ኣብ ሃገር ኣቋራፂ ቻምፒዮና ኣፍሪካ ኢትዮጵያ መበል ካልኣይ ኾይና ዛዚማ

ብዓለም ለኸ ዝካየድ ናይ ዓለም ሃገር ኣቋራፂ ቻምፒዮና ስዒቡ ብኣህጉርን ብብርኪ ሃገር ለኸ ዝተፈላለዩ ውድድራት ክካየዱ ‘ዮም ። ኣብ ዝመፅእ ወርሒ መወዳእታ ኣብ ሰርቢያ ቤልግሬድ ኣብ ዝካየድ ቻምፒዮና ኣቐዲሙ ንኣርባዕተ ዓመታት ተቖሪፁ ዝነበረ ናይ ኣፍሪካ ሃገር ኣቋራጭ ቻምፒዮና ብኣዳውነት ቱኒዝያ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ተኻይዱ ‘ዩ።

ንመበል ሻድሻይ ግዜ ዝተኻየደ እዚ ቻምፒዮና ተሳተፍቲ ሃገራት ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ብዓለም ለኸ ብርኪ ንዝካየድ ቻምፒዮና ዘለዎም ድልውነት ብምግባር ኣብቲ ውድድር ተፎኻኸርቲ ዝኾኑ ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያ እንትትኾን ሓፈሻዊ ውፅኢት ካልኣይ ብርኪ ብምሓዝ ዛዚማ ‘ያ። ኢትዮጵያ ንኬንያ ስዒባ በቲ ውድድር ካልአይቲ ኾይና ብምዝዛም ዓሰርተ ሜዳልታት ምስብሳብ ክኢላ ‘ያ።

ኣብ ኣፍሪካ ኣትሌቲክስ ኮንፌዴሬሽን ኣዳላውነት ካብ ዝግበሩ ውድድራት እቲ ሓደ ዝኾነ ናይ ኣፍሪካ ሃገር ኣቋራፂ ቻምፒዮና ኢትዮጵያ ሓዊሱ 12 ሃገራት ተሳቲፎምሉ ‘ዮም ። ኢትዮጵያ በዚ ውድደር ንምስታፍ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ናይ ጃንሜዳ ኢንተርናሽናል ሃገር ኣቋራፂ ኣትሌታት ከምዝመረፀት ዝዝከር እንትኾን፤ ናይቲ ኣትሌት ጉጅለ ለገጣፎ ለገዳዲ ኣብ ዝርከብ ስለሺ ስህን ሆቴል ንክዓርፉ ብምግባር ኣብ ሱሉልታ ኸባቢ ምድላው እናገበረ ድሕሪ ምፅናሕ ናብ ቱኒስ ኣቅኒዑ ‘ዩ ።

ብቡዙሕ ተፈጥራውን ሰብ ሰራሕን መሰናኽል ኣትሌታት ዝፍተንሉ ሃገር ኣቋራፂ ውድድር ብዓለም ለኸ ብርኪ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ዝኾኑ ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ሃገራት ኢትዮጵያን ኬንያን ትፅቢት ከምዝተገበረሉ ተዓወቲ ኾይኖም ‘ዮም። ኬንያ 4ወርቂ፣ 3ብሩርን 2 ነሓስን ብሓፈሻ 9 ሜዳልያታት ብምስብሳብ ኣብ ሰንጠረዥ ብርኪ ቀዳማይቲ ብምዃን ዛዚማ ‘ያ።

ትሕቲ 20 ዓመት ብደቂ ኣንስትዮ ብ6 ኪሎሜትሮን ብደቂ ተባዕትዮን 8 ኪሎሜትር ፤ ብመናእሰይ 10 ኪሎሜትሮ ብደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሕውስዋስ ሪሌ ፤ ካልኣይ ብርኪ ዝሓዘት ኢትዮጵያ ድማ ብውልቀን ጉጅለን 2 ወርቂ ፣ 5 ብሩርን 3 ነሓስን ብድምሩ 10 ሜዳልያታት ረኺባ ‘ያ ።

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ናይቲ ውድድር መጀመርያ ብመናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ 6ኪሎ ሜትሮ ብዓወት ዝዛዛማ እንትኾና ፤ ካብ ሓደ ክሳብ ሓሙሽተ ዘሎ ብርኪ ብምሓዝ ብውልቀን ብጉጅለን ሜዳልያታት ፀራሪገን ወሲደን ‘የን ። ብመናእሰይ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ብ8 ኪሎ ሜትሮ ኣትሌት ሓጎስ ‘ዮብ ንሜዳልያ ዝገበሮ ፉክክር ከይተሳኸዓሉ ራብዓይ ብርኪ ሒዚ ዛዚሙ ‘ዩ ።

ብደቂ ኣንስትዮ 10 ኪሎሜትሮ ውድድር ድማ ደጊቱ ኣዝመራ ሜዳልያ ነሓስ እንትትወስድ ኣንቺንኣሉ ደሴ ሓምሻይ ብርኪ ሒዛ ‘ያ። ናይ መወዳእታ ውድድር ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሕውስዋስ ሪሌ እንትኾን ኣትሌት ታደሰ ለሚ ፣ብርጉዴ ኣዱኛ ፣ኣድሃነ ካሕሳይን ዳዲ ዱቤ ካልኣይ ብርኪ ብምሓዝ ናይ መወዳእታ ብሩር ሜዳልያ ንኢትዮጵያ ከመዝግብ ክኢሉ ‘ዩ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ንመጀመርያ እዋን ኣብ ኬንያ ዝተጀመረ ናይ ኣፍሪካ ሃገር ኣቋራፂ ቻምፒዮና ካብ ዓለም ለኸ ቻምፒዮናን መርሃ ግብሪ ምጥዕዓም ብዘይምኽኣሉ ንዓመታት ከይተኻየደ ምፅንሑ መረዳታታት ይሕብሩ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2011 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣዳላውነት ንኻልኣይ እዋን ተጀሚሩ በቢኽልተ ዓመቱ ንሓምሽተ ግዜ ተተኻየደ ‘ውን ፣ብዝተፈላለየ ፀገማት ምኽንያት ኣብ 2020ን 2022 ምክያድ ብዘይምኻኣሉ ተቋሪፁ ሎሚ ክካየድ ኽኢሉ ‘ዩ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 21 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *