ፡፡ ከምትፈልጥዎ ጥምየት ግዜ ኣይህብን፡፡ እንኳዕ ኽልተ ወርሒ ኽልተ መዓልቲ ኣየፅንሕን፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ኢድ ዝሓፀሮም ካብ ዕለታዊ ምግቦም ምሕላፍ ዘይኻኣሉ እንተሃልዮም ኢትዮጵያ እዚኦም ካብ ጥምየት ናይ ምልቃቕ ዓቕሚ ስለዘለዋ እንተኽኢሎኩም ሓጉዝና ተዘይኾነ ግና ንጉሆን ምሸትን ከምዝሳኣና መርድእ ኣይተጋዉሕና ኢልናዮም ነይርና፡ ፡ ኸዚ ናቶም መርድእ ከንቱ ኾይኑ ጠጠው ኢልና እንኸድ ሓደ ዝኾና ስለዝኾና ዝኾነ መርድእ እንትንሰምዕ ከፋፋሊ መርድእ እንትንሰምዕ ኣይደንቀናን፡፡

ፀላእትና ናይ ኹልግዜ ድልየቶም ኢትዮጵያ ምክፍፋል ምፍልላይ ፀገማታ ኣብዚሖም ምዝራብ እዚ ምዃኑ ተገንዚብኩም ጉራጌ ናይ ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ሕምብርቲ ናይ ፃዕሪ ፣ ስራሕ፣ ፍቕሪ ናቶም ሓሳብ ንምጥፋን ንሓባር ሓድነት ምብልፃግ ኣብ ጎንና ጠጠው ክትብሉ ብዓብይ ትሕትና ይሓትት፡፡

ኣብ ጫካን ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት እትርከቡ ኢትዮጵያውያን ካብ እትልእኽዎ ሓይሊ ንላዕሊ ኢትዮጵያ ትበልፅ፡፡ ካብ ዝኸፈለኩም ንላዕሊ ኢትዮጵያ ትበልፅ፡ ፡ ንኢትዮጵያ ሓድነት ፣ ሰላምን ብልፅግናን ብሓባር ጠጠው ክንብልን ካብ ኸፋፋሊ ካብ መንደራነት ሓሳብ ነፃ ወፂኹም ብኢትዮጵያውነት ምሳና ንክትዓብዩ ብሽም ህዝቢ ጉራጌ ፃውዒተይ ከቕርብ እፎቱ፡፡ ጉራጌ ንዓኹም ሒዝና ኣይንሓፍርን፡፡ ኢትዮጵያ ክነበልፅጋ ኢና፡፡

ሓድነት ኢትዮጵያ ንዓለም ኣብነት ንክኾን ክንሰርሕ ኢና፡፡ እዚ ማለት ግና ኣይንፍተንን ማለት ኣይኮነን፡፡ ፈተና ንጉሆን ምሸትን ኣሎ፡፡ ናይ ፈጣርን ኣዶታትን ፀሎት ብምድሓዝ ዝበልፀገት ንኣፍሪካ ኣብነት ዝኾነት ኢትዮጵያ ንደቅና ክነረክብ ኢና፡፡ ካብ ዝጀመርናዮ ብልፅግና ፣ሰላም ፣ ፍቕሪ ይቕርታ ዝምልሰና ዝኽእል ሓደ ሓይሊ የለን፡፡

ተሓባቢሪና ኢትዮጵያ ናይ ምብልፃግ ንደቅና ዘይትልምን ሃገር ንምርካብ ከይዲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ፡፡ ሎሚ ናብ እንፈትዎን ገዛና ዝኾነ ህዝቢ ጉራጌ እንትንመፅእ ዓብይ ሓጎስ እናተሰመዐና ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምሳና ምስ ዘሎ ህዝቢ ጉራጌ ብምዃን ሰላም ፣ ፍቕሪ፣ብልፅግና ኣብ መላእ ሃገርና ንክሰፍን ኣነን ህዝቢ ጉራጌን ካብ ወልቅጤ እናብሰርና ኢና፡፡ ሓድነትና ክቕፅል ‘ዩ ፤ጉራጌ ክለምዕ ‘ዩ፤ ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ክትለምዕ ‘ያ ፤ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ እትምቸው ሃገር ክትኸውን‘ያ፤ እዚ ኣነን ንስኹትኩምን ክንርእይ ኢና፡፡ የመስግን፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 17 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You