ሃገራዊ ዘተ ጥዕናን ዑደት ስራሕን ኣብ ከተማ መቐለ

ኣብ ናይ ሎሚ እዋናዊ ዛዕባና ትኹረት ገይርና ካብ እንሪኦ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ኣብ ዘፈር ጥዕና ዝተዋደደ ሓባራዊ ኣኼባን ኣፈፃፅማ መጀመርያ ፍርቂ ዓመት በጀት 2016ን ብተወሳኺ ኣብዚ መድረኽ ኣብ ዘፈር ጥዕና ትልምታት ወረዳ ዘለዎ ብርኪ፣ DHIS 2፣ ኣተገባብራ ጥዕና ዲጅታልን Master facility regesar­tion (MFR ) ፣ ኣፈፃፅማ ምትሕልላፍ ተሰብሳቢ በጀት፣ ሪፖርት ዝተረኸበ ኦዲት፣ መምርሒ ምምሕዳር ቻናል ፋይናንስ 2 ፣ አፈፃፅማ ፕሮጀክት በማቺንግ ፈንድ ዝተቆፀሩ ሓኪማትን ኣፈፃፅማ ትምህርቲ ስፔሻሊቲ ዝከታተሉ ሃኪማትን ከምኡ ‘ውን ሪፖርት ግልጋሎት ኣቅራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያ፣ ብኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ለበዳ ዝተፀንዑን ዝተረኸቡ መፅናዕትታት፣ ከምኡ ‘ውን ኣወሃህባ ግብረመልሲ ጥዕና ሓደጋ ሕብረተሰብ ዝመሳሰሉን ‘ዩ።

ኣብ ዘፈር ጥዕና ዝተዋደደ ሓባራዊ ኣኼባ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ኣፈፃፅማ መጀመርያ ፍርቂ ዓመት በጀት 2016 ዝተገምገመ ኮይኑ፤ ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባ ዝተቀመጡ ተግባራት ነጥቢ ዘለውዎ ብርክን ኣፈፃፅማ ሪፖርት ሽዱሽተ ወርሕን ቀሪቦም ዘተ ዝተኻየደሎም ኮይኖም፤ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ዝተዋደደ ሓባራዊ ኣኼባ ኣብ ዘፈር ጥዕና ኣብ ዝተገበረ መድረኽ ኣብ ዝገበርኦ መደረ ከምዝገለፅኦ፤ እቲ መድረኽ ኣብ ክልል ትግራይ ምክያዱ ሚኒስቴር ጥዕና ፣ ቢሮ ጥዕና ክልላትን ካልኦት ተፀዋዕቲ ትካላት ብሓባር ብምዃን ነቲ ኽልል ዘለዎም ድጋፍ ንምርኣይ ተሓሲቡ ዝተወሰነ ምዃኑ ገሊፀን ‘የን።

ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዓመት ዝነብረ ኩነታት ተመሊስካ ንምርኣይን ንምምሕያሸ ስራሕቲ ኣብ ዝጠቅሞ ነጥብታት ዘተ ንምግባር ዝተኻየደ መድረኽ ምዃኑ ገሊፀን። ኣጀንዳታት ናብ ተግባር እነውርደሉ፣ ቆራፅነት ኣመራርሓ እንርእየሉን መድረኽ ዘበላ ዶክተር መቅደስ ንኣዳለውቲ እቲ መድረኽ ዘለወን ምስጋና ‘ውን ኣቅሪበን።

ብተወሳኺ ኣብቲ እዋን ዘተ ዶክተር መቅደስ ከምዝተዛረብኦ፤ ኣብቲ መድረኽ ዝቀረቡ ሓሳባት ብግብረመልሲ ተወሲዶም ኣካል ናይቲ ትልሚ ኾይኖም ዝትግበሩ ክኾኑ ‘ዮም ዝበላ እንትኾና፤ ‘ቶም ስራሕቲ ድማ ካብ ቤት ዕዮታት ሚኒስቴር ጉጅለ ተደራጅዩ ናብ ክልል ብምውራድ ብሓደ ብሙዃን ዝትግበሩ ምዃኖምን፣ ክልላትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ‘ቶም ስራሕቲ ከም በዓል ዋንነት ወሲዶም ክሰርሑ ከምዘለዎም ገሊፀን ‘የን።

ከምኡ ‘ውን ዶክተር መቅደስ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት፣ ኣብ ድልውነት ምክልኻል ሓደጋን ዝበሉ ስራሕቲ ዓብዪ ትኹረት ተዋሂብዎ ዝስርሑ ስራሕትታት ምዃኖም ዘልዐላ ኮይነን፤ ኣብ ምጥንኻር ስራሕቲ ህንፀት ዓቅሚ ትካላት ጥዕና ውልቀ’ውን ብምስታፍ ሓቢርካ ብምስራሕን ከምኡ’ውን ኣብቲ ሴክተር ብሓዱሽ መልክዕ ዘተትሓዙ ዓበይቲ ስራሕቲ ከም ኣብ ዘፈር ጥዕና ፍርያት ውሸጢ ዓዲ ምዕባይ፣ ተሳትፎ እቲ ሕብረተሰብ ብምውሳኽ ፅሩይ ትካላት ጥዕና ምፍጣር፣ ምዕባይ ቱሪዝም ሜዲካልን ሪፎርም ሲቪል ሰርቭስ ሓላፊነት ብዝተመልኦ መንፈስ ኣብ ምምራሕ ብትኹረት ንክስራሕ ኣንፈት ሂበን።

ኣብ መጠቃለሊ እቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሰክሬታሪያት ስግግር ማሕበራዊ ግልጋሎታት ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት እቲ ክልል ኣብ ግልጋሎት ጥዕና ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ቅልጡፍ ሓገዝ ምርካቡ ዝተዛረቡ እንትኾኑ ነዚ ድማ ነቲ ክልል ብምውካል ንሚኒስቴር ጥዕና ምስጋና ከም ዘቕረቡ ኮይኖም፤ብተወሳኺ ጥዕና ክልል ትግራይ እንትሕሎ ጥዕና ካልኦት ክልላት ክሕለው ከምዝኽእል ዝተዛረቡ ፕሮፌሰር ክንደያ፤ ኩለን ክልላትን ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ሓገዞም ኣጠናኺሮም ንክቅፅሉ ፀዊዖም ‘ዮም።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር አማኑኤል ብወገኖም ናይ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም መደረ ዝገበሩ እንትኾን፤ ኣብ መደረኦም ናይ ሓባር መድረኽ ኣብ ክልል ትግራይ ንክካየድ ምግባሩ ዓብይ ሞራል ዝህብ ‘ዩ ድሕሪ ምባሎም፤ እቲ ውሳነ ንዝወሰኑ አካላት ኣመስጊኖም።

ከምኡ ‘ውን ኣብ ዘፈር ጥዕና ዘሎ ርክብን ተቀራሪብካ ንምስራሕን ብጣዕሚ ዝሕግዝ ምዃኑ ዶክተር አማኑኤል ዝተዛረቡ እንትኾኑ፤ ስራሕቲ ጥዕና ብምውዳድ ዝስራሕ ምዃኑ ኩሉ ተቀራሪቡ እንተሰሪሑ ኣብ ኩሉ ዘፈር ውፅኢት ምምዝጋብ ከምዝክኣል ኣብ ክልል ትግራይ እናተረኣየ ዘሎ ምምሕያሽ ግልጋሎት መርኣያ ‘ዩ ኢሎም።

ኣብ ፍርቂ ዓመት ዘሎ ኣፈፃፅማ ክልላት ዘለዎ ብርኪን በቢክልላቱ እናተኸናወኑ ዘለው ዓበይቲ ተግባራት ሓለፍቲ ቢሮ ጥዕናታት ክልላት ገለፃ ዝሃቡ ኮይኖም፤ ካብ ክልላት ዝተልዓሉ ሕቶታት ተፀዋዕቲ ትካላትን ሓለፍቲን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን መብራህርሂ ብምሃብ ኣብ ዝቀረቡ ሪፖርታትን ገለፃታት ተገይሩሉ ‘ዩ።

ብተወሳኺ ኣብዚ መድረኽ ኣብ ዘፈር ጥዕና ትልምታት ወረዳ ዘለዎ ብርኪ፣ DHIS 2፣ ኣተገባብራ ጥዕና ዲጅታልን Master facility regesartion (MFR)፣ ኣፈፃፅማ ምትሕልላፍ ተሰብሳቢ በጀት፣ ሪፖርት ዝተረኸበ ኦዲት፣ መምርሒ ምምሕዳር ቻናል ፋይናንስ 2 ፣ አፈፃፅማ ፕሮጀክት ብማቺንግ ፈንድ ዝተቆፀሩ ሓኪማትን ኣፈፃፅማ ትምህርት ስፔሻሊቲ ዝከታተሉ ሃኪማትን ከምኡ ‘ውን ሪፖርት ግልጋሎት ኣቅራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያ፣ ብኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ለበዳ ዝተፀንዑን ዝተረኸቡ መፅናዕትታት፣ ከምኡ ‘ውን ኣወሃህባ ግብረመልሲ ጥዕና ሓደጋ ሕብረተሰብ ኣብዚ እዋን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ኣብ ዝቀረቡ ገለፅታት ዘተ ድሕሪ ምግባር ምስተገምገመ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ቀፃላይ ኣንፈት ተዋሂቡ ‘ዩ።

ካብዚ ጉዳይ ጥዕና ከይወፃእና ኣብዚ ሰሙን ካብዝተልዐሉ ዛዕባታት ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝርከቡ መራሕቲ ትካላት ሃይማኖት ኣብ ከተማ መቐለ ብዛዕባ ርክብ ጥዕናን ተሳትፎ ሕብረተሰብን ስልጠና ከምዝተወሃበን።

ፈፃሚ ርክብ ህዝብን ኮምዩኒኬሽን ሚኒስቴር ጥዕና ምስ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ብምዃን ኣብቲ ክልል ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ሃይማኖት ንዝመፁ ኣቦታት ኣብ ዝተወሃበ ስልጠና ተረኺቦም መልእኽቶም ዘማሓላለፉ ዶክተር ተገኔ ረጋሳ፤ ኣብቲ ሕብረተሰብ ናይ ባህርን ማሕበራዊን ለውጢ ብምምፃእ ሕማም ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ግደ መራሕቲ ሃይማኖት ልዑል ምዃኑ ገሊፆም።

‘ቶም ዋና ኣካያዲ ስራሕ ብተወሳኺ ምስ ሃይማኖታዊ ትካላት ብምትሕብባር ስራሕቲ ርክብ ጥዕና ክስራሕ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ኣብ ክልል ትግራይ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ሓዊሱ ኣብ ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን፣ መናእሰይ፣ ጥዕና ስነ ተዋልዶ ብትኹረት ብምስራሕ፣ ተበፃሕነት ጥዕና ሕብረተሰብ ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ናይ ንቕሓት ስልጠናታት ምስ እቲ ክልል ጥዕና ኣብ ቀፃሊ መሰል ስራሕቲ ከምዝሰርሑ ዝገለፁ እንትኾኑ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ንሰዓብቶም ጥዕናኦም ክሕልዉ ብምምሃር ሓላፍነቶም ክፍፅሙ ሓቲቶም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ብወገኖም ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ክልል ዘሎ ግልጋሎት ጥዕና ተበፃሒ ንምግባር ምርብራብ ከምዘድልን ከምኡ ‘ውን ጥዕና ሕብረተሰብ ንምምሃር ምስ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት እቲ ክልል ምስራሕ የድሊ ዝበሉ እንትኾኑ፤ ምድላው እቲ መድረኽ ጥዕና ሕብረተሰብ ንምሕላውን ንምምሃርን፣ ከምኡ ‘ውን ድሕሪ ኲናት ተበፃሕነት ጥዕና ህዝቢ ናብቲ ዝድለ ደረጃ ንምዕባይ፣ ናይ ባህሪ ለውጢ ንምምፃእ ብፍላይ ድማ ተቓላዕነት ናይ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ንምቕናስ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ፈፃሚ ርክብ ህዝብን መንግሰትን ኮምዩኒኬሽንን ሚኒስቴር ጥዕና ኣብቲ ክልል ግልጋሎት ጥዕና ናብቲ ሕብረተሰብ ተበፃሒ ንምግባር ኣብቲ ክልል ምስ ዘለዉ ሃይማኖታዊ ትካላት መድረኽ ምድላው ምስጋናኦም ብምቕራብ፤ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብግዲኦም እቲ መድረኽ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ጥዕና ንምርካብ ዘኽኣለ ምዃኑ ብምግላፅ፣ ንቐፃሊ ከምዚ ዓይነት ስልጠና ክዳለው ይግባእ ኢሎም።

ብኻሊእ ተምሳሳሊ ዛዕባ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ዝተመርሐ ጉጅለ ላዕላዋይ ሓላፊቲ ስራሕን ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ዝግበር ኣብ ዘፈር ጥዕና ዝተዋደደ ሓበራዊ ኣኼባ ዝተረኸቡ ተወከልቲ ተሳተፍቲ ትካላት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ኣመራርሓ ቢሮ ጥዕና ክልላትን ዘካተተ ቅድሚ እቲ መድረኽ ምክያዱ ኣብ ከተማ መቐለ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደርን ማእኸል መፍረይ ጓንቲ ሕክምናን ዑደት ስራሕ ዘካየዱ እንትኾኑ፤ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ህነፀት ከይዲ ዘሎ ንግልጋሎት ሕክምና ካንሰር ክህብ ተሓሲቡ ናይ ካንሰር ጨረራ ሕክምና መውሃቢ ኣብዚ እዋን ዘለሉ ኩነታትን ኣብቲ ሆስፒታል እናተወሃቡ ዘለው ግልጋሎት ሕክምናን ብሓለፍቲ እቲ ስራሕ ኣቢሉ ተጎብንዩ ‘ዩ።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ማእኸል መፍረይ ሜዲካል ግላቭ ኣፎሚ ኣብ ሃገርና ንመጀመሪያ እዋን ኤግዛሚኔሽን ግላቭስ ዝብሃል ምህርቲ ጓንቲ ዝጀመረ እንትኾን፤ ኣብዚ እዋን ብሰዓት 4500 ፅምዲ ምህርቲ ኤግዛሚኔሽን ግላቫት ኣብ ምፍራይ ከምዝርከብን፤ ብኣንፃር ኣፍራይን ጥዑይ ዜጋ ምፍጣር ብፍላይ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ብምጥቃም ወፃኢ ሸርፊ ኣብ ምትራፍ ዘለዎ ግደ ልዑል ሙዃኑ ዝገለፃ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ፤ እቲ መፍረይ ማእኽል ብሙሉእ ዓቅሙ ሰርጅካል ግላቭ ‘ውን ናብ ምፍራይ ንክኣትው ምስ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ብሓባር ብሙዃን ኣድላይ ሓገዝ ከምዝግበር ገሊፀን ‘የን።

ከምኡ’ውን ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ቤን መስከረም ኣብ ዝተገበረ ዑደት ስራሕ ኣብቲ ሆስፒታል ናይ መንግስትን ናይ ውልቐን ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘበረታትዕ ስራሕቲ እናተሰርሐ ምዃኑን፣ ናይ ክትባትን ሓገዝ ማሸን ጂን ኤክስፐርት ነቲ ሆስፒታል ከምዝተገበረሉ ናይቲ ሆስፒታል ሓለፍቲ ስራሕ ኣብቲ እዋን ዑደት ገሊፆም ‘ዮም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You