
ኣዲስ ኣበባ፡- ሕቶ ምርካብ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ህፁፅ መፍትሒ ክረክብ ዝግበኦ ጉዳይ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መበል ራብዓይ ክፋልን ናይ መወዳእታን ቃለ መሕትቶም ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ በዓልቲ ዋና በሪ ባሕሪ ከትኸውን ኣለዋ ዝብል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ቅድሚ ምዃኖም ይዛረቡ ከምዝነበሩ ገሊፆም፡፡
እዚ ሕቶ እዚ ቅድሚ ዓመታት ይዛረብዎ ከምዝነበሩ ብምግላፅ፣ እቲ ሕቶ ዘበን ዘምፅኦ ኣጀንዳ ከምዘይኮነ ኣገንዚቦም። እቲ ውሳነ ትኽክል ዘይምዃኑ ኣፅንኦት ብምሃብ፣ ኢትዮጵያ ኣልቦ ወደብ ብምዃና ልዑል ጉድኣት በፂሑዋ ኢዩ፤ ንዝኾነ ይኹን ከይጎዳእና እቲ ጉድኣት ክንቅንስ ኣለና ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ታሪክ በሪ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ መገዲ ከምዘናድዶምን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት በሪ ባሕሪ ከይህልዋ ብምግባር ዓብዪ በደል ተፈፂሙዋ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 5 ሰነ 2017 ዓ.ም