“ቀንዲ ኣንፈት ስራሕና ኣብ ትግራይ ኩለመዳያዊ ሕውየት ንክህልው ‘ዩ” – ወይዘሮ ኢትዮጵያ ሕሉፍ

‹‹ሕውየት ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ትምሕርቲ፣ ኣብ ጥዕናን ኣብ ካልኦትን ዘሎ ዕንወት ምሕዋይ ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ዘለና ፀገም እዚ ጥራሕ ‘ውን ኣይኮነን ቅድሚኡ ዝርኣዩ ብዙሓት ስሞም ዘይፅውዑ ፀገማት ኣለውና ‘ዮም። ሕብረተሰብና ኣብ ከርተትን ጥምየትን ‘ዩ ዘሎ። ቀዳምነት ነዚ እናፈታሕኻ ነቲ ናይ ምድሓን ስራሕ ምስራሕ ዝብል ኣንፈት ‘ዩ እሞ፤ ኣብኡ ተመስሪትና ኢና ክንሰርሕ ንሙኩር ዘለና።

ፕሮጀክት ገርዓልታ ዓብይ ተረባሕነት ኣለዎ ኢልና ኢና ንሓስብ። እቲ ፕሮጀክት ቅድም ኢሉ ከቢድ ፃዕርን ዝተገብረሉን ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተን ማሕብረሰብን ሙሁራትን ተጋሩ ዝተሳተፉሉ ስራሕቲ መፅናዕቲ ዝተገበሮ ‘ዩ። እዚ ንልዕሊ ሓደ ሽሕ መንእሰይ ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ‘ዩ ኢልና ኢና ንሓስብ። ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ማሕበረሰብ ‘ውን ማይን ካልኦትን ክረክብ ‘ዩ። ስለዚ ነቲ ናይ ከባቢ ማሕበረሰብ ተረባሒ ክኸውን ‘ዩ።

ታሪኻዊ ጎቦታት ዓድዋ ብምልማዕ ንረብሓ ቱሪዝም ንምውዓል ሓደሽቲ ፕሮጀክትታ ንቀርፅ ኣለና ኢና። እቶም ፕሮጀክታት ብኣንፃር ተረባሕነት ህዝቢ ዓድዋ ጥራሕ ዘይኮነስ ብኣንፃር ታሪኽ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ከምዝኾነ ተፈሊጡ ኩሉ ሰብ ሃፍቲ፣ መንግስታውን ዘይምንግስታውን ትካላት ገበርቲ ሰናይን ብምስታፍ ንክስራሕ ብምግባር ኣብ ረብሓ ክውዕል ንምግባር ‘ዩ ምንቅስቃስ ዝግበር ዘሎ። ኣብ መስሕብ ቱሪዝም ትግራይ በፂሑ ዘሎ ሓደጋ ብጣዕሚ ኸቢድ ‘ዩ።

እዚ ኣብ ግምት ኣትዩ ኩሉ ግዱስ ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ ኣብ ኩለመዳይ ህንፀት ቱሪዝም ብሓፈሻ ድማ ኣብ ህንፀት ትግራይ ብዝኽእሎ ዓቅሚ ተሳቲፉ ሓደ ሓደ እምኒ ተዝድርቢ ኢለ እየ በዚ ኣጋጣሚ ፃዊዒተይ ከቅርብ ‘የ ዝደሊ››። እዚ ዝበላ ናይ ሎሚ ጋሻና ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዳይሬክተር ርክብ ህዝብን መንግስትን ወይዘሮ ኢትዮጵያ ሕሉፍ ‘የን፤ ኣብዝይን መስል ዛዕባታት ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝስዕብ ፃንሒት ገይረና ኣለዋ፤ ሰናይ ንባብ:-

ወጋሕታ:- ድሕሪ ዕላዊ ዳግማይ ምኽፋት ቱሪዝም ትግራይ ዘሎ ምንቅስቓስ ቱሪዝም እንታይ ይመስል? እንታይ ለውጥታት ኣለው?

ወ/ሮ ኢትዮጵያ:– ዳግማይ ምኽፋት ቱሪዝም ካብ 18ን 20ን ታሕሳስ ከባቢ ‘ዩ ጀሚሩናዮ። ከም ዝፍለጥ ከቢድ ናይ ኲናት እዋን ኢና ኣሕሊፍና። ካብኡ ሓሊፉ ብዙሕ መሰረተ ልምዓት ‘ውን ዓንዩ ‘ዩ። ትራንስፖርት ‘ውን ከምዝድለይ ኣይነበረን።

ኩነታት ሰላም ‘ውን ኣብቲ ዓዲ ዘይተረጋግዐ ስለዝነበረ ብፍላይ ከም ትግራይ ሰላም ኣለዋ ዝብል እምነት ስለዘይነበረ ኣይኮነንዶ ናይ ወፃኢ ዓዲ በፃሕስ ናይ ውሽጢ ዓዲ በፃሒ ‘ውን እንተኾነ ልቡ መሊኡ ናብ ትግራይ በፂሑ ዝምለሰሉ እምነት ስለዘይነበሮ፤ ነቲ ናይ ቱሪዝም ምንቅስቓስ ምድኻም ንሱ ‘ውን ሓደ ናይ ባዕሉ ምኽንያት ከምዝነበረ ኩላትና ንፈልጦ ኢና።

ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ እቲ ናይ ምኽፋት ስራሕቲ እንተሰራሕና ‘ውን እተን ክነጎብንየን ኢና ዝበልናየን መስሕብ ቱሪዝማት ዳርጋ ኣብዝሓ ዓንየን ‘የን። ገሊአን ህንፃታተን ዝዓነዋ ‘የን ገሊአን ድማ ቅርስታተን ተጓሒለን ተሰሪቀን ‘የን። በቲ በለ በቲ እቲ ናይ ምሕዋይ ስራሕትና እናሰራሕና ብኻሊእ ገፅ ድማ ናይ ውሽጢ ዓዲ በፅሕቲ ክመፅኡሉ ዝኽእሉ ኩነታት ንምፍጣር ንሰርሕ ኣለና ኢና።

ቱሪዝም ትግራይ ዕላዊ ክነኸፍቶ ከለና ‘ውን እንተኾነ ብዝሕ ዝበሉ በፃሕቲ ዓዲ ዳርጋ ምሳና ‘ዮም ከፊቶሞ ክብሃል ይክኣል ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ገርዓልታ ማእኸል ገይርና ኢና መኸፈቲ ገይርና ነይርና ኣብዚ ብዝሕ ዝበሉ ናይ ወፃኢ በፃሕቲ ዓዲ ተሳቲፎም ‘ዮም። እቲ ህዝቢ ድማ ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ኣብ ዓበይቲ በዓላት ዝኣምሰሉ ዝርከበሉ ኩነታት ኣሎ። ንኣብነት ዝሓለፈ ሕዳር ፅዮን ኣብ ኣኹሱም ኣኽቢርና ነይርና ኢና።

ከምቲ ዝፍለጥ ናይ ኣሸንዳ በዓል ‘ውን ነይርና ‘ዩ። ነዚኦም በዓላት መሰረት ገይሩ ፀዓዳ (ናይ ወፃኢ ቱሪስት) ዘይረኣየሉ ዝነበረ ትግራይ ክረኣየሉ ጀሚሩ ‘ዩ። እዚ ብቀፃልነት ክንድቲ ዝድለይ ይመፅእ ኣሎ ኢልካ ንምዝራብ ግና ቁሩብ ይኸብድ ‘ዩ። ስለዚ ሐዚ ‘ውን ተወሰኽቲ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት፣ ስራሕቲ ፅገና ኣብተን ዝተጎድአ ቅርስታትና ዘድሊ ከምዝኾነ ፈሊጥና ኣብኡ ትኹረት ገይርና ኢና ንሰርሕ ዘለና።

ይኹን ‘ምበር እቲ ዘሎ ምንቅስቓስ ቱሪዝም እንተነኣሰ ነቲ ማሕበረሰብ ንቀፃሊ ብሩህ ተስፋ ንክረኣዮ ብዘሕድር መንገዲ ተኸፊቱ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ዝመፅእ ትግራይ ደሓን ኮይና ‘ያ ኢሉ ሰላም ሪኡ ክምለስ እቲ ኣብዚ ዘሎ ‘ውን ኣብ ምንቅስቓስ መስሕብ ቱሪዝም ተስፋ ገይሩ ክሰርሕ ይጀማምር ኣሎ ‘ዩ ኢልካ ኢኻ ትወስዶ። እቲ ሰላም ባዕሉ ‘ውን ብፍላይ ነቲ ቱሪዝም ዓብዪ ሃፍቲ ስለዝኾነ ምንቅስቃስ ይጀማምር ኣሎ ኢልካ ምውሳድ ይካል ‘ዩ። ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲና ኢና ‘ውን ንሰርሕ ዘለና።

ወጋሕታ:- በዓል ዝኽሪ ዓወት ኲናት ዓድዋ ኣብ ምንቅስቃስ ቱሪዝም ትግራይ ዘለዎ ግደ እንታይ ይመስል? ብተውሳኺ ነዚ በዓል ምኽንያት ብምግባር ዑደተኛታት ንምስሓብ ዝግበር ምድላዋት ኣሎዶ? እንታይ ይግበር ኣሎ?

ወ/ሮ ኢትዮጵያ:- እወ ከምዝፍለጥ ቅድሚ ሐዚ እቲ በዓል ኣብ ዓድዋ ‘ዩ ዝኽበር ነይሩ። እቲ ናይ ዓድዋ ዓወት ናይ ተጋሩ ዓወት ‘ውን ከምዝኾነ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብዋናነት ‘ውን እቲ ትግራዋይ ‘ዩ ኣብዚ ዓወት ዝተጎናፀፈ ስለዚ ነዚ ምኽንያት ገይሩ ከተማ ምምሕዳርን ህዝብን ዓድዋ ስፍሕ ዝበለ ምድላዋት ይገብር ኣሎ ‘ዩ።

ከም ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን እንተወሲድና እቲ በዓል ከም በዓልና ወሲድና ኢና ንንቀሳቐስ ዘለና። ኣብ ቴሊቪዥን ‘ውን ናይ ምልላይ ምልክታ ንሰርሐሉ ዘለና ኮይኑ፤ ኣብቲ ዓዲ ‘ውን ታሪኻውን ባሕላውን ትሕዝቶ ዘለዎ ምድላዋት እናተገብረ ‘ዩ። ከምዝፍለጥ ንነዊሕ ግዘ ከይተኸበረ ጠጠው ኢሉ ‘ውን ስለዝፀንሐ ካብ ዝሓሉፉ እዋናት ብዝሐሸ መልክዑ ንምኽባር እናተሻባሸብና ኢና ንርከብ።

ኣብዚኦም ብሰፋሕቲ ዝኾኑ ታሪኽን ጀግንነትን ዘርእዩሉን ዘመላኽቱሉን እቲ ኣብ ዓድዋ ዝነበረ ኹነታት ዝገልፅ ምድላዋት እናተገብረ ‘ዩ። ንዕኡ ስዒቡ ድማ ኤግዝብሽናት ናይ ጥበብ ምርኢታት ተዳሊዩ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ስፖርታዊ ውድድራት፣ ጉዕዞ ናብ ታሪኻዊ ቦታት ምግባርን ኣለው ‘ዮም። ብርክት ዝበሉ ተጎዓዝቲ እግሪ ‘ውን ኣለው ‘ዮም። በዚ መልክዕ ኣቢልካ ‘ውን ብድምቀት ክብዓል ‘ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ምኽባር በዓላት ካብ ፌደራል ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ይመፅእ ነይሩ ‘ዩ። ክሳብ ሐዚ ብዘለና ሓበሬታ ነቲ በዓል ድምቀት ከገብሩ ዝመፅኡ ዝተዛረቡና የለውን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ስለዘለዎ ‘ዩ። እዚ በዓል እዚ ከምዝፍለጥ ናይ ተጋሩ ናይ ኢትዮጵያውያን ከምኡ ‘ውን ናይ ኣፍሪካውያን በዓል ‘ዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ ክሳብ ዝኾነ ካብ ፌደራል ጋሻ ይምፃእ ኣይምፃእ እቲ በዓል ግና ደሚቁ ንክኽበር ንዳልው ኢና ዘለና።

ናይዚ ተረባሕነት ፍሉጥ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ዓድዋ ብዙሕ ጋሻ ዝመፅአሉ ‘ዩ። ከምዝፍለጥ ከተማታትና በቲ ዝነበረ ኲናት ዝተዳኸማን ዝተፋዘዛን ምስ ምዃነን ናይ ኢንቨስትመንት ምንቅስቃስ ዝሒሉ ‘ዩ። ሐዚ ግና ምኽባር ዝኽሪ ዓወት በዓል ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ቤተሰቡ ዝጥይቅን በዓል ዘኽብርን ክመፅእ ‘ዩ።

ነዚ ፃዊዒት’ውን ንገብር ስለዘለና ብርክት ዝበለ ተወላዲ ክመፅእ ‘ዩ። ስለዚ ብኢኮኖሚያዊ ምንቅስቃስ ናይቲ ዓዲ ‘ውን ለውጢ ክህልዎ ‘ዩ ኢልና ኢና ንሓስብ። ደረጃ ብደረጃ ክሳብ ሐዚ ካብ ዘካየድናዮም በዓላትና ዝወሰድናዮ ንሱ ‘ዩ። ንኣብነት ኣሸንዳ ኣካይድና ብርክት ዝበለ ሰብ ካብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን መፂኡና ነቲ ማሕብረሰብ፣ ንተን ሆቴላት፣ ንካልኦት ዕዳጋታትን ኢኮኖሚን ኩነታት ከሐይልን ከነቃቅሕን ናይ ባዕሉ ግደ ናይርዎ ‘ዩ።

ኣብ ኣኽሱም ይኹን ኣብ ካሊእ ‘ውን ብተመሳሳሊ ብሚድያ ክጋዋሕ ከሎ ናይ ደገ ይኹን ናይ ወፃኢ በፃሕቲ ዓዲ ንቲ ሰላምን ነቲ ምድላውን ሪኡ ብዘይ ስክፍታ ንክመፅእ ዝገብር ስለዝኾነ ኣብዚ ዓበይቲ ረብሓታት ኣለውዎ ከም ኢኮኖሚያዊ ረብሓ፣ ታሪኽ ናብ ወሎዶ ንምውራስ፣ ዓዲ ንምልላይን በዓል ሃፍቲ ኣብ ዓዱ ኢንቨስት ንክገብር ዘለዓዕልን ዝኣምሰሉ ረብሓታት ኣለውዎ ‘ዮም።

ካብ ኹሉ ንላዕሊ ከዓ እቲ ሓዱሽ ወለዶ ነቲ ታሪኽ ፈሊጥዎ ንቀፃሊ’ውን ከምቲ ወለድና ሓልዮም ዘፅኑሕልና ንክሕልዎን ንከቀፅሎን ናይ ምንቅስቃስ ስራሕ ‘ዩ ዘለና። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኩሉ ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ ‘ውን ይኹን ኣብዚ በዓል ተረኺቡ ኣሰሩ ዘዕርፈሉ ኩነታት ንክህልው ኢና ንቀሳቐስ ዘለና።

ወጋሕታ:- ታሪኻዊ ጎቦታት ዓድዋ ብምልማዕ ንረብሓ ቱሪዝም ንምውዓል ዝተሓሰቡ ወይ ዝተተለሙ ልምዓታት ኣለውዶ?

ወ/ሮ ኢትዮጵያ:- እወ ከምኡ ሓሲብና ኢና ንንቀሳቀስ ዘለና። ሓደሽቲ ፕሮጀክትታ ‘ውን ንቀርፅ ኣለና ኢና። እቶም ፕሮጀክታት ከምቲ ዝበልካዮ ናብ ረብሓ ህዝቢ ንምቅያርን እቲ ማሕብረሰብ ነቲ ታሪኽ ብምዕቃብ ካብኡ ‘ውን ኢኮኖሚያዊ ተረባሒ ንምግባር መናእሰይ ተወዲቦም ንክሰርሑ ‘ዩ።

እዚ ዝስራሕ ብናይ መንግስቲ እቲ ክልል ወፃኢ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓገዝ መንግስቲ ፌደራልን ከምኡ ‘ውን ናይ ኩሉ ትግራዋይ ዘድልዮን ‘ዩ። ኣብዚ ትኹረት ገይርና መደብ ሒዝና ክንሰርሕ ኢና ንሓስብ ዘለና። ኣብዚ ብኣንፃር ተረባሕነት ህዝቢ ዓድዋ ጥራሕ ዘይኮነስ ብኣንፃር ታሪኽ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ከምዝኾነ ተፈሊጡ ኩሉ ሰብ ሃፍቲ፣ መንግስታውን ዘይምንግስታውን ትካላት ገበርቲ ሰናይን ብምስታፍ ንክስራሕ ብምግባር ኣብ ረብሓ ክውዕል ንምግባር ‘ዩ ምንቅስቃስ ዝግበር ዘሎ።

እዚ ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ኣይተጠቀምናሉን ኢና እዚ ዘይምጥቃምና ‘ውን ከቢድ ሳዕቤን ፈጢሩ ‘ዩ። ዝነበረና ንክንስእን ገይሩና ‘ዩ። ብሓፈሻ ግና ዘገምተኛ ዝኾነ ኣካያይዳ ለውጢ ዘየምፅእ ምዃኑ ኣሚንና ዓበይቲ ምንቅስቃሳት ጀሚርና ኣለና። ከምቲ ዝበልኩኻ እዚ ብዓቅሚ ቢሮ ጥራሕ ዝስራሕ ኣይኮነን።

ብዓቅሚ መንግስቲ ጥራሕ ‘ውን ዝስራሕ ኣይኮነን እቲ ካሊእ ኣካል ‘ውን እቲ ትግራዋይ ይኹን ኢትዮጵያዊ ነሃተይ ‘ዩ ኢሉ ሓሲቡ ክሳተፍ ከሎ ‘ዩ ዝሐሸ ልምዓት ዝመፅእ እሞ፤ እቲ ታሪኻዊ ቦታ ናብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓን ልምዓትን ብምቅያር ብቀፅልነት ንክሕለው ኢና ንሰርሕ ዘለና። ኣብዚ ሎሚ ዓመት ሓደ ስዳሮ ክንኸይድ ኢና በቢዓመቱ ድማ ለውጥታት እናመፅኡ ክኸዱ ‘ዮም ኢልና ኢና ንሓስብ።

ወጋሕታ:- ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝሕ ዝበሉ ኣብ ታሪኻዊ ጎቦታት ዓድዋ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ንምስራሕ እምነ ኹርንዓት ተቀሚጦም ነይሮም ‘ዮም። ካብዚኦም ስራሕቲ ሙዚየም፣ ኢኮ ቱሪዝም፣ ዩኒቨርስቲ ፓን ኣፍሪካን ካልኦትን ንምንታይ ‘ዮም ክሳብ ሐዚ ኣብ ተግባር ዘይወዓሉ ተሪፎም?

ወ/ሮ ኢትዮጵያ:- እዚ ነሃተይን ናይ ቢሮይን ‘ውን ሕቶ ‘ዩ። እዚኦም ኩሎም ተባሂሎም ነይሮም ‘ዮም ሐዚ ግና ሽሞም ‘ውን ኣይልዓሉን ዘለው። እዞም መደባት እዚኦም ክልል ትግራይ ጥራሕ ዝሓንፀፀቶም ኣይነበሩን። ብመንግስቲ ፌደራል ‘ውን ዝወፅኡ መደባት ‘ዮም ነይሮም። እቲ ናይ ፌደራል ምንቅስቃስ ኩላትና ከምቲ ንሪኦ ዘለና ‘ዩ።

ዝኾነ ኾይኑ ምስ ፌደራል ዘሎ ርክብ እናተጠናኸረ ምስኸደ ሓደ መዓልቲ ምናልባት መፍትሒ ክረክብ ይኸውን ‘ዩ ኢልና ኢና ንሓስብ። እዚ ዝብል ዘለኹ ውልቃዊ ሪእቶይ ‘ዩ ብዕላዊ ግና ንዘይምስርሖም ዝተገለፀ ምኽንያት የለን። ብዝኾነ ደረጃ ብደረጃ ክፍትሑ ክኾኑ ‘ዮም ተባሂሉ ‘ዩ ዝሕሰብ።

ብፍላይ ከም ተጋሩ እዚ ትልሚ ነይሩና ፌደራል ክምዚ ክገብር ነይርዎ ዝብል ገዲፍና ብዝኸኣልናዮ ባዕልና ክንሰርሕ ክንጅምር ኣለና ዝብል ተበግሶ ‘ዩ ዘለና። እዙይ ከምዘሎ ኮይኑ ብፍላይ ብኣና ወገን ብዋናነት ሐዚ እንሰርሖ ሓዱሽ ስራሕቲ ዘይኮነስ እቲ ዝነብረ ዝዓነወ ናብ ዝነበሮ ምምላስ ‘ዩ። እቲ ቀንዲ ኣንፈት ስራሕና ኣብ ትግራይ ኩለመዳያዊ ሕውየት ንክህልው ‘ዩ።

ሕውየት ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ትምሕርቲ፣ ኣብ ጥዕናን ኣብ ካልኦትን ዘሎ ዕንወት ምሕዋይ ‘ዩ። ምስ ሓወና ድማ ቀፂሉ ናብ ሓዱሽ ነገር ንኸይድ። ኣብ ትግራይ ዘለና ፀገም እዚ ጥራሕ ‘ውን ኣይኮነን ቅድሚኡ ዝርኣዩ ብዙሓት ሽሞም ዘይፅውዑ ፀገማት ኣለውና ‘ዮም። ሕብረተሰብና ኣብ ከርተትን ጥምየትን ‘ዩ ዘሎ። ቀዳምነት ነዚ እናፈታሕኻ ነቲ ናይ ምድሓን ስራሕ ምስራሕ ዝብል ኣንፈት ‘ዩ እሞ፤ ኣብኡ ተመስሪትና ኢና ክንሰርሕ ንሙኩር ዘለና።

ወጋሕታ:- ኻልእ ተመሳሳሊ ዛዕባ እንትንርኢ ብመንግስቲ ፌዴራል ኣብ ኸይዲ ህንፀት ካብ ዝርከብ ዘሎን ኣካል መኣዲ ንወለዶ ዝኾነ ፕሮጀክት ጎቦታት ገርዓልታ ኣብ ሓፈሻዊ ምንቅስቃስ ቱሪዝም ትግራይ እንታይ ግደ ክህልዎ ይኽእል? እቲ ፕሮጀክት ክሳብ ሐዚ ኣብ ምንታይ ብርኪ ይርከብ?

 ወ/ሮ ኢትዮጵያ:- እቲ ናይ ገርዓልታ ፕሮጀክት ዓብይ ተረባሕነት ኣለዎ ኢልና ኢና ንሓስብ። እቲ ፕሮጀክት ቅድም ኢሉ ከቢድ ፃዕርን ዝተገብረሉን ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተን ማሕብረሰብን ሙሁራትን ተጋሩ ዝተሳተፉሉ ናይ መፅናዕቲ ስራሕቲ ዝተገበሮ ውን ‘ዩ።

ካብ ፅንዓት ሓሊፉ እቲ ስራሕ ንምጅማር እምነኹናዕ እንትግበር ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ፌደራልን ክልል ትግራይን ዝትረኸቡሉ ‘ዩ ነይሩ። እዚ ዓብዪ ተረባሕነት ክህልዎ ‘ዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ። ብፍላይ ነቲ ስራሕ ዘይብሉ መንእሰይ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር እንትርአ፤ ናይቲ ከባቢ ባህላዊ ኣሰራርሓ ትሕዝቶ ዘለዎ መሰረት ዝገብረ ክስራሕ ‘ዩ ተባሂሉ ስለዝሕሰብ፤ እዚ እንት ስራሕ ዝተፈላለዩ ኣብ ኮንስትራክሽን ዝሰርሕ መንእሰይ እቲ ከባቢ ዕድል ስራሕ ዝረኽበሉ ኩነታት ክፈጥር ‘ዩ።

እዚ ንልዕሊ ሓደ ሽሕ መንእሰይ ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ‘ዩ ኢልና ኢና ንሓስብ። ስለዚ ኣብቲ ከባቢ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ስራሕ ዕድል እንተሽፊኑ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ማሕበረሰብ ‘ውን ማይን ካልኦትን ክረክብ ‘ዩ። ናይ መስኖ ሽፋን ‘ውን ክስርሕ ‘ዩ። ኣብቲ ከባቢ ናይ ማይ ፀገም ስለዘሎ፤ ነቲ ዝስራሕ ዘሎ መበገሲ ገይሩ ዝስራሕ ኳዕቲ ማይ ድማ ነቲ ናይ ከባቢ ማሕበረሰብ ተረባሒ ክኸውን ‘ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ናይ ኢኮኖሚ ረብሓ ኣልዎ ‘ዩ።

ስለዚ ከም ወረዳ ክጥቀም ‘ዩ ከም ዓዲ ለውጢ ከምፅ ‘ዩ። በፃሕቲ ዓዲ ‘ውን ክመፅኡ ‘ዮም ተጠቃምነት ቱሪዝም’ውን ከመፅእ ‘ዩ። ስለዚ እቲ ናይ ገርዓልቲ መማረፂ ዘይብሉ ተረባሕነት ዘለዎ ‘ዩ ኢልና ኢና ንወስዶ። እቲ ስራሕትን በጀትን ናይ መንግስቲ ፌደራል እንተኾነ ‘ውን ከም ክልል ትግራይ ‘ውን እቲ ስራሕ ብኣንፃር ልምዓትን ተረባሕነት እቲ ማሕብረሰብን ዘለዎ ኣበርክቶ እናረአና ዓብዪ ተስፋ ኢና ንገብር።

እቲ ስራሕ ገና ሐዚ ዝጅምር ዘሎ እንተኾነ ‘ውን ኣብ መፈፀምታ ክበፅሕ ከሎ ግና ዓበይቲ ተስፋታት ዘለዎ ገይርና ኢና ንወስድ። ንዑኡ ‘ውን ከም ቢሮ ይኹን ከምቲ ናይቲ ከባቢ ምምሕዳርን ክነተሓባብሮ ክንሕግዞ እንኽእል ክንሕግዝ ኢና።እቲ ፕሮጀክት ናይ ቀረባ ‘ውን ስለዝኾነ ገና ይጀማምር ኣሎ ኢልካ ትወስዶ ‘ምበር ዓቢ ስራሕ ተሰሪሑ ‘ዩ ኣየብልን።

ወጋሕታ:- ነዚ ዝመስሉ ዓይነታት ፕሮጀክት ኣብ ምንቅስቃስ ቱሪዝም ዓቢ ግደ ዘለዎም ብመንግስቲ ይኹን ብሰብ ሃፍቲ ንክስርሑ ኣብ ምንቅስቓስ ኣብ ምትብባዕ ዝስራሕ ስራሕ ኣሎ ዶ?

ወ/ሮ ኢትዮጵያ:- እወ ቅድም ኢለ ክገልፆ ሞኪረ ‘የ። ከም ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ብዙሓት ፕሮጀክታት ሓንፅፅና ኣለና ነናብ ዝምለከቶም ኣብፂሕና ኢና። ከም ውልቀን ገበርቲ ሰናያት ዝበሉ ውን ዝድጉፉና ኣለው ‘ዮም። ከምዚ ዝበሉ ስራሕቲ ካብ መንግስቲ ጥራሕ ኣይኮንናን ትፅቢት ንገብር።

ከም ውልቀ ሰባት፣ ገበርቲ ሰናይን ዳያስፖራን ኣብ ግምት ኣእቲና ኢና ንሰርሕ ዘለና። ካብ ዝሓለፈ እዋን ናይ ፕሮጀክታት ቀረፃ ብዝሐሸ እናቀረፅና ንሰርሕ ኣለና ኢና። ኣብ ሓደ ሓደ ኣብተን ዝዓናዋ ቅርስታትና በዚ መልክዕ ኣቢልና ዝፀገንየን ኣለዋ ‘የን። እዚ ድማ ናይ ኩሉ ተሳትፎ ዝሓትት ስለዝኾነ መንግስቲ ‘ውን ኣብ ጎንና ኮይኑ እናሰራሕና ኢና ዘለና።

ከምዝፍለጥ ትግራይ ብመስሕብ ቱሪዝም ብጣዕሚ ብዙሕ ሃፍቲ ዘለዋ ‘ያ። ብዙሕ ዘይተጠቀምናሎምን በቲ ኲናት ዝሰኣናዮም’ውን ኣለው ‘ዮም። ይኹን ‘ምበር ነቶም ዝጎደሉ እናመላእና ሓደሽቲ ስራሕቲ እናሰራሕና ንምኻድ ፃዕሪ እናግበርና እንኸደሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

ብሓፈሻ ንቶም ንድሕሪት ዝተመለሱ ናይ ቱሪዝም ቦታት ንምምላስን ንምሕዋይን ኢና ንሰርሕ ዘለና። ንኣብነት ከም ገርዓልታ ሎጅ ዝበላ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ነይረናና ‘የን፤ ኣብ ዓዲ ግራት ከባቢ ኣጎሮ ዝብሃል ሎጅ ከምዘሎ ዓንዩን ንብረቱ ዝተወረረሉ ኣሎ ‘ዩ። ኣብዚ ኢንቨስት ገይሮም ዝነብሩ ውልቀ ሃፍቲ ‘ዮም ነይሮም፤ በቲ ዝበፅሖም ዕንቅፋት ተስፋ ቆሪፆም ‘ዮም ነይሮም። ሐዚ ግን ኣይዞኹም እናበልና እናተባባዕና ናብ ስራሕ እንምልሰሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ምስሕብ ቱሪዝም መስጊድ’ውን ንክፅገን ይግበር ኣሎ ‘ዩ።

ካልኦት ከም ኦም ዝበሉ ከም ገዳም ኣውነ ኣረጋዊ ደብረ ዳሞ፣ ከም የሓ ዝበሉን ከምኡ’ውን ኣኽሱም ሓወልት ባዕሉን ኣብ ኸቢድ ሓደጋ ‘ዩ ዘሎ ኾይኑ ግና፤ ሐዚ ፌደራል ዝጀማሞሮም ነገራት ዘለው። ፌደራል ኣብ ገርዓልታ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኣኹሱም ከባቢ ዝጀማመሮም ኣሎ ‘ዩ። እቶም ንእስ ንእስ ዝበሉን ብጣዕሚ ከበድቲ ዘይኮኑ ነገራት ብኣናን ብውልቀ ሰባትን እናተሓባበርና ንፅግኖም ኣለና ኢና ከም ጉንዳጉንዶ ማርያም ዝብሉ ፀጊንና ናብ ዝነበሮ ዝመልስኖዮ’ውን ኣለው እዮም።

ወጋሕታ:- ኣብዚ ቀረባ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ገምጋም ኣፈፃፅማ ፍርቂ ዓመት ከምዘካየደ ይፍለጥ ‘ዩ እሞ እቲ ገምጋም እንታይ ይመስል ነይሩ? እንታይ ኣመላኺቱ?

ወ/ሮ ኢትዮጵያ:– እቲ ኣነ መብርሂ ዝህበካ ዘለኹ መበገሲታተይ ከም ኣመራርሓ ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ገምጋም ዝረኣናዮ ‘ዩ። ብሓፈሻ ኣመራርሓ ይኹን ብመላእ ሰራሕተኛ እቲ ቢሮ ዝገብርናዮ ገምጋም ከምዝረአናዮ በቲ ዝሰራሕናዮ ነዊሕ ርሕቀት ከይድና ኢና ኢልና ኣይገምገምና። ምኽንያቱ ብመንፅር በፂሑና ዘሎ ሓደጋ እቲ እንገብሮ ዘለና ምንቅስቃስ ብጣዕሚ ንእሽተይ ነገር ‘ዩ ኢልና ኢና ንወስድ።

ሐዚ ‘ውን ዘይሰገርናዮም ከበድቲ ፈተናታት ይተርፉና ‘ዮም። ከምቲ ዝበልናዮ ናይ ዓቅሚ ምስኣን ኣሎ፣ ናይ በዓል ሞያ ሕፅረት’ውን ኣሎ። ንሕና ንብረትና ቅርስታት ጥራሕ ኣይኮንናን ስኢንና ብዙሓት ሰብ ሞያታትና ‘ውን መስዋእቲ ኸፊሎም ‘ዮም። ብሓፈሻ በቲ ቢሮ ኣብቲ ናይ ቱሪዝም ስራሕቲ ዝተሰርሑ ፅቡቃት ጅማሮታት ተስፋታት ኣለው ‘ዮም፤ይኹን ‘ምበር ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ማሕነቆታት መሊእና ኣይከድናን ሃይልና ገና ንድሕሪት ‘ዩ ዝብል ‘ዩ ነይሩ።

ወጋሕታ:- ብኣይ ወገን ሒዘዮም ዝነበርኩ ሕቶታት ወዲአ ኣለኹ ክግለፅ ዘለዎ ዘይተገለፀ እንተሃልዩ ናይ መወዳእታ ዕድል ክህበን?

ወ/ሮ ኢትዮጵያ:- ኣብዝሓ ገሊፅዮ ‘የ። እቲ ኣብ መስሕብ ቱሪዝም ትግራይ በፂሑ ዘሎ ሓደጋ ብጣዕሚ ኸቢድ ‘ዩ። እዚ ኣብ ግምት ኣትዩ ኩሉ ግዱስ ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ ኣብ ኩለመዳይ ህንፀት ቱሪዝም ብሓፈሻ ድማ ኣብ ህንፀት ትግራይ ብዝኽእሎ ዓቅሚ ተሳቲፉ ሓደ ሓደ እምኒ ተዝድርቢ ኢለ ‘የ በዚ ኣጋጣሚ ፃዊዒተይ ከቅርብ ‘የ ዝደሊ።

እቲ ዓዲ ናይ ኩላትና ዓዲ ስለዝኾነ ኹላትና እንግድሰሉ ንደቅናን ደቂ ደቅናን ‘ውን ናብ ዝሐሽ ብርኪ እነብፅሕሉ ዕድል ንምፍጣር ናይ ኩሉ ዜጋ ግደ ዝጠልበሉ ‘ዩ እሞ ኢደይ ኢድካ ንበል። ተሓባቢርና ‘ውን ዓድና ናብ ዝነብረቶ ንምለስ ዝብል ርኢቶን ፃዊዕትን ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ:- ንዝሃባኒ ሓበሬታን መብርህን የቐንየለይ።

ወ/ሮ ኢትዮጵያ:- ኣነ’ውን የቐንየለይ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 21 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *