
ኣዲስ ኣበባ ፦ ኣዲስ ኣበባ ፅርይቲ፣ ምልክዕት፣ ንምንባር ምችውቲን ብጎብነይቲ ተመራፂትን ክሳብ ትኸውን ምትጋህና ቀትርን ለይትን ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና ክብላ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ብምዃን ካብ ኣንበሳ ጋራዥ-ጃክሮስን ኣደባባይ ጎሮ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ብምጉብናይ ንኣገልግሎት ህዝቢ ክፍቲ ተገይሩ። ካብ ኣንበሳ ጋራዥ-ጃክሮስን ኣደባባይ ጎሮ አደባባይ ልምዓት ኮሪደር ንህዝቢ ብዝኣተውናዮ ቃል መሰረትን ህዝቢ ባሳተፈ መንገዲ ኣብ ዝተተሓዘሉ ግዘ ምፍፃሙ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ኣዲስ ኣበባ ፅርይቲ፣ ምልክዕት፣ ንምንባር ምችውቲን ብጎብነይቲ ተመራፂትን ክሳብ ትኸውን ምትጋህና ቀትርን ለይትን ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና ኢለን ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን መልእኽቲ ኣብ ዘሕለፋሉ። ካብ ኣንበሳ ጋራዥ-ጃክሮስን ኣደባባይ ጎሮ አደባባይ ልምዓት ኮሪደር ካብ ሾመንተ ኮሪደራት ሓደ ምዃኑ ‘ውን ኣመልኪተን።
ኣብዚ ልምዓት ኮሪደር 4 ኪሎ ሜትር መንገዲ ሳይክል፣ ልዕሊ 8 ኪሎ ሜትር ደረጅኡ ዝሓለወ መንገዲ እግረኛ ፣ 3 ደው መበሊ መኪና ፓርኪንግ፣ መፃወቲ ህፃናት፣ 7 ፕላዛታት፣ 6 ናይ ህዝቢ ሽቃቅት፣ ፋውንቴንቴናት 13 ታክሲ መፅዓኒን መውረድን ቦታታት፣ 872 ሹቃትን መዕረፊ ህዝቢ ክፍቲ ቦታታትን ናይ ንግዲ ገዛውትን ዘካተተ ምዃኑ ገሊፀን።
እቲ መስመር ምጭንናቅ ፍሰት ትራፊክ ዝርኣየሉ ንሓደጋ ዝተጋለፀን ኣፀጋሚ ከባቢ ከምዝነበረ ዘዘኻኸራ እተን ከንቲባ ሐዚ ግና ፍሰት ትራፊኩ ዝተሳለጠ ብዝገብር ኩነታት እቲ ስራሕ ምፍፃሙ ገሊፀን። ካብ ጫፍ መንገዲ ዘለዎም ርሕቀትን ንኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ተረባሒነት ተሓሳቢ ዝገበረ ኣካታቲ መሰረተ ልምዓት መህናፀን ኣብራህሪሀን።
ካብ ጎሮ ዋና መስመር ንዝመፅኡ ተሸከርከርቲ ካብ ቦሌ ዓለም ለኸ ተርሚናል ወገን ንዝመፅኡ ተሽከርከርቲ ብምትንፋስ ንትራፊክ እታ ከተማ ምጭንናቅ መፍትሒ ከምዝህብን ‘ውን ኣረዲአን። ብተወሳኺ ብዙሓት ኣናእሽተይ ስራሕቲ ንግዲ ኣብ ከባቢኦም ምህላው ብኣሽሓት ንዝቁፀሩ ነበርቲ ቋሚ ዕድል ስራሕ ክዝፍጠር ምግባሩ ሓቢረን።
ኩሉ ግዘ ንህዝቢ መሠረት ዝገበረ ልምዓት ምስራሕና ጥራሕ እንተይኾነ ነቲ ወለዶ እነረክባ ኣዲስ ኣበባ ፅርይቲ፣ ምልክዕት፣ ንምንባር ምችውቲን ብጎብነይቲ ተመራፂትን ክሳብ ትኸውን ምትጋህና ቀትርን ለይትን ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና ኢለን። ነባሪ እቲ ከተማ ንስራሕቲ ልምዓት እናገበሮ ዘሎ ሓገዝ ‘ውን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስጋና ኣቅሪበን።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 5 ሰነ 2017 ዓ.ም