አዲስ አበባ፡- ኣብ ከተማ ሸገር ምስ በዓል ተተሓሒዙ ቐረብን ድሌትን ዕዳጋ ንምጥዕዓም እናተሰርሐ ከምዝኾነ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ሸገር ገሊፁ፡፡
ፕሬዚደንት ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ሸገር መጋቢ ስርዓት ቀሲስ ታዬ ለታ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከም ዝበልዎ፤መብዛሕትኡ እዋን በዓላት ብዝመፀ ቑፅሪ ሕፅረት ቐረብን ወሰኽ ዋጋን ዘተሓሳስብ ́ዩ፡፡ እዚ ፀገም ንኽፍታሕ ድማ ምስ ቢሮ ንግድን ነጋዶን ዝተዋደደ ስራሕቲ እናተሰርሐ ́ዩ፤ብፍላይ ካብ ደገ ዝአትዉ ምህርትታት ቕድም ኢሎም ክአትዉ ብምግባር እቲ ዕዳጋ ክረጋጋዕ ኣብ ምግባር ነጋዶ ግደኦም ክፃወቱ ፃዕሪ እናተገበረ ́ዩ ኢሎም፡፡
ኣብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ምህርትታት ሕፅረት ንኸየጋጥምን ዘየድልይ ወሰኽ ዋጋ ንኸይግበርን፤ኣብ ዝተፈላለየ መድረኽ ንነጋዶ ስልጠናታት እናተውሃቦም ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ነጋዶ ዝህብዎ ግልጋሎት ንማሕበረሰቦምን ንዜጋታቶምን ከም ዝኾነ ተረዲኦም ምህርትታት ብዝግባእ መገዲ ንምቕራብ እናሰርሑ ይርከቡ ኢሎም፡፡
ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ኦሮሚያ ምስ በዓላት ተተሓሒዙ ናይ ምግዛእ ዓቕሞም ውሑድ ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ተጠቀምቲ ዝገብሩ ባዛራት ከም ዘዳለወ ብምሕባር፤መብዛሕትኦም ምህርትታት ውሽጢ ዓዲ ከም ዘይትን ሽኮርን ዝበሉ መሰረታዊ ሸቐጣት ሕፅረት ንኸየጋጥም ካብ ወፃኢ ብምእታው እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ እናሰርሐ ምፅንሑ ገሊፆም፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ ንግዲ ዓብዪ ዕላማ ሓንፂፁ እናሰርሐ ከምዝርከብ ዝሓበሩ እቶም ፕሬዚዳንት፤ካብ ዓዲ ወፃኢ ኣብ አሜሪካን ጀርመንን ናይ ኤክስፖ ምድላው በምግባር፤ ከምኡ ́ውን ምስ በዓላት ተተሓሒዙ ሸማቲ ማሕበረሰብ ሸቐጣት ብዝተመጣጠነ ዋጋ ንኽሽምት ስርዓት ብምዝርጋሕ አድማዒ ውፅኢት እናመዝገበ ከም ዝርከብ ገሊፆም፡፡
ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ኣባላት ዲያስፖራ ናብ ዓዲ መፂኦም ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ስራሕቲ ንኽሳተፉ እናተገበረ ́ዩ ምስ በሉ፤አፖሎ ዝተብሃለ ዓብዪ ኩባንያ ዘበናዊ ሪልስቴት ንምህናፅ ምስቲ ቤት ምኽሪ ከም ዝተዛተየን መፅናዕቲ ሰሪሑ ከም ዝወገነ ሓቢሮም፡፡
ፃባን ምህርቲ ተዋፅኦ ፃባን ንአዲስ አበባን ሸገርን ንምቕራብ ከምኡ ́ ውን ኣብ ምርባሕ ከፍቲ ክሰማረዩ ዝደልዩ ትውልደ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሃፍቲ ኢንቨስት ንምግባር ድሌቶም ገሊፆም፡፡
ንማሕበረሰብ ዘይጠቅም ንግዲ ጥዕና የብሉን ዝበሉ እቶም ፕሬዚደንት፤ዘይሕጋዊ ንግድን ብአቋራፂ ንምህፍታም ዝግበር አካይዳ ጎዳኢ ምዃኑ ብምርዳእ፤ምህርቲ አቐዲምካ ብምእታው ሕብረተሰብና ነቲ በዓል ብሓጎስ ንኸኽብሮ ብሓንሳብ ንስራሕ ክብሉ መልእኽቶም አመሓላሊፎም፡፡
ሔርሞን ፍቃዱ
ወጋሕታ 24 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም