ጎስጓስ ሃገር ለኸ ፀረ -መበረታትዒ ቅመማት ስፖርት

ዝኾነ ፀረ ስፖርት ዝኾነ ናይ ስፖርት ኣበረታታዒ ቅመማት ተጠቐሚነት (ዶፒንግ) ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ኸዚ ዝነበረን ኸዚ ብፍጥነት እናተስፋሕፈሐን ተፈለጥቲ ኣትሌታት ‘ውን እናጎደአ ይርከብ፡፡ እዚ ስዒቡ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ እዚ ጉዳይ ካብ ዓቅሙ ንላዕሊ ከምዝኾነን ንስፖርት ብላዕሊ እናመርሐ ዘሎ ትካል ሓገዝ ንክገበረሎ ምሕታቱ ስዒቡ ናይ ጎስጓስ መድረኽ ክዳሎ ‘ዩ፡፡

ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ፌዴሪኢ ፣ ባዓል ስልጣን ፀረ ኣበራታታዒ ቅመማት ኢትዮጵያ ከምኡ ‘ውን ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብሓባር ዝዳሎ እዚ ሃገር ለኸ ናይ ምኽክርን ጎስጓስን መድረኽ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ተኻፈልቲ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ ‘ዩ፡፡

ኣብ ዝተፈላለየ ዓለማት ኣብ ዝካየዱ ኣትሌቲክስ ውድድራት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዓወት ብምዝዛም ፅቡቕ ሽምን ዝናን ከምዘለዎም ዝፍለጥ ‘ዩ፡፡ እዚ ኾይኑ ‘ውን ካብ መበረታትዒ ቅመማታት ተጠቃምነት ተደሓሒዙ ኣብ ዝግበሩ ምርመራት ኣብዚ ጉዳይ ውሽጢ ዝርከቡ ኣትሌታት ቁፅሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ‘ዩ፡፡

እዚ ድማ ብባዓል ስልጣን ፀረ መበረታትዒ መድሓኒትን በቲ ፌደሬሽንን ዓቕሚ ጥራሕ ዘይዕገት ብምዃኑ ጣልቃ ኣታውነት መንግስቲ ኣድላይ ኾይኑ ተረኺቡ ‘ዩ፡፡ ብምዃኑ እቲ ጉዳይ ብዝምልከት ብባዓል ሞያታት ላዕለዎት ትምህርቲ መፅናዕታዊ ሰነድ ዝተዳለወ እንትኾን ፤ ድሕሪ ቕሩብ መዓልትታት ዝካየድ ናይ ጎስጓስን ምኽክርን መድረኽ ፍታሕ ክኾኑ ዝኽእሉ ናይ መወዳእታ ውሳነታት ብምሕላፍ ንተግባራውነቱ ናብ ስራሕ ከምዝእቶ ተገሊፁ ‘ዩ፡፡

ኢትዮጵያ ፅቡቕ ገፅታ ካብ ዝሃነፀቶ ዘፈራት እቲ ሓዳ ዝኾነ ኣትሌቲክስ ብራሃፅን ብፃዕሮምን ውፂኢታዊ ዝኾኑ ኣትሌታት ታሪኽ ዘፀልም ከምዚ ዓይነት ፀገም እናተስፋሕፈሐ ከምዝመፀ ከም ሃገር ዘተሓሳብ ጉዳይ ኾይኑ ተረኺቡ ‘ዩ፡፡ ኣበረታታዒ መድሓኒት ብዝምልከት ኢትዮጵያ ቕድሚ ኸዚ ተግባራዊ ዝገበረቶ ጠንካራ ስራሕቲ ንኻልኦት ሃገራት መርኣያ ብምዃን ተሞክራኣ እናካፈለት ፀኒሓ ‘ያ፡፡ ኾይኑ ግና ኣተሓሳሳቢ ዝኾነ ናይ ዶፒንግ ተጠቃሚነት ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያ እናወሰኸ ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ተላዒሉ ‘ዩ፡፡

እዚ ስዒቡ ናይ ሃገራዊ ስፖርት ብላዕለዋይ ዝመራሕ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ፌዴሪኢ ልምዓት ስፖርት ስራሕ ፈፃሚ ኣይተ ተስፋየ በቀለ ከምዝበልዎ እዚ ተግባር ንዝቆፃፀሮ ኣካል ሓገዝ ምሃብን ክትትል ምግባር ከምዝኾነ ገሊፆም ‘ዮም፡፡ ከም ኣፍሪካ ጠንካራ ስራሕ እንተተሰርሐ ‘ውን እዚ ጉዳይ ብዙሕ መልክዕ ዘለዎ ብምዃኑ ክስፋሕፋሕ ክኢሉ ‘ዩ፡፡

ጎኒ ንኒ ኣካል ሕጊ ሓገዝ ዉሑድ ብምዃኑ ፣ ኣካላት ፍትሒ ኣብቲ ጉዳይ እንታይ ዝኣክል ግንዛበ ኣለዎም ከምኡ ‘ውን ናይቲ ገብን ሕጊ ብምንታይ መልክዑ ይፈፀም ዝብል ‘ውን ኣብቲ  መድረኸ ዘተ ትኹረት ዝረክብ ጉዳይ ‘ዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ቀፃሊ ስራሕቲ ግንዛበ መጨበጢ ብስፍሓት ተጠናኺሩ ንክቕፅልን እቲ ፀገም እንትፍጠር ድማ ዘየዳግም ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝግባእ ተኣሚንሉ ‘ዩ፡፡ .

ኾይኑ ግና ካብ ሰገናት ጀሚሩ ብዛዕባ ስፖርት ኣበረታታዒ ቅመማት ግንዛበ ንክህልዎም ንምግባር ትምህርቲ ሚኒስትር ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ኣካቲቱ ጠንካራ ፍልጠት ንህልዎም ኣብ ምግባር ዓብይ ግደ ዘለዎ ስለዝኾነ ትኹረት ክዋሃቦ ይግባእ፡፡ መራኻቢ ሓፋሽ ነዚ ጉዳይ ትኹረት ሂቦም ንህዝቢ ግንዛቤ ንምጭባጥ ንክፅዕሩ እቶም ስራሕ ፈፃሚ መልእኽቲ ኣሕሊፎም ‘ዮም፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 14 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *