ህዝባዊ ዘተ ንሰላምን ምዕባለን

መሰረታዊ ሕቶታት ማሕበረሰብ ብምፍታሕ ሃገራዊ ዓወታት ክቕፅሉ ንምግባር ዝዓለመ ዘተ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተኻይዱ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ክልል ኣምሓራን ኦሮሚያን ዝተዛተዩ እትንኾን፣ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ከተማታት ዘተታት ተኻይዶም’ዮም።

ኣብቲ ምስ ተወከልቲ ክልል ኣምሓራን ኦሮሚያን ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ዘተ ተወከልቲ ህዝቢ ሕቶታቶም ዘቕረቡ እንትኾኑ ነቶም ሕቶታት ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተረኺቦም መልሲ ሂቦም ‘ዮም።

ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ተወከልቲ ኩሎም ዞባታት ክልል ኣምሓራ ዘቲዮም ‘ዮም ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ክልል ኣምሓራ ጠመተ ብምግባር ኣብ ኩሎም ከባቢታት እቲ ክልል ብላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ዝተገበረ ዘተ ስዒቡ ምስቶም ተወከልቲ ዘተ ከምዝገበሩ ገሊፆም።

እቲ ዘተ፤ ኣብቲ ክልል ዘጋጠሙ ቁልፊ ዛዕባታት ዝምልከት ከምዝኾነ ኣብሪሆም። ኣብቲ መድረኽ ዝቐረቡ ብዙሓት ዛዕባታት ምላሽ ብምሃብ ንሓበራዊ ዕላማ ሓበራዊ ፃዕሪ ናይ ምግባር ኣድላይነት ብኣፅንኦት ከምዝተዘተየሉ ሓቢሮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብቲ ዘተ ንዝተልዓሉ ሕቶተት ኣብ ዝሃብዎ መብሪሂ፣ ክልል ኣምሓራ ገና ካብ ኹናት ወፂኡ ዓመት ‘ኳ ተይመልኦ መኪናን ኣምቡላስን ምቅፃል ትኽክል ከምዘይኾነን ፤ሓሳባት እንተሃለወ ‘ውን ብዘተ ተዘራሪብካ መልሲ ተዋሂብዎ ተዘይኾይኑ ድማ ብይቅርታ ምሕላፍ ‘ምበር ምቅትታል ከምዘየድሊ ገሊፆም ‘ዮም።

ዓቕሚ ብዝፈቐደ መጠን ሰላምን ልምዓትን ኣምፂእና ምሳኹም ብፍቕሪ ምንባር ጥራሕ ኢና እንደልዮ ካብዚ ዝተፈለየ ኣጀንዳ ኾነ ድልየት የብልናን ›› ብምባል ተዘሪቦም ‘ዮም። ንክልል ኣምሓራ ትራክተር ‘ምበር ጥይት ኣየድልን ፤ ኣብ ዝርርብ ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲ ከምኡ ‘ውን መናእሰይ ክሰርሑ ከምዝግባእ ገሊፆም ‘ዮም።

ብዓቕሚ መንግስቲ ዝምለስ እንሃልዩ ንክምለስ፤ ዘይምለስ ነገር እንተሃለወ ድማ እቲ ህዝቢ ብዝስማዕመዐሉ መገዲ ጊዜ ሂብና ክንፈትሖ ኢና ኢሎም። ንዝተልዓሉ ፀገማት መልሲ ምሃብ ዝካኣል መንግስቲ ሩፍታ ረኺቡ ስራሕ ምስራሕ ዝኽእል ከምዝኾነ ‘ውን ገሊፆም ‘ዮም። ብንፁህ ልብና ሃገርና ምግልጋል ንደሊ ኢና .መንግስቲ ምሕጋዝ የድሊ፤ ዝወፁ ድማ ተሓባባርካ ክንምልስ ኣለና ኢሎም።

ሰባት ብዝመፁን ብዝኸዱን ቁፅሪ ሃገር ሕገ መንግስቲ እናተቐያየር ክኼድ የብሉን ብዝብል ሓሳባት መልሲ ብዝምልስ መልክዑ ፤ ካልኦት ከምዚ ዝኣመሰሉ ሕቶታት ንከየልዕሉ ሚዛናውነት ንምሕላው ትካል እንተተጣየሸ ‘ውን እዚ ንዘይምቕባል ዕንቅፋት ከምዘጋጥሙ ገሊፆም ‘ዮም። ኣብ መንጎ ትግራይን ኣምሓራን ኹሉግዜ ጭቕጭቕ ዝላዓለሎም ቀበሌታትን ወረዳታትን ነይሮም።

ኸዚ ኹናት ምስ ተፈጠረ ፅሑፍ ተዳልዩ ኣመራርሓ ተሰብሲቡ ጉዳይ ወልቃይት ዘባልዕ ጉዳይ ንከይኸውን ብሕጊ ንክዛዘም ፤ ተመዛበልቲ ናብ ቦተኦም ምምላስን ፤ ባዕሎም ናይ ወልቃይት ሰባት ብቀበሌን ወረዳን መረፃ ኣካይዶም ባዕሎም ብባዕሎም የማሓድሩ፤ መከላከያ ሰላም የኽብር ፤ ምስተረጋገዐን ግዜ እንትፈቕድ ናይ ኽልቲኦም ክልላትን ዓለምለኸ ተዓዛቢ ብዘለዎ እቲ ህዝቢ ህዝበ ውሳኔ ይግበር ተባሂሉ ዘተ ከምዝነበረ ‘ውን ኣዘኪሮም ‘ዮም።

ኮሚቴ ተጣይሹ ናብ ወልቃይትን ራያን ከምዝተልኣኸ ኣዘኪሮም፡ኸዚ ዝሕሽ ብስምምዕነትን ብህዝበ ውሳነ ተስማዕሚዕኻ ምንባርን ፤ብዘተ እንድሕር ኾይኑ ፍታሕ ከምዝረክብ ኣፍሊጦም። ኣብ ፀገም ሰናይ ምምሕዳርን ሌብነት ካብ ምክልኻል መንፃር እቲ ፓርቲ ዝፀረየ እንተኾይኑ፣ ዝፀረየ ኣመለኻኽታ እንተሃልይዎን ሓሳቡ ሓደ እንድሕር ኾይኑ ፀገማት ምፍታሕ ይካኣል ‘ዩ።

ተመዛበልቲ ብዝምልከት ዜጋታት ካብ ዝሞቐ ገዘኦም ወፂኦም ኣብ ካምፕ ውሽጢ ክቕመጡ ከምዘይብሎምን እዚ ፀገም ንምፍታሕ ናብ መረበቶም ንምምላስ ፃውዒት እንተቐረበ ‘ውን ንፖለቲካ መጠቀሚ ዝገብርዎም ኣካላት ንከይምለሱ ዕንቅፋት ከምዝትፈጠረ ገሊፆም። ኸዚ እንተኾነ ‘ውን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

መሰረተ ልምዓት መዳበርያ ኣቕርቦት ዝኣመሰሉ ፀገማት መንግስቲ ኣብቲ ክልል ብዙሕ ስራሕቲ እናሰርሐ ‘ዩ። ኣብ ቀፃሊ ‘ውን ፀገማት ንምፍታሕ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም። ከምኡ ድማ ኣብ ክልል ኦሮምያ ካብ ኹሎም ዞባታት ዝተውፃፅኡ ተወከልቲ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ከምዝበልዎ ‹‹ብዙሓት ክፍልታት ሃገርና ሰላም ሃልይዎም ተዝስረሐሎም ዝጠቕሙ ቦታታት ‘ዮም። ዝሓለፉ ኣቦታትና እናሰርሑ ዝነበሩ ሎሚ ንሕና ዘለናላ ሃገር ንክረክቡና ‘ዩ።

ኾይና ግና ኣቦታትና ዝሓደግሉና ሃገር ምርካስን ንካልኦት ኣሕሊፍካ ምሃብ ፅቡቕ ኣይኮነን እዚ ልማድና ክንገድፍ ኣለና። ሰላምን ልምዓትን ዘይነፃፀሉ ‘ዮም። ፀገም ሓሳብ የብልናን ኣብ ጎንና ዝሕገዝና እንድሕር ረኺብና ዝኸብድ ኣይኮነን። ዓብይ ፀገም ዝኾነና ብሽም ህዝቢ ዝንግዱ ኣካላት ‘ዮም። ንህዝቢ ነፃነት ‘የ ዝቃለስ ዘለኹ ኢሎም እንትመፁ ስልጣን እንትንህቦም ‘ውን ናይ ውልቀኦም ረብሓ ‘ዮም ዘቐድሙ።

ከምዚ ዓይነት ኣካላት ሃገር ከልምዑ ኣይኽእሉን። ኣቦታትና እዚ ጠጠው ኢልም ክትሓስቡ ይግባእ። ንሕና እንትንሰሓሓት መንገዲ ስሒትኹም ኣለኹም ተሳሓሓትኩም ኣለኩም ተመለሱ ኢልኩም ምኸሩና። ልሰረቐ ሰሪቕኻ ንዝሰርሐ ‘ውን ሰሪሕኻ በሉ። ንህዝብና ዘኹርዕ ታሪኽ ዘለና ህዝብታት ኢና እዚኦም ታሪኻታትና ንመፃኢ ክንሕልዎም ይግባእ።

ካልእ ሓደራ ክብለኩም ዝደሊ ምስራሕ እናኻኣልና ክንልምን የብልና። ልመና ለሚድና ፀገማትና ሓቒፍና ብዛዕባ ነፃነት ክነውግዕ ኣይንኽእልን። ብረሃፅን ክበልዕ ይኽእል ‘የ ምባል ክንጅመር ከለና ትኽክለኛ ነፃነት እዚ ‘ዩ። ስለዚ ጥምየትን ልመናን ንክነጥፍእ ኹላትና ናይ ግደና ንስራሕ። ካብ ኹሉ ንላዕሊ ኸዚ ከም ሃገር ብስምዒት እንተይኾነስ ብልሓት ኢና ክንንቀሳቐስ ዘለና። ብዝሰኸነ ኣእምሮ ብዝበሰለ ኣእምሮ ምሕሳብ ‘ዩ ዘድሊ። ምብሳል ማለት ሓቋፊነት ምሕጋዝ ዝጠመየ ምኹላስ ዝፀምአ ምስታይ ዝበሰለ ብልሓት ‘ዩ። እዚ እሴትና ድማ ዝነበረን ዝቕፅልን ስለዝኾነ ኣጠንኪርና ክነቐፅሎ ይግባእ።

ንሕና ናይ ሰብ ኣተሓሳስባ ንምቕያር ኢና እናተቐለስና ዘለና። ካብ ምዝራብ ንላዕሊ ሰሪሕኻ ምርኣይ ዝሓትት ‘ዩ። ሰብ ዝስራሕ እናራኣየ ብዝኸደ ቑፅሪ ንምቕያር ቕሩብ ስለዝኸውን። ስለዚ ኹሉ ነገር ግዜ ስለዝደሊ ኣብዚ እዋን ጭቡጥ ዝኸነ ነገር ስሪሕና ወለዶ ዝኾርዓሉ ስራሕ ንምስራሕ ክንፅዕር ኢና። ኣብዚ ኸዚ እናገጠመና ዘሎ ፈተና ኣሎ፤ ፈተና ብኹሉ ኣንፈት ኣሎ።

ከም መንግስቲ ክንፍተንን ጭቡጥ ዝኾነ ነገር ክንሰርሕ ግድን ‘ዩ። እናተፈተና ዘለና ስለ እንሓስብ ስለ እንኽእልን ‘ዩ። እንተዝንዑቕና ኣይምፈተኑናን፤ ዝረአ ስለዘሎ ‘ዩ። ብዙሕ ሰብ ብፀርፊ ተስፋ ክነቑርፆም ኢና ኢሎም ይሓስቡ ‘ዮም። ሰላሳ ዓመት ሙሉእ ብቡዙሕ መከራ ሓሊፍና ከመይ ኢልና ብፀርፊ ተስፋ ንቖርፅ። ብብዙሕ ፈተና ስለዝሓለፍና ምስማዕ ዘለናን ዘይብልናን ጠንቂቕና ንፈልጥ ኢና።

እንደልዮ ንምርካብ እንድሕር ደሊና ምክእኣልን ይቅር ምብሃልን የድሊ። ንዓብይ ዕላማ ክንብል ኣናእሽተን ነገር ምግዳፍ ግቡእ ‘ዩ። ንድሕሪት ምርኣይ ገዲፍና ኣብ ዕላማና ክንፀንዕ ኣለና። ኢትዮጵያ ኣቦታትና ብኣዕፅምቶም ዋጋ ኸፊሎምላ ‘ዮም። ንሕና ድማ ንሓድነት ኢትዮጵያ ክንሰርሕ ኢና›› ክብሉ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ሓበሬታ፤ ሰፊሕ ሃገራዊ ትሕዝቶ ኣብ ዘለዎም ጉዳያት ካብ ክልላት ሶማሌ፣ ዓፋር፣ ሃረሪ፣ ጋምቤላ፣ ቤኒሻንጉል ጉምዝን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ምስ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ከምዝዘተዩ ገሊፆም። “ዘተና ኣብ ልምዓት፣ ሰላምን ጉዳያት ፀፅታን ዘተኮረ ነይሩ” ክብሉ እውን ፀሪሖም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ህዝባዊ ዘተ ተሳሊጡ ‘ዩ። እዚ መድረኽ ‘ውን ‹‹ህብረ ብሄራዊ ሕውነት ንዘላቒ ሰላምን ኩለመዳይ ምዕባለ›› ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ‘ዩ ተኻይዱ ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ፣ ም/ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ኣወሉ ኣብዲን ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ሞገስ ባልቻን ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተረኺቦም ‘ዮም።

ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፣ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣብዱ ሑሴን (ዶ/ር)ን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም ‘ዪም። ብተመሳሳሊ ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ዝተኻየደ መድረኽ፣ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ፣ ም/ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንደሻው ጣሰው፣ ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጃንጥራር ኣባይን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም ‘ዮም።

ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ‘ውን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ደስታ ሌዳሞን ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር ) ኣብ ዝተረኸቡሉ ህዝባዊ ዘተ ተኻይዱ ‘ዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክፍል ከተማ ልደታ ዝተኻየደ ህዝባዊ ዘተ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኡሞድ ኡጁሉን ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ሰማ ጥሩነህ (ዶ/ር)ን ተረኺቦም ‘ዮም። ኣብ ክፍለ ከተማታት ኣቃቂ ቃሊቲን ቦሌን ‘ውን ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብ ዝተረኸቡሉ መድረኽ ህዝባዊ ዘተ ተኻይዱ። እቲ ህዝባዊ ዘተ መሰረታዊ ሕቶታት ማሕበረሰብ ብምፍታሕ ሃገራዊ ዓወታት ክቕፅሉ ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ ‘ዩ።

ከምኡ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድ ምስ ነበርቲን ነጋዶን ከተማ ጅግጅጋ ዘቲዮም ‘ዮም። እቲ ዘተ፤ ኣብ ዓውዲ ንግዲ ዝረኣዩ ክፍተታትን ዘይሕጋዊ ንግዲታትን ጠመተ ዝገበረ ‘ዩ። እቶም ተሳተፍቲ ንዘልዓልዎም ሕቶታት ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ መብርሂ ሂቦም ‘ዮም። ዘይሕጋዊ ንግዲ ኮንትሮባንድ ንምክልኻል ናይ ሓባር ምርድዳእ ከምዝተገበረ ካብቲ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሚኒስቴር ሰላም ድማ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ህዝብታት ጋምቤላ ብምትሕብባር መበል 6ይ ሃገራዊ መድረኽ ሓባራዊ ምኽክር ሰላምን ፀጥታን ኣብ ከተማ ጋምቤላ ተሳሊጡ ‘ዩ ። ነቲ መድረኽ ዝኸፈትዎ ሚኒስትር ሰላም ኣይተ ብናልፍ ኣንዱኣለም መሰረት ዕብየት ሓንቲ ሃገር ሰላም ‘ዩ ኢሎም። መንግስቲ ፍሉይ ጠመተ ካብ መንጎ ዝሰርሐሎም ሃገራዊ ኣጀንዳታት ዘላቒ ሰላም ምህናፅን ብሄራዊ ምርድዳእ ምጉልባትን ቀዳማይ ቦታ ይሕዙ ኢሎም። ስራሕቲ ህንፀት ሰላም ዘየቋርፅ ምድርዳርን ዘተን ከምዝሓትት ፤ ንነዊሕ እዋን እናተጓተቱ ብዝመፅኡ ጎዳእቲ ልምድታት ፖለቲካን ዝተዛብዑ ትርኽትታትን ምኽንያት ሰላምና እናተዘረገ ይርከብ ኢሎም።

ሚኒስቴር ሰላም ዘላቒ ሰላም ንምህናፅን ብሄራዊ ምርድዳእ ንምጉልባትን ዓበይቲ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ብምግላፅ ምስ ትካላት ሰላምን ፀጥታን ፌደራልን ክልልን ብምትሕብባር ምስርሑ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ተዛሪቦም ‘ዮም። ዕላማ እቲ ናይ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ሃገርና ንዝነበረ ሰላምን ፀጥታን ብምግምጋም ዝተርኣዩ ጥንኩራት ጎንታት ክቕፅሉ ብምግባርን ዝተርኣዩ ክፍተታት ብምእራም፤ ንትልሚ ቀፃሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓባራዊ ብምግባር ኣዎንታዊ ኸይዲ ህንፀት ሰላም ውፅኢታዊ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም ዘመሓላለፉ ፕሬዝዳንት ክልል ህዝብታት ጋምቤላ ኣይተ ኡመድ ኡጁሉ ብወገኖም፤ እቲ ክልል ብምኽንያት ዘለዎ ውሱን ሓይሊ ፀጥታን ኣብ ከባቢ ዶብ እቲ ክልል ብዝፍጠሩ ገበናትን ሓለሓሊፉ ፀገም ሰላም እናጋጠምዎ ይርከብ ዝበሉ እንትኸውን ነዚ ንምክልኻል ምንቅስቓሳት እናተገበሩ ይርከቡ ኢሎም።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 21 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *