“ሽፋን ደን ትግራይ ትማሊ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ከንረባረብ ይግባእ” -ኣይተ ተስፋይ ተክለሃይማኖት

ናይ ሎሚ ጋሻ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፍጥሮን ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ደን ኣይተ ተስፋይ ተኸለሃይማኖት ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ኣብዚ ዓመት ቢሮኦም ተሊሙ ዘዐወቶም ስራሕቲ፣ ፅባሕ ብብርኪ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዝትከል ፈልሲ ተተሓሒዙ ዘሎ ምድላው፣ ኣብ ኸይዲ ስራሕ ዘጋጠምዎም ማሕለኻታት ብፍላይ ዘይሕጋዊ ዕደናን መቀርን ኣብ ብርሰት ደኒ ዘለዎ ፅዕንቶ፣ ብሓፈሻ ንደኒ ብመጠን ኣድላይነቱን ዝህቦ ረብሓን ዝተወሃቦ ትኹረት እንታይ ከምዝመስልን ንዝቅፅል ዓመት ብዝሓሸ ንምስራሕ እንታይ ትልምን ኣንፈትን ሒዞም ይሰርሑ ከምዘለዉን ካልኦት መልኽታትን ፃዊዕታትን ከምዚ ዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣልና። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ :- ኣብዚ ዓመት እንታይ ተሊምኩም ኣዐዊትኩም? እንታይ ብድሆታት ወይ ማሕለኻታት ከ ኣጋጢምኩም ብፍላይ ምስዚ ናይ ክረምታዊ ተኸላ ፈልሲ ተተሓሒዙ እንታይ ስራሕቲ ተሰሪሑ?

ኣይተ ተስፋይ:- ዝሓለፈ ዓመት 6ሚልየንን 802ሽሕን 405ን ካብ ዝተተኸሉ ፈልስታት ደኒ እቲ 5ሚልየንን 673 ሽሕን 930ን ወይ ካብ ዝተተኽለ 83.41 ሚእታዊ ናይ ክንክን ስራሕቲ ዝተሰርሐሉ ኾይኑ፤ በዚ መሰረት ድማ ካብ ዝተተኽለ ፈልሲ ዝፀደቀ ክንሪኦ ከለና፤ ኣብ ቀዳማይ ዙር 5ሚልየንን 257ሽሕን 099ን 97.28 ሚእታዊ ዝፀደቀ ኾይኑ፤ ኣብ ካልኣይ ዙር ኣብ ሽዱሽተ ወርሑ ድማ 4ሚልየንን 688 ሽሕን505ን 68.26 ፀዲቁ ‘ዩ።

እቲ ሕብረተሰብ ነዚ እናተነኸባኸበ ናይ ቀፃሊ ስራሕቱ ‘ውን እናሰረሐ ንናይ 2016/17 ዓ.ም ዝኸውን ‘ውን ዝተፈላለየ ስራሕቲ እናሰረሐ መፂኡ ‘ዩ። ካብዚ ድማ ጎናጎኒ ንተኸላ ዝኸውን ስትራክቸራት ጠሊ ዓቀብቲ ከም ጉደጓድ ምኹዓትን ምድላው ፈልስን እናሰርሐ ፀኒሑ ‘ዩ።

ኣብዚ ዓመት ድማ ክነዳልዎም ኢልና ካብ ዝሓዘናዮ 58ሚልየንን 558 ሽሕን 241ን ፈልሲ ክነዳልው ተሊምና ነይርና፤ ዘዳለናዮ ፈልሲ ግና 33 ሚልየንን 542 ሽሕን 918ን ‘ዩ፤ 57 ሚእታዊ ዘዳለና ኾይንና፤ ካብዚ ብቁዕ ንተኸላ ዝኸውን ፈልሲ ድማ 29 ሚልየንን 978 ሽሕን 169ን ወይ ከዓ ናይቲ ዝተዳለወ 89.4 ሚእታዊ ብቁዕ ፈለሲ ተባሂሉ ዝተፈለየ ኾይኑ እቲ ዝተረፈ ድማ ክንክን ተገይሩሉ ንቀፃሊ ዓመት ክዘውር ተገይሩ ‘ዩ።

ነቲ ዝተዳለወ መሰረት ገይርና ድማ ናብ ናይ ተኸላ ፈልሲ ስራሕትና ኣቲና። እቲ ዝትከለሉ ከባቢ እቲ ሕበረተሰብ ብዝፈለጦን ብዝኣመነሉን ናይ ካርታ ስራሕ ብምድላው ኣብ 495 ናይ ተኸላ ሳይት (ቦታ) 54 ሽሕን 759ን ነጥቢ 25 ሄክታር ንተኸላ ዝኸውን ቦታ ተኸሊሉ። ብቁፅሪ እቲ ዝተዳለወ ብቁዕ ፈልሲ ‘ውን ሚእቲ ብሚእቲ ናይ ጉድጓድ ኳዕቲ ተኻይዱ ‘ዩ።

ካብቲ ተዳለዩ ዘሎ ጉደጓድ 62 ነጥቢ 71 ሚኢታዊ ብጠሊ ዓቃቢ ስትራክቸር ዝተደገፈ ኮይኑ፤ ካብቲ ዝተዳለወ ጎዳጉዲ 44 ነጥቢ 38 ሚእታዊ ከዓ ፀገም ልሙዕነት ሓመዱ ንምፍታሕ ድኹዒ ተገይሩሉ ‘ዩ። በዚ መሰረት ‘ውን ኢና ናብ ተኸላ ሰጊርና። ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለፅክዎ፤ 29 ሚልየንን 978 ሽሕን 169ን ፈልሲ ንክንተክል ተሊምና ክሳብ ሐዚ ብብርኪ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝትከል ከይሓወሰና ናብ 29 ሚልየንን 327 ሽሕን 765ን ኮይኑ እዚ ድማ ናይቲ ብቁዕ ዝተዳለወ ፈልሲ 97 ነጥቢ 3 ሚእታዊ ‘ዩ ተተኺሉ።

ኣብዚ ክሳብ ሐዚ ተገይሩ ዘሎ ተኸላ ዝነበረ ተሳተፎ ህዝቢ እንትንርኢ፤ 659 ሽሕን 874ን ደቂ ተባዕትዮ፤ 806 ሽሕን 514ን ደቂ ኣንስትዮ ብድምር 1 ሚልየንን 466 ሽሕን 388ን በዝሒ ህዝቢ ኣብ ተኸላ ተሳቲፉ ‘ዩ። ኣብዚ ድማ ብዙሕ ዘይተፀበናዮን ዝንኣድ ስራሕቲ ተሰሪሑ ‘ዩ::

ቅድሚ ሐዚ ዝትከሉ ፍልስታት ናብ ዝትከሉሉ ቦታ ብመንግስቲ ዝጉዓዓዝ ዝነበረ ኮይኑ ሎሚ ግና እቲ ህዝቢ ባዕሉ ምስ ናይቲ ከባቢ ሰብ ሃፍቲ ብምትሕብባር ብመኪናን ብኣድግን ከጎዓዓዝ ገይሩ ‘ዩ። ብተወሳኺ ‘ቶም መናእሰይ ተኸላ ፈልሲ ንምልዕዓል ቲሸርት ኣዳልዮም ተኸላ ዘኻይድሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። በዚ መሰረት ናይ ሎሚ ዓመት ብዘይገመትናዮ ብጣዕሚ ደስ ብዝብል ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዝነበሮ ተኸላ ‘ዩ ነይሩ። ተኸላና ድማ ኣብ ነሐሰ 17 ዝጠቃለል ‘ዩ ዝኸውን።

ኣብዚ ኸይዲ ስራሕና ካብ ዘጋጠሙና ገለ ማሕለኻታት ድማ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ፅቡቅ እንተነበረ ‘ውን ብወገን ገለ ኣመራርሓታት ግና ሓገዝን ትኹረትን ዝቀነሰ ከምዝነበረ ኢና ርኢና። እቲ ዋናን ወሳንን ዝነበረ ፀገም ግና ኣብ ብርሰት ኣግራብ ዘነበረ ፀገም ‘ዩ። ኩነታት ብርሰት ኣግራብ ሐዚ ‘ውን እናቀፀለ ዘሎ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ኩላትና ከም እንፈለጦ ምስ ዘይሕጋዊ ኣለሻ መኣድን ተተሓሒዙ ብዙሕ ደን ይበርስ ኣሎ። ብፍላይ ሕፅረት ወፃኢ ሸርፊ ኣብ ምቅላል ልዑል ግደ ዘለዎ ተኽሊ ከንኣን ሎሚ ዓመት ከም ቢሮ ከይምቀር ኢና ወሲንና ነይረና።

ምኽንያቱ ኣብ ኲናት ብምፅናሕና ብዝተፈላለየ ምኽንያታት እቲ ደን ወይ እቲ ተኽሊ ጉድኣት በፂሕዎ ስለዝነበረ፤ ንዝተወሰነ ንክዓርፍን ዘለወሉ ኩነታት ‘ውን ንክፍለጥን ‘ቶም ቅድሚ ኲናት ብማሕበራት ተወዲቦም ዝሰርሕሉ ዝነበሩ በቲ ዝተፈጠረ ኲናት ዝተበታተኑ ስለዘኾኑ ከም ብሓዱሽ ብሰሩዕ ንክውደቡ ብምግባር ሓላፍነቶም ብምፍላጥ ዳግም ናብ ስራሕ ንምእታው ኢልና ኢና ስራሕቲ ምምቃር ንዘተወሰነ እዋን ደው ከብል ኢልናዮ ነይርና፤ ይኹን እምበር ብዘይሕጋዊ፣ ብስርቂ፣ ሓላፍነት ብዝጎደሎ ኣካይዳን ይምቀር ዘሎ ሙዃኑ ከም ሽግር ካብ እንሪኦም ‘ዮም።

ወጋሕታ :- እዞም ፀገማት ዝርኣዩ ዘለው ኣበይ ኣበይ ከባቢታት ‘ዮም? መጠን ጉድኣቱስ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ተስፋይ:- ብመጠን ክፈላለዩ ይኾኑ እምበር ኣብ ኩሉ ክባቢታት ዝርኣዩ ፀገማት ‘ዮም። ንኣብነት ዝርኣዩ ፀገማት ኣብ ዘይሕጋዊ ምዕዳን ወርቂ ጥራሕ ዘይኮነስ በቢከባቢኡ እምንን ሑፃን ዘውፅኡ ዘለው ‘ውን ከም ሓደ ንምብራስ ደኒ ምኽንያት እናኾኑ ይመፅኡሉ ዘለውሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ኣብ ናይ ኣዋጅ ደኒ ግልፂ ከምዝገብሮ ኣብ ናይ ደኒ ቦታታት ዕደና መክያድ ይኹን ናይ እምንን ሑፃን ምውፃእ ዝተኸልኸለ ‘ዩ። ክፍቀድ ዝክኣል እንተኾይኑ ‘ውን ክፈቅድ ዘለዎ ቢሮ ሃፍቲ ተፈጥሮ ‘ዩ። ኣንሕና ኢና ክንፈቅድ ዘለና። ይኹን እምበር ሐዚ ኣነሕና ብዘይንፈልጦ መንገዲ ኣብ ታሕቲ ዘለው ኣመራርሓ ብኢደ ወነኖም ምሃብ ኣሎ። እዚ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዘሎ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ምስ ዘይሐጋዊ ምዕዳን ወርቂ ተተሓሒዙ ዝበለፀ መሰከፊ ዝኾነ ኩነታት ዝርኣየሉ ‘ዩ ዘሎ።

ወጋሕታ :- ከምዝፍለጥ ተኽሊ ወይ ኣግራብ መሰረት ፍልፍል ሂወት ‘ዮም። ተኽሊ ኣብ ምትኻልን ኣብ ምሕብሓብን ብመጠን ኣድላይነቱን ዝህቦ ብዙሕ ረብሓን ግቡእ ትኹረት ተዋሂብዎ እኹል ሃፍትን ሓይሊ ሰብን ተመዲብዎ ይስራሕ ኣሎ ዶ ይብሉ?

ኣይተ ተስፋይ:- ረብሓ ግደ ደኒ ከምቲ ንስኻ ‘ውን ዝገለፅካዮ ብብዙሕ ክግለፅ ይከኣል ‘ዩ። ኣብ ማሕበራዊ ኢኮኖሚያዊ ልዑል ግደ ‘ዩ ዘለዎ። ብፍላይ ኣብ ስነ ከባቢ ምስቲ ሐዚ ብሰንኪ ለውጢ ኣየር ንብረት ኣብ ዓለም ዝፈጥሮ ዘሎ ፀገም ኣብ ምሕካም ደኒ ዓቢይ ግደ ከመዘለዎ ይፍለጥ ‘ዩ።

ደኒ እንተዘይሃልዩ ሂወት ከመዘየለ ብስነ ሓሳብ ኩሉ ዝፈልጦ ‘ዩ። ይኹን እምበር ክንድኡ ዝኣክል ጠመተ ይግበረሉ ‘ዩ ዝብሃል ኣይኮነን። ንኣብነት ከም ምኽንያታት ዝግለፅ ነዚ መንቀሳቀሲ ዝኸውን ምንም ዓይነት በጀት የለን። ስለዚ ኣብዚ ብደንቢ ክስርሓሉ እንተዘይተኻኢሉ ከዓ ኣፀጋሚ ‘ዩ።

ኸይዱ ኸይዱ ከዓ ናብ ምድረ በዳነት ዝቅየረሉ ኩነታት ‘ውን ከጋጥም ይኽእል ‘ዩ። ሐዚ ክትሪኦ ከለኻ ኣብ ከባቢኻ ፅላል ዘይትረኽበሉ ኩነታት ይበፅሕ ዘሎ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ክንድቲ ዘለዎ ረበሓ፤ ክንድቲ ብብርኪ ዓለም ለኸ ይኹን ብብርኪሃገር ኣብ ማሕበራዊ ኣብ ኢኮኖሚ ዘለዎ ግደ ይስርሓሉ ኣሎ ዝበሃል ኣይኮነን።

ብመሰረቱ ስራሕቲ ደኒ ብባህሪኡ ልዑል በጀት ዝጠለብ ‘ዩ። በርግፅ ዓቅሚ ናይዚ ክልላዊ መንግስቲ ‘ውን ኩላትና ከም እንፈልጦ ‘ዩ። እቲ መንግስቲ ነዚ ዝኸውን ዓቅሚ ኣለዎ እንብሎ ኣይኮነን። ግን ድማ ኣብ ክንድዚ ኣብዚ ዝስራሕ ዓለም ለኸ ሃፍቲ ‘ውን ስለዝኾነ ነቲ መንግስቲ ክሽፍኖ ዘይከኣለ ክፍተት ክምልኡ ዝኽእሉ ፕሮግራማትን ፕሮጀክታትን ትካላት ገበርቲ ሰናይ ጠመተ ምሃብ ኣገዳሲ ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ናይ ኩላተና ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ምስ መንግስቲ ፌደራል ይኹን ምስ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ከም ገበርቲ ሰናይን ተሓባቢረካ ኣብ ምስራሕ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ተስፋይ:- ምስ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ይኹን ምስ መንግስቲ ፌደራል ተሓጋጊዝካን ተሓባቢረካን ኣብ ምስራሕ ዓቅሚ ብዝፈቀደ ምትእስሳር ፅቡቅ ‘ዩ ዝብል ገምጋም ‘ዩ ዘለና። እቲ ናይ በጀት ሕፅረት ኣብ ኩሉ ‘ዩ ዘሎ። ብብርኪ ሃገር ከም ፌደራልን ከም ክልልን ‘ዩ ዝግለፅ። ኣብቶም ናይ ትካላት ገበርቲ ሰናይ

ፕሮግራማትን ፕሮጀክታትን እንተኾነ ‘ውን ከምቲ ናይ ቀደም እኹል በጀት ዘይከህልው ይኽእል ‘ዩ። ይኹን እምበር ኣብታ ዘላ ዝተረኸበት ዝግበር ሓገዝ ነቲ ዘሎ ፀገም ኣብ ምፍታሕ ናይ ባዕሉ ግደ ይፃወት ‘ዩ። ፌዴራል መንግስቲ ብዝኽእሎ ዓቕሚ ሓበሬታታት ሓደ ሓደ ቁሳዊ ድጋፋት ዝተወሰነ ኣብ በጀት ኣብ ምድጋፍ ዝገበሮ ምንቅስቓስ ኣሎ ‘ዩ ይኹን እምበር እኹል ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለና።

ወጋሕታ :- ብብርኪ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዝትከል ፈለሲ ተተሓሒዙ እንታይ ምድላው ተገይሩ ኣሎ? እንታይ ዓይነት ፈልስታት ኣበይ ክትከሉ ተሓሲቡ ኣሎ?

ኣይተ ተስፋይ:- ኣብዚ ፅባሕ ነሓሰ 17 ብብርኪ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዝግበር ተኸላ ፈልሲ ብፌዴራል ኣካላት ‘ውን ክትትል እናተገበሮ ዘሎ ‘ዩ። ነዚ ዝከታተሉ ካብ ፌዴራል ዝመፅኡ ኣካላት ካብ ዝመፅኡ ‘ውን ክልተ ሰሙን ሓሊፍዎም ኣሎ። ነዚ ወፍሪ ንምዕዋት ፃዕሪ እናተገበረ ‘ዩ ዘሎ።

ክሳብ ሐዚ ‘ውን ናብ 450 ሄክታር ኣብ 15 ወረዳታት ኣብ 15 ናይ ተኸላ ቦታ 503 ሽሕን 23ን ፈልሲ ንምትካል ኢና ተዳሊና ዘለና። ቅድም ኢሉ ብፌዴራል 9ሚእቲ ሽሕ ንክንተክል ‘ዩ ተወሲኑ ነይሩ ሐዚ ግና ብሰንኪ ናይ ምጉዕዓዛ ፀገም ምኽንያት እዚ ንክንተክል ኢና ተስማዕሚዕና። እዚ ብትኽክል ምዕዋት ንኹሉ ነገር ጠቃሚ ሙዃኑ ብሚድያ ዝካታተል ሰብ ክሕዘልና ንደሊ።

ኣካል እዛ ሃገር ብምዃና እዚ ብምዕዋት ካብታ ሃገር ዝብፅሐና ንረክብ። ከም ክልል ‘ውን ዝኾነ ይኹን ናይ ልምዓት ስራሕቲ ዘይነዕንቅፍን ኣጀነዳና ልምዓትን ልምዓትን ጥራሕ ከምዝኾነን ንልምዓት ዓብዪ ትኹረት እንህብ ከባቢ ክልል ምዃና መግለፂ ስለ ዝኾነ እዚ ፕሮግራም ስለዝኾነ ብግቡእ ክዕወት ኣለዎ። እዚ ብምዕዋቱ ኣቢልና ‘ውን መሰረታዊ ሕቶታትና ዝምለስ ከህለው ይኽእል ‘ዩ።

ስለዚ እዚ ፅባሕ ዕለት 17 ዝግበር ተኸላ ኩሉ ዝምልከቶ ህዝብና ኣመራርሓና በዓል ሞያ ክንዲ ዝኽእሎ ንምዕዋት ኩሉ ክረባረብ ክኽእል ኣለዎ ዝብል በዚ ኣጋጣሚ ክነቅርብ ፃውዒትና ክነቅርብ ንደሊ። ኣንሕና ብወገንና ዘድሊ ምደላዋት ወዲእና ኢና። ኩሉ ዓይነት ተኽላታት ሃገር ቦቖልን ናይ ደገን ንክትከሉ ዝተዳለው ኮይኖም ነዚ ድማ ‘ቶም ካብ ፌዴራል ዝመፅኡ ኣካላት ‘ውን ንኣብዝሓ ክትከል ተዳለዩ ዘሎ ፈልስታት ዘይሮም ብምርኣይ ብመጠኑ ይኹን ብፅረየቱን ክሳብ ሐዚ ዘሎ ምድላው ፅቡቅ ከመዝኾነ ‘ዮም ገምጊሞም።

ካብቶም ካብ ፌዴራል ዝመፅኡ ኣካላት ብዝሃቡና ፅቡቅ ግብረ መልሲ ከይዓገብና ምድላዋትና ክነፃፍፍ ኢና። እቲ ህዝብና ይኹን ኣመራርሓና ‘ውን ነዚ ንምዕዋት ቁረፀኛ ‘ዩ። እቲ ዝግበር ዘሎ ኣኼባታት ምስተወደአ ናይ ክኢላታት ምውፋር ‘ውን ዝካየድ ክኸውን ‘ዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ከዓ ብኣመራርሓ ‘ውን ዝወሃብ ሓበሬታት ክህልው ‘ዩ። ሚደያታት ‘ውን ነዚ ንምዕዋት ኣድላይነቱ ኣስፊሕኩም ክተቅርቡልና በዚ ኣጋጣሚ ክንፅውዕ ንደሊ።

ወጋሕታ :- ንዝቅፅል ዓመት ካብዚ ብዝሐሸ ንምስራሕ እንታይ ትልምን ኣንፈትን ሒዝኩም ኣለኹም ? ነቲ ዘሓዝኩሞ ትልምን ኣንፈትን ንምዕዋት ካብ መን እንታይ ሓገዝ የድለየኩም?

ኣይተ ተስፋይ:- ንቀፃሊ ካብቲ ሒዘናዮ ዝለና ተሞከሮ ወሲደና ብዝበለፀ ስራሕ ንክንሰርሕ ተሊምና ኣለና። ንኣብነት ሎሚ ዓመት ናብ 58ሚልየንን ፈልሲ ክነዳልው ተሊምና ነይርና፤ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ከዓ ልዕሊ 80 ሚልየንን ክነዳልው ክንተክል እቲ ተኺልናዮ ዘለና ድማ ከንሕብሕቦ እቲ ትማሊ ብዝተፈላለየ ምኽነያት በሪሱ ዘሎ ደኒ ናብ ንቡር መሊስና ኣብ ሕብረተሰበና ዝሐሸ ለውጢ መነባብሮ ንኽመፅእ ክንሰርሕ ክንኽእል ኣለና ኢለና ተሊምና እናተንቀሳቀስና ኢና ዘለና።

እዚ ክንብል ከለና ክሳብ ሐዚ ነዚ ከፈፅም ዝኽእል ዝኾነ ዓይነት በጀት የለን። እቲ ተኣማሚና ንኸዶ ዘለና ኩነታት ክስተኻኸል ‘ዩ። ናብ ንቡረ ክምለስ ‘ዩ። መንግስቲ ‘ውን ዓቅሚ ክረክብ ‘ዩ በጀት ክምድብ ‘ዩ። ትካላት ገበርቲ ሰናይን መንግስቲ ፌዴራልን ‘ውን ከሕግዙና ‘ዮም። ተሳትፎ ህዘብና ጥንካረ ኣመራረሓናን ፃዕሪ በዓል ሞያናን ኣብ ግምት ኣእቲና ክንሰርሕ ኢና ኢልና ተዳሊና ኣለና። ስለዚ በዚ መዳይ ኩሉ ክተሓጋገዝን ክትሓባበርን ኢና ንላቦ።

ወጋሕታ :- ኣብዚ ክግለፅ ዝግባእ ዘይተገለፀ ሓሳብ ወይ መልእኽቲ እንተሃለዩ? ኣብ መወዳእታ ዕድል ክህቦም?

ኣይተ ተስፋይ:- ዝተረፈ የብለይን በዚ ኣጋጣሚ እነሕልፎ መልእኽቲ ግና እቲ ትማሊ በፂሕናዮ ዝነበርና ብርኪ ልምዓት ኩሉ ግዘ ከም እንብሎ ካብ ክልተ ሰለስተ ናብ 16 ነጥቢ 84 ሚእታዊ ክበፅሕ ዝኸኣለ ደኒ ትግራይ፤ ህዝቢ ለይትን ቀትርን ስለ ዝሸቀለ፣ በዓል ሞያ ለይትን ቐትርን ስለዝሓገዘ፣ ኣመራርሓ ቅትርን ለይትን ብግቡእ ስለ ዝመርሐ ‘ዩ።

ኩላትና ተሓባቢረና ስለ ዝሰራሕና ስለዝፀዓርና ‘ዩ ናብዚ ብራኸ ወፂእና ዝነበርና። ሎሚ ‘ውን ከምትማሊ ህዝብና ኣመራርሓና በዓልሞያና ተረዳዲእና ተሓጋጊዘና ናብቲ ዝነበረ ከንመልሶ ኩላትና ብሕራነ ከንሰርሕ ኣለና። እቲ  ዝትከል ምትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ሓሊና ተንከባኺብና ናብ ብርኪ ኦም ክነብፅሖ ኣለና።  እንተዘይተነከባኺብናዮ ምትካል ጥራሕ ውፅኢት ኣየምፅእን ስለዚ ሕብረተሰብና ኣብዚ ንደሃር ክብል ከምዘይብሉ ኢና ክንሕብር ንደሊ። እቲ በዓል ሞያ ኣብዚ ምስ ህዝቢ ክረዳዳእ እቲ ኣመራርሓ ‘ውን ነዚ ክመርሕ ኢና ክንፅውዕ ንደሊ።

ካልኣይ እቲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝትከል ተኸላ ‘ውን ኩሉ ህዘቢ ወፂኡ ኣብተን ዝተፈቀደለን ወረዳታት ኸቲቱ ዕውት ዝኾነ ስራሕ ሰሪሕና ንሕና ተጋሩ ንልምዓት ዘለና ተበግሶ ዝኾነ ይኹን ፃውዒት ክነመስክር ክንኽእል ኣለና። ህዝብና ኣብዚ ክረባረብ በዓል ሞያ ‘ውን ነዚ ብውነ ክመርሖ ኢና ክንፅውዕ ንደሊ። ስለዚ ከምዚ ገይርና እነተሰሪሕና ከዓ ኣብዝሓፀረ ግዘ ናብ ዝነበርናዮ ክንምለስ ንኽእል ኢና ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ:- ኣብ ዝተፃበበ ግዜኦም ኣሸጋሽጎም ንዝሃቡኒ ሓበሬታን መብርህን የቐንየለይ።

ኣይተ ተስፋይ:– ኣነ ‘ውን የቐንየለይ

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 16 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You