“ቱሪዝም ትግራይ ክዓቢ እንተኾይኑ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ክሳተፉ ክኽእሉ ኣለዎም” – መምህር ኣማኑኤል ኣብርሃ

በዓላት ኣዳባባይ ቱሪዝም ኣብ ምድንፋዕ ዘለዎም ግደ እንታይ ከምዝመስል ንምርኣይ፣ መጀመርታ ቱሪዝም እንታይ ‘ዩ ንዝብል ፅንሰ ሓሳብ ሕፅር ብዝበለ መልክዑ ምርኣይ ኣገዳሲ ‘ዩ፤ ቱሪዝም ደቒ ሰባት ንውልቃዊ ወይ ንንግዳዊ/ሞያዊ ዕላማታት ካብ ልሙድ ሃዋህው ወፃኢ ናብ ሃገራት ወይ ቦታታት ንምንቅስቓስ ዘጠቓልል ማሕበራዊ፣ ባህላውን ቁጠባውን ተርእዮ ‘ዩ።

ስለዚ ቱሪዝም ደቒ ሰባት ካብ መንበሪኦም ወፃኢ ንናይ ቱሪዝም ዕላማትት ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ኮይኑ እቲ ምንቕስቓስ ኣብ ውሽጢ ከተማ፣ ክልል፣ ሃገር ወይ ድማ ኣህጉራዊ ዶብ ሰጊሩ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ሃፍቲ ቱሪዝም ብዝግባእ ምጥቓም ናይ ሓንቲ ሃገር ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ካብ ምዕባይ ሓሊፉ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክብ ብምፍጣር ነንርእሶም ክላላዩ ብምግባር ሓድነት እቶም ህዝቢታት ዘማዕብል ‘ውን ‘ዩ።

እዚ ድማ ንሓንቲ ሃገር ናይ በዓሉ ረብሓ ኣለዎ። ይኹን እምበር ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ነቲ ዕድል እምብዛም ክጥቐማሉ ኣይረኣያን። ንኣብነት ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓቕሚ ቱሪዝም ክሳብ ሕዚ ብዝግባእ ተጠቒማትሉ ‘ያ ክበሃል ኣይከኣልን። ኮይኑ ግና ዘለዋ ባህላዊን ተፈጥሪኣዊን ሃፍቲ ዓቕሚ ቱሪዝም ንዓለም ብዝግባእ ብምፍላጥ ብዙሓት ቱሪስትታት ምስሓብ ትኽእል ‘ያ። ሃፍቲ ቱሪዝም ንዓለም ብምፍላጥን ብምልላይን ካብ ቱሪዝም ጥራሕ ልዑል እቶት ምርካብ ከምዝከኣል ናይቲ ዓውዲ ሙሁራት ይገልፁ።

ዋላ ምችው ኩነታት ኣየር ዘይብለን ብዙሓት ሃገራት ኣብዚ ዓውዲ እዚ ብዝግባእ ብምንጣፈን ብዙሓት በፃሕቲ ዓዲ ክስሕባ ይረአያ ‘የን። በዙይ ኣቢሉ ድማ ካብ ቱሪዝም ዘይነዓቕ እቶት ብምርካብ ዜጋታተን እናጠቐማ ‘የን። ሃገርና ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ሃፍቲ ቱሪዝም ኣለዋ ከንብል እንተለና ድማ ብቐዳምነት እትጥቐስ ክልል ትግራይ ‘ያ። ትግራይ ብዙሓት ተፈጥሪኣዊን ባህላውን ዓቕሚ ቱሪዝም ዘለዎ ክልል ‘ያ።

እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ብፍላይ ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሮም ዝበዓሉ ከም ኣሸንዳ ዝበሉ ሃይማኖታውን ባህላውን ትሕዝቶ ዘለዎም ናይ ኣዳባባይ በዓላት ብዝግባእ ዋላ ናብ ረብሓ ኣይንቐይሮም ዘይነዓቕ ሃፍቲ ቱሪዝም ‘ዮም። ከምኡ ‘ውን ኣብ ወርሒ መስከረም ዝበዓሉ ከም መስቀል እንተርኢና ቱሪስት ብዝስሕብ ደረጃ እንተተሰሪሕሎም ብዝግባእ ናብ ረብሓ ምቕያር ይከኣል ‘ዩ። ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ ብመንፅር ዘለዎም ሃፍቲ ቱሪዝም ገና ናብ ጥቕሚ ዘይተቐየሩ ፀጋታት ‘ዮም።

ንምዃኑ ዓቕሚ ቱሪዝም ትግራይ እንታይ ይመስል? ብፍላይ ህዝባዊ በዓላት (ናይ ኣዳባባይ በዓላት) ብኸመይ ብዝግባእ ፍልልፍ ቱሪዝም ምግባር ይከኣል? ቱሪዝም ትግራይ ንምዕባይ ማሕነቆ ዝኾኑ ቐንዲ ቐንዲ ነገራት ከ እንታይ ‘ዮም ኣብ ዝብሉ ሕቶታትን ካልኦት ተማሳሰልቲ ጉዳያትን ኣልዒላና ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ናይ ኣርኬሎጂ ቕርሲ ምምሕዳርን ተመራማሪን ዝኾኑ መምህር ኣማኑኤል ኣብርሃ ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ከም በዓል ሞያ፣ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ዓቕምን ፍልፍል ቱሪዝም ብተወሰነ መልክዑ እንታይ ከምዝመስሉ ተዝገልፁልና?

መምህር ኣማኑኤል፡- ኣብ ትግራይ ብዙሓት ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ቕርስታት ከምዘለዉ ይፍለጥ ‘ዩ። ዝድህሰሱ ቅርስታት ከንብል እንተለና ብኢድ ዝጭበጡ ወይ ዝድህሰሱ ዘጣቓልል ኮይኑ፣ ከም ኣብ ኣክሱም ዝርከቡ ሓውልትታት፣ ሳናቲም፣ ጥንታዊ ናይ ነገስታት መቓብራት፣ ፍርስራስ ቤተ መንግስቲ ወዘተ ከምኡ ‘ውን ኣብ የሓ ዝርከብ ጥንታዊ ቤተ መቕደስ፤ ካብ ከውሒ ተፀሪቦም ዝተሰርሑ ጥንታውያን ኣብያተ ክርስትያናት፣ ንኣብነት ኣብ ዞባ ምብራቕ ዝርከቡ ከም ኣብርሃ ወኣፅብሃ ዝበሉ ጥንታውያን ገደማት ብውሕዱ ምጥቃስ ይከኣል ‘ዩ። ዘይድህሰሱ ቅርስታት ከንብል እንተለና ድማ ኣብ ኣዳባባይ ዝበዓሉ በዓላት ከም ኣሸንዳ፣ መስቀል፣ ጥምቐት ዝመሳሰሉ ምጥቓስ ይከኣል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ከምዚኦም ዝበሉ ባህላውን ተፈጥሮኣውን ቕርስታት ትግራይ ብዝግባእ ፍልፍል ቱሪዝም ትግራይ ንምግባር ብዋናነት እንታይ ክስራሕ ኣለዎ ይብሉ?

መምህር ኣማኑኤል፡– ከምቲ ቕድም ኢለ ዝበልክዎ ክልልና ክልል ትግራይ ወናኒት ብዙሓት ባህላዊን ሃይማኖታውን ከምኡ ‘ውን ተፈጥሮኣውን ቕርስታት ‘ያ። ኮይኑ ግና ብዝግባእ ናብ ረብሓ ኣይቐየርናዮም። እዞም ፀጋታት እዚኦም ብዝተዋደደ መንገዲ ብምስራሕ ናብ ኢኮኖሚያ ረብሓ ንምቕያር ክስርሑ ኣለዎም።

ኣወሃህባ ኣገልግሎት ብምምሕያሽን ማለት ኣድለይቲ ኣሳራርሓታት ብምዝርጋሕ ክትግበሩን ንዕቤት እቲ ሴክተር ዕንቅፋታት ዝኾኑ ነገራት ክውገዱን ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎም ደረጃታት ቱሪዝም ንምግባር ክስርሑ ኣለዎም። ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት፣ ቱሪዝም ዓብዪ ዓቕሚ ቁጠባዊ ዘለዎ ምዃኑ ብኣግባቡ ተረዲኦም ኣቓልቦ ብምሃብ ክሰርሕሉ ይግባእ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ወርሒ መስከረም ብዙሓት ህዝባዊ በዓላት (ኣብ አደባባይ ዝበዓሉ) በዓላት ኣለዉ፤ እዚኦም ብኸመይ ናብ ረብሓ ምቕያር ይከኣል?

መምህር ኣማኑኤል፡- እዞም በዓላት እዚኦም ኣካል ፍልፍል ቱሪዝም ትግራይ ‘ዮም። እዞም ፀጋታት ቱሪዝም መጀመርታ ባሕላዊን ሃይማኖታውን ትሕዝተኦም ብዝሓለወ መልክዑ ክኽበሩ ኣለዎም። ናይ መጀመርታ ታሪኻዊ ትሕዝቶኦም ከይጠፍእ ብኻልኦት ናይ ደገ ባህልታት ክብከሉ የብሎምን። እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ እዞም ፍልፍል ቱሪዝም ዝኾኑ ሃፍቲታት ንማሕበረሰብ ዓለም ብዝግባእ ኣብ ምፍላጥ ቖላሕታ ሂብካ ክስረሐሉ ኣለዎ።

ማለት ብመንፅር ንዓለም ብምፍላጥ፣መባፅሒ ቱሪስት ብምልማዕ፣ ቴክኖሎጂ ኣብ ምጥቓም ብሰፊሑ ክስረሐሉ ኣለዎ። ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ከባቢ መስከረም ብዙሓት ህዝባዊ በዓላትን ኣለዉና፤ እቶም በዓላት ንበፃሕቲ ዓዲ ሰሓብቲ ክኾኑ ብዝግባእ ምስራሕ የድሊ። እዚ ማለት መዳረግቲ ኣካላት ተናቢቦም ብምስራሕ እዞም ህዝባዊ በዓላት ፍልፍል እቶት ንምግባር ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ይግባእ።

እዞም ከም መስቐል፣ ጥምቐት ዝበሉ ኣብ ኣዳባባይ ዝበዓሉ ህዝባዊ በዓላትን ካልኦት ታሪኻዊ ቦታታት ብኣግባቡ ንዓለም ማሕበረሰብ ምልላይ፣ መዘናግዒ ቦታታት ምስፍሕፋሕ፣ ንበፃሕቲ ዓዲ ምችው ኩነታት ምፍጣር የድሊ። እዚ እንተተገይሩ ዓውዲ ቱሪዝም ዝያዳ ክዓቢ ስለ ዝኽእል ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምቕላል፣ቑፅሪ ስራሕ ስእነት ኣብ ምቕናስ ብሓፈሻ ኢኮኖሚ ሃገር ኣብ ምድንፋዕ ርኡይ ተራ ክፃወት ይኽእል ‘ ዩ።

ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሓደ ሓደ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዓቕሚ ፍልፍል ቱሪዝም ዋላ እኳ እንትሃለዎን ክንድዝከኣል ግና ክጥቐማሉ ኣይረኣያን። ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ዓውደ ቱሪዝም ትኹረት ሂበን እንተሰሪሐን ብዙሕ ተጠቐምቲ ክኾና ከምዝኽእላ እሙን ‘ዩ። ስለዚ ክልል ትግራይ ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ በዓላት ብዕቱብ ብምስራሕ ናብ ኢኮኖሚያዊ ርብሓ ምቕያር ይከኣል ‘ዩ። ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ ኣድላይ ዝበሃል ትኹረት ብምሃብ እናተሰርሐሉ ኣይኮነን ዘሎ።

ወጋሕታ፡- ቱሪዝም ትግራይ ንምዕባይ ማሕነቆ ዝኾኑ እንተዝገልፁልና?

መምህር ኣማኑኤል፡- ከምዝፍለጥ ትግራይ ብዙሓት ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊን ተፈጥሮኣውን ቕርስታት ዘለዋ ክልል ‘ያ። ኮይኑ ግና ናብ ረብሓ ብዝግባእ ተቐይሩ ‘ዩ ምባል ኣይከኣልን። እቲ ምኽንያት ድማ እኹል ኣቓልቦ ብምሃብ ስለዘይተሰረሐሉ ‘ዩ። እቲ ዘፈር ልክዕ ከም ካልኦት ዘፈራት ትኹረት ኣይረኸበን።

ንኣብነት ከም ሕርሻን ካልኦትን። ብዙሕ ፀገም ሕብረተሰብ ክፈትሕ ከምዝኽእል ዋላ ዝፍለጥ ይኹን እምበር ልዑል ኣቃልቦ ተዋሂብዎ ዘይተሰርሐሉ ሴክተር ‘ዩ።ኣብ ክልልና ይኹን ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ትሑት ኣቓልቦን ምዕባለን ስለ ዘሎ ንቱሪስትታት ዝምጥን ከም ሆቴል፣ ሎጃትን ካልኦት ከም መሰረተ ልምዓትን ዝበሉ ኣገልግሎታት ዘይምህላው ንዕቤት ቱሪዝም ዕንቕፋት ‘ዩ ምባል ይከኣል። ኣብ ከባቢ ታሪኻዊ ቦታታት ሎጅ ክህሉ ኣለዎ።

ብሓፈሻ ናይ ኢኮኖሚ ፀገም ‘ውን ስለዘሎ ኣድላይ ዝበሃል ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት (ኢንፍራስትራክቸር) ዘይምህላው ነቲ ሴክተር ፅልዋ እናሓደረሉ ‘ዩ። ካሊእ ብተፈላላዩ ናይ ሚድያ ሲስተማት ይኹኑ ካልኦት መሳርሕታት ተጠቒምካ ፍልፍል ሃፍቲ ቱሪዝም ብዝግባእ ዘይምፍላጥ ‘ውን ኣሎ።

ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ብዝግባእ እንተሰሪሕናሉ ስራሕ ዕድል ካብ ምፍጣር ጀሚሩ ብዙሓት ረብሓታት ዘለዎ ዓውዲ ‘ዩ። ይኹን እምበር ካብዚ ኢንዱስትሪ ዝድለ ረብሓ ክርከብ እንተተደልዩ እቲ ዓውዲ ከይዓቢ ማሕነቖ ኮይኖም ዝርከቡ ቁልፊ ፀገማት ቐዳምነት ብምሃብ ክፍትሑ ኣለዎም። ንኣብነት ኣብታ ሃገር ዘተኣማምን ሰላም ክህሉ ኣለዎ።

ኣብ ሓንቲ ሃገር ጉዳይ ሰላም እንተዘይ ሰፊኑ ቱሪስት ክመፅእ ኣይኽእልን። ስለዚ ዝተረጋግዐ ሰላምን ፀጥታን ክህሉ ኣለዎ። ካሊእ ዘለካ ሃፍቲ ቱሪዝም  ብዝግባእ ንዓለም ዘይምፍላጥ ኣሎ። ኢትዮጵያ ብመንፅር ዘለዋ ሃፍቲ ቱሪዝም ንዓለም ብዝግባእ ኣፋሊጣ እያ ዝብል እምነት የብለይን። ብፍላይ ድማ ትግራይ ብመንፅር ዘለዋ ልዑል ሃፍቲ ቱሪዚም፤ ከምዚኦም ዝበሉ ፀገማት ክፍትሑ ብዘይምኽኣሎም ትግራይ ዘለዋ ዓቕሚ ቱሪዚም ናብ ረብሓ ኣይቐየረቶን።

ሓደ ሓደ ሃገራት ካብ ኢትዮጵያ ዘይበልፅ ሃፍቲ ቱሪዝም ሒዘን ኮይኑ ግና ካብ ኢትዮጵያ ብዝሓሸ ቱሪስትታት ብምስሓብ ዝሓሸ እቶት ይረኽባ ‘የን። ስለዚ ሃፍቲ ቱሪዝም ብቐሊሉ ዝረኣይ ኣይኮነን። ብዝግባእ እንተተሰሪሕዎ ኢኮኖሚ ሃገር ንምድንፋዕ ብዓብይኡ ክዝሕግዝ ዝኽእል ሴክተር ‘ዩ።

ካሊእ ኣብቲ ሞያ ኣፍልጦ ዘይብሎም ኣካላት ከማሕድሩ ምግባር ሓደ ፀገም ‘ዩ፤ ከምቲ ዝፍለጥ ኣብ ትግራይ መብዛሕትኡ ምስቲ ሞያ ቅርበት ዘይብሎም ብሽመት ኣብቲ ቦታ እናተቐመጡ መፂኦም ‘ዮም፤ እዚ ድማ ናይ በዓሉ ኣሉታዊ ፅልዋ እናሕደረ መፂኡ ‘ዩ። ኣብ ቱሪዝም ለውጢ ክመፅእ እንተኾይኑ ኣብቲ ሴክተር ዝምደብ ኣካል ብዛዕባ ቱሪዝም እንታይነት ኣፍልጦ ክህልዎ ኣለዎ። ቱሪዝም ከመይ ክምራሕ ከምዝኽእል ዝፈልጥ ኣካል ክምደብ ኣለዎ። ሕዚ ግና ብተወሰነ መልክዑ እናተቐርፈ ይመስል።

ንኣብነት ምምሕዳር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሄር (ዶ/ር) በቲ ሞያ ዝተመረቑ ‘ዮም። በቲ ሞያ ዝተመረቑ ስለዝኾኑን ብቑዕ ኣፍልጦ ስለዘለዎም ተስፋ ዝህቡ ለውጥታት እናረኣና ኢና። እዚ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ። ኮይኑ ግና በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት እቲ ዘፈር ኣዝዩ ተጎዲኡ ስለ ዝነበረ ክንድትዝግበኦ ርሕቐት ኣይተጎዓዘን። ስለዚ ካብ መንግስቲ ፌዴራልን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ድጋፍ ክግበረሉ ኣለዎ።

ብተወሳኺ መብዛሕተኦም ምስ ቱሪስት ኣካላት ዝራኸቡ ኣካላት ‘ውን እኹል ዝኾነ ብቕዓትን ሞያን የብሎምን። ስራሕ ከም መፍጠሪ ተገይሩ ስለ ዝውሰድ ነቲ ዘፈር ከይዓቢ ከም ማሕነቖ ኮይንዎ ፀኒሑ ‘ዩ። ንኣብነት ንበፃሕቲ ዓዲ ዘጉብንዩ ሰባት ኩሎም እኹል ሞያን ፅቡቕ ስነ ምግባርን ዝተላበሱ ‘ዮም ዝብል እምነት የብለይን። እዚ ዋላ ክሳብ ሕዚ ዘይተፈትሐ ፀገም ኮይኑ እናቐፀለ ይርከብ።

ልክዕ ከም ደቐቕትን ኣናእሽተይን(ደኣንት) መናእሰይ ወዲብካ ስራሕ ከም መፍጠሪ ዘፈር ‘ዩ ዝስራሕን ዝሕሰብን ዘሎ፤ እምበር ቱሪስት ከመይ ይተሓዝ ዝብል ፍልጠትን ሞያን የለን። እዚ ክስተኻኸል ኣለዎ። ናይ ስነ ምግባር ፀገም ጥራሕ እንተይኮነስ ታሪኽ ብዝግባእ ተንቲንካ ዘይምርዳእ ‘ውን ብዓብይኡ ኣሎ። ኮይኑ ግና ሕዚ ኣብ ላዕሊ ተስፋ ዝህቡ ለውጥታት ኣለዉ እዚ ክሳብ ታሕቲ ተጣናኺሩ ክወርድ ክኽእል ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ቱሪዝም ትግራይ ንምዕባይ ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር?

መምህር ኣማኑኤል፡– ቱሪዝም ትግራይ ክዓቢ እንተኾይኑ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ክሳተፉ ክኽእሉ ኣለዎም። ቱሪዝም ብመንግስቲ ጥራሕ ክዓቢ ኣይኽእልን። ሰብ ሃፍቲ ‘ውን ክሳተፉ ክኽእሉ ኣለዎም። ንኣብነት ሎጅ ብምስራሕ፣ መሰረተ ልምዓት ኣብ ምዝርጋሕ ምሕጋዝ ክኾን ይኽእል ‘ዩ።

ስለዚ ንቢሮ ቱሪዝም ጥራሕ ዝግደፍ ጉዳይ ኣይኮነን። ካልኦት ከም ዩኒቨርስቲታት ትግራይ ‘ውን ኣስተዋፅኦ ክገብሩ ኣለዎም። መንግስታዊ ኣካላት ‘ውን እኹል ባጀት ብምብጃት ቱሪዝም ኣብ ምዕባይን ካልኦት ነቲ ሴክተር ክልውጡ ኣብ ዝኽእሉ ነገራት ክሳተፉ ኣለዎም። ብሓፈሻ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ተዋዲዶም ናይ በዓሎም ኣስተዋፅኦ እንተገይሮም ኣወንታዊ ውፅኢት ምምፃእ ይከኣል ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ቱሪዝም እንትዓቢ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ሃገር ንምዕባይ ዘይነዓቕ ግደ ኣለዎ። ስራሕ ስእነት የቓልል፣ ሰብ ማኪና፣ ሆቴልን ካልኦት ብዙሓት ኣካላትን ተጠቀምቲ ‘ዮም። ከምዝፍለጥ ክልልና ትግራይ ብዙሓት ባህላውን ተፈጥሮኣውን ቕርስታት ዝሓዘት ክልል ምስ ምዃና ተተሓሒዙ ነዚኦም ብኣግባቡ ብምምሕዳርን ብምጥቓምን ሓደ ዓብዪ ናይ ኢኮኖሚ እቶት ኮይኖም ከግልግሉ ይኽእሉ ‘ዮም።

እዚኦም ብኣግባቡ ምስ እንጥቐመሎም ‘ዩ ካብ ደገን ውሽጥን ብዙሓት በፃሕቲ ዓዲ (ቱሪስታት) ክውሕዙ ዝኽእሉ። ብዙሓት ቱሪስትታ እንትመፁ ድማ ልዑል ናይ ኢኮኖሚ ምንቕስቓስ ይህልው። ልዑል ናይ ስራሕ ምንቕስቓስ እንትህሉ ድማ ብዙሕ ስራሕ ይፍጠር፤ ኢኮኖሚ ናይታ ዓዲ እናተማሕየሸ ይኸይድ። ስለዚ ቱሪዝም ትግራይ ብዝግባእ እንተተሰሪሕሉ ኣብ ኢኮኖሚ ዝህልዎ ኣስተዋፅኦ ዝዓዘዘ ስለዝኾነ ዜጋታት ተጠቐምቲ ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ዙርያ እዚ ክቀሪ ዘይግበኦ ሓሳብ እንተሃልዩ፤

መምህር ኣማኑኤል፡– ቕርስታት ትግራይ በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ተጎዲአን ‘የን። ነዚ ኣካሓሒስካ ንቕድሚት ንምስጓም ተዋዲድካ ብዙሓት ስራሕቲ ምስራሕ የድሊ። ዕንወት ዝበፅሖም ቕርስታት ኣለዉ። እዚኦም ብዝግባእ ክፅገኑ ኣለዎም። በርግፅ ሕዚ ናይ ምፅጋን ስራሕቲ ኣለዉ። እዚኦም ተጣናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም። ዝጠፍኡ ቅርስታት ‘ውን ኣለዉ፤ ኣብዚኦም ‘ውን ስራሕ ምስራሕ የድሊ። ዘለው ድማ ብጥንቓቐ ክተሓዙ ኣለዎም።

ምኽንያቱ እዞም ቕርስታት እዚኦም ሓደ ግዜ እንተጠፊኦም ተመሊሶም ክርከቡ ኣይኽእሉን። ኣብዚ ኩነታት ድማ ብፍላይ ሰብ ሞያ ብዝኸኣልዎ ኩሉ ክረባረቡ ኣለዎም። ብፍላይ ኣብ ኣታሓሕዛ ቕርሲ እኹል ጥንቓቐ ኣሎ ዝብል እምነት የብለይን። ዝተወሰኑ ናይ ኣታሓሕዛ ጉድለታት ኣለዉ፤ እዚኦም ክእረሙ ኣለዎም። ናብ ረብሓ ቱሪዝም ዝውዕልሉ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ድማ ኣለዎ።

ከምዚ ክኸውን እንተኾይኑ ድማ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝተናበበ ስራሕቲ ምስራሕ የድሊ። ብፍላይ ድማ ከምቲ ቕድም ዝበልክዎ እዚ ሴክተር እዚ ብሰብ ሞያ ክመሓደር ኣለዎ። ቕርሲ ከመይ ይተሓዝ፣ ቱሪስት ብኸመይ ምስሓብ ይከኣል፣ ብሓፈሻ እቲ ሴክተር ብኸመይ ክዓቢ ይኽእል ብዝብል እኹል ሞያን ኣፍልጦን ብዘለዎም ኣካላት ክምራሕ ኣለዎ።

ካብዚ ወፃኢ በቲ ዝተለመደ መንገዲ ብምኻድ ዝድለ ለውጢ ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ነዚ ‘ውን ‘ዩ ክሳብ ሕዚ ክንዲ እቲ ዝከኣል ንቕድሚት ዘይሰጎመ ዘሎ።

ወጋሕታ፡– ንዝነበረና ፃኒሒት ኣዝየ ኣመስግን።

መምህር ኣማኑኤል፡- ኣነ ‘ውን ሓሳብ ንምሃብ ስለ ዝዓደምኩምኒ ኣዝየ ኣመስግን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 30 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You