ጠዓሞት ዜና
ርክብ ኢትዮጵያን ስሎቬኒያን
ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ስሎቬኒያን ርክበን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ስሎቬኒያ ናታሻ ፒርክ ሙሳር ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ብምቕባል ኣዘራሪበምወን።
ድሕሪ እቲ ዘተ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ዝሃቡ ፕሬዚዳንት ታዬ፣ ኣብ ዓለም ለኸን ከልቲኣዊ ዛዕባታትን ብምምኻር ብኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ስፔስ ሳይንስን ካልኦት ዓውዲታትን ብምትሕብባር ብዛዕባ ዘስርሐሉ ኩነታት ምዝታዮም ተዛሪቦም።
ፕሬዚዳንት ናታሻ ፒርክ ብግደአን፥ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ዘጠናኽር ውፅኢታዊ ዘተ ምግባረን ኣብሪሀን።
ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኢኮኖሚ፣ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ምምሕዳር ማይን ካልኦት ዓውዲታትን ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝደሊያ ገሊፀን።
ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዑደት ብምክያድ ሕቑፊ ዕንበባ ዘንበራ እንትኾና፥ ብተመሳሳሊ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ዑደት ከምዝገበራ ግዜኢ ፀብፂቡ።
ኣሜሪካ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ይድግፍ
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ሰላማውን ዲፕሎማስያውን ፃዕሪ መንግስቲ ኣሜሪካ ይድግፍ ‘ዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት እናመዘገበት ምዃና ገሊፆም፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ ኣሜሪካ ምስ ወሳኒት መሓዘኣ ኢትዮጵያ ብሓባር ከምትሰርሕ ተዛሪቦም፡፡
ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ኢትዮጵያ ብዙሕ ቁፅሪ ህዝቢ ዘለዋ ቅልጡፍ ኢኮኖሚ ዕብየት እናመዝገበት ከምትርከብ ኣልዒሎም፤ እዚ ቅልጡፍ ዕብየት ኢኮኖሚ ከምዝቕፅል ትንበያ ምንባሩ ኣመልኪቶም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዓባይ ጥራሕ ዘይኮነትስ ዓቕሚን ፅዕንቶን ዘለዋ ሃገር እያ ዝበሉ ኣምባሳደር ማሲንጋ ኣብቲ ዞባ ምርግጋዕን ሰላምን ንምስፋን ብሓባር ከምዝሰርሑ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ኮማንዶታት ተመሪቖም
ማእከል መሰልጠኒ እዝ ብላቴ ፍሉይ ዘመቻታት ዘሰልጠኖም መበል 43 ካራማራ መሰረታዊ ኮማንዶታት ኣመሪቑ።
ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ምረቓ ጠቐላሊ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ምኸትል ጠቐላሊ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ጄኔራል አበባው ታደሰን ካልኦት ላዕለዎት ሰራዊት መኮንናት ከምኡ ‘ውን ርዕሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ተረኺቦም።
እቶም ሰልጠንቲ ኣብ እዋን ስልጠነኦም ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ኮማንዶ ዝወሰዱ ምኹኖም ተገሊፁ።
ዕውት ስራሕቲ ዲፕሎማሲ–ንሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ
ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ኣጀንዳ ምግባር ዘኽኣለ ዕውት ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ተወጊኑ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር ኣብ መበል 34 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ጎረባብቲ ሃገራት ዘቐድም ስትራቴጂን መትከልን ዝኽተል ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም።
ብመሰረት እዚ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምሰረተ ልምዓት፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን፣ ዲፕሎማሲ ሓበራዊ ሰላምን ድሕንነትን ዕዉት ስራሕቲ ምትሕብባር ይሳለጥ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ንክዓስል ንኢኮኖሚያዊ ዝምድና ቀርኒ ኣፍሪካ ምጥንኻር ወሳኒ ግደ እትፃወት ሃገር ብዛዕባ ምዃና ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ መድረኻት ይረጋገፅ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።
ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ንምዕዋት ዝተጀመረ ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳ ክውን ንምግባር ዛጊድ ብሕጊ ዓለም ለኸን ብመርህ ሂብካ ምቐባል ከም ዝስራሕ እውን ሓቢሮም::
ንሃሴት ደረጀ ኣቀባብላ ተገይሩላ
ኣብ ህንዲ ሃይድራባድ ኣብ ዝተዳለወ ዓለም ለኸ ውድድር ፅባቐ “ሚስ ወርልድ” ካልአይቲ ዝወፅአት ሃሴት ደረጀ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ።
ንመበል 72 ግዘ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ፅባቐ ናይ 108 ሃገራት ተወዳደርቲ ተሳቲፈን።ሃሴት ብብርኪ ዓለም ካልአይቲ ብብርኪ ኣፍሪካ ድማ ቀዳመይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ።
ሃሴት ደረጀ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትትበፅሕ ሚኒስትር ዴኤታታት ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ነብዩ ባዬን ነፊሳ ኣልማሃዲን ኣቀባብላ ገይረሙላ።
ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ሃገርን ጥበብን ንብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከተማዊ መድረኽ ዘተ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ እንትሳለጥ፣ ኣብ መበል 72 ውድድር ፅባቐ ካልአይቲ ብምውፃእ ናይ ኢትዮጵያ ሽም ኣብ መድረኽ ዓለም ክብ ኢሉ ንክፅዋዕ ንዝገበረት ሃሴት ደረጀ ሽልማት ወርቂ ሂበን።ሃሴት ኣብዚ እዋን ኣብ መድረኽ ዓለም ዘርኣየቶ ብቕዓት ንብዙሓት መናእሰይ መርኣያ ዝኸወን ‘ዩ ኢለን።
ወጋሕታ 5 ሰነ 2017 ዓ.ም