ቅንያት ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪካ

ናይ ሐዚ ሕብረት ኣፍሪካ 17 ግንቦት 1955 ዓ.ም ወድብ ሓድነት ኣፍሪካ ብዝብል ሽም ኣብ ኢትዮጵያ/ኣዲስ ኣበባ ዝተመስረተ ኮይኑ ድሕሪ 1994 ዓ.ም ሕብረት ኣፍሪካ ናብ ዝብል ብሓድሽ ስያመን ኣወዳድባን ቀፂሉ ኣሎ፡፡

ዕላማ ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ ኮነ ሕብረት ኣፍሪካ ድማ ሓድነትን ምትሕግጋዝን ሃገራት ኣፍሪካ ንምድንፋዕ፣ ሉኡላውነት መንግስታት ንምክልኻልን ንምሕላውን፣ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምክልኻል፣ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕ፣ ኣብ ዓለማዊ ቁጠባ ብዝበለፀ ብምስታፍ ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን ፖለቲካውን ፀገማት ብዝበለፀ ንምፍታሕን፣ ፖሊሲታት ኣባላት ሃገራት ንምውህሃድን ንምስምማዕን ‘ዩ።

እቲ ሎሚዘበን ንመበል 37 ዝተኸየደ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ‹‹ንመበል 21 ክፍለ ዘመን ዝምጥን ኣፍሪካዊ ምምሃር፤ ጠንካራ ስርዓተ ትምህርቲ ብምህናፅ ኣብ ኣፍሪካ ፅሬትን ተበፃሕነትን ዘለዎ ትምህርቲ ምስፋሕ›› ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እቲ ሕብረት ዘዳለዎ ናይ 2024 ዋዕላ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ተኻይዱ ‘ዩ፡፡

ህሉው ኩነታት ሰላምን ፀጥታን ኣፍሪካ፣ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝግበሩ ዘለዉ ትካላዊ ምምሕያሻት፣ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ኣብ ኣፍሪካ፣ እቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝተዘተየሎም ኣጀንዳታት ‘ዮም። ብተወሳኺ ን10 ዓመት ትግባረ ቀዳማይ ምዕራፍ ኣጀንዳ 2063 ኣብ ግምት ብምእታው ንኻልኣይ ምዕራፍ ኣጀንዳ 2063 ዝምልከት ትልሚ 10 ዓመት ዘትዩ ኣፅዲቑ ‘ዩ።

ኣብ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ከባቢ ናፃ ንግዲ ኣህጉር ኣፍሪካ፣ ሕርሻን ለውጢ ኩነታት ኣየርን፣ ሰብኣዊ መሰላት፣ ምፍጣር ስራሕ፣ ምብቓዕ መናእሰይ ከምኡ ‘ውን መረፃን ካልኦት ጉዳያትን ተዘትዩሎም ‘ዩ። እቲ ዋዕላ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትካላት ሕብረት ኣፍሪካ፣ ውዳበታትን ኮሚቴታትን ብምድማፅ ዛዚሙ ‘ዩ፡፡ ስራሕ ፈፀምቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ኣቐዲሞም ከካይድዎ ኣብዝፀንሑ ኣኼባ ዝተፈላላዩ ሓሳባት ናብቶም መራሕቲ ቐሪቦም ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብምንፅባራቕን ዝተፈላለዩ ውሳነታትን አሕሊፉ ‘ዩ፡፡

ብተወሳኺ ኣብቲ ዋዕላ ፕረዚደንት ሞሪታንያ መሀመድ ኦውልድ ጋዝዋኒ ንኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳፋቒ ብምትካእ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ተመሪፆም ‘ዮም፡ ፡ እቶም ኣቦመንበር ኣብ መዛዘሚ እቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ድማ እቲ ዋዕላ ብዝበለፀ ኣብ ትምህርቲ ኣፍሪካ፣ ኣህጉራዊ ሰላምን ፀጥታን ዘላቒ ልምዓትን ቀንዲ ትኹረት ገይሩ ከምዝዘተየ ገሊፆም ‘ዮም።

ኣፍሪካ ኣብ መድረኽ ዓለም ድምፃ ንምስማዕ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ቀዋሚ መንበር ክትደሊ ምዃና ብምሕባር፤ ሕቶ ፍትሓውነትን ንኹሉ ዝሓቁፍን መሓውር ፀጥታ ዓለም ክምለስ ይግባእ ክብሉ ‘ውን ተዛሪቦም ‘ዮም። ሓደ ካብቶም ትኹረት ዝግበረሎም፣ ኣተገባብራ ዞባ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ምቅልጣፍ ምዃኑን ብምግላፅ፣ እዚ ካብ ቃላት ናብ ተግባር ክቕየር ከም ዘለዎን ቅልውላው ናይታ ኣህጉር ናይ ምፍታሕ ከምኡ ‘ውን ኣጀንዳታት ሃገራት ምስ ኣጀንዳ 2063 ብምጥዕዓም ክትግበሩ ይግባእ ኢሎም፡፡

ከምኡ ‘ውን ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ኣተገባብራ ኣጀንዳ 2063 ምምሕያሻት ከምዝተራእየ ብምግላፅ፣ ሰላማዊት፣ ብልፅግትን ዝተረጋገዐትን ኣህጉር ንምህናፅ ብትኹረት ከምዝስራሕ ገሊፆም ‘ዮም፡፡ ብተወሳኺ ኣብ መድረኽ ዓለም ኣወንታዊ ምስሊ ኣፍሪካ ንምህናፅ ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዘድሊ ብምግላፅ፤ በዚ ድማ ብናይ ባዕልና ትንተናን ምትሕብባርን ሃገራዊ ፀገማትና ንምፍታሕ ብቆራፅነት ንምስራሕ ትፅቢት ይግበር ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ኣቦመንበር ኣብዚ ዝተተሓዘ ዘመን ስራሕ እቲ ሕብረት ኣህጉራዊ ሰላምን ምርግጋዕን ኣብ ምፍጣር፣ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኣብ ምሕያል ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊፆም ‘ዮም። ብተወሳኺ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ደ/ር)፣ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኩለመዳያዊ ፕሮግራም ልምዓት ሕርሻ ኣፍሪካ መሪሕነቶም ኣብቲ ፕሮግራም በቢ ክልተ ዓመት ዝቐርብ ገምጋማዊ ፀብፃብ ንመራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን እቲ ሕብረት ኣቅሪቦም ‘ዮም።

ፕሮግራም ኩለመዳያዊ ልምዓት ግብርና ኣፍሪካ ንናይ ኣፍሪካ ንለውጢ ሕርሻ፣ ምፍጣር ሃብቲ፣ ውሕስነት መግብን ኣመጋግባን፣ ዝተመጣጠነ ኣቕርቦት ምግቢ፣ ቁጠባዊ ዕብየትን ብልፅግናን ኣፍሪካ ከም ፖሊሲ ማዕቀፍ ኮይኑ ዘገልግል ‘ዩ፡፡ ዕቤት ዘፈር ሕርሻ ኢትዮጵያ ኣካል ሪፖርትኦም ብምግባር ኣቕሪቦም ‘ዮም፡፡

ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ንጉዳይ ፀጥታ እታ ኣህጉር ብዝምልከት መግለፂ ሂቡ ‘ዩ። ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፣ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዴኦዬ መግለፂ ዝሃቡ እንትኾኑ ኣብመግለፂኦም፤ ኣብ ኣፍሪካ ግብረራዕዲ፣ ፅንፈኝነት፣ ጎንፂ፣ ዘይሕገ መንግስታዊ ለውጢ መንግስቲን ካልኦት ፀጥታዊ ስግኣታትን ነታ ኣህጉር ብድሆ ኮይኖም ይቕፅሉ ከምዘለዉን ዘላቒ ፍታሕ ክርከበሎም ከምዘለዎን ኣብሪሆም ‘ዮም።

ምኽሳት እዞም ፀገማት በቢእዋኑ እናወሰኹ ይኸዱ ከምዘለዉ ብምግላፅ፣ ብሰንኪ እዞም ፀገማት ኩነታት ፀጥታ እታ ኣህጉር ኣብ ዘተሓሳስብ ደረጃ ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም፡፡ ሕብረት ኣፍሪካ ኢ-ሕገ- መንግስታዊ ለውጢ መንግስቲ ከምዘይዕገስ ብምግላፅ፣ ሽዱሽተ ሃገራት ነዚ ተግባር ብምፍፃመንን ዲሞክራስያዊ መትከላት እቲ ሕብረት ብምጥሓሰንን ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ተኣጊደን ኣለዋ ከብሉ ሓቢሮም።

ብምዃኑ ኣብዘን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ምስግጋር ሕገ መንግስታዊ ስርዓት፣ ልዕልና ሕጊ፣ ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ናፅነታትን ናብ ንቡር ንምምላስ ክድገፍ ከምዘለዎ እቲ ሕብረት ኣመልኪቱ ‘ዩ። ኣብ ኣፍሪካ ዲሞክራስያዊ ስግግር ስልጣንን ነባሪ ሰላምን ደገፍ ከምዝወሃቦ ብምጥቓስ፣ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ግን ፍፁም ኣይንፃወርን ክብሉ ኣረጋጊፆም ‘ዮም፡፡

ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሱዳን ብዝምልከት ኣብዝቀረበሎም ሕቶ ኣብዝሃብዎ መብርሂ፤ ጎንፂ ዘየድሊ ብምዃኑ ክልቲኦም ወገናት ጠበንጃኦም ኣቐሚጦም ናብ መኣዲ ሰላም መፂኦም ፍልልያቶም ብዘተ ክፈትሑ ሓቲቶም፡፡ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሱዳን ሰላም ንምምፂእ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ከምዝቕፅል ‘ውን ኣረጋጊፆም።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ምስሕሓብ ብዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፣ እቲ ጉዳይ ብዘተ ክፍታሕ ከምዘለዎ ብምምልካት፤ ኣብ ኣፍሪካ ሰላም ንምርግጋፅን ድምፂ ጥይት ንኸይስማዕን ተሳትፎ ኩሎም ወገናት ዘረጋገፁ ንጥፈታት ህንፀት ሰላም፣ እቲ ማሕበር ብትኹረት ዝስረሓሎም መዳያት ምዃኖም’ውን እቶም ኮሚሽነር ኣብሪሆም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ኣህጉር ዘሎ ናዕቢ ንምፍታሕ ብሓባር ኣብ ምስራሕ ትኹረት ከምዝግበሩን ኣብ ኣፍሪካ ቀፃሊ ምዕባለ ንምምፃእ ኣብ ኣፍሪካ ሰናይ ምምሕዳርን ዲሞክራስን ኣገዳሲ ምዃኑ ‘ዮም ዘምልክቱ እቶም ኮሙሽነር። ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ ‘ውን ነቲ ዋዕላ ጠሚቱ መግለፂ ዝሃበ እንትኸውን፤ ኢትዮጵያ ኣብ መትከል ኣህጉራዊ ዲፕሎማሲ ዝተመስረተ ዋዕላ ምእንጋዳ ሃገራዊ ክብርን መንነትን ‘ዩ ይብል፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ግልጋሎት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ፣ መበል 37 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ትምህርቲ ብዝምልከት ክካየድ ምፅንሑ ኣልዒለን። ኢትዮጵያ ንዕውትነት እቲ ዋዕላ እትገብሮ ምድላዋት ውፅኢታዊ ምውህሃድ ሰላምን ድሕንነትን፣ ወሃብቲ ግልጋሎትን ነበርቲ ርእሰ ከተማን፤ ንተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ዝተገበረ ፍሉይን ምዉቕን ኣቀባብላ ዓብዪ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ከምዝኾነ ገሊፀን።

ናብቲ ዋዕላ ዝመፁ መራሕቲ ሃገራት፣ ሓለፍቲ ዓለምለኸ ትካላት፣ ዲፕሎማሰኛታትን ዕዱማትን ኣህጉራዊ ዲፕሎማስያዊ ክብሪ ብዝተላበሰ መልክዕ ክትኣናገዱ ምኽኣሉ ብምግላፅ፤ ብተወሳኺ ንብዙሓት ወሃብቲ ግልጋሎት ኣብ ዕውትነት እቲ ዋዕላ ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ኣመስጊነን።

ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ካብ ቅድመ ዋዕላ ጀሚሮም ምስ ሓይልታት ፀጥታ ብምትሕብባር ኣጋይሽ ኣብ ምቕባል ዘለዎም ክብሪ ብምርኣይ ንዝገበርዎ ደገፍ ደጊመን ኣመስጊነን። ብተወሳኺ ኣብ መትከል ዓለም ለኸ ዲፕሎማሲ ዝተመስረተ ዋዕላ ምእንጋድ ሃገራዊ ክብርን መንነትን ኢትዮጵያ ምዃኑ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ሶማሊያ ዘቕረቦ ክሲ መሰረት ዘይብሉን ምስ ክብሪ ኣቀባብላ ኢትዮጵያውያን ዘይስማዕማዕ ምዃኑን ሓቢረን።

ናይ ሎሚ ዓመት መበል 37 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪካ ብብዙሕ መዳይ ዕዉት ምንባሩ ብምምልካት፤ ኢትዮጵያ ኣብ ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ዝሃበቶ ኣቓልቦን ተመኩሮን ምጉላህ ከምዝተኻእለ ኣመልኪተን። ብተወሳኺ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ነቲ ምልክት ናፅነት ፀሊም ህዝቢ ዝኾነ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ዑደት ከምዘካየዱ ሓቢረን።

ኣብቲ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካን ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ፣ ዲፕሎማሰኛታት፣ ናይቲ ሕብረት መራሕቲን ውዳበታትን ተሳቲፎም ‘ዮም።ድሕሪ ምዝዛም እቲ ዋዕላ ድማ ብሰላም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 14 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *