“ኹሉ ወዲ ሰብ ሓደ ስለዝኾነ ብሰላምን ፍቕርን ተረዳዲኡ ክነብር ኣለዎ” – ኣባ ጥኡመ ልሳን ኪዳነማርያም

ናይ ሎሚ ጋሻና ሊቀ ልቃውንት ኣባ ጥዑመ ልሳን ኪዳነማርያም ናይ መንበረ መንግስት ግቢ ቅዱስ ገብርኤል ገዳም ዋና ኣመሓዳሪ ‘ዮም።

ኣባ ጥዑመ ልሳን ኪዳነማርያም ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መፃሕፍቲ ብምፅሓፍ ዝፍለጡ ኮይኖም፤ ኣብ ትግራይ ዞባ ማእኸል ኣብ ተንቤን ብ1956 ዓ.ም ተወሊዶም ክሳብ መዓርገ ዲቁና ኣብ ዝተወለዱሉ ክባቢ ዝተመሃሩን፤ ብድሕሪኡ ንተወሳኺ ትምህርቲ ናብ ከባቢ ጎንደር ብምኻድ ዝተፈላለዩ መንፍሳዊ ትምህርታት ንዓመታት ድሕሪ ምምሃር ናብ ደብረ ኣባይ ብምኻድ ምንኩስና ተቀቢሎም ናብ ከባቢ ጎንደር ብምምላስ ኣብ ዝተፍላለዩ ከባቢታት ማለት ‘ውን ኣብ ገዳም ዋንጫ፣ ከባቢታት ቋራን ደንብያን ንዓመታት እናተዘዋወሩ ብዋናነት መዝገብ ቅዳሴ ኣምሂሮም ‘ዮም።

ኣብዚ ንዓመታት ዘኻዕበትዎ ፍልጠት ናብ ብዙሓት ንክባፃሕ ብምሕሳብ መፅሓፍ ከሕትሙ ሓሲቦም ናብ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ መፂኦም። ኣብዚ ድማ ክሳብ ሐዚ ን30 ዓመታት እናገልገሉ ኣብ ዝፀንሕሉ እዋናት ኣርባዕተ መንፈሳዊ መፃሕፍቲ ፅሒፎም ናብ ሕትመት ኣብቂዖም ‘ዮም።ካብዞም ዝተሓተሙ መፃሕፍቶም መፅሓፈ ቅዳሴ ዝተመለከተ (ዜማታት እቲ ቅዳሴ ብያሬዳዊ ምልክታት ወይ ኖታት ዜማ ዝተመልከተ) ብቋንቋ ብግእዝን ኣምሓርኛን ከምኡ ‘ውን መፅሓፈ ሰኣታት ምስ ምልክቱ (ብፍላይ ኣብ እዋን ፆመ ኣርብዓ ብስፍሓት ኣብ ግለጋሎት ዝውዕል) መፅሓፈ ግፃዌ ምስ ምልክቱ እዚ መፅሓፍ ድማ ነቲ ዕለት መሰረት ገይሩ በቢዕለቱ እንታይ ይንበብ እንታይ ይስበኽ ዝገልፅ ‘ዩ።

ፅሓፈ ሕማማት ምስ ምልክቱ፤ እዚ ድማ ኣብ እዋን ሰሙን ሕማማት ስርዓት ፆሎታት ዝገልፅ ‘ዩ። እዞም መፃሕፍቲ ኣብ ኢድ ብዙሓት ንክበፅሑን ብምግባር ብዙሓት ንክግልገሉ ገይሮም ‘ዮም። ካብዚ ብተወሳኺ ክሳብ ሐዚ ን23 ዓመታት ዝኸውን ብኣመሓዳሪነት እናገልገሉ ይርከቡ።

ሊቀልቃውንት ኣባ ጥዑመ ልሳን ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ብዛዕባ መበገሲ ምኽባር ሓዱሽ ዓመትን ኣከባበርኡን መንፈሳን ስጋውን ዘለዎ ረብሓን ኣብቲ ሓዱሽ ዓመት ክግበር ዘለዎ መልእኽታትን ምኽርታትን ካልኦት መሰል ሓሳባትን ከምዚ ዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣልና። ሰናይ ንባብ፡-

ወጋሕታ:- መበገሲ ወይ ፍልፍል ናይዚ እንጥቀመሉ ዘለና ዘመን መቁፀሪ ዓመተ ምህረትን ኣከባብርኡን እንታይ ‘ዩ?

ሊቀልቃውንት ኣባ ጥዑመ ልሳን:- ናይዚ እነኽብሮ ዘለና በዓል ሽሙ ርእሰ ኣውደ ኣመት ቅዱስ የውሃንስ ይብሃል። ብሓደ ሓደ ከባቢታት ድማ ብፍላይ ብከባቢ ኣምሓራ እንቁጣጣሽ እናተበሃለ ‘ዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ትግራይ እኳ ብቆልዕነተይ ስለ ዝወፃእኹ እንታይ ከምዝብሃል ረሲዐዮ ኣለኹ ቅዱስ የውሃንስ ከምዝብሃል ጥራሕ ‘የ ዝፈልጥ። መሰጋገሪ ስለዝኾነ ናይ ዘመን መለወጢ ተባሂሉ ‘ውን ይፍለጥ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ቅዱስ የውሃንስ ተባሂሉ ዝፍለጥ በዓል ብመጥምቀ መለኮት ቅዱስ የውሃንስ ዝተፀውዐ በዓል ‘ዩ።

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ የውሃንስ ኣብ ማእኸል ብሉይን ሃዲስን እዋን ዝመፅአ ‘ዩ። ብተወሳኺ ሓዋርያ፣ ሰማእትን ነብይን ‘ውን ‘ዩ። ኣቡኡ ‘ውን እንተኾነ ከምኡ ‘ዩ። ካህን፣ ነብይ፣ ሓዋርያ ‘ዩ ዝብሃል። ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምፅናሱ ብሽዱሽተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ቀዲሙ ዝተፀነሰ ‘ዩ። ንጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ኣብ 30 ዓመቱ ዘጥመቆ ‘ውን ንሱ ‘ዩ።

ቅዱስ የውሃንስ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ትምህረቱ የምህሮ ካብ ዝነበረ፤ ኢሳይያስ ብትንቢት ከምዝተናገርሉ፤ ኣነ ብቅድሜኻ መንገዲ ዝፀርገልካ ሰብ ክልእኸለካ ‘የ። ብገዳም ዘምህር ዝሰብኽ ክልእኽ ‘የ። ንሱ ‘ውን ቃለ ኣዋዲ ተባሂሉ ይፅዋዕ ኢሉ፤ ናይ መሰጋገሪ ቅድሚ ጎይታና ኢየሱስ ናይ ንስሃ ጥምቀት ዘጥምቅ ናይ ሓጥያት መስተስርይ ትምህርቲ ዘምህር ስለዝነበረ መሰጋገሪ ‘ዩ ነይሩ።

ሓዚ ‘ውን ካብ ዘመን ብሉይ ናብ ዘመን ሃዲስ ዝተሰጋገርናላ ዘመን ስለ ዝኾነት፤ ሊቃውንቲ ነታ በዓል ብእኡ ክትፅዋዕ ገይሮምዋ። ናይ መሰጋገሪት ስለዝኾነት። ብኣጋጣሚ ‘ውን ዋዜማ ምትረተ ርእሱ ወይ ርእሱ ዝተቆረፀሉ መዓልቲ ‘ዩ። ካሊእ ስራሕ ዝሰረሐላ ስለ ዘይኮነስ መሰጋገሪ ስለዝኾነ ‘ዩ። ስለዚ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ በዓል ዓብይ ገይርና ነኽብሮ ማለት ‘ዩ።

በቢዓመቱ እቲ ዝሓለፈ ዘመን (ዓመት) ከምብሉይ ገይርና ንወስዶ እቲ ዝመፅእ ዓመት ድማ ከም ሃዲስ ኢና ንሪኦ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዘመን ፅቡቅ ስራሕ እንተዘይሰሪሕና ነይርና ብመንፈስ ተሓዲስና ፅቡቅ ንምስራሕ ተሊምና ንዝመፅእ ዘመን እንሰርሐሉ ‘ዩ። ብስጋና ‘ውን ንሰብና ንዘመድናን ንዓድናን ፅቡቅ ዝጠቅም ስራሕ ተሊምና ክንሰርሕሉ ከም ዝግባእ ‘ዩ ቅዱስ የውሃንስ ዘረድአናን ዘምህረናን። ዝሓለፈ ዘመን ሰላም ዘይረኽበና እንተነይርና ዝመፅእ ዘመን ሰላም ከንረክብ ተዓጢቅና ክንስርሕ ኣለና።

ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ሕማቅ ስራሕ ንሰርሕ እንተነይርና ነቲ ዝመፅእ ፅቡቅ ንክኾነለና፤ መቸም እቲ ዘመን ብዓርሱ ሕማቅ ወይ ፅቡቅ ኣይኮነን። ብዓርሱ እቲ ዘመን ሓዱሽ ወይ ኣረጊት ዘይኮነስ ባዕለና ኢና ነእርጎን ነሐድሶን። ኣንሕና ፅቡቅ እንተሰሪሕ ፅቡቕ ይኸውን ሕማቕ እንተሰሪሐና ድማ ሕማቕ ይኸውን። ስለዚ እቲ ዝሰራሕናዮ ስራሕ እናስታወስና ዝነበረ ሕማቕ ብኡ ከይቕፅል እንሓስበሉን እንትልመሉን ዘመን በዓል ‘ዩ። ናይዚ በዓል መሰረቱ ወይ መበገሲኡ እዚ ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ቅዱስ ያሬድ “ርእሰ ኣውደ ኣመት የውሃንስ” እናበለ ከዝይም ከሎ እንታይ ንምግላፅ ‘ዩ?

ሊቀልቃውንት ኣባ ጥዑመ ልሳን:- እቲ ዓንተዎ ዝበለኩኻ “ርእሰ ኣውደ ኣመት የውሃንስ” ክብል ከሎ ናይ በዓላት ኩሉ ርእሲ ወይ ልዑል፣ ሓላፊ፣ ቀዳማይ፣ ፈላማይ ከም ማለት ‘ዩ። እዚ ድማ በዓል ቅዱስ የውሃንስ ኣብዚ ስለ ዝኽበር ነቲ በዓል መበገሲ ብምግባር ‘ዩ ከምኡ ኢሉ ዝገለፆ። “ወላዴ መጥቅእ ወኣበቅቴ” ይብሎ ‘ዩ።

ናይ መጥቅእን ኣበቅቴን (መቀመሪ፣ መሕሰቢ፣ መበገሲ ኣፅዋማትን በዓላትን) ወላዲ ‘ውን እናበሉ ሊቃውንቲ የዚምሉ ‘ዮም። ምኽንያቱ ካብ ሰዓት ናብ መዓልቲ፣ ካብ መዓልቲ ናብ ሰሙን፣ ካብ ሰሙን ናብ ወርሒ ናብ ዓመት (365 መዓለታት) ብሙልአን ደቂቅ፣ ካሊኢት፣ ሳልሲት ሃምሲት ዝበሃል ዝነአሰ ናይ ግዘ መቑፀሪ ከይተረፈ ተቆፂረን ‘የን እተን በዓላትን ኣፅዋማትን ዝወፃ። ኣብዚ በዓል ስለዝኾነ ‘ዩ ወላዴ መጥቅእ ወኣበቅቴ ዝብሎ።

ወጋሕታ:- እዚ እነኽብሮ በዓል ቅዱስ የውሃንስ ይኹን ካልኦት ኣብ ኣደባባያት ዝኽበሩ በዓላት ብመንፈሳዊ ይኹን ብስጋዊ ዘለዎ ረብሓ እንታይ ይመስል? ብፍላይ ምስ ምንቕስቓስ ቱሪዝም፣ ንግደትን ኩስምን ንሃገር ይኹን ውለቀ ሰባት ዘለዎ ረብሓ?

ሊቀልቃውንት ኣባ ጥዑመ ልሳን:- በዓላት ከም ኣሰራርሓኻን ኣፈፃፅማኻን ‘ዩ። በዓላት ፅቡቅ ‘ዩ። በዓላት ‘ውን ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ እንተኾይኖም መጥፍኢ ‘ዩ። በዓላት ክነኽብር ከለና ብምድርን ብሰማይን ኢና እነኽብሮም፤ ስለዝኾነ እግዚኣብሄር ክነመስግን ከለና ንባዕልና ብመንፈስና ንሕጎስ ብስጋና ‘ውን ደስ ይብለና።

ነገር ግን እነኽብሮ በዓል ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ እንተኾይኑ ብዙሕ ገንዝብ ስለ ዘውፃእኻ ዋጋ የብሉን። ዋና ናይ ውሽጢ ልብኻ ታሕጓስ እምበር ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለዝበላዕና ኣይኮንን በዓል እነኽብሮ። ብሓፈሻ እቶም በዓላት ምኽባሮም ግና ዓዲ የፅውዕ ዓዲ የኽብር፤ ካብ ውሽጢ ዓዲ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ወፃኢ ቱሪስታት መፂኦም ከም መስቐል ጥምቀት ከኽብርዎ ይገብር።

ቅዱስ ዮሃንስ እንተኾነ ‘ውን ኣንሕና ብደንቢ ገይርና ስለዘይነኽበሮ ‘ዩ እምበር ዓብይ በዓል ‘ዩ። እቲ በዓል ናብ መንፈሳዊ ትሕዝትኡ ወሲድና ክነኽብሮ ከለና ‘ዩ እቲ በዓል ‘ውን ዝደምቕ። እቲ በዓል ናብ ዓላማዊ ወሲድና ናይ ዓመት መለወጢ ‘ዩ ጥራሕ እንተይልና ብዙሕ ዋጋ የብሉን። ናብቲ መንፈሳዊ እነተወሲደናዮ ግና ኹሉ ይርድኦን ይግደሰሉን ‘ሞ እቲ በዓል ‘ውን ዓብዪ ይኸውን። ስለዚ ብሓፈሻ በዓል ጥቅሚ ኣለዎ ጉድኣት ‘ውን ኣለዎ ‘ዩ። ካብቲ ጉደኣቱ ግና ጥቅሙ ይበልፅ።

ወጋሕታ:- ከምዚ ዝበሉ በዓላት እቲ ሕብረተሰብ ከመይ ከኽብሮም ኣለዎ? ብፍላይ ምስ ኽብርታት እቲ ሕብረተሰብ ዝኾኑ ምትሕግጋዝ ምድግጋፍ ኣብ ምዕቃብን ኣብ ምዕባይን ተተሓሒዙ ከመይ ክኸውን ኣለዎ?

ሊቀልቃውንት ኣባ ጥዑመ ልሳን:- ትኽከል ‘ዩ ኩሉ ግዘ ብመፅሓፍና ቕድሚ ዓርስና ንሰብ ኢና ክነቐድምን ክንሓስብን ዘለና። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዓርሱ ኣየቀደመን ንሰብ ዩ ዘቀደመ። ኣንሕና ብእምነት ኢና ንምስሎ እምበር ብተፈጥሮ ንሱ ፈጣሪና እንበር ምሳና ዝተፈጠረ ኣይኮነን። ንሱ ዘይፍጠር ኣምላክ ፈጣሪ ‘ዩ።

ኾይኑ ግና ንዝተፈጠሩ ሓዚኑ ጠፊእና ንከይንተርፍ ኣብዚ ዓለም ዝተቐበሎ መከራ ንዓና ኢሉ ‘ዩ። ንዓና ኣቐዲሙ ‘ዩ። እዚ ንኹሉ ኣብነት ክኾን ኣለዎ። ንሕና ድማ ንህዝብና ክንሓስብ ይግባእ። መጀመርታ ንህዝብና ንወገና ክንሓስብ ኣለና። ወገን ዝባሃል ሓደ ብተፈጥሮ ዝተወለደ ኹሉ ዘመድና ‘ዩ።

ኻልኣይ ድማ ብሃይማኖት ብእምነት ዝተወለደ ሓውና ‘ዩ። ስለዚ እከለ እከለ ከይበልና ዝኸፍኦ ሰብ እንተሃልዩ ክንረደኦ ይግባእ። ዝብላዕ ዝሰኣነ እንተሃልዩ ክነካፍሎ ይግባእ። ዝዓረቐ እንተሃልዩ ክነልብሶ ይግባእ። በዓል እንትነኽብር ዝተኣሰሩ እንተሃልዮም ከይድኻ ምሕታት፤ዝሓመመ እንተሃልዩ ምጥያቕ፤ ማሕበራዊ ናብራ ዝባሃል እዚ ‘ዩ።

ማሕበራዊ ማለት ሱቕ ኢልካ ታሕጓስ ሃፍታም ምስ ሃፍታም ወይ ድማ ዘለዎ ምስ ዘለዎ ተኣኪብካ ምብላዕ ኣይኮነን። ሃፍቲ ክህበና ከሎ፤ ጉልበት ክህበና ከሎ እኮ ንሰብ ክነገልግለሉ ‘ዩ። እቶም ጉልበት ዘይብሎም ክነገልግሎም ማለት ‘ዩ። እቶም ዝሓመሙ ንሕና ምእንታን ክንረድኦም ‘ዩ ጥዕና ዝሃበና።

ነቶም ሃፍቲ ዘይብሎም ሃፍቲ ዘለዎም ንክረድኡ፤ እቶም ፍልጠት ዘይብሎም እቶም ፍልጠት ዘለዎም ንክመኽሩ፤ ብሓፈሻ በሪ ኸፊቶም ክህቡ ማለት ‘ዩ። እዚ ኹሉ ዝሃበና እግዝኣብሄር ‘ዩ። ንሕና ጥራሕና ኢና መፂና ጥራሕና ኢና ንምለስ። ዝተውሃበና ንሕና ‘ውን ክንህብ ኣለና ብፍላይ ከምዚ በዓላት ክኾን ከሎ ክንተሓሳሰብ ኣለና። በዓል ዝባሃል እዚ ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ኣብ መወዳእታ ዘይተርፍ ክለዓል ኣለዎ ዝብለዎ ዘሕልፍዎ መለእኽቲ እንሃልዩ ዕድል ክህቦም?

ሊቀሊቃውንት ኣባ ጥዑመ ልሳን:- ክተርፍ ዘይግባእ ኢለ ዝሓሰቦ፡- ኣብ ሰሜን ዓድና ኸባቢ ዝስማዕ ዘሎ ንእሽተን ፅቡቕ ኣይኮነን። ብዙሓት ምሁራት ኣለው ‘ዮም። ግን ሙሁራት ኾይኖም ከምዘይተምሃሩ፣ ፈላጣት ኾይኖም ከምዘይፈልጡ ክኾኑ ንርኢ ኢና። ምኽንያቱ ሰብ እናተወደአ ሱቕ ኢልካ ምርኣይ፤ ብጥምየት፣ብፅምኢ ብምምዝባል ሰብ ብዙሕ መከራ እናረአየ ሱቕ ምባል ፅቡቕ ኣይኮነን። ዝተውሃበትና ዕድመን ዘመንን ሓፃር ‘ያ።

ሎሚ ኣለና ፅባሕ ንጉሆ የለናን። ሽምና ግን ነባራይ ‘ዩ፤ ስራሕና ግን ነባራይ ‘ዩ። እዛ በዓል እኳ እንተሪእና ኣሕዋትና ኣብ ፎቐድኡ ኬንዳ ‘ዮም ደቂሶም ዘለዉ። ወዲቒም መድሓኒት ዘይረኽብሉ ‘ዮም ዘለዉ፤ ነንባዕልና እንድሕር ዘይንተሓላለይ ኾይና ብጣዕሚ ኣፀጋሚ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ፖለቲካ ዘለዉ ሰባት ናብ ልቦም ክምለሱ ኣለዎም። ዓድና መቐመጢትና ‘ያ። መቐመጢና መን ‘ዩ ወገና ‘ዩ። ሰብ ብተፈጥርኡ ዓርሱ ፈታዊ እንድዩ ግና ድማ ሰብ ክፎቲ ኣለዎ።

እቲ ዘየረዳድአና ሕማም ክፍለጥ ኣለዎ። ሕማም ዘይፈልጥ ሕክምና ኣይርከበሉን። ምኽሪ ሰብ ዓብይ ሕክምና ‘ዩ። ናይ ኣቦታት ናይ ዓበይቲ ምኽሪ ተቐቢሎም ፖለቲከኛታት ናብ ሰላም ክምለሱ ይግባእ። በቢኸባቢና ክንፈላለ የብልናን ኹላትና ሓደ ቤተሰብ ኢና። ኹልና ሓደ ስለዝኾና ብሰላም ብፍቕሪ ተሓሳሲብና ተመኻኺርና ክንነብር ኣለና። ስለዚ ኣብዛ ባዓል እዚኣ እዚኣ ሓሲብና ናብ ሰላም ክምለስ እግዚኣብሄር ፍቓዱ ይኹነልና።

ወጋሕታ:-ንዝነበረና ፃንሒት ኣመስግን

ሊቀልቃውንት ኣባ ጥዑመ ልሳን:- ኣነ ‘ውን ኣመስግን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 2 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You