‹‹ካብ ኹናት ዘትረፍናዮ ነገር የለን፤ ካብ ሰላም ግን ብዙሕ ነገር ኸሲብና ኢና›› – ወይዘሮ ኣበባ በርሀ

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ኹናት ብዙሓት ፀገማት ተፈጢሮም ‘ዮም። ብሰንኪ እዚ ኹናት ዘበፅሐ ሳዕቤን ንምቕናስ ካብ መንግስቲ ጀሚሩ ካልኦት ግዱሳት ኣካላት ዓብይ ትኹረት ተገይርሉ እናተሰርሐ ፀኒሑ ‘ዩ:: ግና ካብቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ኣንፃር ክረአ ከሎ ብፍጥነት ለውጢ ንምምፃእ ኸቢድ ‘ዩ::

ነዚ ድማ ካብዚ ንላዕሊ ርብርብን ትዕግስትን ከምዘድሊ ተገሊፁ ‘ዩ:: ነበር ሓላፊት ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይን ሐዚ ድማ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ወይዘሮ ኣበባ በርሀ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ከምዝበለኦ፤ ‹‹ ድሕሪ ድርድር እንታይ ተረኺቡ ንዝብል ጉዳይ እቲ ዓብይ ነገር በሪ ሰላም ምኽፋቱን በዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ራህዋን ቅሳነትን ክርክብ ክኢሉ ‘ዩ::

ካብ ኹናት ዘትረፍናዮ ነገር የለን፤ ካብ ሰላም ግን ብዙሕ ነገር ኸሲብና፣ ፀገማት እንትፍጠሩ ብዘተ ብምፍታሕ ንሓድሽ ወለዶ መርኣያ ክንኾን ይግባእ ›› ይብላ:: ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና ። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ ፡- ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝተረኸቡ ለውጥታት መንግስቲ ገሊፁ ኣሎ፤ ኣብዚ እንታይ ሪኢቶ ኣለወን?

ወይዘሮ ኣበባ፡– መዓልቲ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ህዝቢ ትግራይ ራህዋን ቅሳነትን ዝረኸበሉ መዓልቲ ከምዝኾነ ይፍለጥ ፤ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ህዝቢ ትግራይ ራህዋ ዝረኸበሉን ተስፋ ዝሰነቐሉ ‘ዩ :: እቲ ዓብይ ጉዳይ በሪ ሰላም ምኽፋቱን ድሕሪ ድርድር እንታይ ተረኺቡ ንዝብል ጉዳይ እቲ በሪ ሰላም ምኽፋቱን በዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ራህዋን ቅሳነትን ክርክብ ክኢሉ ‘ዩ ::

መንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ብምትሕብባር ብዙሓት ውፅኢታት እናርኣዩ ‘ዮም:: ክስርሑ ዘለዎም ዘይተማልኡ ስራሕቲ ድማ ኣብ ከይዲ ክማልኡ ተስፋ ኣሎ:: ስምምዕነት ሰላም ካብ ዘምፅኦም መንገዲ ኣየር ምኽፋቱ ሓደ ‘ዩ:: እዚ ድማ ንብዙሓት ተገልገልቲ እፎይታ ኣትሪፉ ‘ዩ፣ ግልጋሎት ቴሌኮምን፣ መብራህቲ ፣ ባንኪን ካልኦት መሰረታዊ ግልጋሎትን ብዝምልከት ዝተጎዱኡ ፅገና ብምግባር ግልጋሎት ንክጅምር ተገይሩ ‘ዩ ::

ትካላት ጥዕና ‘ውን ግልጋሎት ይህባ ኣለዋ ፤ ኢንዱስትሪ ኣብ ምስራሕ ይርከባ፤ ግብርና ትኹረት ብምግባር ሓገዛት እናተገበረሉ ‘ዩ፤ ካብዚ ብተወሳኺ 500 ትራክተር ተገዚአን ጁቡቲ በፂሐን ኣብ ምእታው ይርከባን እዚ ድማ ውፅኢት ስምምዕት ሰላም ‘ዩ :: ካብ ኹናት ዘትረፍናዮ ነገር የለን ፤ካብ ሰላም ግን ብዙሕ ነገር ኸሲብና ኢና:: ፀገማት እንትፍጠሩ ብዘተ ብምፍታሕ ንሓድሽ ወለዶ መርኣያ ክንኾን ይግባእ ::

ብዙይ ኣግባብ ኣብ ሃገርና ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝግባእን ብዘይግባእ ብቀሊሉ ብዘተ ዝፍታሕ ጉዳያት ናብ ጎንፂ ምኻድ ከም ኣብ ዕብየት ዘላ ሃገር ዓብይ ፅዕንቶ ዘሕድር ‘ዩ :: ንሰላም በሪ ዝኸፍት ዝኾነ ይኹን መገዲ ኣማራፂ ክኾን ይግባእ ፤ ካብዚ ወፂኡ ንሰላምን ልዕልነት ሓሳብን ድልዋት ክንኸውን ይግባእ ::

ክሳብ ኸዚ ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ዝተገበረ ምቅስቃስ ምስ ዘሎ ፀገም እኹል ንከይኸውን ይኽእል ፣ ገና ኣብ ቀፀልቲ ዝስርሑ ስራሕቲ ስለዘለዉ ብምትሕብባርን ብምዝርራብን እቲ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ክንገብር ይግባእ::

ወጋሕታ፡- ሐዚ ኣብ ትግራይ ዝራኣዩ ዘለዉ ፀገማት ብዘላቕነት ክፍታሕ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብላ ?

ወይዘሮ ኣበባ፡– መጀመርያ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኹናት ዝፀንሐ ህዝቢ ስለዝኾነ ናይ ማንነትን ሞራልን ሕቶ ከምዘለዎ ዝፍለጥ ‘ዩ:: እቲ ኣብ ገጠር ዝርከብ ሓረስታይ ብሰንኪ ኹናት ከይሓረሰን ከይጎልጎልን ኣብ ከቢድ ኹናት ከምዝፀንሐ ስዒቡ ኣብ ፀገምን ችግርን ከምዘሎ ኹሉ እናጸዓዘቦ ዘሎ ጉዳይ ‘ዩ::

በዚ ድማ ቀፃልነትን ህፁፅን ዝኾነ ሓገዝ ከድልዮ ‘ዩ እሞ ትኹረት ክዋሃቦ ይግባእ ይብል:: እቲ ካልይይ ድማ ብሰንኪ ኹናት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ዘለዉ ወገናት ናብ መረበቶም ብምምላስ ነጋዶ ክንግድ ፣ሓረስታይ ክሓርስ ተምሃሮ ክማሃሩ ከም ናይ ወትሮ ስሩዕ ናብርኡ ክቕፅል ክግበር ኣለዎ ዝብል ርኢቶ ኣለዎ:: ምስ ጎረባብቱ ዘለዎ ርክብ ድማ ንክጠናኸርን ነዚ ድማ መንግስቲ ፌደራል ዝሓንፀፆ ናይ ሰላም ክንውን ከምዘሎ ኾይኑ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ድማ ኣብ ምስፋን ሰላም ዓብይ ግደ ክህልዎ ይግባእ::

ወጋሕታ፡- ዘለናሉ ወርሒ ለካቲት በዓል ዓወት ዓድዋ ዝኽበረሉ ‘ዩ ፤ እቲ ዓወት ብኸመይ ይገልፀኦ ? ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዘስርሖ መዘከርታ ዓወት ዓድዋኸ ከመይ ትገልፀኦ ?

ወይዘሮ ኣበባ፡– ኢትዮጵያ ብዙሓት ዝትረኹ ታሪኻት ከምዘለዋ ዝፍለጥ ‘ዩ:: እቲ ዋና ድማ ዓወት ዓድዋ ‘ዩ:: እዚ ዓወት ዘሪአና ኢትዮጵያውያን ብምትሕብባር ናይ ሓባር ዕላማ እንድሕር ሒዞም ዝኾነ ምድራዊ ሓይሊ ምስዓር ከምዝካኣል ዘርኣየ ‘ዩ:: በዚ ምኽንያት ድማ ዓወት ዓድዋ ናይ ኢትጵያውያን እንተይኾነስ ናይ መላእ ፀለምቲ ነፃነት ዝፈጠረ ብብሪኪ ዓለም ዝኽበር ‘ዩ::

እዚ ተሰሪሑ ዘሎ ሙዝየም ሓድነት ኢትዮጵያውያን ዘርኣየ ‘ዩ:: ኣሰራርሕኡ ድማ ንኹሉ ጅግንነት ዝገልፅ ኾይኑ ብፍላይ ድማ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ጀጋኑ ቅድሚት ተሰሪዖም ዝተቐመጡ ኣፄ ሚኒሊክን እተጌ ጣይቱን ካልኦትን ፤ ከምኡ ድማ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ብሄር ከይፈለየ ብሓደ መንፈስ ዝተገበረ ተጋድሎ ብምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ::

እዚ ተጋድሎ ድማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ በዚ ገለፂ ብዝኸነ መገዲ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ምስርሑ ንዓና ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝብታት ኣፍሪካውያን ንናፅነት፣ ንማዕርነት ተስፋ ዝሃበ ዓወት ‘ዩ:: ሎሚ ንታሪኽ ዓወት ዓድዋ ብዝምጥን ኣግባብ ዝኽሪ ከምዝተሃነፀ፤ ታሪኽ ብግቡእ ብምርዳእ ከም ዓድዋ ሓደ ኾይኖም ዓወት ዘመዝገቡ ኣብ ልምዓትን ብልፅግና ‘ውን ሓደ ዝገብሩናን እርስበርስ ዘጠናኽሩና ተግባራት ክስርሑ ይግባእ::

እዚ ህዝቢ ሰራሒ ታሪኽ ህዝቢ ‘ዩ:: ከምዚ ዓይነት ታሪኽ ድማ ብደሚቑ ተፃሒፉ ንወለዶ ክሰጋገር ይግባእ:: እዚ ናይ መላእ ፀለምቲ ነፃነት ታሪኽ ‘ዩ:: ኣይግዛእን ናይ ዝበለ ህዝቢ ዓብይ ታሪኽ ‘ዩ:: ኣባና ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ብዙሕ ቦታ ‘ዩ ታሪኽ ዓድዋ ዝኽበር:: እዚ ዘሪአና ዓወት ዓድዋ ናይ ኹላትና ታሪኽ ከምዝኾነን ሓድነትና እናጠናኸረ ዘሎ ከምዝኾነን ‘ዩ::

እዚ ሙዝየም ፅቡቕ ገፅታ ዘርኢ ‘ዩ:: ካብ ዝተፈላላየ መገዲን ብመፅሓፍን ዝንገረና ዝነበረ ታሪኽ ብስእሊ ክንሪኦ ከለና ድማ ዝበለፀ ዘኹርዕ ታሪኽ ከምዝሓለፈ ዝገልፅ ‘ዩ:: እዚ ወለዶ ድማ ካብዚ ታሪኽ ተማሂሩ ናይ ባዕሉ ታሪኽ ክሰርሕ ኣለዎ:: ኣቦታትና እዚ ታሪኽ ንክሰርሑ ሓደ ዝገበሮም ናይ ሃገር ፍቕሪ ‘ዩ:: እዚ ታሪኽ ንደቅና ንደቂ ደቅና ክነምህርን እዚ ኣሰር ክኽተሉን ግድን ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዝገበረቶ ስምምዕነት ከመይ ይሪአኦ?

ወይዘሮ ኣበባ፡– ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪካ ዝፀንሐ ሓበራዊ ታሪኽን ባህልን ስለዘለና ኣብ መንጎና ዝርከብ ቀይሕ ባሕሪ ብሓባር ብምጥቃም ንኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዓብይ ለውጢ ምምፃእ ይካኣል ‘ዩ:: ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ በዚ ምትሕብባር እንድሕር ተጀሚሩ ኣብ ዓብዪ ብርኪ ክንበፅሕ ንኽእል ኢና::

ኣብዚ ምንቅስቓስ ምሁራት ይኹኑ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት እዚ ኣፍ ደገ ባሕሪ ተሓባቢርካ ኣብ ምጥቃም ትኹረት ገይሮም ክሰርሕሉ ይግባእ:: ለውጢ ንምምፃእ እንድሕር ኾይኑ ኣብ ስምምዕነትን ሓበራዊ ረብሓ እንትምስረት ከሎ ‘ዩ:: እዚ ጥራሕ እንተይኾነስ ብዙሓት መናእሰይ ዕድል ስራሕ ንክፈጥሩን ንክጥቀሙን ዝገብር ‘ዩ::

እዚ ድማ ብመንግስቲ ጥራሕ እንተይኾነስ ህዝብን መንእሰይን ንመፃኢ ብሩህ ነገር ኣብ ምምፃእ ፍልጠት ዘለዎ ብፍልጠቱ፤ ሞያ ዘለዎ ብሞይኡ እዚ ዕድል ናብ ረብሓ ክቕይር ዓብይ ግደ ክፃወቱ ይግባእ ። ኣፍሪካውያን እናተሰደዱ ናብ ዝተፈላለዩ ኣውሮፓን ካልኦት ዓድታትን ካብ ምምስዳድ ክቕንስ ዝኽእል ከምዚ ዓይነት ስምምዕነትን ብዘለካ ነገር ተጠቃምነትን ፍትሓውነትን ክህሉ ከሎ ‘ዩ:: ንመንእሰይ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ስደት ክቕረፍ ዝኽእል ከምዚ ሕዚ ተረኺቡ ዘሎ ዕድል ክርከብ ከሎን ዝተረኸበ ዕድል ናብ ተግባር ብምቕያርን ‘ዩ።

እዚ ስምምዕነት ተግባራዊ ንክኸውን እንታይ ዓይነት ስራሕቲ የድሊ እንድሕር ኢልና ኹላትና ከም ህዝቢ ክንርዳዳእ ኣለና፤ እዚ መፂኡ ዘሎ ዕድል ብዝርርብን ምኽንያታዊ ብዝኾነ ኣካያይዳን ንኹሉ ብማዕረ ተረባሒ ብዝገብርን መገዲ ተጠናኺሩ ክቕጽል ኣለዎ:: እዚ ድማ ኣብ ኢኮኖሚ ሃገርና ዓብይ ለውጢ ናይ ምምፃእ ፅዕንቶ ኣለዎ::

ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ዕቀባ ሓመድን ማይን ልምዓት መስኖ ፀገም ህዝቢ ኣብ ምፍታሕ ዘለዎ ግደ ከመይ ይገልፀኦ ?

ወይዘሮ ኣበባ፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ መልከኣ ምድሪ ብተፈጥሮ ብተኸታታሊ ምኹትዃትን ምንክብኻብን ዝደሊ ‘ዩ:: እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግና ንዝሓለፉ ዓመታት ሓረስታይ ከይሓረሰ ዝፀንሐ ዕንቅፋት ዝኾን ነገር ምግጣሙ ኣይተርፍን::

እዚ ፀገም ንምፍታሕ ሓመድን ዕቀባን ብምክትታል ብምልስላስ ዝራእቲ እዋኑ ሓልዩ ክዝራእ ብምግባር እዚ ዝፍጠር ፅዕንቶ ብሓገዝ ጥራሕ እንተኾይነስ ባዕሉ ንባዕሉ ዝኽእለሉ መገዲ ምፅኡ ኣይተርፍን:: እዚ ንክኾን እቲ ህዝቢ ጥራሕ እንተይኾነስ መንግስቲ ተሓዊስዎ ኽትትል ተገይርዎ ፣ክትትል ‘ውን እናተገበረሉ ‘ዩ ተጠናኺሩ ድማ ክቕፅል ኣለዎ::

ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዋሕዲ ዝናብ ብተደጋጋሚ ብድርቂ ካብ ዝጥቓዓ ክልላት ሓንቲ ምዃና ትፍለጥ ‘ያ። እዚ ድማ ኣብቲ ህዝቢ ምስ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝነበረ ዘይምርግጋዕ ተሓዊሱ ኣብ ዓብይ ዕንቅፋት ከምዝፈጠረ ዝዝከር ‘ዩ:: ብተደጋጋሚ ድርቂ ኣብ ዘጋጥመሉ ከባቢ ቁጠብኡን መነባብርኡን ኣብ ሕርሻ ዘደረኸ ነባራይ ገጠር እዚ ፀገም ንምሕላፍ ዝተፈላለየ ሓገዛት የድሊ ‘ዩ።

ድርቂ፣ ብርስት ኣግራብን ምስ ኣቀማምጣ መሬታ ተተሓሒዙ ኽትትል እንድሕር ዘይተገይርሉ ዝመፅእ ፅዕንቶ ቀሊል ኣይኾንን:: ሎሚ ዘበን ብብርኪ ሃገር ዕቐባ ሓመድን ማይን ትኹረት ተገይሉ እናተሰርሐ ‘ዩ :: ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብምክያድ ብፍላይ ድማ ከም ትግራይ ዝበለ ዝተጎድአ ክልል ዝህልዎ ለውጢ ቀሊል ኣይኮነን:: ኢኮኖሚያዊ ረብሕኡ ልዑል ብምዃኑ መንግስቲ ‘ውን ትኹረት ገይሩ ተትቕፅለሉ ይብል :::

ወጋሕታ፡- ንህዝብን መንእሰይን ትግራይ እንታይ መልእኽቲ የሕልፋ ?

ወይዘሮ ኣበባ፡- ህዝቢ ትግራይ ናይ ኹናት ጀግና ጥራሕ እንተይኾነስ ናይ ልምዓት ጀግና ከምዝኾነ ‘ውን ይፍለጥ ‘ዩ:: ኸዚ ብምኽንያት ኹናትን ድርቅን ዝገጠመና ፀገም ንምብዳህ ናይ ሰላምን ልምዓትን ሓርበኛ ኾይኑ ክሰርሕ ይግባእ ::

ከምኡ ድማ መናእሰይ ትግራይ ፖለቲከኛታት ዘምፅእዎ ዝኾነ ይኹን ፀገማት ባዕሉ ንባዕሉ ዘተ ብምግባር ንምንታይ ብምባልን ክሓትትን ከስተውዕልን ይግባእ:: እቲ ናይ መጀመርያ ተጎዳኣይ እቲ ህዝቢ ‘ዩ:: ስለዚ ናብ ድሕሪት ንከይምለስ ክጥንቀቕ ኣለዎ::

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን::

ወይዘሮ ኣበባ፡– ኣነ ‘ውን የመስግን::

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 14 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *