ልምዓት ኮሪደር ከተማ ኣዲስ ኣበባ

ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ስራሕ ኣፈፀምቲ ፕሮጀክት ኮሪደር ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ኣድሂቦም ገምጋም ኣካይዶም ነይሮም። ከምኡ ‘ውንምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብታ ከተማ ምስቲ ኮሪደር ተተሓሒዞም ዝስርሑ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ንሚድያታት መግለፂ ምሃበን ዝዝከር ‘ዩ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ምሉእ ትሕዝቶ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ነዚ ብዝምልከት እንትገልፁ፣ ልምዓት ኮሪደር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እታ ከተማ ኣብ ኣፍሪካ ዝሓሹ ከተማ ተባሂሎም ካብዝጥቐሱ ከተማታት ሓንቲ ንምግባር ዝስራሕ ‘ዩ። ዝሓሹ ከተማ ካብዝባሃሉ ሓንቲ ንምግባር ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ። ዕላማ እቲ ልምዓት ቦታታት ብምምሕያሽን ብምቕያርን ፅባቐ እታ ከተማ ንምዕባይ ‘ዩ። ኣዲስ ኣበባ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ከተማታት ንምግባር ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ።

ቕድሚ ዓመታት ኣዲስ ኣበባ መሊስካ ናይ ምህናፅ፣ ምሕዳስን ዳግመ ምጥርናፍን ስራሕቲ ቅድሚ ዓመታት ንህዝቢ ዝተኣተወ መብፅዓታት ንምፍፃም እናተሰርሐ ፀኒሑ ‘ዩ። ኣዲስ ኣበባ ንነበርቲ ምችውቲ ንምግባር ቃላትና ናብ ተግባር እናቐየርና ኢና። መብፅዓና ክንፍፅም ዘይንኽእል ሰባት እንተኾይንና እታ ዝሓሸት ሃገር፣ ልምዓትን ብልፅግናን ዝብሃል ምርግጋፅ ዝከኣል ኣይኮነን።

ዕላማ እቲ ልምዓት ብነጥቢ ዝተሰርሑን ዝጥቀሱን ቦታታት ብምትእስሳር ፅባቐን መልክዕን እታ ከተማ ንምርኣይ ‘ዩ። ቤተ መዘክር ዓወት ዓድዋ፣ ቤት ማዛጋጃ፣ ጎደና ቸርችል፣ ፓርክ ፍሬንድሺፕን ኣደባባያትን ከምኡ ‘ውን ልምዓት ወሰን ሩባ መልክዕ ኣዲስ ኣበባ ዘዕቢ ‘ዩ። ዓብዪ ቤተ መንግስቲ፣ ፓርክ ሓድነት፣ ቤተ መዘክር ሳይንስ ንባዕሎም ውቁባት ‘ኳ እንተኾኑ፣ እንተዘይተኣሳሲሮም ግና መልክዕን ፅባቐን እታ ከተማ ከዕብዩ ኣይኽእሉን።

ነበርቲ ኣብ ጥቓኦም ዘድልዮም ፅርግያታት፣ መብራህቲ፣ ማይ፣ ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ጥዕናን ክረኽቡ እንተዘይክኢሎም ከተማ ክትበሃል ኣይትኽእልን። ከምኡ ‘ውን ስታንዳርድ ተሽከርከርትን መንገዲ እግርን፣ መናፈሻታት፣ ሓምለዋይ ቦታታት፣ መብራህቲ፣ ከምኡ ‘ውን ስራሕቲ ቀለም ምቕፃል ኣድላይ ‘ዩ።

እቶም ልምዓታዊ ስራሕቲ ንሰብ ሃፍቲ፣ ኣባይቲ መንግስቲ፣ ከምኡ ‘ውን ድኻታት ሰባት ዝፀልዉ ‘ዮም። እነልመዖ ልምዓት ኣዴታትን ድኻታትን ክጎድእን ከንብዕን የብሉን። ሓዳስ ከተማ ኣብ ባዶ ቦታ ምኹዓት ኣዝዩ ቀሊል ‘ዩ። ከተማ ኣፍሪስካ ምልማዕን ምህናፅን ግና ኣፀጋሚ ‘ዩ። እቲ ዝተጀመረ ስራሕ ብኣድማዒ መንገዲ ክስራሕ እንተኽኢሉ ንኢትዮጵያ ንምህናፅን ተመኩሮ ብሃገር ደረጃ ድማ ንምስፋሕን ዕድል ዝፈጥር ‘ዩ፤ ኢንቨስተራት ሃብቶም ንምዕባይ ዝሕግዝ ብምዃኑ ኣብ ምሕዳስን ልምዓትን እታ ከተማ ክሕግዙ ኣለዎም።

40 ኪሎ ሜትር ኮሪደር ማለት ህንፀት ሓንቲ ከተማ ምህናፅ ‘ዩ። ውልቀ ኢንቨስተራት፣ ፌደራል መንግስቲ፣ ከተማታትን ትካላትን ‘ውን ክትተሓባበሩ ኣለኩም። ኣብዚ ስራሕ እናሰርሑ ንህውከት ተጠቒሞም ኢዶም ዘንውሑ ሰባት ስለዘለዉ ጥንቃቐ የድሊ። ኣድልዎን ስርቅን እንተሃልዩ እቲ ልምዓት ዋጋ የብሉን። ቅርስታትን ታሪኽን ምዕቃብ፣ ዝያዳ ፅባቐ ምግባርን ቀፃሊ ወለዶ ካብኡ ክመሃረሉ ምኽኣልን ኣገዳሲ ‘ዩ።ህንፀት ሃገር ማለት ሓድግታትን ዛንታታትን ኢትዮጵያ ኣብ ልብን ኣእምሮን ሰባት ብግቡእ ምስ ዝዕቀብ ‘ዩ።

እቲ ልምዓት ዲሞግራፊ ኣዲስ ኣበባ ንምቕያር ዝዓለመ ኣይኮነን፤ ኣዲስ ኣበባ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነትስ ንኣፍሪቃ ‘ውን ምልክት ክትኸውን እናተሰርሐ ‘ዩ። ብሓፂሩ እቲ 40 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ኮሪደር እንትስራሕ ንዝኾነ ሰብ ኣይጉዳእን ማለት ኣይኮነን። በቲ ልምዓት ንዝጉዳእ ይቕሬታ ብምሕታት ደው ከይብል ምርግጋፅ የድሊ። ምእማን ዘድልዮም ብምእማን፣ ክካሕሱ ዝግበኦም ካሕሳ ምኽሓስ የድሊ።

ብተወሳኺ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ ዙርያ እዚ መግለፂ እንትህባ ከምዚ ይብላ፣ ከም መንግስቲ ንህዝቢ ቓል ዝኣተናዮ ኣሎ። ንሱ ‘ውን ኣዲስ ኣበባ ከም ሹማ መልከዓኛን ዕምበባን ንምግባር ‘ዩ። ኣዲስ ኣበባ መልከዓኛ ከተማ ከትኸውን እትኽእል ክስተኻኸሉ ዘለዎም ነገራት ክስተኻኸሉ እንተለዉ ‘ዩ። ነባራት ገዛውቲን ኣፍሪስካ ብሓደሽቲ ምትካእ ብፍላይ ቐንዲ ቀንዲ መንገዲታት ከንርኢ እንተለና ፀበብቲ ‘ዮም።

ብዙሓት መሰረተ ልምዓታት ተሰሪሖም ‘ዮም። ኣብ ሓደ ሓደ ብፍላይ ናብ ውሽጢ ክንኣቱ እንተለና ድማ ብዙሓት መሰረተ ልምዓት ኣይንረክብን። ሓደ ሓደ ገዛውቲ ብጣዕሚ ነዊሕ ዕድመ ዝወሰዱ ብምዃኖም ክስተኻኸሉ እንድሕር ዘይክኢሎም ኣዲስ ኣበባ ከምሽማ ምልክዕቲ ከትኸውን ኣይትኽእልን። ክስተኻኸሉ ዝግበኦም ነገራት ክነስተኻኽል እንተዘይክኢልና ፅሪትን መልከዐኛን ከተማ ከንገብራ ኣይንኽእልን።

ምልክዕቲ ንምግባር ድማ መሰረታዊ ነገራት ምምላእ የድሊ። ንኣብነት ከም መብራህቲ፣ መንገዲ ምስፋሕ፣ ናይ ሰብ መንገዲ ብኣግባቡ ወይ መልክዕ ዘለዎን ነታ ከተማ ብዝምጥን ምስራሕ ኣድላይ ‘ዩ። ሓምላዋይ ልምዓት ክህልዎም ምግባር፣ ሰባት ኣብዝንቐሳቐስሉ ንጥዕና ብዝምችው ኩነታትን ማለት ፅሩይ ወኩነታት ኣየር ምህላው ኣድላይ ስለዝኾነ እንዚኦም ክማልኡ ኣለዎም።

ከተማና እናተጨናነቐት ‘ያ፤ ብርክት ዝበሉ ተሸከርከርቲ ንርኢ ኢና፤ ንእግረኛ ዝምችው ኣይኮነን፤ ብምዃኑ ነታ ከተማ ምችው ብዝኾነ መንገዲ፣ ወይ ንወለዶ ብዝምችው ኩነታት ምስራሕ የድሊ። ከምኡ ‘ውን ናይ ሳይክል መሰረተ ልምዓት ምክታት የድሊ። ናይ ቖልዑ መፃወቲ ብዘይ ምህላዉ ንሓደጋ ትራፊክ ክቓልዑ ንርኢ ኢና። ስለዚ ናይ ቖልዑ መፃወቲ ‘ውን ክህልው ኣብ ግምት ብምእታው ኢና ንሰርሕ ዘለወና።

ብፍላይ ከም ናይቲ ከባቢ ኩነታት መፃወቲ ናይ ቖልዑ ምክታት ዘኣድላይ ‘ዩ። ንምንባር ድማ ሰሓቢን ተፈታውን ክኸውን መዛናግዒ ምክታት ኣድላይ ‘ዩ። በዚ መንፅር ኣዲስ ኣበባ ብርክት ዝበሉ ናይ ቱሪስት መስሕብን መዛናግዕን ሰሪሕና ኢና። ኮይኑ ግና መብዛሕትኦም ተኸፊልዎም ዝእተዉ ‘ዮም። ድኻ እንተይከፈለ ተዛናጊዑን ተዝናንዩን ክኣቱ ስለ ዘለዎ ነዚ ተሓሳቢ ተገይሩ እናተሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ።

ኣብዚ ፕላዛ ፋውንተይናት ተኻቲቶም ‘ዮም። እዚኦም ንነበርቲ ከተማና ከንሰርሖም እንተለና ንእግረ መንገዱ ድማ ናይ ቱሪስት መስሕባት ብምውሳኽ ናይ ኢኮኖሚ ዓቕምና ንምዕባይ ዝሕግዝ’ዩ። ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቓስ ይውስኽ ዘላቒ ልምዓት ይሳለጥ። ከምዚ ዓይነት መሰረታዊ ነገር እንተዘይሰሪሕና ድኽነት ከንቐርፍ ኣይንኽእልን ብዝብል ‘ውን ‘ዩ።

እቲ ሓደ ንድኽነት ንምቕራፍን ኢኮኖሚ ንምድንፋዕ ንምሕጋዝን መጀመርታ ኣትሒዝና ብፖሊሲ ‘ውን ዝተቐየሰን ዝተስማዕማዕናሉን ናይ ቱሪዝም ሃፍቲና ምዕባይ ከምዝኾነ ዝዝከር ‘ዩ። ስለዚ ነዞም መሰረተ ልምዓታት ንምክታት ብጣዕሚ ኣድላይ ስለ ዝኾነ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ዓብዪ ታሪኽ ዘለዎ ብምዃና ሉኣላውነታ ዝተሓለወ ኣፍሪካዊት ሃገር ብምዃና፣ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብዚ ‘ዩ ዘሎ።

ሙዜየም ታሪኽ ዓወት ዓድዋ ‘ውን ኣብዚ ‘ዩ ዘሎ። ናይ ዲፕሎማቲክ ማእኸል ምዃና፤ ካብዚ ብምልዓል እዚኦም ኩሎም ብዝግባእ ንነዊሕ ግዜ ሓሊና ሃገርና ንቕድሚት ንምስጓም ከንሰርሕ ኣለና። እዚ ኣቕሊልና ከንሪኦ የብልናን። ዘለና ታሪኽናን ሃፍትናን ብምዕባይ ምውድዳር እንተዘይክኢልና ምንጣቕ ‘ውን ከጋጥም ይኽእል ‘ዩ። ስለዚ ካብሕዚ ጀሚርና ርሑቕ ብምሕሳብ ከንሰርሕ ኣለና።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ዲፕሎማትን ናይ ደገ ዜጋታትን ዝረኽብዎ ኣታዊ ናይ ደገ ሸርፊ ‘ዩ። ዝጥፍእዎ ንሕክምናን ምዝንናይን ከምኡ ‘ውን ንዝተፈላለዩ ዕድጊት ናብ ደገ ‘ዮም ዝኸዱ። ሃገርና ድማ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ሕፅረት ኣለዋ ‘ዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ተሓሳቢ ብምግባር ናይ ኮሪደር ልምዓት ኢና ንሰርሕ ዘለና።ዝርዝሮም ዘለኹ ክፍተታት ብናይ ሓደ ቦታ ዝምልኡ ‘ኳ እንተዘይኮኑ በርግፅ መሰረታዊ ለውጢ ከምፅእ ዝኽእል ስራሕ ከምዝኾነ ብመፅናዕትና ስለዘረጋገፅና ኢና።

እቶም ቦታታት ኣበይ ከባቢ ‘ዮም ንዝብል እቲ ሓደ ኣብ ሙዜየም ዓድዋ ዙርያ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ታሓሳቢ ዝገበረ ንታሪኽና ኣጉሊሁ ንምርኣይ ተሓሳቢ ዝገበረ ‘ዩ። ናብ ኣራት ኪሎ ብምርኻብ ኣብ ዙርያ ፒያሳ ዝስራሕ ‘ዩ። ብኻሊእ ወገን ድማ ካብ ኣራት ኪሎ ቀበና ክሳብ መገናኛ ዝሽፍን ‘ዩ። ብተወሳኺ ካብ ኣራት ኪሎ ክሳብ ቦሌ መዕርፎ መፈርቲ ዝዘልቕ ‘ዩ፤ ካብ ቦሌ ድልድይ ተላዒሉ ‘ውን ክሳብ መገናኛ፣ ካብ መገናኛ ተላዒሉ ድማ ኣዲስ ኣፍሪካ ኮንቨንሽን ሴንተር ክሳብ ሲኤምሲ ዝሽፍን ‘ዩ።

ብተወሳኺ ካብ ፋይናንስ ዲስትሪክ ንብሎ ሜክሲኮ ከባቢ ጀሚሩ ክሳብ ሕብረት ኣፍሪካን ሳር ቤት ዝኸይድ ‘ዩ። ካብኡ ክሳብ ወሎ ሰፈር ዝኸይድ እዞም ከባቢ ደሚርና ከንሪኦም እንተለና ብኪሎ ሜትር ናብ ኣርብዓ ኪሎሜትር ዝሽፍን ‘ዩ። ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ድማ እትው ኢልካ ዝኣረጉ ንነበርቲ ምችዋት ዘይኮኑ፣ ሓደጋ ንምክልኻል ምችው ዘይኮኑ ንሕማም ተቓላዕቲ ዝገብሩ ከባቢታት ድማ እትው ብምባል ሰፈር ‘ውን ብምሕዳስ፣ ኮሪደር ጥራሕ እንተይኮነስ ገዛውቲ ወይ ከተማ ‘ውን ምሕዳስ ማእኸል ዝገበረ ‘ዩ።

ናይ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ከንወስድ እንተለና ከተማ ምሕዳስ ‘ውን ተሓሳቢ ዝገበረ ‘ዩ። ነዞም ከባቢታት ዝመረፅናሉ ቐንዲ ምኽንያት መንገዲ ጥራሕ ብምዃኖም እንተይኮነስ ክነጋጣጥሞም ዘለና መሰረተ ልምዓት ስለ ዘለዉና ኢና።

ኣዲስ ኣበባ ከምሹማ መልከዐኛ ከንገብራ ኢና ኢልና ከንትስእ እንተለና ዝሰርሓናዮም መሰረተ ልምዓታት፣ ናይ ቱሪስት መስሕባት ብዙሓት ቦታታት ኣለዉ፤ ንኣብነት ካብ ቤት ማዘጋጃ ናብ ቸርቸር ጎዳና ዝወስድ ሕውነትን ሓድነትን ፓርኪ፣ ቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት፣ ከባቢ ሳይንስ ሙዜየም ዘለዉ ምግጥጣምን ምርኻብን የድሊ። ቱሪስትታት ክነጉብንይ እንተለና ቐሊልን ጠቕላላ መልክዕ ናይ ኣዲስ ኣበባ ሳሓባይነትን ብዘርእን ብዘጉልህን ንምግባር ‘ዩ።

ድሕሪ ለውጢ ዝሃነፅናዮም ናይ ኣቃቂ ቃልቲ ምስ ቦሌ ብምርኻብ ናይቲ ሓዱሽ ተርሚናል ኣብ ቐረባ እዋን መንገዲ ኣየር ዝሰርሖ፣ ምምሕዳር እቲ ከተማ ድማ ብጣዕሚ ዘመናዊ መንገዲ ብምህናፅ ብጎሮ ኣቢሉ ንምርኻብ ዝገብሮ ፃዕሪ ኣሎ። ኣዲስ ኣፍሪካ ኮንቬንሽን ናይ ኢግዚብሽን ማእኸል ንምውሰኽ እንሰርሖ ስራሕ ኣሎ፤ ፕሮጀክት ጫካ ‘ውን ኣሎ ነዚኦም ምግጥጣም የድሊ ‘ዩ። እዚኦም ብዝግባእ እንትስርሑ ናይ ቱሪዝም መስሕብ ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቓሰን ብዝግባእ ከንወስኽ ንኽእል ኢና። ዕቤትን ስፍሕ ዝበለ ናይ ስራሕ ዕድለን ይውስኽ።

እዚ ስራሕ እዚ ቐድሚኣ ዝዋሃቦ ድዩ ዝብል ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበለን ሕቶ እንትምልሳ እተን ከንቲባ፣ እወ እዚ ስራሕ መሰረታዊን ንከተማ ከተማ ዘብልን ንነብርቲ ምቾት ዝህብን መለክዒ ካብ ዝኾኑ ነገራት መሰረተ ልምዓት ዘምስልን ንነበርቲ ንከተማ ኣዝዩ ወሳኒ ‘ዩ። ከም መለክዒ ዓለምለኻዊ ‘ውን ዓብዪ መለክዒ ‘ዩ።

ኮይኑ ግና ምምሕዳር እታ ከተማ እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ዝሰርሕ ዘሎ፤ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሰርሐ ‘ዩ። ሓደ እቲ ንህዝብና ወሳኒን ቖላሕታ ዘድልዮን ናህሪ ዋጋ ‘ዩ። ነዚ ንምቕናስ ናይ መጀመርታ ዓብዪን ዘላቒን መፍትሒ ዝበልናዮ ምህርቲ ምውሳኽ ‘ዩ። ምትእስሳር ዕዳጋ ምፍጣር፣ ናይ ደላላ ምትእስሳር ንምሕፃር ብሓሙሽቲኦም በሪታት ዓበይቲ ናይ ዕዳጋ ማእኸላት ሃኒፅና ኢና። ሰለስተ ተሃኒፆም ንስራሕ ክፍቲ ኮይኖም ‘ዮም። ክልቲኦም ድማ ኣብ ቐረባ እዋን ከምዝዛዘሙ ሓሲብና እናሰራሕና ኢና።

ካልኣይ ተምሃሮ ህፃናት እናመገብና ኢና፤ ካብ 780ሺሕ ንላዕሊ ተምሃሮ ናይ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ምግቢ ይቐርበሎም ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ከም ዩኒፎርም፣ ደፍተር ዝመሳሰሉ ይቀርበሎም ‘ዩ። 20 ዝኣኽሉ ማእኸላት ከፊትና ምግቢ ንህዝብና እናቕረብና ኢና።

ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ምብላዕ ዘይኽእሉ ዜጋታት ቕድሚያ ብምሃብ ፃዕሪ እናገበርና ኢና ንርከብ። ኣብ ናይ ለውጢ ዘመን ዓቕሚ ናይ ዘይብሎም መንበሪ ገዛውቲ እናሃነፅና ኢና ንርከብ። ልዕሊ 25 ሺሕ ገዛውቲ ናይ ድኻታት ገዛውቲ ጥራሕ ብምህናፅ ንነበርቲ ምቕራብ ክኢልና ኢና።

ናይ ቦታ ስያሜ ኣይቕይርን፤ ብፍላይ ማሕበረሰብ ዝደልዮም ሹማት ኣይቕየሩን። ዕላማና ንሱ ኣይኮነን። የምናልበሽ ከም ‹‹እሪ በከንቱን›› ‹‹ዶሮ ማነቕያ›› ክቕየሩ ይኽእሉ ‘ዮም። ምኽንያቱ እዚኦም ትርጉሞም ንማንም ማሕበረሰብ ብፅቡቕ ዝገልፁ ኣይኮኑን። ህዝቢ ‘ውን ዝደልዮም ኣይመስለንን።

ዝፈርሱ ዘለዉ ገዛውቲ ኣዝዮም ዝምጥኑ ኣይኮኑን። ፅሬት ዘለዎም ተለወጥቲ ገዛውቲ ንህብ ኣለና ኢና። ብዙሕ መሰረት ዘይብሉ ወረ ክውረ ይኽእል ‘ዩ። እዚ ግና ዘድንቕ ኣይኮነን ዝተለምደ ‘ዩ። መንግስቲ ንህዝቢ ዝጠቕም ስራሕ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። መስቀል ኣደባባይ ከነሐድስ እንተለና እዚ ኣብዪ ናይ ህዝቢ ዝኾነ ኣደባባይ ካብ ዝረስሐ ቦታ ናብ መገልገሊ ህዝቢ ካብ መናእሰይ ክሳብ ዓበይቲ ዝዛናግዕሉ ኢና ገይርናዮ። ፅቡቕ ነገር ዝረአየሉን ዝጉብነይን ኢና ገይርናዮ።

ነዚ ክነሐድስ ከለና ቕርሲ ንምጥፋእ ‘ዩ ተባሂሉ ‘ሩ ‘ዩ። ቤተ መንግስቲ ክሕደስ እንተሎ ‘ውን ብዙሕ መሰረት ዘይብሉ ወረ ሰሚዕና ኢና። ታሪኽ ንምጥፋእ ‘ዩ ተባሂሉ ነይሩ ‘ዩ። ሙዜየም ዓድዋ ከንሰርሖ እንተለና ‘ውን ናይ ምኒሊክ ሓወልቲ ንምፍራስ ‘ዩ ተባሂሉ ነይሩ ‘ዩ፤ ንሕና ንህዝብና ዝጠቕም ክሳብ ዝሰራሕና ብዙሕ ናይ ሓሶት ወረ ዋላ ይወረየልና ኣይግድሸናን ‘ዩ። ህዝብና ‘ዩ ምስክር። ህዝቢ ኣብ ውፅኢት ክሪኦ ‘ዩ።

ብቕርስነት ተፈልዮም ዝተተሓሓዙ ኣለዉ ‘ዮም። እዚም ዝሕደሱ ተሓዲሶም ዝቕፅሉ ‘ዮም ዝኾኑ። ምስ ሙዝየም ዓድዋ ክናበቡ ክንገብር ኢና፤ ግና ክንደይ ዝኣክል ‘ዩ ነዚኦም ዝፈልጥ? የምናልባሽ ዝግልገለሎም ይፈልጥ ይኸውን ‘ዩ። ቕርሲ ምዃኖም ፈሊጡ ዝግልገለሎም ዝነበረ ብጣዕሚ ውሱን ‘ዩ። መብዛሕተኦም እናፈራረሱ ‘ዮም ነይሮም፤ ግልጋሎት ዝህቡ ኣይነበሩን። ክሕደስ ዘለዎ ብምሕዳስ ብዝበለፀ ግልጋሎ ት ክህቡ ከንገብር ኢና።

ፒያሳ ብእንዳ ወርቒ መሸጣ ‘ያ ተፍለጥ፤ እንዳ ወርቒ ‘ውን ኣብቲ ከባቢ ክህልው ኣለዎ ኢና ንብል፤ ኣብ ኣራዳ ብርክት ዝበሉ ድንኳናት እናዳለውና ኢና ክኣትዉ ዝደልዩ ብኽራይ ክኣትዉ ይኽእሉ ‘ዮም። ተኻርዮም ‘ዮም ክሳብ ሕዚ ይሰርሑ ነይሮም ሕዚ ‘ውን ተኻርዮም ክቕፅሉ ይኽእሉ ‘ዮም።

ኣብ ከባቢ ሙዜየም ዓድዋ ዝተኻረዩ ኣለዉ ‘ዮም። ግልጋሎቶም ኣብ ቀረባ እዋን ክጅምሩ ‘ዮም ኢልና ንሓስብ። ሓደሽቲ ኣብ እንሰርሖም ህንፃታት ‘ውን ተመሊሶም ክካረዩ ይኽእሉ ‘ዮም። ብዝበለፀ ሰሓባይ ንምግባር ‘ምበር ግልጋሎት ካብቲ ከባቢ ንምጥፋእ ኣይኮነን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 26 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You