ጋንታታት ትግራይ ኣብ 2017 ጀሚረን ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበርኦ ፕሪመርሊግ ኢትዮጵያ ክምለሳ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ:- ኮሚቴ ስራሕ መፈፀሚ ፌዴረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ መደበኛ ስብሰባ መላእ ጋንታታት ክልል ትግራይ ካብ 2017 ውድድር ዓመት ጀሚረን ቅድሚ እቲ ኲናት ይወዳደራሉ ናብ ዝነበራ ሊግ ተመሊሰን ንክወዳደራ ውሳነ ምሕላፉ ትማሊ ዕላዊ ማሕበራዊ ድሕረ ገፅ እቲ ፌደሬሽን ገሊፁ።

ብመሰረት እቲ ፀብፃብ፤ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈጠረ ኲናት ምኽንያት ጋንታታት እቲ ክልል ኣብ ፕሪምየር ሊግ፣ ላዕላዋይ ሊግን ቀዳማይ ሊግን እናገበርኦ ዝነበራ ውድድራት ምቁራፀን ብምሕባር፤ መንግስትን ኣመራርሓታት ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ አፍሪካ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብምፍራሙ ኩሉ ናብ ዝነበሮ ንክምለስ ብዝተስማዕምዖዎ መሰረት ኩለን ጋንታታት ክልል ትግራይ ካብ 2017 ጀሚሩ ቅድሚ እቲ ኲናት ዝወዳደራሉ ናብ ዝነብራ ሊግ ተመሊሰን ንክወዳደራ ብዝለኣኾ ደብዳቤ ሓቲቱ ‘ዩ።

ነዚ ተኸቲሉ ድማ ኮሚቴ ስራሕ መፈፀሚ ፌዴረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ መደበኛ ስብሰባ ጋንታታት ክልል ትግራይ ልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ውድድር ዘይተሳተፋ ብምዃነን ብምሰረት ምተሓዳደሪ ደንቢ ፌዴረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ውድድር ካብ ምስራዝ ሓደ ብርኪ ትሕት ኢለን ውድድር ንክጅምራ ቅድም ሐዚ ኣሕሊፍዎ ዝነብረ ውሳነ ሙሉእ ብሙሉእ ብምልዓል ጋንታታት ክልል ትግራይ ካብ 2017 ጀሚሩ ቅድሚ እቲ ኲናት ዝወዳደራሉ ናብ ዝነብራ ሊግ ተመሊሰን ንክወዳደራ ካብ መንግስቲ ዝቀረበ ኣንፈት ብምቅባል ነቲ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ።

ፌዴረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ውሳነኡ ተግባራዊ ንክግበር ንዝምልከቶም አካላት ብደብዳበ ዘፍለጠ ከምዝኾነን፤ ንማሕበር ኣክስዮን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተልኣኸ ደብዳበ እቲ ሊግ ኣብ ውድድር 2017 ዘመን ኣብ ሞንጎ 19 ጋንታታት ተገይሩ 5 ጋንታታት ናብ ላዕላዋይ ሊግ ንክወርዱ ብምግባር ኣብ 2018 ቅድም ሐዚ ናብ ዝነበሮ 16 ጋንታታት ንክምለስ ኣንፈት ተቀሚጡ ‘ዩ። ውድድራት ላዕላዋይ ሊግን ቀዳማይ ሊግን ‘ውን ብተመሳሳሊ ተግባራዊ ንክግበሩ ኣንፈት ከምዝተወሃበ ተገሊፁ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 24 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You