ኣዲስ ኣበባ፡-ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንንት ምስ ኤጀንሲ ግልጋሎት ምዝገባ ሲቪልን ነባሪነትን ቢሮ ትምህርትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ብምትሕብባር ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ውልቀ ትካላት ትምህርቲ ምዝገባ ዲጂታል መለለዪ መንንት ንክገብሩን ኣብቲ ዘፈር ስራሕቲ ግንዛበ መጨበጢ ክገብሩን ከምዘለዎም ተሓቢሩ።
ኣተሓባበሪ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንንት ኣይተ ዮዳሄ ኣርኣያስላሴ ኣብ መጀመሪ ወፍሪ ምዝገባ ዲጂታል መለለዪ መንንት ፋይዳን መጨበጢ ግንዛበን ንውልቀ ትካላት ትምህርቲ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ መረዳእታ ትምህርቲ ተምሃሮ ዝተኣሳሰረን ተኣማኒነት ዘለዎ ንክኸውን መለለዪ መንነት ፋይዳ ዓብዪ ግደ ኣለዎ።
እዚ ድማ ዝተዛብዐ መረዳእታ ትምህርቲ ካብ ምቕናስ፣ ካብ ምድግጋምን ዝፀረየ ኣሰራርሓ ንክህልውን መረዳእታ ተምሃሮ ብቀሊሉ ንምፍላጥ ከምዘኽእል ምሕባሮም ዕላዊ ማሕበራዊ ሚድያ እቲ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንንት ገሊፁ።
ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ግልጋሎት ምዝገባ ሲቪልን ነባሪነትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ዮናስ ኣለማየሁ ብወገኖም “ምስ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ብሓባር ምስራሕ ነቲ ማሕበረሰብ ‘ውን ዓቅሚ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ነቲ ስራሕ ዕወትነት ሓይሊ ከምዝኾን ተዛሪቦም። ኣብ 2018 ዓ.ም ዘመን ትምህርቲ ዲጂታል መለለዪ መንንት ፋይዳ ቅድመ ኹነት ንምቕባል ምዝገባ ተምሃሮ ክኸውን ‘ዩ ክብሉ ሓቢሮም።
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘላለም ሙላቱ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ስራሕቲ ትምህርቲ ዲጂታላይዝ ንምግባር ኣብ ዝቕፅል ንትካላት ውልቀ ትምህርቲ ዝቀርብ ትግበራ ኢ-ስኩል ንምዕዋት ምዝገባ ፋይዳ ዲጂታል መለለዪ መንንት ዓብይ ዓቅሚ ዝፈጥር ምዃኑ ተዛሪቦም።
ኣብ ናይ መንግስቲ ቤት ትምህርትታት ምዝገባ ፋይዳ ክፍፀም ምፅንሑ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፤ ቤት ትምህርትታት ውለቀ ‘ውን ምዝገባ ንምክያድ እተን ትካላት ግቡእ ምድላው ንክገበራ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 24 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም