ኣዲስ ኣበባ፡-ስርዓት ሕርሻ ክልል ትግራይ ዘመናዊ ንምግባር ብቀረብ እታወታትን መካናይዝድ ሕርሻን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ለውጢ የምፅኡ ከምዘለው ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።
“ትኹረት ንልምዓት ሕርሻ ክልል ትግራይ” ብዝብል ቴማ ኣብ ከተማ መቐለ ሃገራዊ ሲምፖዝየም እንትሳለጥ፣ኣብቲ ሲምፖዝየም ዝተሳተፉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፤ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ዘፈር ሕርሻን ኢንቨስትመንትን ትግራይ ንምቕያር ይሰርሕ ከምዘሎ ‘ውን ገሊፆም።
ኣይተ ጌታቸው ሕርሻ ዓንዲ ኢኮኖሚ ክልል ትግራይ ምዃኑ ጠቒሶም። ብመንፅር ቀረብ ሃፍቲን መካናይዜሽንን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ለውጢ የምፅኡ ምህላዎም ኣመልኪቶም። ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብምጥንኻር ሕርሻ ንምቕያርን ዝተጎድአ ዘፈር ኢንቨስትመንት ዳግም ንምትንሳእን ዝሓሸ ለውጢ ንምምፃእን ኩሉ ዓይነት ፃዕሪ ክንገብር ኢና ኢሎም።
ትግራይ ብንእሽተይ ድጋፍ ዓብይ ዓቕሚ ምፍጣር ዝክኣለሉ ጠንካራ ህዝቢ ዝሓዘት ‘ያ ክብሉ ገሊፆም። ልምዓት ሕርሻ ብኹናት ዓብይ ዕንወት ካብ ዝበፅሖም ዓውዲታት ሓደ ምዃኑ ዝጠቐሱ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ኣብ ሓደ እዋን ዝለዓለ ኢንቨስትመንት ተዋፊሮም ዝነበሩ በቲ ኩናት ጥራሕ ኢዶም ካብ ምትራፍ ሓሊፎም ኣብ ቅልወላው ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም ።
ትግራይ ብምግቢ ውሕስና ምርግጋፅ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ኢንቨስትመንትን ሰደድን ዝለዓለ ብፂሕት ዝነበረን ከባቢታት ትርጉም ዘለዎ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ እናገበራ ኣይኮናን ኢሎም።ብምዃኑ ድማ ትግራይ ብዓመት ተፍርዮ ካብ ዝግባእ ዝተሓተ ምህርቲ እናምረተት ከምዝኾነት ዝሓበሩ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ልምዓት ሕርሻ ትግራይ ንምንቕቕሕን ናብ ንቡር ንምምላስን ተስፋ ዝህቡ ስራሕቲ ምስራሕ ኣገዳሲ ‘ዩ ኢሎም።
ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዶክተር ኢያሱ ኣብርሃ ብወገኖም ንዘሎ ዓቕሚ ብምውህሃድ ምህርቲ ሕርሻን ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ንምምሕያሽ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም። ዶክተር እያሱ ትግራይ ብምግቢ ዓርሳ ንምኽኣል ዝግበር ዝነበረ ምንቅስቓስ በቲ ኩናት ተኾሊፉ እዩ ኢሎም።ድሕሪ ኩናት ደው ምባል ምርግጋፅ ምግቢ ውሕስና፣ ምምሕያሽ ስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ስራሕቲ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ ክጅመር ከምዝትገበረ ሓቢሮም።
ልምዓት ሕርሻ ፣ ስላም፣ ሃፍቲ ስለዝኾነ ሰብ ሃፍቲ ዝጀመርዎ ምንቅስቓስ ክጠናኽርዎ ይግባእ ኢሎም።ኢንቨስትራት ኣብ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳን መስኖን ክዋፍሩን ንኣናእሽተይ ሓረስቶት ከዘምኑ ይግባእ ክብሉ መልእኽቲ ኣሕሊፎም። ፕረዝደንት ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ኣይተ በሪሁ ሃፍቱ ብወገኖም ትግራይ ንቅድሚት ንክትውንጨፍ ኣብ ሕርሻ ፣ ልምዓት ቱሪዝም፣መኣድን ትኹረት ተገይሩ ምስ መዳርግቲ ኣካላት እናተሰርሐ ከምዝመፀአ ሓቢሮም።
እቲ ፍሉይ ሃገራዊ ሲምፓዝየም በቲ ኩናት ኣብ ልምዓት ሕርሻ ዝበፅሐ ጉዱኣትን መዋፅኦን ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ ገሊፆም። ኣብ ልምዓት ሕርሻ ዘራእቲ ማእኸላት፣ ስራሕቲ መስኖ፣ ሃፍቲ እንስሳ፣ ማእኸላት ሕክምና እንስሳ ፣ ናይ ሕርሻ ትራክተራት ወዘተ ድማ ከምዝዓነያ ኣይተ በሪሁ ሃፍቱ ወሲኾም ሓቢሮም።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 24 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም