ብሃገራዊ ምይይጥ፣ ስግግር ፍትሒን ተሃድሶን ነባር ፀገም ፖለቲካ ይእረም

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልዑል ትኹረት ካብ ዝሰሓቡ ጉዳያት ሃገርና ሓደ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ደሕንነትን ፀጥታን ኣመልኪቱ ካብ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ድሕንነት ዝተውሃበ መግለፂ ‘ዩ። ናይ ሎሚ እዋናዊ ዛዕባ ዓመድና ድማ ኣብዚ ዝኸውን ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ዘተለዓሉ ጉዳይ ሃገራዊ ምይይጥ፣ ስግግር ፍትሒ፣ዕጥቂ ምፍታሕን ተሃድሶን፣ ስምምዕነት ፕሪቶርያን ምምላስ ተመዛበለትን እቲ መግለፂ እንታይ ኢሉ ዝብል ክንርኢ ኢና። ሰናይ ንባብ፡-

ኣብዚ መግለፂ ታሪኽ ሃገረ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ኣፈላላይ ፖለቲካ፣ ዘይምርድዳእን ጎንፂታትን ብሰላማዊ መንገዲ፣ ብዝርርብን ምይይጥን ከምኡ እውን ብሕጋዊ መገዲ ናይ ምፍታሕ ልምዲ ከምዘይነበራ ብምግላፅ፤ ዘላቒ ሰላምን ብልፅግናን ንምምፃእ ድማ ሓዱሽ ባህሊ ፖለቲካ በምኽታለ ኹሉ ሓቛፋይ ዝኾነ ሃገራዊ ምኽክር፣ ስግግር ፍትሒን ተግባራት ተሃድሶን ቀንዲ መፈፀሚ መሳርሒ ከምዝኾኑ ገሊፁ ‘ዩ።

ብምቅፃል እዚ መንግስቲ ለውጢ ናብ ስልጣን ዝመፀ ብሓይሊ ኣይኮነን። እዚ ድማ ሓዱሽ ባህሊ ፖለቲካ ‘ዩ። እዚ ሓዱሽ ባህሊ ፖለቲካ ድማ ብዲሞክራሲያዊ መረፃ እወንታ ህዝቢ ረኺቡ መንግስቲ ብምምስራት ኣርእዩ ‘ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ዝተፈላለዩ ኣመራርሓን ኣባላትን ፖለቲካ ኣብ መንግስታዊ መሓውር ብሓላፍነት ብምምዳብ፣ ኢትዮጵያ ገዛ ኹሎም ደቃ ምዃና ኣመስኪሩ ‘ዩ ይብል።

ሰላማዊ ስግግር ፖለቲካ በይኑ ሽቶ ኣይኮነን። መሳኽዒ መሳርሒ ካልኦት ሽቶታት እምበር። ፀገም ኢትዮጵያ ሐዚ ዘሎ ኣካይዳ ብምዕራይ ጥራሕ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ካብ ታሪኽ ዝወረስናዮም በሰላታት ምፅጋን ‘ውን ግድን ይኸውን። እዞም በሰላ ታሪኽ ንምፅጋን ሰለስተ ዓይነት መፍትሒ ተቐሚጦም አለዉ። ነባር ፀገም ፖለቲካ ብሃገራዊ ምይይጥ ምፍታሕ፣ ፀገም ፖለቲካ ቀረባ እዋን ድማ ብስግግር ፍትሒን ብተሃድሶን ብምእርናብ ይኸውን።

ሃገራዊ ምይይጥ

ኣብ ጭቡጥ ኩነታት ኢትዮጵያ፣ ሓደ መንግስቲ ብመረፃ ስዒሩ ስልጣን እንተሓዘ ‘ውን በይኑ ክውስኖም ዘይግብኡ፣ ሃገራውን ሓቛፋይ ሃገራዊ ምይይጥ ዝጠልቡ ዛዕባታት ኣለዉ ‘ዮም። እዚ ካብ ዝበሃል ፍርቂ ምዕተ- ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ። ኮይኑ ግና ክሳብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ዝመፅእ ቀረባ ግዜ ሰማዒ ኣይረኸበን ነይሩ። መንግስቲ ለውጢ እዚ ሓሳብ ምቕባል ጥራሕ እንተይኮነስ ዘሳልጥ ገለልተኛ ትካል ‘ውን ኣጣይሹ ‘ዩ።

ኣብዚ ትካል ብሓላፍነት ዝተመደቡ ልዑል ልምድን ብቕዓትን ዘለዎም ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካ ውግንና ነፃ ዝኾኑ ገለልተኛ ኮምሽነራት ‘ዮም። እዞም ኮምሽነራት ሓቛፋይ ሃገራዊ ምኽክር ዝትግብርሉ ሰፊሕ ስልጣን ብሕጊ ተዋሂቡዎም ‘ዩ። በዚ መሰረት፣ መዳርግቲ ኣካላት ብምምይያጥ ከይዱ ከመይ ይኹን ዝብል ዝርዝር ኣካይዳን ኣሰራርሓን ተሊሞም ‘ዮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብመሰረት ኮምሽን ሃገራዊ ምኽክር ብዝተለሞ ኣካይዳ ኣብ 10 ክልላትን ክልተ ምምሕዳር ከተማን ከካብ ወረድኦም ኣብ ከይዲ ምኽክር ዝሳተፉ ፈልዩ ወዲኡ ኣሎ። ኣብ ሕድሕድ ክልል ብጣዕሚ ጥቡቕን መድከሚን ዝኾነ ስራሕ ተሰሪሑ ‘ዩ። ካብ ታሕተዋይ መሓውር ምምሕዳር ዝርከብ ማሕበረሰብ ጀሚሩ ኣሳቲፉ ‘ዩ። በዚ መሰረት ኣብ ምይይጥ ዝሳተፉ ኣካላት ተሓርዮም ‘ዮም። ካብ 679 ወረዳ ፣ ክሳብ ሐዚ 12ሽሕ294 ተሳተፍቲ ተፈልዮም ኣለዉ።

እዚ ኣካይዳ በዓል ዋና እዚ ጉዳይ ዝኾነ ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ‘ዩ። ኣጀንዳታትን መፍትሒ ሓሳብን ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ጥራሕ እንተይኮነስ ካብ ሕብረተሰብ ‘ውን ፈልፊሎም፣ ብምይይጥ ጠንኪሮም ናብ ማእኸል ዝመፁሉ ኣካይዳ ‘ዩ። እዚ ኮምሽን ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ብብርኪ ክልል ዝግበሩ መድረኻት ምይይጥ ከምዝጅምር ትፅቢት ይግበር። ከምኡ ‘ውን ተሳተፍቲ ዘይተፈለየሎም ክልተ ኽልላት ኣብ ቀረባ እዋን ክውዳእ ‘ዩ። ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝግበረሉ ጉባኤ ሓቛፋይ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ውሽጢ ሓፂር ግዘ ከምዝካየድ ተስፋ ይግበር።

እዚ ኣብ ማእኸል ወለዶ ሓደ ጊዘ ዝርከብ ዕድል ከየህሰስና፤ እናቃናዕናን እናደገፍናን፣ መፍጠሪ መፍትሒ ነባር ፀገማት ኢትዮጵያ ክኸውን፣ ኩላህና እጃምና ክነወፊ ይግባእ። ዕድላትና ብዝኾነን ዘይኮነን እናባኸንና፣ ዓርስና ኣብ ዕንክሊል ፀገም ምኽራም ከብቅዕ ኣለዎ።

ስግግር ፍትሒ

ካልአዋይ ድማ ስግግር ፍትሒ ‘ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ታሪኽ በደል፣ ግፍዒን መሰረታዊ ጥሕሰት መሰልን ተራእዮም ‘ዮም። እዚ ኣብ ታሪኽ ካልኦት ሃገራት ‘ውን ዝርአ ተጓንፎ ‘ዩ። ክሳብ ሎሚ ዘሎ ኣካይዳና ብሓይሊ ሰዓራይ ኮይኑ ስልጣን ዝሓዘ ኣካል፣ ንኻልኦት በደልቲን ሓይልታት ጥፍኣትን ገይሩ ይኹንን፤ ይቐፅዕ። እዚ ኣካይዳ እዚ ግን ፍትሒ ኣየስፍንን።

ህልኽ፣ ነስሓን ፃምእ ቂምን የተርንዕ እምበር። ተረክ በዳልን ተበዳልን፣ ጎይቂን ቂምን ቀንዲ መጠንጠኒ ፖለቲካ ሃገርና ዝኾነሉ ሳዕቤን ሓደ እዚ ‘ዩ። ስለዝኾነ ድማ፣ ከይዲ ፍትሒ ስግግር ሓደ ተመራፂ ሜላ ‘ዩ። ብምዃኑ ‘ውን ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዝምርሐሉ ማዕቀፍ ፖሊሲ ፀዲቑ ‘ዩ። ምድላው እዚ ፖሊሲ ዝምልከቶም ኣካላት ዘሳተፈ፣ ዓለም-ለኸ ልምዲ መሰረት ዝገበረ ‘ዩ። ኣብ ከይዲ ምርቃቕ ቅድመ ፖሊሲ ጥራሕ 60 ናይ ክልልን 20 ድማ ሃገራዊ መድረኽ ምትእኽኻብ እታወት ሓሳብ ተኻይዶም ‘ዮም።

ዕላማ እዚ ፖሊሲ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዝምርሐሉን ዝትግበረለኑን ስርዓት ብምዝርጋሕ ዘላቒ ሰላም፣ ዕርቂ፣ ልዕልና ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን ምርግጋፅ ‘ዩ። እዚ ዕላማ ንምዕዋት ከከም ኣግባብነቱ ምርመራ ወንጀልን ክስን፣ ምትእልላሽ ሓቂ፣ ዕርቂ፣ ኣብ ቅድመ-ኹነታት ዝተመስረተ ምሕረት፣ መከሓሓስን ትካላዊ ምምሕያሽ ከም ሜላ ስግግር ፍትሒ ኣብ ሃገርና ተግባራዊ ክግበሩ ‘ዮም።

ምፍታሕ ዕጥቂን ተሃድሶን

ከምዝፍለጥ ኣብ ሃግርና ካብ ዕጡቓት መንግስቲ ወፃእ ዝህልዉ ዝተዓጠቐ ሓይሊ ሕገ-መንግስትና ኣይፈቅድን። ሓደ መሰል መንግስቲ ‘ውን ብብሕታዊነት ሓይሊ ምጥቃም ‘ዩ።

ኮይኑ ግና፣ ኣብ ሃገርና ብምኽንያት ዝወረስናዮ ፖለቲካዊ ስብራት ዝተዓጠቑ ሓይልታት ክፍጠሩ ክኢሎም ‘ዮም።  ሰላምና ክፀንዕ፣ እዞም ዝተዓጥቁ ሓይልታት ዕጥቆም ፈቲሖም፣ ኣብ ከይዲ ተሃድሶ ክፅምበሩ ይግባእ። ፖለቲካዊ ሕቶኦም ‘ውን ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ብምስታፍ ምፍታሕ ይኽእሉ ‘ዮም።ነዚ ዝኸውን ኮምሽን ተሃድሶ ‘ውን ተጣይሹ ‘ዩ።

ዕላምኡ ‘ውን ዕጥቂ ምፍታሕ፣ ጉጅለ ዕጡቓት ሰላማዊ ምግባርን ናብ ሕብረተሰብ ምፅንባርን ‘ዮም። እዚ ስራሕ ተሃድሶ ብምዕዋት ፖለቲካና ካብ ግንባር ናብ ጠረጴዛ፣ ካብ ዱር ናብ ኣዳራሽ ክምለስ ክንገብር ይግባእ። እዞም ሜላታት እዚኦም ብግቡእ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፣ ካብ ዕንክሊል በዳሊን ተበዳሊን ክንወፅእ ይግባእ።

ብምሕረት፣ ብይቕረታ፣ ብካሕሳን ፍትሕን ተሓኪምና ንቕድሚት ክንስጉም ይግባእ። ነዚ ንምዕዋት ድማ ኩልና ኢትዮጵያውያን ብንቕሓትን ብቕዓትን ክንሳተፍ ኣለና። መንግስቲ ‘ውን ኣተገባብራ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ምስ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ዝተናበበን ተመጋጋቢን ክኸውን ኣብ ምግባር ሓላፍነቱ ክዋፃእ ‘ዩ።

ዝፀንሑ ሃገራዊ ፀገማትና ብሃገራዊ ምኽክርን ስግግር ፍትሒን እናኣረምና፣ ዝገጠሙና ፈተናታት ጎንፅን ዂናትን ንምስጋር ድማ ሰላማዊ ከይዲ ፖለቲካ ቀዳሚ ኣማራፂ ክንገብር ኣለና። ንዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ዝፀንሐ ዂናት ሰሜናዊ ኽፋል ሃገርና ብስምምዕ ሰላም ክፍታሕ ዝተደለየሉ ‘ውን ነዚ ‘ዩ።

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ጎንፅታት ሕድሕድን ዂናትን ተደጋጋሚ ተፈጢሮም ‘ዮም። ከምሃገር ከቢድ ኪሳራ በፂሑና ‘ዩ። ምኽንያቱ ድማ ጎንፅታት ብዝርርብን ስምምዕነትን ናይ ምፍታሕ ልምዲ እምብዛ ስለዘይብልና ‘ዩ። ዝለመድናዮ ኣብ ልዕሊ መቓብር ፀላኢ ሓወልቲ ምህናፅ ዩ።

ስምምዕነት ፕሪቶርያ

እማመ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ እዚ ነባር ልምዲ ቀይርዎ ‘ዩ። ዂናት ብፖለቲካ መፍትሒ ክኽንበት ከምዝኽእል ኣርእዩ ‘ዩ። እዚ እማመ ስምምዕነት ሰላም ተረክ ኣሸናፊ ተሸናፊን ቂምን ንወለዶ ንዘይምውራስ ዝተገብረ ውሕሉልን ቆራፅነት ዝተመልኦን ውሳነ ‘ዩ። እዚ ኣማራፂ ስዒብና ፣ ምፍሳስ ደምን ጎንፅን ደው ክነብል ክኢልና።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ዓፋርን ትግራይን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ምጥያሽን ተጀሚሮም ኣለዉ። ሰብኣዊ ሓገዝ ‘ውን ብዘይምንም ዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ዝኣትወሉ፣ ዝበፅሓሉ ጥጡሕ ባይታ ፈጢርና ኢና።ኣብ ፅባሕ ስምምዕነት እማመ ሰላም፣ መንግስቲ ኣብ ስምምዕነት ሰላም ካብ ዝኣተዎ ግዴታ ዝሓለፈ፣ ምትእምማን ንምፍጣርን ሰላም ንምጥንካርን ኣድለይቲ ‘ዮም ዝብሎም ስጉምትታት ወሲዱ ‘ዩ።

ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ክሳብ ሐዚ ዝተረኸበ ውፅኢትን እፎይታን ከምዘሎ ኾይኑ፣ ዝቐረዩ ስራሕቲ ‘ውን ኣለዉ። ብፍላይ ድማ ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ዕጡቓት ህወሓት ዕጥቂ ክፈትሑ ይግባእ። ዛዕባ ሕቶ ወሰንን መንነትን ዘለዎም ከባብታት ንምፍታሕ ዝተቐመጠ ኣንፈት ተግባራዊ ክኸውን ይግባእ። ብሰንኪ ዂናት ዝተመዛበሉ ንምምላስን ምጥያሽን ዝተጀመሩ ስራሕቲ መዕለቢ ክግበረሉ ይግባእ።

ካብ ሕሉፍ ጌጋ ዘይምምሃር ካብ ጌጋ ፈለማ ዝበኣሰ ‘ዩ። ካብ ሕሉፍ ጌገኦም ከይተምሃሩ ሎሚ ‘ውን ተመሳሳሊ ፀገም ዝጥጅኡ ኩልና ተሓባቢርና ስርዓት ክነትሕዞም ይግባእ። ካብ ትዕግስቲ ስዒቡ ዝፍጠር ምኽባር ልዕልና ሕጊ ዝህልዎ መሰከፊ ውፅኢት ካብ ቀረባ ታሪኽና ክንመሃር ይግባእ።

መንግስቲ ዝተቋረፁ መሰረተ-ልምዓትን ግልጋሎታትን ንምፅጋን ኢሉእውን ዳግም ንምጅማር ተዓጢቑ እናሰርሐ ይርከብ። ኣብ ትግራይ ምንቅስቓስ ፋይናንስን ኢኮኖሚን ክሳለጥ ልዑል ወፃኢ ኣውፂኡ ‘ዩ። ብፅሒት ትርፊ ሰላም ልዑል ብምዃኑ መንግስቲ ትፅቢት ካብ ዝግበረሉ ሓሊፉ ቑስሊ ከሕዊ ዝኽእል ስራሕ እናሰርሐ ይርከብ። እዚ ግን መንግስታዊ ሓላፍነት ‘ምበር ፍርሒ ተገይሩ ክውሰድ የብሉን።

ኣብ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ከምዝተገለፀ፣ ኣብ ሕገ-መንግስትና ‘ውን ከምዝተቐመጠ፣ ከምሃገር ዝህልወና ሰራዊት ሓደ ሓይሊ ምክልኻል ጥራሕ ‘ዩ። ክልላት ብብርኪ ክልል ሕጊ ንምኽባር ካብዘድልዮም መደበኛ ፖሊስን ምልሻን ወፃእ ዝተዓጥቀን ዝተዋደደን ሰራዊት ክህልዎም ኣይኽእልን፤ ኣይግባእን ‘ውን። በዚ መሰረት ዕጥቂ ምፍታሕን ዝኣመሰሉን ከይድታት ብትልሚ ኮምሽን ተሃድሶ መሰረት ብህፁፅ ክትግበሩ ይግባእ።

ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብፍላይ ድማ መናእሰይ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተደፋፊኦም ብሓይልታት ፅንፊን ጠጃእቲ ጎንፂን ናብ ግንባር ዂናት ዝሳወሩሉ ተጓንፎ ኣሎ። እዚ ጉዳይ መንግስቲ ካብ ሓደ ኣንፈት ጥራሕ ኣይሪኦን። ምንቅስቓሶም ካብ ሕጊ ወፃእ ስለዝኾነ ጥራሕ እዚ ጉዳይ ብሓይሊ ጥራሕ ይፈታሕ ክብል ከምዘይብሉ ይርዳእ።

ስለዝኾነ ድማ ካብ መገዲ ጥፍኣት ተመሊሶም ምስ ሕብረተሰብ ተፀንቢሮም ሰላማዊ ሂወት ንምንባር ድልየት ዘለዎም ዕጡቓት ኩሎም፣ መንግስቲ ኢዱ ዘርጊሑ ንምቕባል ፈቓደኛ ‘ዩ። እዚ ፍቓዱን ድልየቱን ድማ ኣብ ዘተፈላለዩ ክልላት ብተግባር ኣርእዩ ‘ዩ።

ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ዕጡቓት ኢዶም ሂቦም ‘ዮም። እዚኦም ድማ ስልጠና ተሃድሶ ወሲዶም ምስ ሕብረተሰብ ክሕወሱ ተገይሩ ‘ዩ። እዚ ብኮምሽን ተሃድሶ ኣቢሉ ምስ ክልላት ብምትእስሳር ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና። ፃዕርና ሽማግለ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ክትሕግዙና በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒትና ነቕርብ።

ምምላስ ተመዛበለቲ

ኣብ ሃገርና ሰባት ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ‘ዮም። እዞም ዜጋታት ካብ መዕቖቢ ወፅዮም ናብ መንበሪ ኣባይቶም ክምለሱ ይግባእ። ብቐፃልነት ‘ውን ናብ ንቡር ናብርኦም ክምለሱ ኣለዎም። እዚ ጋህዲ ንምግባር ‘ውን መንግስቲ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክገብር ፀኒሑ ‘ዩ።

ሐዚ ‘ውን ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ። ንኣብነት፥ ኣብ ክልል ሶማሌን ኦሮምያን ዘዋስኑ ከባቢታት፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ጌዴኦ ከባቢ ተመዛቢሎም ዝነበሩ ዜጋታት ሙሉእ ብሙሉእ ብዝበሃል ናብ መረበቶም ክምለሱን ቀፃልነት ዘለዎ መንበሪ ክረኽቡን ተገይሩ ‘ዩ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ብዘጓነፈ ጎንፂ፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ብዘጓነፉ ፀገማት ፀጥታ ዝተልዓለ ዝተመዛበሉ ወገናት ኣለዉ። እዞም ወገናት ናብ ቤቶም ንክምለሱ እናሰራሕና ንርከብ። መራሕቲ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ብሓደ ብምስርሖም ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቖቢ ጣብያ ዝነበሩ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ገይሮም ‘ዮም።

እዚ ኸይዲ ኣብ ሞንጎ ሕብረተሰብና ኩልጊዜ ዘይጠፍእ ምትሕስሳብ፣ ስጋኻ-ልኣኻን ጥቡቕ ምሕዝነትን ርኢና ኢና። ዝተመዛበሉ ጎረቤቶም ናብ መረበቶም ክምለሱ በቢኸባቢኡ ዘሎ ሕብረተሰብ ልዑል ድልየት ኣሎ። ንዝምለሱ ተመዛበልቲ በቢኸባቢኡ ዝግበር ኣቀባብላ ልቢ ዘረስርስ ‘ዩ። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ንኣብነት ካብ ራያን ኣላማጣን ዝተመዛበሉ መንግስቲ ከይተፀበዩ ብማሕበራዊ ኣተሓሳስባ ጥራሕ ብዙሓት ናብ መረበቶም ተመሊሶም ‘ዮም።

ኣብዚ ኸይዲ ዛዕባ ተመዛበልቲ ከም ኣጀንዳ ፖለቲካ ገይሮም ክጥቀሙ ዝደልዩ ኣካላት ምህላዎም ተራእዩ ‘ዩ። ተመዛበልቲ እንተተመሊሶም ኣጀንዳ ልመናን ተቓውሞን ክቕህመና ‘ዩ ኢሎም ይሰግኡ። እዞም ሓይልታት እዚኦም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ዝተፈላለዩ ፕሮፖጋንዳን መፈራርሕን ይነዝሑ።

ሓልሓሊፉ ‘ውን ምምላስ ተመዛበልቲ ብሓይሊ ደው ከብሉ ዝፍትኑ ኣይተስኣኑን። መንግስቲ ካብ ዘለዎ ሓላፍነት ሕግን ሞራልን ዝተልዓለ ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ክምለሱ ምግባሩ ክቕፅል ‘ዩ። ምስ ክልላት ዝተጀመረ ስራሕ ‘ውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ።

እዚ ኹሉ እንትግብሮ ፈለማ ዘላቒ ሰላም፣ ብኡ ኣቢልና ‘ውን ዘላቒ ብልፅግና ንምርግጋፅ ‘ዩ። ከምመንግስቲ ሽቶና ብኣቛራጭ መንገዲ፣ ላዕሊ-ላዕሉ ብዝግበር ሕድሳት ዝመፅእ ጊዝያዊ ፀጥታ ኣይኮነን። ዘላቒ ሰላም ‘ዩ። ዘላቒ ሰላም ‘ውን ዂናት ዘይምህላው ጥራሕ ኣይኮነን።

ኣብ መትከልን ስርዓትን ዝተመስረተ፣  ብቐሊሉ ዘይንቕነቕ ሰላም ‘ዩ። ጎንፅን ዘይምርድዳእን ብሰላማዊን ሕጋዊን መገዲ ንምፍታሕ ዘኽእል ዓቕሚን ስርዓትን ምህላው ‘ዩ። ኣብ መሰረታዊ ዛዕባታት ብምርድዳእ፣ ዝሓለፈ ቂምን በሰላን ገዲፍካ ንቕድሚት ምኽያድ ምኽኣል ‘ዩ።

እዚ ዘላቒ ሰላምን ብልፅግናን ንምምፃእ ድማ ሓዱሽ ባህሊ ፖለቲካ ግድን ይኸውን። ኩሉ ሓቛፋይ ሃገራዊ ምኽክር፣ ስግግር ፍትሒን ተግባራት ተሃድሶን ቀንዲ መፈፀሚ መሳርሒ ‘ዮም። ኩሉ ከምዝፈልጦ ሓቛፋይ ዝኾነ መንግስታዊን ዴሞክራሲያዊን ስርዓት ንምህናፅ ቀደምቲ እናኾንና ኢና። እዚ ፃዕሪ ውፅኢታዊ ንክኸውን ተግባር መንግስቲ ጥራሕ እኹል ኣይኸውንን።

ገዛኢ ውድብ ሓዱሽ ባህሊ ፖለቲካ ንምፍላጥ- ሓቢርና ንስራሕ፣ ንምከር፣ ብሓድነት መፍትሒ ፀገማት ሃገርና ንፍታሕ እናበለ ይርከብ። ገለ-ገሊኦም ድማ ጊዝይኡ ብዝሓለፎ ኣተሓሳስባ ብሓይሊ፣ ብጠበንጃ መንግስቲ ኣውዲቕና ስልጣን ተዘይወሰድና እናበሉ ይርከቡ። ከምዚ ብተፃራሪ መገዲ እንተተጓዒዝና ዝጀመርናዮም ፃዕርታትና ክነዐውቶም ኣይንኽእልን። ባህሊ ኣተሓሳስባ መበል 18 ክፍለዘበን ሒዝካ ኣብ መበል 22 ክፍለዘበን ምንባር መርገም እምበር ለውጢ ኣየምፅእን።

ዂናት ንኹልና ዘኽስር ‘ዩ። ሰላም ኹልና ንኸስበሉ። ኣንሕና ካብ ኣቦታትና ብዛዕባ ዂናት እናሰማዕና ዓቢና፤ ይኣኽለና። ኣብ ወለዶና እንኳ ክልተ ሰለስተ ከበድቲ ዂናት ሓሊፎም። ንቐፃሊ ወለዶ ብልፅግና ‘ምበር ቁስሊ ክነውርስ የብልናን። ዘበናዊ ቅኒት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንሓምሳ ዓመታት ዝበየኖ ወያነ(ኣብዮት) 1966 ልዕሊ ፍርቂ ክፍለዘበን ኮይኑዎ ኣሎ።

ዘይለቐቖም ግን ክሳብ ሐዚ ኣለዉ። ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና፣ ኩነታትን ዓውዲን ዘበንና ተረዲእና፣ ብናይ ባዕልና ቅኒትን ኣጀንዳን ንቕድሚት ክንስጉም ይግባእ። ናይዚ ወለዶ ኣጀንዳ ሓምሳ ዓመት ዘላቒ ሰላምን ኹለመዳያዊ ብልፅግናን ‘ዩ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 24 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You