‹‹ ዝገጠመና ድርቒ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ልምዓት መስኖ ቖላሕታ ሂብና እናሰራሕና ንርከብ ›› -ኣይተ ሚኪኤል ምሩፅ

ኣይተ ሚኪኤል ምሩፅ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ‘ዮም። ኣብዚ ዓመት ብዛዕባ ዝካየድ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን፣ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ከምኡ ‘ውን ሎሚዘበን ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ድርቂን ኣብ ንጥፈታትን ሕርሻ ዘለዎ ኣሉታዊ ፅልዋ ኣብ ዝብሉ ሓሳባትን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ኣመልኪትና ምስ ኣይተ ሚኪኤል ፃኒሕት ዝገበርና እንትንኸውን ሙሉእ ትሕዝትኡ ድማ ከምዚ ስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን ከምሃገር ዕቀባ ሓመድን ማይን እናተኻየደ ከምዝርከብ ዝፍለጥ ‘ዩ። ኣብ ክልል ትግራይ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ እንታይ ይመስሉ? ምስቲ ዝነበረ ኩናትን ሎሚ ዘበን ዘጋጠመ ድርቂ ዘሕድሮ ፅልዋ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሚኪኤል፡– ዕቀባ ሓመድን ማይ በቢዓመቱ ከምዝካየድ ዝፍለጥ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ኣብ ክልልና ምስቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝኣክል ዝፀንሐ ኩናት ስዒቡ ከምዚ ዓይነት ልምዓታት ንምክያድ ዝሕሰብ ኣይነበረን።

ሕዚ ምስቲ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ተተሓሒዙ ብዝተኸኣለ መጠን ዝተፈላላዩ ልምዓታት እናተሳለጡ ‘ዮም። ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣዝዩ ወሳኒ ‘ዩ። ስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ምሕዋይ ቀዳምነት ዝዋሃቦ ተግባር ‘ዩ። ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ ናብ ተግባር ኣይተኣተወን ዘሎ። ስራሕቲ ቕድመ ምድላው ‘ዮም እናተሰርሑ ዝርከቡ።

ሰብ ሞያ፣ ኣመራርሓታት፣ ካብ ወረዳታት ጀሚሩ ክሳብ ዞባታት ኣብ ሓደ መድረኽ ክርከቡ ብምግባር ዝተፈላላዩ ሓሳባት ኣብ ምልውዋጥ ኢና ንርከብ። ክሳብ ሐዚ ከመይ ከንሰርሕ ከምዘለና ናይ መድረኽ ስራሕቲ እናተኻየደ ‘ዩ ዘሎ። ብተመሳሳሊ በቢወረድኡ ‘ውን ንህዝቢ ኣብ ምልዕዓልን ዝተፈላላዩ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕን ኢና ንርከብ።

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ቅድሚ ብዕሊ ናብቲ ተግባር ስራሕቲ ዕቐባ ሓመድን ማይን ከምዚ ዓይነት ስራሕቲ ‘ዮም ዝካየዱ ዘለዉ። እቲ ሕዚ ናብ ስሩዕ ወፍሪ ንምእታው ዝግበር ዘሎ ምልዕዓል እንታይ ከምዝመስል ተገምጊሙ ናብ ስሩዕ ወፍሪ ዕቐባ ሓመድን ማይ ክእቶ ‘ዩ። ኣብ ባሕቲ ለካቲት ወይ ሓደ ለካቲት እቲ ዝነበረ ናይ ምድላው ኣካይዳ ብምግምጋም ክልተ ለካቲት ናብ ስሩዕ ወፍሪ ዕቐባ ሓመድን ማይን ድማ ክእቶ ‘ዩ።

‹‹ወፍሪ ዕቐባ ሓመድን ማይን ንዘላቒ ቑጠባዊ ውሕስናና›› ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢና ንምስራሕ ንሳናዳእ ዘለና። ሎሚ ዘበን ብፍላይ ተሓራሲ መሬት ተሓሳቢ ብዝገበረ ኢና ከንሰርሕ። ምኽንያቱ እቲ ክልል ኣብ ኩናት ብምፅንሑ ብዙሓት ፀገማት ዘለዎ ስለ ዝኾነ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ፀቒጥና ከንሰርሕ ኢና።

ሕዚ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ ማለት ኣብ ትሕቲ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝርከቡ ቦታታት ንምስላጥ ኢና ኣብ ምንቕስቓስ ንርከብ ዘሎና። እቲ ዘሎ ተሓራሲ መሬትና ብፍላይ ኣብቶም ናይ ፀጥታ ፀገም ዘይብሎም ኸባቢታት ብዕዮ ጉጅለ ኣቢልካ ኣብኡ ናይ ጠሊ ኩነታት ብምፍጣር ሰብ ሞያ ብዝመርሕዎ ኣጋባብ ‘ዩ ስራሕቲ ንምስራሕ ምድላዋት ዝግበሩ ዘለዉ።

ብዙሕ ዝተፈናቐለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ዘይተመለሰሉ ኩነታት ስለ ዘሎ ነቲ ክልል ኣብ ልምዓት ብዝግባእ ከይነጥፍ ተደራረብቲ ፀገማት ኮይኖሞ ‘ዮም። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ብዝነበረ ኮሮና ስዒቡ ድማ ኩናት ስለዝነበረ ከም ክልል ዕቐባ ስራሕቲ ሓመድን ማይን ክካየድ ከምዘይፀንሐ ዝፍለጥ ‘ዩ።

ቕድሚኡ ግና ክልል ትግራይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ምሕዋይ ብሃገር ይኹን ብዓለም ደረጃ ከም ሞዴል ዝውሰድ ዝነበረ ክልል ‘ዩ ነይሩ። ኣፍልጦ ዝነበሮ ክልል ምንባሩ ይፈለጥ ‘ዩ። ዕቐባ ሓመድን ማይን ወይ ተፈጥሮ ሃፍቲ ምሕብሓብ ዝምልከት ብፍላይ ከዓ ነቲ እንኽተሎ ዝነበርና ኣንፈት ልምዓት ሓደ ኣብነታዊ ኮይኑ ከም ኣብ ናይ 2017 ኣ.ፈ ኣፍልጦ ዝረኸበ ስራሕ ‘ዩ ነይሩ።

ኮይኑ ግን በቲ ዝገጠመና ኩናት ንሰለስተ ዓመታት ናይ ተፈጥሮ ሃፍቲ ምሕዋይ ስራሕ ኣይተሰርሐን። እኳዳኣስ ብምኽንያት እቲ ኩናት ንሰላሳ ኣርባዓ ዓመታት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ዝበረሰሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ካብ ተፈጥሮ ሃፍቲ ደን ጀሚርካ ብዙሓት ልምዓታት ባዲሞም ‘ዮም።

ስለዚ ሎሚ ዘበን ከም ክልል ኣብ ምዕቓብ ተፈጥሮ ሃፍቲ ከንሰርሕን ክንሓስብ እንተለና ብፍላይ ምስቲ ሕዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ናብ ስራሕ ንምእታው ዝተፈላላዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ዋላ እንተኾነ ግና ምስ ተማዛበልቲ ተተሓሒዙ ከምኡ ‘ውን ገሊኡ መሬት ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብዘይምህላዉ ዝተፈላላዩ ፀገማት ኣለዉ ‘ዮም።

ዝተፈናቐለ ህዝቢ ናብ ቦትኡ ብዘይምምላሱን ድርቂ ምግጣሙን ቀሊል ዝበሃል ፅልዋ ኣይኮነን ዘሕድር ዘሎ። ሰብ ስራሕን ናይ ተፈጥሮን ፀገማት ምስ ምህላዎም ሙሉእ ሓይልኻ ሙሉእ ብሙሉእ ከይትጥቐም ይገብረካ ‘ዩ። ኮይኑ ግና እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ዓርሰ ሙርኮሳ መሰረት ገይርና ከንሰርሕ ኣለና ብምባል ንንቀሳቐስ ኣለና ኢና።

ምስቲ ዝነበረ ኩናትን ሕዚ ዘጋጠመ ድርቒን ተተሓሒዙ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘሎ ዝፍለጥ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን እንተኾነ እቲ ክልል ገና መሊኡ ካብቲ ፀገም ዝወፀ ኣይኮነን። በቲ ኩናት ብዙሕ ካብ መረበቱ ዝተመዛበለ ህዝብን ካልኦት ፀገማት ኣለዉ ‘ዮም።

ብተወሳኺ እዚ ከምዚ እናሃለወ ካሊእ ፀገም ገጢሙና ‘ዩ። ንሱ ‘ውን ድርቒ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ዘጋጠመ ሕፅረት ዝናብ ስዒቡ ብተፈጥረ ድርቒ ኣብ ልዕሊ ሰብን እንስሳን ሕፅረት ምግቢ ኣጋጢሙ ‘ዩ። ብዙሕ ሰብ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ወዲቑ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ሎሚ ዘበን ኣብ ልምዓት መስኖ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ኸ እንታይ ይመስሉ? ክንደይ ዝኣክል ሄክታር መሬት ብመስኖ እናለምዐ ይርከብ?

ኣይተ ሚኪኤል፡- ናይ ሎሚዘበን ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ከንርኢ እንተለና ብዙሕ መሬት ትግራይ ናብ ልምዓት ስራሕቲ መስኖ ክኣቱ ኣይከኣለን። ኩሉ ከምዝፈልጦ ብፍላይ ስፍሕ ዝበለ መሬት ትግራይ ሕዚ ካብ ኢድ ግዝያዊ ምምሕዳር ወፃኢዝርከብ።

ሎሚዘበን ኣብ ኢድ ግዝያዊ ምምሕዳር መንግስቲ ካብ ዝርከብ መሬት ልዕሊ 50 ሺሕ ሄክታር ብመስኖ እናለምዐ ይርክብ። ናይ ሎሚ ዘበን ናይ መስኖ ስራሕትና ምስቲ ዝገጠመና ድርቂ ተተሓሒዙ ምህርቲ እቶት ንምውሰኽ ኣብ ናይ መስኖ ስራሕቲ ብስፍሓት ክንነጥፍ ኣለና ኢልና ብምሕሳብ ናይ ምንጣሮ ስራሕቲ ብምውሳኽ ኢና ኣብ ልዕሊ 50 ሺሕ ሄክታር መሬት እናልማዓና ንርከብ።

ወጋሕታ፡- ኣብቲ መስኖ ኣብ ምንታይ ዓይነት ዝራእቲ ወይ ኣሕምልቲ ‘ዩ ዝያዳ ቖላሕታ ተገይሩ ዝስራሕ ዘሎ?

ኣይተ ሚኪኤል፡– ኣብዚ ሰለስተ መሰረታዊ ነገራት ኣለዉ፤ እቲ ሓደ ኣብ ክረምቲ መፍረያይነት ዘርኢ ክሓፅረና ስለዝኽእል ኣብ ናይ መስኖ ስራሕቲ ኣብ ናይ ዘርኢ ምብዛሕ ስራሕቲ ንሰርሐሉ ኣጋባብ ‘ዩ ዘሎ። ንቐፃላይ ክረምቲ ንዘርኢ ክሕግዙና ዝኽእሉ ብፍላይ ከዓ ምስ ስርናይ ብስፍሓት ንኸደሉ ኣለና ኢና።

ኣብዚ መዳይ እዚ ማለት ስርናይ ብምብዛሕ ዓርስኻ እትኽእለሉ ምኽንያት ኣብ ክረምቲ ናይ ዝራእቲ ወቅቲ ክኸውን እንተሎ ኣቕርቦት ዘርኢ ከይሰኣን ተባሂሉ እናተሰርሐ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ተዘሪኡ ዝነበረ ዝራእቲ ‘ውን ኣብ ናይ ማህበራት ግራውቲ፣ ኣብ ናይ ሓረስታይ ግራት ተዘሪኡ ዝነበረ ዝራእቲ ሙሩፅ ዘርኢ ናይ ምብዛሕ ዝራእቲ ‘ውን እናተሰርሐ ይርከብ። ካሊእ ኣሕምልቲ ‘ዮም።

ኣብቶም ዓይነታት ዝራእቲ ብተናፀል እዚ እንተይበልና ነቲ ኣግሮ ኢኮሎጂ መሰረት ዝገበረ ብዋናናት ኣብ ልምዓት ኣሕምልቲ መሰረት ዝገበረ ‘ዩ። ማለት ብስፍሓት ኣብ ከምዚኦም ኮይኑ ብዝተፈላላዩ ቐዋሚን ዘይቐዋሚን ተኽልታት እናለምዐ ኣሎ።

ወጋሕታ፡- እቲ ዝነበረ ሕፅረት ዝናብ ኣብ ምስፍሕፋሕ መስኖ ዝፈጠሮ ፅልዋ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሚኪኤል፡- ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ዝነበረ ሕፅረት ዝናብ ንናይ ሎሚዘበን ስራሕቲ መስኖና ናይ በዓሉ ኣሉታዊ ፅልዋ ኣሕዲሩ ‘ዩ። እቲ ሕፅረት ዝናብ ወይ ድርቒ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ‘ዩ ብስፍሓት ኣጋጢሙ።

ካብ ዞባ ምብራቕ ጀሚሩ ክሳብ ዞባ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን። እዚ ቐሊል ዝበሃል ድርቒ ኣይኮነን። ካብ ድርቒ ሓሊፉ ናብ ጥሜት ተሳጋጊሩ ‘ዩ። እዚ ብዙሓት ሚድያታት ፀብፂበንኦ ‘የን። እዚ ድርቒ ኣብ ሕብረተሰብና ዝፈጥሮ ፀገም ቀሊል ዝበሃል ኣይኮነን።

ኩልና ከምእንፈልጦ መብዛሕትኡ ሕብረተሰብና ኣብ ሕርሻ ዝተመስረተ ወይ ዝመሓደር ብምዃኑ ከቢድ ጉድኣት ኣስዒቡሉ ‘ዩ። እቲ ሕፅረት ዝናብ ካብ ኣዝዩ ምቕናስ ምህርቲ ክረምቲ ሓሊፉ ኣብ ልምዓት መስኖ ‘ውን ከቢድ ፅዕንቶ ኣሕዲሩ ‘ዩ።

ብፍላይ ኣብተን ልዕል ኢለ ዝጠቐስኩወን ዞባታት እኹል ዝናብ ብዘይምዝናቡ ስዒቡ ብዙሓት ናይ ማይ ኣፍላጋት ዝደረቓሉ ኩነታት ተፈጢሩ ‘ዩ። ኣብቲ ናይ ሓረስታይ ሕርሻዊ ንጥፈታት ብዓብይኡ ፅልዋ ኣሕዲሩ ‘ዩ። ስለዚ ክንድትዝድለ ናይ ማይ መጠን ብዘይ ምህላዉ ክንድ እቲ ክሳለጥ ዝግበኦ ናይ መስኖ ስራሕቲ ኣይተሳለጠን ዘሎ።

ስለዚ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት እቲ ክልል ወይ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስቲ ዝነበረ ኩናት ተተሓሒዙን ድርቕን ካልኦት ብዙሓት ፀገማት ዘለውዎ ክልል ‘ዩ። ንሓረስቶት ዝግበር ሓገዝ ኣዝዩ ውስንነት ስለ ዘሎ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ሓረስቶት ባዕሎም ገንዘብ ብምውፃእ ጎዳጉዲ እናዃዓቱ ‘ዮም ዝርከቡ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ራያ፣ ኣብ ከባቢ ጨርጨር እቲ ሓረስታይ ተወዲቡ ገንዘብ ብምውፃእ ጎዳጉዲ ናይ ማይ ብምኹዓት እናልመዐ ይርከብ። ከምኡ ‘ውን ኣብ እንደርታ ተመሳሳሊ ስራሕቲ እናሰርሑ ይርከቡ። ኣብዚ ከንርድኦ ዝግባእ እቲ ሓረስታይ ነቲ ዘጋጠሞ ድርቒ መፍትሒኡ ወይ ክቓለል ዝኽእል መስኖ ብምልማዕ ምዃኑ ተረዲኡ እናሰርሐ ይርከብ።

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብርክት ዝበሉ ናይ ማይ ጎዳጉዲ ማለት ካብ ኣናእሽተይ ክሳብ ዓበይቲ ጉዳጉዲ፣ ካብ 150 ክሳብ 190 ሜትሮ ጥልቀት ዘለዎም እቲ ሓረስታይ ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ብሚሊዮት እናዋፀአ ጎዳጉዲ ብምዃዓት እናልመዐ ይርከብ። ይኹን ‘ምበር እቲ ሓረስታይ ረኺቡ እንተይኮነስ ዘለወኦ ጥሪት ብምሻጥ ‘ዩ ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ሒዙ ዝሰርሕ ዘሎ።

እቲ ሓረስታይ ናብ ከምዚ ዓይነት ስራሕቲ ኣትዩ ዘሎ መንግስቲ ምስቲ ዝነበረ ኩነታት ተተሓሒዙ እኹል በጀት ስለ ዘይብሉ እኹል ሓገዝ ስለ ዘይገበረሉ ‘ዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ካልኦት ናይ ልምዓት ኣካላት ሓገዝ ክገብሩልና ኣለዎም። በርግፅ መንግስቲ ፌዴራል ሓገዝ ይገብረልና ኣሎ ‘ዩ፤ ካልኦት ኣካላት ‘ውን ዝዓቕሞም ይሕግዙና ኣለዉ ‘ዮም። ኮይኑ ግና ምስቲ ኣብቲ ባይታ ዘሎ ፀገም ክረአ እንተሎ ነቲ ፀገም ሙሉእ ብሙሉእ ዝፈትሖ ኣይኮነን።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ወረዳ እንደርታ ብርክት ዝበሉ ሓረስቶት ብናይ ባዕሎም ተበግሶ ተወዲቦም ዝነበረኦም ጥሪታት ብምሽጥ ካብ 50 ሽሕ ክሳብ 80 ሽሕ ብር ብምውፃእ ካብ ሓደጋ ድርቒ ንምውፃእ ጎዳጉዲ ብምኹዓት እናሰርሑ ይርከቡ። ስለዚ ምስቲ ዘሎ ኩነታት ርኢኻ ስራሕቲ መስኖ ብዝተኸኣለ መጠን ደሓን ይኸይድ ኣሎ ምባል ይከኣል።

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ክቐሪ የብሉን ዝብልዎ ሓሳብ እንተልዩ ክገልፁልና ዕድል ክህቦም?

ኣይተ ሚኪኤል፡- ኣነ ክገልፆ ዝደሊ ሕርሻ ትግራይ ስሙር ክኸውን ዝተፈናቐለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ስሩዕ መነባብርኡ ክመርሕ ክግበር ኣለዎ። እዚ ህዝቢ እዚ ካብቲ ቐንዲ ናይ ሕርሻ ቦታታት ትግራይ ‘ዩ ተመዛቢሉ ዘሎ።

እዚ ህዝቢ እዚ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ንበዓሉ ኮይኑ ንዕቤት ሕርሻ ትግራይ ዘበርክቶ ግደ ቐሊል ኣይኮነን። ፎቖድኡ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓቒቡ ዘሎ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ መነባብርኡ ዝመርሐሉ ኩነታት ክፍጠር ክኽእል ኣለዎ ዝብል ቑፅሪ ሓደ መልእኽተይ ‘ዩ።

ብዙሕ ዝተመዛበለ ህዝቢ ሒዝካ እቶም ፀገማት ንምቅራፍ ኣዝዩ ከቢድ ‘ዩ። እቲ ህዝቢ ንባዕሉ ኮይኑ ንካሊእ ህዝቢ ዝኸውን ዝነበረ ህዝቢ ‘ዩ። ሕዚ እዚ ህዝቢ እዚ ረድኤት ዘቋሙቶሉ ‘ዩ ኮይኑ ዘሎ። ብሓፈሻ እዚ ህዝቢ እዚ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ናይ ሕርሻ ንጥፈታቱ ብምክያድ መነባብርኡ ክመርሕ ግዝያዊ  ምምሕዳር ትግራይ፣ መንግስቲ ፌዴራል ይኹን ካልኦት ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ግዲኦም ክፃወቱ ኣለዎም።

ካሊእ ብሓፈሻ ንህዝቢ ትግራይ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፣ ሕርሻ ትግራይ ክሓዊ እንድሕር ደኣ ኮይኑ ኣብ ተፈጥሮ ሃፍቲ ምሕዋይ መሰረት ዝገበረ ልምዓት ከካይድ ኣለዎ። ከም ኣንፈት ዝውሰድ ዘሎ ‘ውን ማለት ከም ሃገራዊ ፖሊሲ ሕርሻ ዝመርሖ ልምዓት ኢንዱስትሪ ‘ዩ ዝብል።

ከም ክልል ትግራይ ከንወስዶ እንተለና ድማ ብኣንፈት ደረጃ እንትነንፅሮ እንተለና ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ መሰረት ዝገበረ ሕርሻ ዝመርሖ ልምዓት ኢንዱስትሪ ‘ዩ። ስለዚ ሕብረተሰብና ሃፍቲ ተፈጥሮ ምሕዋይ ናይ ሞትን ሕውየትን ገይሩ ክወስዶ ይግባእ።

ምኽንያቱ ሃፍቲ ተፈጥሮ ከየሕወና ዝራእቲ ምኽዕባት፣ ልምዓት መስኖ ምስፍሕፋሕ ኣይንኽእልን። ናይ ሃፍቲ እንስሳ ውፅኢት ምውሳኽ ‘ውን ኣይንኽእልን። ስለዚ ነዚ ተረዲእና ብዕቱብ ከንሰርሕ ይግበአና ብምባል መልእኽተይ ከሕልፍ ይደሊ።

በቢደረጅኡ ዘሎ ኩሉ ኣመራርሓ ብዝተወደበ መልክዕ ነቲ ሕብረተሰብ ብምልዕዓልን ብምውዳብን ክሰርሕ ይግባእ። ነዚ ክገብር እንተሎ ድማ ቦታታት ፈልዩ ብምፍላጥ ናብ ሓደጋ ብዘየአቱ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ናይ ማይን ሓመድን ዕቀባ ስራሕትና ብዕቱብ ንኽሳለጥ ኩሉ ብዝኸኣሎ ክረባረብ ፃውዒት ከቕርብ እደሊ።

ወጋሕታ፡– ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና።

ኣይተ ሚኪኤል፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 30 ጥሪ 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *