
ኣዲስ ኣበባ፡- ሚኒስትር ፋይናንስ ኣቶ ኣሕመድ ሽደ ኣብ መበል 35 ስሩዕ ጉባኤ 4ይ ዓመት 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ብድሚ ትማሊ ብዛዕባ ረቂቕ በጀት ዓመት 2018 ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ጠቕላላ ረቂቕ በጀት ዓመት 2018 1 ነጥቢ 93 ትሪልዮን ብር ኮይኑ ቀሪቡ ‘ዩ።
ካብዚ እቲ 1 ትሪልዮን 183 ነጥቢ 7 ቢልዮን ብር ንስሩዕ ወፃኢ፣ 415 ነጥቢ 2 ቢልዮን ብር ንካፒታል ወፃኢ፣ 314 ነጥቢ 8 ቢልዮን ብር ንመንግስታት ክልል ዝውዕል ድጋፍ፣ 14 ቢልዮን ብር ድማ ንመፈፀሚ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ምቕራቡ ጠቒሶም፡፡
ኣብ በጀት ዓመት 2018 ካብ መንግስቲ ፌደራል፣ ካብ ውሽጣዊ ሃገር እቶትን ካብ ወፃኢ ሓገዝን ብድምር 1 ትሪልዮን 510 ነጥቢ 9 ቢልዮን ብር ክእከብ ትፅቢት ከምዝግበር ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ካብዚ እቲ 1 ትሪልዮን 228 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር (81 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ)፣ ካብ ቐጥታ ድጋፍ ረዳእታ በጀት 235 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር (15 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ) ከምኡ እውን ካብ ፕሮጀክት ረዳእታ ድጋፍ 46 ነጥቢ 9 ቢልዮን ብር (3 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ) ክርከብ ትልሚ ከምተተሓዘ ገሊፆም።
416 ነጥቢ 8 ቢልዮን ጉድለት በጀት ከምዝረኣይ ብምጥቋም፣ ጉድለት እቲ ባጀት ካብ ቀጥታዊ ባጀት ደገፍ ልቓሕ፣ ፕሮጀክት ልቓሕን ውሽጣዊ ልቓሕን ክሽፈን መደብ ከምዘሎ ኣመላኺቶም። ካብ ጠቕላላ ሕፅረት በጀት 228 ነጥቢ 9 ቢልዮን ብር ዕዳ መንግስቲ ንምኽፋል ከምዝውዕል ብምጥቓስ፤ ዝተፃረየ ጉድለት በጀት ካብ ጠቕላላ ውሽጣዊ ፍርያት (GDP) ዘለዎ ብፅሒት 1 ሚኢታዊ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ዝተፃረየ ውሽጣዊ ልቓሕ ብፅሒት 0 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ስለዝኾነ ንምርግጋዕ ማክሮ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ካብዝግበር ፖሊሲ ገንዘብ ተጠዓዒሙ ስለዝኸድ ኣብ ናህሪ ዋጋታት ፅልዋ ከምዘይህልዎ ይእመን ኢሎም። ባጀት ካፒታል ወፃኢ ካብ ዝውዕለሎም ጉዳያት ምምሕያሽ ዝፀንሑ መንገድታት፣ ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት ምትግባር፣ ምስፍሕፋሕ ልምዓት መስኖ፣ ኣብ ቆላታት ዝግበሩ ምርምር ምድጋፍ፣ ከምኡ እውን ብሰንኪ ኲናት ዝዓነዉ ንብረታትን መሳለጥያታት ግልጋሎትን ናብ ንቡር ንምምላስን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ወጋሕታ 5 ሰነ 2017 ዓ.ም