መዓልቲ ሰራሕተኛን ምንቅስቃስ ስፖርትን

መዓልቲ ሰራሕተኛታት ኣብ ሃርና ንመበል 49 ብዓለም ለኸ ድማ ንመበል 135 ግዜ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተኸቢሩ ውዒሉ ‘ዩ። ማሕበር ሰራሕትኛ እንትላዓል ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኮንፌዴሬሽን ማሕበራት ሰራሕተኛ (ኢሰማኮ) ዝካየድ ናይ ሰራሕተኛታት ውድድራት ስፖርት ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ንስፖርት ኢትዮጵያ ዓበይቲ ስፖርተኛታት ብምስታፍ ዓብይ ግደ ከምዝነበሮም ዘይርሳዕ ‘ዩ።

ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ሎሚ ‘ውን እንተኾነ ውድደር ስፖርት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ማሕበራት ሰራሕተኛ ብምስታፍ ደሚቕ መድረኽ ስፖርት ኾይኑ ቀፂሉ ‘ዩ። ኢሰማኮ በቢ ዓመቱ ናይ ሓጋይ ኣዋርሕ ውድድራት ፣ ሜይደይ መዘከርታ ውድድራትን ሃገር ለኸ ውድድራት ብምክያድ ዘመናት ዝተሳገረ ‘ዩ።

ናይ ሰራሕተኛታት ናይ ሓጋይ ኣዋርሕ ውድድር ስፖርት ኣብ ዝሓለፈ 19 ጥሪ 2016ዓ.ም ኣብ ኣካዳሚ ስፖርት መናእሰይ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅመር ጀሚሩ ብደማቕ ኩነታት ምክያዱ ከምዝቐፀለ ናይ ኢሰማኮ ማሕበራዊ ጉዳይ መምርሒ ሓላፊን ናይቲ ስፖርት ኮሜቴ ኣካቢ ኣይተ ፍስሃፅዮን ቢያድግልኝ ይዛረቡ።

ንሶም ከምዝገለፅዎ ናይ ሎሚ ዓመት ናይ ሰራሕተኛ ናይ ሓጋይ ኣዋርሕ ኩዕሶ እግሪን ቮሊቦልን ሓዊሱ ብዝተፈላለየ ውድድራት ገዛ ውሽጢ እናተኻየደ ‘ዩ። ኢሰማኮ መዘውተሪ ስፖርት ሕፅረት እንተሃለዮ ‘ውን ኣካዳሚ ስፖርት መናእሰይ ኢትዮጵያ ፤ ቤት ትምህርቲታት ዳግማዊ ምንሊክን ስብስቴ ነጋሲን ክምስገኑ ዝግበኦም ትካላት መዘውተሪ ስፍራታት ብምፍቃድ ናይቲ ሰራሕተኛ ስፖርት ብድምቀት እናተኻየደ ይርከብ።

በዚ ድማ ሰራሕተኛታት ብፅቡቕ ስምዒትን ስፖርት ርክብ ሕድሕዶ ዘጠናኽሩ ስፖርት ንጥዕና ፣ንሕውነት ንመፍረያይነት ኢሉ ‘ውን ንሰላም እናተጠቐምሉ ከምዝርከብ እቶም ሓላፊ ገሊፆም ‘ዮም። እቲ ሰራሕተኛ ኣብ ሃገርና ንመበል 49 ብዓለምለኸ ድማ ንመበል 135 ግዜ ዝኽበር መዓልቲ ሰራሕተኛታት ሎሚ ‘ውን ዘኽብርዎ በዚ ስምዒት ‘ዩ።

እቲ በዓል እንትኸበር ‹‹ ንሰላምን ምኽባር ናብራን ፍታሕ ንደሊ ኢና›› ብዝብል ሓሳብ ‘ዩ። እዚ ምኽንያት ‘ምግባር በዚ ሰሙን ዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪ እናተኻየዱ ይርከቡ። ‹‹ እቲ ሰራሕተኛ ሰላም ኣጥቢቑ ‘ዩ ዝደሊ ፣ ናብራ ምኽባር ‘ውን ንክቃለል ፍታሕ ከምዝደሊ ኣብ ስፖርት ሜዳ ድምፁ እናስመዐ ይርከብ።

እዚ ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰራሕተኛታት እንትነኽብር ኣስራሕን ሰራሕተኛን ኣጥቡቑ ንሰላም ክፅዕር ይግባእ። መንግስቲ ምኽባር ናብራ ንክቃለል ዝበለፀ ንክፅዕር፤ ምህርትን ምህርታማነት ንምርግጋፅ ቀዳምነት ሰላም ንክረጋገፅ ፃዕሪ ምግባሩ ክቕፅል ኣለዎ። በዚ ኣጋጣሚ መንግስትን ሰራሕተኛን ዘተ ብምክያድ እዚኦም ፀገማት ንምቕራፍ ምስራሕ ይግባእ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 24 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You