‹‹በዓላት ኣደባባይ ናይቲ ማሕበረሰብ ባህላውን ሃይማኖታውን  ትሩፋት ብምድማቕ ግደኦም ብዙሕ‘ዩ ››  – መምህር ሚካኤል ግርማይ

ኣብ ወርሒ መስከረም ካብ ዝኽበሩ በዓላት ኣደባባይ በዓል መስቀልን ኢሬቻን ይጥቀሱ። በዓል መስቀል ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብድምቀት ዝኽበር በዓል ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓድግራትን ህዝቢ ብሄረስብ ኢሮብን በዓል መስቀል ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብዝደመቐ ኣግባብ ዘኽብሮ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓል‘ዩ።

ሰባት መስቀል ንምኽባር ከካብ ዘለውዎ ናብ ከባቢኦምን ናብ ቤተሰቦምን ዝተኣኻኸብሉ በዓል ከምዝኾነ ይፍለጥ ኣብ ከተማ መቐለ መስቀል ብፍሉይ ‘ጎቦ ጮምዓ’ ን ‘እንዳ ፀባን’ ኣብ ዝበሃሉ ቦታታት ብድሙቕ እንትኽበር ካብ ፅባሕ ሓዱሽ ዓመት ጀሚሩ ብናፍቆት ትፅቢት ዝግበሮ በዓል መስቀል ሃይማኖታዊን ባህላዉን ትሕዝቶ ዘለዎ በዓል ‘ዩ።

ኣብ ትግራይ ከባቢ ዓጋመ ኢሮብ ከምኡ ‘ውን ኣብ ጉራጌን ፍሉይ ቆላሕታ ዘለዎን ቤተሰብ ንቤተሰብ ዝጠያየቁሉን ብፍሉይ ምትእስሳር ዘለዎን በዓል ብምዃኑ ኣብ ካሊእ ከባቢ ካብ ዝኽበር ቁሩብ ፍልይ የብሎ። እዚ ባዓል ናይ ኣዳባባይ ባዓል ስለዝኾነ ፍሉይ ክዋነ ስለዘለዎን በፃሕቲ ዓዲ ብብዝሓት ዝሳተፍሉ ‘ዩ። ባዓል መስቀል እንትኽበር ካብ ወፃኢ ዓዲ ብዙሕ ተዓዳሚ ዝመፀሉ በዓል ስለዝኾነ ፍልፍል ቱሪዝም ብምዃን ዓብይ ግደ ዘለዎ ‘ዩ።

ድሕሪ መስቀል ስዒቡ ዝመፅእን ብማሕበረሰብ ኦሮሞ ብድምቀት ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ‘ዩ። ኢሬቻ ንኣምላኽ ምስጋና ዝቐርበሉ በዓል እንትኾን ብዝተፈላለየ ምድላዋትን ባህላዊ ኣልባሳትን ደሚቑ ዝኸበር ‘ዩ። እዚ ባዓል ኣደባባይ ንምዕዳም ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብርክት ዝበሉ በፃሕቲ ዓዲ ከምዝመፁ ይፍለጥ። እዚ ድማ ምኽንያት ሓደ ኣታዊ ቱሪዝም ሃገርና ‘ዩ።

በዓላት ኣደባባይ ንዕብየት ቱሪዝም ዘለዎም ግደ ቀሊል ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ብዙሓት እሴታትን ኽብርታትን ዘለዎን ሃገራት ብናይ ቱሪዝም ኣታዊ እንትረአ ብዙሕ ረብሓ ናይ ምርካብ ዕድል ኣለወን። መምህር ምካኤል ግርማይ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ‹በዓላት ኣደባባይ ዓብይ ኣታዊ ቱሪዝም ከምዝኾኑን፤ ከምኡ ድማ በዓላት እንትነኽብር ዘለና ብምክፋልን ሓድነትና ብምግላፅን ክኾኑ ከምዝግባእ ይገልፁ። ሙሉእ ትሕዝቶ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና።

ወጋሕታ፡- ሓድሽ ዓመትን መስቀልን ከመይ ክንገልፆም ንኽእል ?

መምህር ምካኤል፡- ሓድሽ ዓመትን በዓል መስቀልን ተኸታቲሎም ዝመፁ እንትኾኑ ኣብ ውሽጥና ሓድሽ ነገር ወይም ሓድሽ ተስፋ ሰኒቕና እንፅበዮም በዓላት ‘ዮም። እዚ ወርሒ ወይም እዞም በዓላት ነገራት ጅማሮ ናይ ትልምታት መፈፀምታን ብዙሕ ነገራት ብብሩህ ተስፋ እንምልከተሉ፤ ዕላማና ንምስኻዕ ብብርተዐ እንምለኣሉ ‘ዩ።

ወዲ ሰብ ነገራት ብትልምን ብተግባርን ዝተመለአ ፍጥረት ስለዝኾነ ናይ ሓድሽ ዓመት ምምፃእ ብተስፋ ምፅባዩ ግድን ‘ዩ። ስለዚ ሓድሽ ዓመትን መስቀልን እንትነኽብር እቲ ባዓል ጥራሕ ኣይኮነን ጉዳይ መፃኢ ህይወትና ‘ውን ትልሚ ሒዝና ስለ እንኽብሮ ብፉሉይ ሓጎስ ኢና እነኽብሮ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽበሩ ዓበይቲ በዓላት እቲ ሓደ ሓዱሽ ዓመት ‘ዩ፤ ሓድሽ ዓመት ከም ሽሙ ነባር ሓደ ዓመት ተወዲኡ ሓድሽ ዓመት ምምፅኡ ዘበስር ወርሒ ‘ዩ።

ሓድሽ ዓመት ሓሊፉ ትፅቢት ዝግበር በዓል መስቀል ሃይማኖታዊን ባህላዉን ትሕዝቶ ዘለዎ ተፈታዊ በዓል ኮይኑ ኣብ መላእ ኢትዮጽያ ዝኽበር ‘ዩ። በዓል መስቀል ንግስቲ እሌኒ እየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ መስቀል ንምርካብ ናይ ብዙሕ ግዜ ፃዕሪ ውፅኢት ዝተሳኸዐሉ ብምዃኑ ከምኡ ‘ውን ምስ ሓድሽ ዓመት መንፈስ ተጣሚሩ ዝኽበር በዓል ብምዃኑ ትርጉሞም ፍሉይ ‘ዩ።

ብሓፈሻ እዚ ወርሒ ዝኣረገ ሓደ ዓመት ተወዲኡ ሓድሽ ዓመት ምምፅኡ ዘበስር ወርሒ ከምዝኾነ ይፍለጥ። ሓዱሽ ዓመትን በዓል መስቀልን ማሕበረሰብ ዘቀራርብ፣ ጎረቤት ንጎረቤት፣ ኣዝማድ ንኣዝማድ ኣተኣኻኺቡ ሰላምን ፍቕርን ተስፋን ሒዙ ዝመፅእ ኹሉ ብተስፋ ዝፅበዮ ወርሒ ‘ዩ። ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን መሻገሪ ሓድሽ ተስፋ ተገይሩ ዝውሰድ እዋን ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- በዓላት ክነኽብር ከለና ካልኦት ኣብ ምሕጋዝ ከመይ ክኽበር ኣለዎ ይብሉ?

መምህር ሚካኤል፡- በዓላት እንተነኽብር ብኹሉ ሃይማኖት ከምዝኽበር ዝተፀገሙ ብምሕሳብ ብምርድዳእን ተዝኸውን ፅቡቕ ‘ዩ። ኢትዮጵያውያን ምርድዳእ ዝመፃናሉ ባህልና እንተኾነ ‘ውን ኣብዚ ሐዚ ድማ ተጠናኺሩ ክቕፅል ዘለዎ ‘ዩ። በተለይ ኣብዚ ሰዓት ከምዝፍለጥ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናወሰኸ ዝመፀ ናብራ ምኽባር ምኽንያት ብዙሕ ሰባት በዓላት ተፀጊሞም እናሕለፉ ‘ዮም ዝርከቡ። እዚ ፀገም ክሕለፍ ዝኽእል ድማ ሕድሕድና እንድሕር ተሓጋጊዝና ‘ዩ።

ዘለዎ ንዘይብሉ ብምሃብ ከምኡ ‘ውን ነጋዴ ናይ ማሕበረሰብ ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ዘገናዘበ ዕድጊት ተዝግበር ፅቡቕ ይመስለኒ። መንግስቲ ኸዚ ዝጀመሮ ምግቢ ምክፋል ፕሮግራም ተጠናኺሩ ተዝቕፅልን እዚ ልምዲ ባዓል ሃፍቲ እንተዝሕወስሉ ባህሊ ምርድዳእ ዘዕቢ ‘ውን ‘ዩ። ብፍላይ ድማ በዓላት እንትመፁ ዝተፀገሙ ወገናት ሕጉሳት ኾይኖም ንከሕልፉ በቢኸባቢና ብዓቕምና ሓገዝ ብምግባር ኣጋርነትና ክንገልፅ ይግባእ።

ወጋሕታ፡- በዓላት ኣደባባይ (ኣሸንዳ/ሻደይ፣ መስቀል፣ ኢሬቻ) ሓድነት ህዝቢ ኣብ ምዕባይ ዘለዎም ግደ ከመይ ይገልፅዎ ?

መምህር ሚካኤል፡- በዓላት ኣደባባይ ኣከባብረኦም ‘ውን ኣብ ኣደባባይ ስለዝኾነ ናይቲ ማሕበረሰብ ባህላውን ሃይማኖታውን ረብሓታት ብምድማቕ ግደኦም ብዙሕ ‘ዩ ኢለ ይኣምን።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እቲ ሓደ ማሕበረሰብና ሃይመኖታውን ባህላውን ባዓላት ተግባራት ብነፃት ናይ ምኽባር መሰሉ ብጣዕሚ ስለዝኽበረሉን፤ ካልእ እቲ በዓል ዘኽብር ማሕበረሰብ ብዓላት ብሰላም ተኸቢሩ ንክዛዛም ከምኡ ‘ውን እቶም በዓላት ዝኽበረሎም ኸባብታት ስራሕቲ ፅዳት ናይ ምስራሕ እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ ሃይማኖት ዘለዎ ኣኽብሮት ዘንፀባርቕ ስለዝኾነ፤ ከምኡ ድማ ባዓላት ኣደባባይ ምኽንያት ዝተፈላለየ ማሕበረሰባዊ ባህላዊ ክንውን ኣብ ምርኣይ ባዓላት ኣደባባይ ዓብይ ግደ ዝፃወቱ ‘ዮም። ስለዚ ህዝብና እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ዘለዎ ፍቕሪ ዝገልፀሉን ሓድነቱ ዘጠናኽረሉን ኣጋጣሚ ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት ፍቕርን ሰላምን ሓልዮትን ኣብ ምፍጣር እዚኦም በዓላት ወሰንቲ ‘ዮም።

ወጋሕታ፡- እዚኦም በዓላት ትኽክለኛ ናይቲ ማሕበረሰብ ሃይማኖትን ባህልን ንከንፀባረቑ ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር?

መምህር ሚካኤል፡– እዚኦም በዓላት ትኽክለኛ ሃይማኖትን ስርዓቱን ተሓልዩ ንክኽበር ካብ ሃይማኖት ኣቦታት፣ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ማሕበረሰብ ከምኡ ‘ውን ካብ መንግስቲ ዓብይ ግደ ትፅቢት ዝግበረሎም እንትኸውን ካብ ኣቦታት ሃይማኖት ምእመናን ካብ ሃይማኖት ስርዓት ወፃኢ ዝግበር ኣከባብራ ንክእረሙ ትምህርቲ ክህቡ ይግባእ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ናይቲ ሃይማኖት ተኸታሊ ማሕበረሰብ ሃይማኖታዊ በዓላት ብሰላም ተኸቢሮም ንከይዛዘም ዝደልዩ ኣካላት ኣብ ምክልኻል ዓብይ ግደ ኣለዎም። መንግስቲ ‘ውን በዓላት ኣደባባይ ሰላማዊ ኾይኖም ንክዛዘሙ ኣድላይ ዝኾነ ስራሕቱ ፀጥታ ትፅቢት ይግበር።

ወጋሕታ፡- ብፍላይ በዓላት ኣብ ኣታዊ ቱሪዝም ንምዕባይ ዘለዎም ረብሓ ከመይ ይገልፅዎ?

መምህር ሚካኤል፡- በዓላት ኣደባባይ ኣታዊ ቱሪዝም ካብ ምዕባይ ዓብይ ግደ እዩ ዘለዎም። ካብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዑደት ዝገበሩ ኣካላት ብምብዛሕ ናይ ሃገር ፍልፍል እቶት ንክዓቢ ዝገብር ‘ዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም መድረኽ ኣብ ዩኔስኮ ዘመዝገበቶም ባዓላት ኣደባባይ ዝበለፀ ተዝስረሐሎም ንሃገርና ተወሳኺ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ናይ ምምፃእ ዓቅሚ ኣለዎም ዝብል እምነት ኣለኒ።

ምኽንያቱ እዚኦም በዓላት ወፃእቲ ዓዲ መፂኦም ዑደት ንክገብሩ ዕድል ዝህብን ምችው ዝባሃል ኣጋጣምን ‘ዩ። ምስ እዚ ተደሓሒዙ ሆቴላት፣ ባህላዊ መጋየፅታት፣ ባህላዊ ኣልባሳት ሃገር ቦቀል ዝኾኑ ናውቲ ንክፍለጡ ዕድል ዝኸፍትን ነቶም ኣፍረይትን ግልጋሎት ወሃብትን ዓብይ ኣታዊ ‘ዩ ዝኾን ።

በዓል መስቀል ድማ ፍሉይ ዝኾነ ክንዋነ ስለዘለዎን ኣብ ዝተፈላላየ ክፋላት ሃገርና ብድምቀት ስለዝኽበርን ዑደተኛታት ናብቲ ዝኽበርሉ ቦታ እንትኸዱ ሆቴላትን ካልኦት ግልጋሎትን ተረባሕቲ እንትኾኑ ስራሕቲ ኢደ ጥበብ ዝኾኑ ናውቲ ድማ ንዓለም ንክፍለጡ ዝገብር በዓል ‘ዩ። እቶም ዑደት ዝገብሩ ዝመፁ ኣጋይሽ ናይቲ ማሕበረሰብ ባህሊ ተረዲኦም ናብ ሃገሮም እንትምልሱ ስለ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ምስሊ ብምግዋሕ ካልኦት መፂኦም ዑደት ንኽገብሩ ናይ ምግባር ዕድል ዘለዎም ‘ዮም።

ወፃእቲ ዓዲ እንትመፁ ካብ ዝምልከተዎምን ዝሰሓብሎምን ትኽክልኛ ናይቲ ማሕበረሰብ ባህሊ ስለዝኾነ እቲ ናትና እንብሎ ኢና ክነፀባርቕ ዘለና። ስለዚ ብጥንቃቐ ኣብ ዘይተበከለ ባህልና ኢና ትኹረት ክንገብር ዝግባእ። በዓል ኢሬቻ ኾነ በዓል መስቀል ታሪካዊ ባህላዊ ሃይማኖታዊ ትውፊቱ ዝሓለወ ትሕዝቶ ዘለዎ ንዘመናት ዘሳግርን ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ንሃገርና ብመልክዕ ቱሪዝም ምስ ዓለም ነላልየሉ ዓብይን መፍለይናን ‘ዩ ።

ወጋሕታ ፡- ኣብ መወዳእታ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

መምህር ሚካኤል፡- ኣብ መወዳእታ ዘሕልፎ መልእኽቲ 2017 ዓ.ም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሰናይ ዝኾኑ ነገራት ንክበዝሐሉ ሰናይ ባዓላት መስቀል ከምኡ ‘ውን ኢሬቻ ንክኾን ትምኒተይ ይገልፅ። ኣብ ቀፃሊ ሰላም ሃገርና ዝበዝሐሉ፣ሓድነት ህዝብና ዝጠናኸረሉ ፣ ዕብየት ሃገርና ዝረጋገፀሉ ከምዝኸውን ትምኒተይ ‘ዩ።

ትምኒት ጥራሕ ‘ውን እንተይኾነስ ኹላትና ኣብ ዝተዋፈርናሉ ዓውዲ ብምዃን እጃምና ክነወፊ ይግባእ። ዕብየት ሃገር ዝረጋገፅ ካብ ሓደ ወገን ጥራሕ እንተይኾነስ ናይ ኹሉ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ከምኡ ድማ ዝፍጠሩ ፀገማት ብዘተ ብምፍታሕን ባህሊ ብምዕባይ ስለዝኾነ ተሳትፎ ኹሉ ኣድላይ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት ኣመስግን።

መምህር ሚካኤል፡- ኣን ‘ውን ኣመስግን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 9 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You