በዓል ኣሸንዳን መስቀልን ብመልክዕ ቱሪዝም ንሃገርና ምስ ዓለም ነላልየሉ ዓብይን መፍለይናን ባህልና ‘ዩ – መምህር መሰረት ኣለማየሁ፣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም መምህር ቋንቋን ስነፅሑፍን

ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከቡ ሃገር በቆል ዘይድህሰሱ ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝቶ ካብ ዘለዎም ሓድግታትና ሓደ ኣሸንዳ/ዓይነ-ዋሪ/ ማርያ ‘ዩ:: ኣሸንዳ ኣብ መላእ ከባብታት ትግራይ በብዓመቱ ካብ ፍርቂ ነሓሰ ክሳብ መወዳእታ እቲ ወርሒ፤ ኣብ ገለ ገሊኡ ድማ ክሳብ መስቀል ዝኽበር ባህላዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ‘ዩ።

ዋላ እኳ መሰረታዊ ትሕዝቶን ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ ተመሳሳሊ ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝተፈላለየ ሹማት ኣለዎ። ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባብታት ኣሸንዳ ክበሃል እንከሎ፤ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ‘ውን ማርያ፣ ኣብ ከባቢ ኣክሱም ድማ ዓይኒ- ዋሪ፣ ኣብ ከባብታት ላዕላይ ፀለምቲ ድማ ሒንግደይ-ፅሞረይ እናተብሃለ ይፍለጥ። ቆልዑ ኣሸንዳ ብባህላዊ ዓለባ፣ ቁኖን መመላኽዕን ደሚቐን ወደሳን ፀወታን ዘካይዳሉ ቕነ ‘ዩ።

ኣሸንዳ ስዒቡ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽበር ዓብይ በዓል ድማ ሓዱሽ ዓመት ‘ዩ፤ ሓድሽ ዓመት ከም ሽሙ ነባር ሓደ ዓመት ተወዲኡ ሓድሽ ዓመት ምምፅኡ ዘበስር ወርሒ ‘ዩ። ካብ ደመናን ቀትርን ለይትን ዝዘንብ ዝነበረ ዝናብ ጠጠው ኢሉ ዝኣረገ ዓመት ንድሕሪት ገዲፍና ሓድሽ ዓመት ንምቕባል ሃንሰይ መስቀለይ መፂኻ ዶ እናተብሃለ ዝድረፈሉ ከምኡ ‘ውን መንደራት ቆልዑ ተኣኪቦም ሆያሆየ ዝብልሉ ወርሒ መስከረም መጀመርያ ‘ዩ።

ድሽ ዓመት ሓሊፉ ትፅቢት ዝግበር በዓል መስቀል ሃይማኖታዊን ባህላዉን ትሕዝቶ ዘለዎ ተፈታዊ በዓል ኮይኑ ኣብ መላእ ኢትዮጽያ ዝኽበር ‘ዩ። ብፍላይ ከዓ ኣብ ትግራይ ዓዲግራትን ኢሮብን ዝበሉ ከባቢ ፤ ዝሓዘ ሒዙ ዓዱ ኣትዩ ምስ ቤተሰቡ ዘሕልፎን ‘ዩ፤ ንምዃኑ እዚኦም ተኸታቲሎም ዝኽበሩ በዓላት ትሕዝቶኦም ከመይ ይግለፅ? ኣብ ቱሪዝም ትግራይ ዘምፅእዎ ለውጢስ እንታይ ይመስል? ክንብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም መምህር ቋንቋን ስነፅሑፍን ምስ ዝኾና መሰረት ኣለማየሁ ዝገበርናዮ ቃለ መሕተት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና። ሰናይ ንባብ!

 ወጋሕታ፡- እናተኻየደ ዘሎ ቅንያት ባዓል ኣሸንዳ ከመይ ይሪአኦ ?

መምህር መሰረት፡- ባህላዊ ልምድታትን ፀጋታትን ሓደ ሕብረተሰብ ካብቲ ዘበርክትዎ ቁሳዊን ስነ-ቓለዉን ሃፍቲ ብተወሳኺ ናይቲ ዝውንኖም ሕብረተሰብ መነባብሮ፤ ስነምግባርን መስተጋብርን ብሓፈሻ ድማ ፍልስፍና-ሂወት መመላኸትቲ ‘ዮም።

ኣሸንዳ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኽራማት ካብ 16-23 ነሓሰ ብባህላዊ ናውቲ ፅባቐ ዝተመላኽዓ ጎራዙን ህፃውንቲ ደቂ ኣንስትዮ ብነፃነት እናደረፋ፣ እናጎየላ፣ እናሳዕስዓ፣ እናሞጎሳን ሂስ እናሃባን ዘሕልፍኦ ባህላዊ በዓል ‘ዩ። ኣሸንዳ ብደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ድማ ደናግል ዝኽበር ናይ ኣደባባይ ባዓል እንትኸውን ካብ ነሓሰ 16 ጀሚሩ ኣብ ከተማ ንስለስተ ማዓልትታት ኣብ ኸባቢ ገጠራት ድማ ንሸውዓተ ማዓልትታት ኣሸንዳ ይኽበር።

ብነፃነት ደቂ ኣንስትዮ ዝፃወታሉ፤ ማሕበረሰባዊ ሂስ ዝህባሉ፣ ክውገዝ ዘለዎ ዘውግዛሉ ዕድል ዝተውሃበን ማዓልቲ እንትትኾን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዓመት ተፀብያ ወቂባ ፀቢቓ እትውዕለሉ ግዜ ‘ዩ ። እዚ ድማ እናኽበርናዮ ዘለና ቅነ ኣሸንዳ እናተስተውዓለ ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ባህሊ እቲ ማሕበረሰብ ዝተደረኸ ኣከዳድናን ኣሰራርሓ ፀጉርን ነቲ ባዓል ድምቀት ኾይኑ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኣሸንዳ ኣብ ሐዚ እዋን ትኽክልኛ ናይቲ ማሕበረሰብ ባህሊ እናንፀባረቐ ‘ዩ ክንብል ንኽእል ዶ?

መምህር መሰረት፡- ብፍላይ ኸዚ ኸዚ ስሩዕ ዝኾነ ናይቲ ማሕበረሰብ ባህሊ ኣብ ምንፅብራቕ ናይ ባዕሉ ግደ እናተፃወተ ‘ዩ ክንብል ንኽእል ኢና። በዓል ኣሸንዳ ሃይማኖታዊ ‘ዩ ባህላዊ ‘ዩ ዝብሉ ዝተፈላለየ ምሁራን እኳ እንተሃለወ ዘይሩ ዘይሩ ግና ባህላውነቱ ጎሊሁ ዝረኣየሉ ኣጋጣሚ እናረእና ኢና።

እዚ ባህላዊ ባዓል እዚ ዘይተበረዘ ባህሊ ሒዙ ዝመፀ ባህላዊ ፀወታ ‘ዩ። ብዙሕ ግዜ ብዘመናዊነት፣ ብኣነባብራ ለውጢ ተበሪዞም ባህላውነቶም ሓልዮም ዘይኽበረሎም ባዓላት እንተጋጥሙ ንርኢ ኢና። በዓል ኣሸንዳ ግን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኣሰራርሓ ፀጉሪ ጀሚሩ ካብ ዝኽደነኦ ኽዳን ናይቲ ኸባቢ ኢደ ጥበብ ውፅኢት ስለዝኾነ ባህላዊ ካብ ዘብሎም እቲ ሓደ እዚ ‘ዩ። ትኽክለኛ ናይቲ ማሕበረሰብ ባህሊ ክረአ ካብ ዝግበሩ ባህላዊ ባዓል ‘ዩ።

ኣብቲ ግዜ ዝድረፉ ግጥምታትን ዜማታትን ዝገልፀሉ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ትርጉም ዝሓዘ ‘ዩ። ካብዚኦም እቲ ሓደ ማሕበረሰባዊ ሂስ ምሃብ ፣ዝድነቕ ንምድናቕ ፣ዝኽበር ምኽባር፣ ክስተኻኸል ዘለዎ ነገር ድማ ንክስተኻኸል ናይ ምግላፅ ዕድልን ነፃነትን ንደቂ ኣሸንዳ ተዋሂብወን ‘ዩ። እዚ ድማ ዘቕርባሉ መገዲ ዝተፈላለየ ክዋነታት እናደረፋ እናዘለላ ዘቕርብኦ ስለዝኾነን ሳሓቢነቱ ልዕሉ ‘ዩ። ኣብ ምፍላጥ ባህሊ እቲ ማሕበረሰብ ጎሊሁ እናተርአየ ‘ዩ።

ምናልባት ክእረም ኣለዎ ኢለ ሓሳብ ከቕርብ ዝደሊ ኣብ ቀረባ እናረእናዮ ዘለና ኣብ ሓደ ቦታ ተሰብሲብካ ብባንዲ ምኽባር ፣መስተ ምስታይ ፣ባዕልኻ ዘይምሕላው ከምዘለዉ ይዝረቡ። እዚ ነገር ክውገዝ ዘለዎን እዚ ባህሊ በዚ መልክዑ ዝመፀ ኣይኮነን። ጭራሽ ‘ውን ካብ ባህሊ ወፃኢ ‘ዩ። ማሕበረሰብ ዘለዉዎ ፅቡቑዓት ዝኾኑ እሴታት ዘውርዱ ስለዝኾኑ ትኹረት ተገይርሎም እቲ ትኽክለኛ ባህሊ ተሓልዩ ክግለፅ ኣለዎ ።

ኣሸንዳ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዝተፈለለዩ ከባብታት ዓለም ዝርከቡ ማሕበረሰብ ትግራይ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ድማ ከከም ከባቢኦምን ኣብ ዝጥዕሞም እንተኽብርዎ ይረአ ‘ዩ ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ባህሊ ኣሸንዳ እንተብዕላን ተፈላጥነቱ ድማ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናወሰኸ ይርከብ። እዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ቤት ምኽሪ ከተማ ዴንቨር ኣሸንዳ ዓመታዊ ክብረ ባዓል ኮሎራዶ ኾይኑ ክባዓል ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ይርከብ። እዚ ድማ በዓል ኣሸንዳ ንቀፃሊ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ዝግበር ፃፅሪ ዘበረታትዕ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ባዓል ኣሸንዳ ነፃነት ጓል ኣንስተይቲ ይባሃል እዚ እንታይ ንምግላፅ ተደልዩ ‘ዩ ?

መምህር መሰረት፡- ደቂ አሸንዳ በዚሐን ፀቢቐንን ወቂበንን ናይ እንኳዕ አብፀሐኩም ባህላዊ ዜመአን ዘቕርባሉ ካብ ዝተፈላለየ መሕበረሰብ ተውፃእፂአን ሓቢረን ደስተአን ዝገልፃሉ አሸንዳ ናበላ ዝኣከበኦ ገንዘብ ሒዘን ድማ ናብ መፅብዓ ማለት ‘ውን ቤተ-ክርስትያን ሒዘን ብምኻድ ምስጋነአን ዘብፅሓሉን ውዳሴአን ዝውድሳሉን ዝተኸበረ ሃይማኖታዊ ባህላውን ‘ዩ።

እዚ ስዒቡ ምስ በዓል ኣሸንዳ ተደሓሒዙ ዝላዓል እቲ ዋና ነገር ነፃነት ‘ዩ፤ ጓል ኣንስተይቲ ብፍላይ ድማ ኣብ ኸባቢ ሰሜን ባህሊ ናይ ምጥባቕ ኣተዓባብያ ስለዘለና ነፃነትና ዝተገደበ ከምዝኾነ ይፍለጥ። ጓል ኣንስተይቲ ናብ ደገ ኣይትወፅእን፣ብዙሕ ቦታ ኣይትረአይን ኣብ ጓዳ ምስ ኣዲኣ ስራሕ ብምሕጋዝ ‘ያ እተሕልፎ። ኣብ ባዓል ኣሸንዳ ግን ካብ ስራሕ ነፃ ‘ያ፤ ስራሕ ስርሒ እትብላ ኣዶ የላን። ንጓላ ኮሓሒላ ኣፀባቢቓ ንክትፃወት እትፈቐደላ ግዜ ስለዝኾነ በዚ መልክዑ እዩ ነፃነት ተባሂሉ ዝግለፅ።

ግና ነፃነት ጓል ኣንስተይቲ ክሳብ ምንታይ እዩ ? ዝብል ምርኣይ የድሊ። ነፃነት እንትባሃል ገደቡ ዝሓለወ ‘ዩ። ብነፃነት እትፃወተሉ ፣ሓሳባ ከም ደስ ዝበላ እትገልፀሉ፣ ናብ ጓዳ ኣቲኺ ስርሒ ዘይትባሃለሉ እንበር ኣብ ደገ ምሕዳር ፣ መስተ ምስታይ ዝኣመሰሉ ኣካይዳ እዚ ንጓል ኣሸንዳ ነፃነት ኣይገልፅን። ነዚ ‘ውን እዩ ነፃነት ጓል ኣሸንዳ ገደብ ዘለዎ ‘ዩ ዝባሃል።

ወጋሕታ፡- ድሕሪ ሰሙናት ሓድሽ ዓመትን መስቀልን ክኽበሩ ‘ዮም፤ ብፍላይ በዓል መስቀል ብዙሓት ዑደኛታት ዝዕደምሉ ባዓል ብምዃኑ ከም መስሕብ ቱሪዝም ከመይ ክንገልፆ ንኽእል ?

መምህር መሰረት፡– ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣዋርሕ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ‘ዩ። ከምዝፍለጥ ናይ ኣዋርሕ መጀመርያ ጥራሕ ኣይኮነን። እዚ ወርሒ ድማ ነባር ሓደ ዓመት ተወዲኡ ሓድሽ ዓመት ምምፅኡ ዘበስር ወርሒ ‘ዩ።

እዚ ሓድሽ ወርሕን ዓመትን ሓድሽ ዓመት ፣ እንቁጣጣሽ ፣ ቅዱስ ዮሃንስ እናተብሃለ ይፅዋዕ። ሓዱሽ ዓመት ማሕበረሰብ ዘቀራርብ ፣ ጎረቤት ንጎረቤት፣ ቤተሰብ ንቤተሰብ ኣተኣኻኺቡ ሰላምን ፍቕርን ተስፋን ሒዙ ዝመፅእ ከምኡ ድማ ሰባት ኣዝማድ ሰናይ ትምኒት ከም መግለፂ ካብ እንጥቀመሎም ባዓላት እቲ ሓደ ‘ዩ።

ኣብነት ፀልማት ከምኡ ‘ውን መሻገሪ ሓድሽ ተስፋ ተገይሩ ዝውሰድ እዋን ክረምቲ ሓሊፉ ቀትርን ለይትን ዝዘንብ ዝነበረ ዝናብ ጠጠው ኢሉ ብርሃን ዝኾነሉ ዝኣረገ ዓመት ንድሕሪት ገዲፍና ሓድሽ ዓመት ብሃንቀውታ ንምቕባል ሃንሰይ መስቀለይ መፂኻ ዶ እናተብሃለ ዝድረፈሉ ከምኡ ‘ውን መንደራት ቆልዑ ተኣኪቦም ሆያሆየ ዝብልሉ ወርሒ መስከረም ሰባት ‘ውን ሓድሽ ትልሚ ኣውፂኦም ንቅድሚት ዝስጉምሉ እዋን ‘ዩ። ብምዃኑ ድማ ብተስፋ ተመሊእኻ እትኽብሮ ባዓል ስለዝኾነ ፍሉይ ዝገብሮ ‘ዩ።

በዓል መስቀል ኣብ ትግራይ ብድምቀት ዝኽበር ባዓል ከምዝኾነ ይፍለጥ። ብፍላይ ድማ ኣብ ዓድግራትን ህዝቢ ብሄረሰብ ኢሮብን በዓል መስቀል ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብዝደመቐ ኣገባብ ዘኽብሮ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓል ‘ዩ። ሰባት መስቀል ንምኽባር ከካብ ዘለውዎ ናብ ከባቢኦምን ናብ ቤተሰቦምን ዝተኣኻኸብሉ በዓል ‘ውን ‘ዩ።

ኣብ ከተማ መቐለ ‘ውን መስቀል ብፍሉይ ‘ጎቦ ጮምዓ’ ን ‘እንዳ ፀባን’ ኣብ ዝበሃሉ ቦታታት ብድሙቕ ‘ዩ ዝኽበር። ካብ ፅባሕ ሓዱሽ ዓመት ጀሚሩ ብናፍቆት ትፅቢት ዝግበሮ በዓል መስቀል ሃይማኖታዊን ባህላዉን ትሕዝቶ ዘለዎ ተፈታዊ በዓል ኮይኑ ኣብ መላእ ትግራይ ህዝቢ ብጉሓቱ ብምውፃእ ዘኽብሮ በዓል ‘ዩ።

ኣብ ትግራይ ከባቢ ዓጋመ ኢሮብ ከምኡ ‘ውን ኣብ ጉራጌን ፍሉይ ቆላሕታ ዘለዎን ቤተሰብ ንቤተሰብ ዝጠያየቁሉን ብፍሉይ ምትእስሳር ዘለዎን በዓል ብምዃኑ ኣብ ካሊእ ከባቢ ካብ ዝኽበር ቁሩብ ፍልይ የብሎ። እዚ ባዓል ናይ ደገ ባዓል ስለዝኾነ ፍሉይ ክዋነ ስለዘለዎን በፃሕቲ ዓዲ ዝሳሓብሉ ‘ዩ። ባዓል መስቀል እንትኽበር ካብ ወፃኢ ዓዲ ብዙሕ ተዓዳሚ ዝመፀሉ በዓል ስለዝኾነ ፍልፍል ቱሪዝም ብምዃን ዓብይ ግደ ዘለዎ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ብዝግባእ ትኹረት ገይርና ክንጥቀመሉ ይግባእ።

ወጋሕታ፡- ባዓላት ተኸታቲሎም ምኽባሮም ኣብ ቱሪዝም ትግራይ ዘምፅእዎ ረብሓ እንታይ ይመስል?

መምህር መሰረት፡– ምስ ቱሪዝም ተደሓሒዙ ዘለዎ ረብሓ እዚኦም በዓላት ንቱሪዝም ዓብይ መስሕብ ዘለዎም ባዓል ‘ዩ፤ ወፃእቲ ዓዲ መፂኦም ዑደት ንክገብሩ ዕድል ዝህብን ምችው ዝባሃል ኣጋጣምን ‘ዩ። ምስ እዚ ተደሓሒዙ ሆቴላት፣ ባህላዊ መጋየፅታት ፣ ባህላዊ ኣልባሳት ሃገር ቦቀል ዝኾኑ ናውቲ ተጠቒመን ዘብዕለኦን እዚ ድማ ነቲ ኣምረቲ ዝኾኑ ኣካላት ዓብይ ናይ ገንዘብ ኣታዊ ‘ዩ።

በዓል መስቀል ድማ ፍሉይ ዝኾነ ክንዋነ ስለዘለዎ ዑደተኛታት ናብቲ ዝኽበርሉ ቦታ እንትኸዱ ሆቴላትን ካልኦት ግልጋሎትን ተረባሕቲ ዝገብር ‘ዩ። እቶም ዑደት ዝገብሩ ዝመፁ ኣጋይሽ ኣሸንዳ ወይም መስቀል ጥራሕ ሪኦም የኾኑይ ዝኸዱ ናይቲ ማሕበረሰብ ባህሊ ዝምልከትሉ ዕደል ‘ውን ዘለዎ ‘ዩ። ወፃእቲ ዓዲ እንትመፁ ካብ ዝምልከተዎምን ዝሰሓብሎምን እቲ ሓደ ሃገረሰባዊ ኢደ ጥበብ እቲ ዋና ‘ዩ።

ስለዚ ብጥንቃቐ ትኹረት ተገይርሉ ‘ዩ ክረአ ዝግባእ ። እዚ በዓል ደቂ- ኣንስትዮ ኾነ በዓል መስቀል ታሪካዊ ባህላዊ ሃይማኖታዊ ትውፊቱ ዝሓለወ ትሕዝቶ ዘለዎ ንዘመናት ዘሻግርን እዩ። ብፍላይ አብዚ ዘለናዮ ግዜ በዓል አሸንዳን መስቀል ብመልክዕ ቱሪዝም ንሃገርና ምስ ዓለም ነላልየሉ ዓብይን መፍለይና ባህልና ‘ዩ ።

ተኸታቲሎም ዝመፁ ባዓላት ኣብ እታዎት ቱሪዝም ክንጥቀመሎም ይግባእ። ከምዚኦም ዝበሉ በዓላት ብቀንዱ ባህላዊን ሃይማኖታት ትውፊታት ካብ ምፍላጥን ብተወሳኺ ፍልፍል ኣታዊ ኣብ ምምፃእ ናይ ባዕሎም ተራ ንክፃወቱ ብርክት ዝበሉ ንጥፈታት ክካየዱ ይግባእ።

በዓላትና ንዝተፈጠረሎም መሰረታዊ ምስሊ ወይ ረብሓ ካብ ምኽባር ብተወሳኺ ጎና ጎኒ ድማ ናይቲ በዓል ወናኒ ዝኾነ ህዝቢ ካብቲ ባህላውን ሃይማኖታውን ረብሓ ዝዘለለ ብዙሓት ረብሓታት ዘዕውቱሉ መድረኻት ኣብ ምግባር ምስራሕ ይግባእ ። እዚ ድማ እቲ ዑደተኛ ሕጉስ ኾይኑ ንኻልኣይ ግዜ ከምዝምልስ ገይርካ ምትእንጋድ የድሊ። ኣብ ትግራይ እንድሕር ሰሪሕናሎም ብዙሓት መስሕባት ቱሪዝም ዝኾኑ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ቅርስታት ዘለዎ ‘ያ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

መምህር መሰረት፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 23 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You