ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ መፃኢ ወለዶ ሰንሰለት ታሪኽ ሃገሩ ዝፈልጠሉ’ዩ

ኣዲስ ኣበባ እዚ ቤተ መንግስቲ መፃኢ ወለዶ ምስ ነባር ውርሲ ብምዃን ዝራኸበሉ ናይ ታሪኽ ሰንሰለት ‘ዩ፤ ክብሉ ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም::

ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ሕድሳት ዝተገበረሉ ብሄራዊ ቤተመንግስቲ ኣብ ምምራቕ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም ከምዝበልዎ ፤ እዚ ቤተ መንግስቲ ናይ ምዝማንን ናይ ምሕዳስን ስራሕ ነባር ቅርስታት ምሕዳስ ተግባር ጥራሕ እንተይኾነስ መፃኢ ወለዶ ምስ ነባር ውርሲ ብምዃን ዝራኸበሉ ናይ ታሪኽ ሰንሰለትን ታሪኽ ሃገሩ ዝፈልጠሉን ‘ውን ‘ዩ ኢሎም::

ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር እዚ ቤተ መንግስቲ ብዝግባእ መልክዑ ተሓዲሱ ንህዝቢ ምርኢት ኽፉት ንክኾን እንትውስኑ ናይቲ ቤተ መንግስቲ ታሪኽን ህያው ረብሓ ቅብብል ልዕል ኣቢሎም ምግንዛቦም ዘርእይ ‘ዩ፤ ታሪኽ ኣብ ቤተ መንግስቲ ካዝና ተቆሊፉ ዝቕመጥ እንተይኾነስ ክፍት ኾይኑ እንሪኦ፣ እነንብቦ፣ እንማሃረሉ እነድንቖ ምስ ናይ ሎሚ ድልየትና ኣስማዕሚዕና ሎሚ ከመይ ምህናፅ ከምዘለና እንርደአሉ ‘ዩ ክብሉ ኣብሪሆም::

ሎሚ ንኻልኣይ ግዜ ዝተወለደ እዚ ቤተ መንግስቲ ንታሪኽና ዝደንቕ ምስክር ጥራሕ እንተይኾነስ ዓብይ መስሕብ ቱሪስት ዲፕሎማቲክ ተግባራት መስርሒ ፣ማእኸል ባህሊ ልውውጥ ፣ ናይ ዘተን ምትሕብባር መድረኽ ኮይኑ ከምዝገልግል ይኣምን ኢሎም::

ከም ገለፃ እቶም ፕሬዝደንት ፤ እዚ ቤተ መንግስቲ ብዝተፈላለየ ስምዒታት ብምድናቕን ብምግራምን ብዙሓት ናይ ባዕሉ መስረቲ ውድቐት ተዓዚቡ ‘ዩ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሓምሽተ ዓሰርተ ዓመታት ሰራሕተኛታት ናይቲ ቤተ መንግስቲ ኹሎም ፍሉይ ብዝኾነ ሃገር ፍቕርን ሞየኦምን ሓለዉቲ ታሪኻት ብምዃኖም ኣኽብሮተይ ደጊመ ክገልፅ ይፎቱ፤ እዚ ንወሎዶ ዝተርፍ ቅርስ ተሓልዩ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዘመን ተሳጋራይ ታሪኻዊ ሃፍቲ ናይ ምሕላው ናይ ነዊሕ ዓመት ባህሊ ከም ዝነበረና ‘ውን መርኣያ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም::

ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ኣህጉራዊ ሓድነት ንምግላፅን ዓለምለኸነት ንምስፍሕፋሕ ሃገርና ዝተፃወተቶ ጉልህ ግደ ዝተረዳና ብምዃኑ እዚ ዘመን ዝደልዮን ሃገርና እትድለዮ ዓለምለኸ ርክብን ዝበለፀ ዲፕሎማሲ ተግባራት ንምግባር ዘፅዕረና ከምዝኾነ እምነተይ ‘ዩ ክብሉ እቶም ፕሬዝደንት ኣብሪሆም::

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 24 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም

Recommended For You