ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ገበነኛ ስለ ዝኾነ ዕጥቑ ክፈትሕ ኣለዎ

• ከተማታት ትግራይ ሓራ ምውፃአን ንህዝቢ ትግራይ ዓብይ ተስፋ ‘ዩ

ኣዲስ ኣበባ፡- ሰላም ክሰፍን እንተኾይኑ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ገበነኛ ሓይሊ ስለ ዝኾነ ዕጥቑ ክፈትሕ ኣለዎ ክብሉ ኣብ ከፍለ ከተማ ኣራዳ ወረዳ ክልተ ሓላፊ ቤት ምኽሪ ክትትልን ቁፅፅርን ከምኡ ‘ውን መሰረታዊ ውዳበ ኣመራርሓ ብልፅግና ኣይተ ሃይለ ገብረሚካኤል ተዛሪቦም። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዙሓት ከተማታት ትግራይ ሓራ ምውፅኡ ንህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ተስፋ ‘ዩ ‘ውን ኢሎም።

 ኣይተ ሃይለ ንጋዜጣ ወጋሕታ ከም ዝበልዎ፤ ኣብ ትግራይ ሰላም ክሰፍን እንተኾይኑ ራዕዳዊ ህወሓት ንዝፈፀሞ ገበን ይቕርታ ብምሕታትን ዕጥቑ ክፈትሕ ኣለዎ፤ ተዘይኮይኑ ብዝፈፀሞ ገበን መሰረት ተሓታቲ ክኸውን ኣለዎ። ከም ገለፃ ኣይተ ሃይለ ዕጥቒ ሒዙ መንግስቲ ‘የ ኢሉ ክደራደር ኣይኽእልን፤ ምኽንያቱ ገበን ዝፈፀመ ጉጅለ ‘ምበር መንግስቲ ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ትግራይ ከቢድ ገበን ፈፂሙ ‘ዩ። ብሰንኩ ዝጠፍአ ንብረትን ሂወት ሰብን ብዙሕ ‘ዩ። ብዘርኢ ምጥፋእ ‘ውን ተሓታቲ ይገብሮ ‘ዩ ኢሎም።

ብኻሊእ ወገን ኣብ ትግራይ መንግስቲ ብዙሓት ከተማታት ሓራ ምውፅኡ ንህዝቢ ትግራይ ዓብይ ተስፋ ‘ዩ፤ ንህዝቢ ሰላም፣ ልምዓት፣ ዲሞክራሲ፣ ፍትሒ ክረክብ ዝሕግዝ ከምኡ ‘ውን ካብ መከራን ስቓይን ወፂኡ ተረጋጊዑ ናብ ስሩዕ መነባብርኡ ክምለስ ዝገብር ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ህዝቢ ትግራይ ክፋል ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ሓራ ወፂኡ ማለት ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ውን ሓራ ወፂኡ ኣሎ ማለት ‘ዩ፤ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ፀገም ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ ኩላይ ስግኣት መላእ ኢትዮጵያ ‘ዩ ክብሉ ወሲኾም ተዛሪቦም። ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኢዱ ነዊሕ ስለ ዝኾነ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን እንተይቐረየ ገበን ፈፂሙ ‘ዩ።

 ህዝቢ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ክተኣጓጎል ብምግባር ብዙሕ ህይወት ህዝቢን ንብረትን ክጠፍእ ገይሩ ‘ዩ ኢሎም። ህዝቢ ትግራይ ካብ ራዕዳዊ ህወሓት ሙሉእ ብሙሉእ ሓራ እንተወፂኡ ካብ ስቓን መከራን መሊኡ ሐራ ምውፃእ ማለት ‘ዩ ክብሉ ተዛሪቦም። መንግስቲ ሳዕቤን ኩናት ብምርዳእ ነዚ ኩናት ንምቕራይ ብዙሕ እኳ እንተፈተነ ብወገን ጉጅለ ህወሓት ግና ተመሳሳሊ ድሌት ብዘይ ምንባሩ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ክኣቱ ክኢሉ ‘ዩ ኢሎም።

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 17 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም

Recommended For You