ኣብ ክልል ትግራይ እናተንቀሳቐሰ ዝነበረ ጉጅለ ሽፍታ ስጉምቲ ተወሲዱሉ

 ትርሓስ ፍቃዱ

ኣዲስ ኣበባ (ግዜኢ)፡-ኣብ ሸሞንተ ዝተፈላለያ ከባብታት ክልል ትግራይ እናተንቀሳቐሰ ዝነበረ ጉጅለ ሽፍታ ስጉምቲ ከምዝተወሰደሉ ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ ገሊፆም።

ኣብ መከላኸሊ ሃገር ዋና መተሓባበሪ ስራሕቲ ህንፀት፤ ሌተናል ጄነራል ባጫ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ጋዜጣዊ መግለፂ እንትህቡ፣ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ክልል ትግራይ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጁንታ ህወሓት ፤ሓይሊ መከላኸሊ ሃገር ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ሸሞንተ ዝተፈላለያ ከባብታ እናተንቀሳቐሰ ዝነበረ ዕጡቕ ሓይሊ ደምሲሱ እዩ ኢሎም፡፡

ኣፍቲ ኸይዲ ምህዳን ገበነኛታት ብርክት ዝበሉ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዘውዓለ ገሊፆም፡፡

ስጉምቲ ዝተወሰደሎምን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝወዓሉ ዕጡቓት ኣብ ዋጅራት፣ኣፅቢ፣ሓይቂመስሓል፣ ደስኣ፣ቦራ፣ፅጌረዳ፣ውቕሮ ማራይ፣ዛና፣ሓውዜንን ኻልኦት ከባብታትን እናተንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር፤ሓይሊ መከላኸሊ ሃገር ብዝገበሮ ዳህሳስ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ከም ገለፃ ሌተናል ጄነራል ባጫ፣ እቶም ስጉምቲ ዝተወሰደሎም፤ኣመራርሓ ጁንታ ንምሕላው ኣፍቶም ዝተፀርሑ ከባብታት እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ዕጡቓት እዮም፡፡

ሓይሊ መከላኸሊ ሃገር ብዝወሰዶ ስጉምቲ ሕቡኣት ኣናእሽተይ መዐለሚታት ናይቲ ጁንታ ሙሉእ ንሙሉእ ዝዓነወ እንትኸውን ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ናይቲ ጉጅለ ኢዶም ሂቦም እዮም ኢሎም፡፡

ብቐፃልነት ድማ እቶም እስካብ ሐዚ ዘይተትሓዙ መራሕቲ ጁንታ ንምቁፅፃር እቲ ሰራዊት ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም፡፡

እቶም ዝተረፉ መራሕቲ ጁንታ ካብ ሃገር ንምውፃእ ዝፈተኑ እንትኸውን ፤ይኹን ‘ምበር መከላኸሊ ሃገር ዘይበፅሖ ከባቢ ብዘይምህላዉ ከምዘይተሳኸዐሎም ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዜጋታት መጥቃዕቲ እናፈፀሙ ንዝነበሩ ጉጅለታት’ውን፤ ኣብ ልዕሊኦም ጥንኩር ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ሌተናል ጀነራል ባጫ ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ወድዓዊ ኹነታት ተሓቲቶም፤ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ‹‹ኢትዮጵያ ኹሉ ግዘ ንመማራፂ ሰላም ቐዳምነት ትህብ›› ምስ በሉ ‹‹እዚ ማለት ግና ሃገርና ንምሕላው ድሉዋት ኣይኮናን ማለት ኣይኮነን››ኢሎም፡፡

ወጋሕታ 7 ሚያዚያ 2013

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *