ኣብ ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ዝሳተፍ ጉጅለ ኣትሌታት ናብ ዱዋላ ተጓዒዞም

ኣብ መበል 24ን ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ዝሳተፍ ብሄራዊ ጉጅለ ኣትሌታት ኢተዮጵያ ንውድድር ዝገበሮ ምድላዋት ዛዚሙ ትማሊ ናብ ከተማ ዱዋላ ካሜሮን ተጓዒዙ። ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያን ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያን ነቲ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ናይ ምስናይ ስነ ስርዓት ዝገብረሉ እንትኾን፤ ኣብዚ ስነ ስርዓት ርክክብ መምርሒ ስራሕን ባንዴራን ትኻይዱ ‘ዩ።

ብሄራዊ ጉጅለ ኣትሌታት ኢተዮጵያ ካብ ፅባሕ ሰነ 14 ክሳብ 19/2016 ዓ.ም ብካሜሮን ኣብ ከተማ ዱዋላ ኣዳላውነት ዝካየድ መበል 23ን ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ንምስታፍ ትማሊ ናብቲ ቦታ ዘቅንዐ እንትኾን፤ እቲ ብሄራዊ ጉጅለ ን15መዓልታት ተኣኻኺቡ ምድላዋት እናገብረ ፀኒሑ ‘ዩ።

እቲ ጉጅለ ብጉያ፣ ዝላን ውርወራን ካብ ዝካየዱ 45 ውድድራት ኣብ 41 ክሳተፍ ‘ዩ። ፅባሕ ዝጅመር መድረኽ ዓብይ ኣህጉራዊ ውድድር ኣትሌትክስ 34 ደቂ ኣንስትዮን 43 ደቂ ተባዕትዮን ብሓፈሻ 77 ኣትሌታት ብ15 ኣሰልጠንቲ እናተመርሐ ኣብቲ ውድድር ውፅዒት ንምምዝጋብ ሓያል ንሕንሕ ከምዝገብር ትፅቢት ይግበር።

ንኽልተ ሰሙን ኣብ ምድላው ዝፀንሐ ጉጅለ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ብሶኒ ዕላዊ ስነ ስርዓት ምስናይ ተገይርሎም ‘ዩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምስናይ ‘ውን ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያን ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያን ዝተረኸቡ እንትኾኑ፤ እቲ ብሄራዊ ጉጅለ ውፂታዊ ንክኸውን ናይ ምብርትታዕን ስነ ስርዓት ርክክብ ባንዴራን ትኻይዱ ‘ዩ። እቲ ዝነብረ ናይ ምድላዋት እዋን ሓፂር እንተነበረ ‘ውን ውፅዒት ንምምዝጋብ ከምዝኸዱ ዝሓበሩ ጉጅለ ኣትሌታትን ኣሰልጠንትን፤ ፃውዒት ካብ ዝተገብረሎ እዋን ጀሚሩ ንውድድር ዘብቅዕ ምድላው እናገብሩ ምፅንሖም ተዛሪቦም።

ናይ ሎሚ ዘበን ውድድር ፍልይ ዘብሎ ኢትዮጵያ ብኹሎም ዓይነታት ዝትሳተፍ ምዃናን፤ ቅድሚ ሐዚ ኣብዘይ ትፍለጠሎም ዓይነት ውድድራት ልምዲ ብምቅሳም ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ናይ ምስታፍ ዕድል ክፈጥር ስለዘኽእል ‘ዩ። ነዚ እቲ ፌዴሬሸን ኣድላይ ዘበለ ኹሉ ሓገዛት ክገብር ‘ውን ፀኒሑ ‘ዩ።

ኣብ 2022 ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣዳላዊት ሻምፕዮና ኣትሌትክስ ኣፍርካ ዝነብረት ሞሪሽየስ ሴንት ፒሬ እንትኾን፤ ኣብዚ ጉጅለ ብሄራዊ ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ 14 ሜዳልያታት ብምእካብ 5ይ ደረጃ ብምሓዝ ነይራ ዝዛዘመቶ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መዳለዊት ዱዋላ ‘ውን ካብዚ ዝሐሸ ውፅኢት ንምምዝጋብ ተሳተፎኡ ክገብር ‘ዩ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ዝነብሮ ሓፂር ምድላዋት ኩሎም ኣሰልጠንትን ኣትሌታትን ድልዋትን ብቁዓትን ብምዃኖም ዝሐሸ ውፅኢት ኣመዝጊቦም ንምምላስ ፃዕሪ ከምዝገብሩ ‘ውን ተዛሪቦም ‘ዮም። ኣትሌት ዘገየ ሞጋን ኣትሌት ውብእርስት ኣስቻለው፤ ንሃገሮም ውፅኢት ንምምዝጋብ ፃዕሪ ከምዝገብሩ ኣረጋጊፆም ‘ዮም።

ፕሬዚዳንት ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያን ሓጋዚት ኮምሽነር ደራርቱ ቱሉ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ሞሪሺየስ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ኣፅጋቢ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ውድድር ናይ ምድላው እዋን እኹል እንተዘይኮነ ‘ውን ናይ መፋለጥን ቅድመ ምድላዋትን ምግባሩ ገሊፀን።

እቲ ውድድር ኢትዮጵያ ንኦሎምፒክ እናተዳለወት ኣብ ዝትርከበሉ እዋን ምዃኑ ታሪኻዊን ፍሉይን ዝግብሮ እንትኾን፤ ኣሰልጠንትን ኣትሌታትን ብምትሕብባርን ብምትሕግጋዝን ዝሐሸ ውፅኢት ንምምፃእ ከምዝፅዕሩ እምነተን ምዃኑ ‘ውን ተዛሪበን።

ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣሽብር ወለደጊወርግስ ብወገኖም፤ እዚ ዓመት ውድድራት ብምብዛሕ ንኮሚቴ ኦሊምፒክን ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስን ብጣዕሚ ከቢድ ከምዝነበረ ገሊፆም። ነዚ ብብቅዓት ብምውፃእ ብቁዓት ኣትሌታትን ኣሰልጠንትን ምሕራይ ዓብዪ ጥንካረ ዝሓትት ‘ዩ። ስለዝኾነ ‘ውን ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንዘርአዮ ብቅዓትን ጥንካረን ምስጋና ኣቅሪቦም።

ኩሎም ኣትሌታት ሕልሞም ኣብ ውድድራት ውፅኢት ምምፃእን ኣብ ኦሎምፒክ ምስታፍን ብምዃኑ ከምዚ ዝበሉ ዓይነት ውድድራት ድማ መበገሲ ‘ዮም ኢሎም። እቲ ውድድር ብርቱዕ ጥንካረ ዝሓትትን ፈታኒን ብምዃኑ፤ ኣትሌታት ዝተለመደ ናይ ተዓዋቲነት ስነ ልቦና ብምሓዝ ብዓወት ከምዝምለሱ እምነቶም ከምዝኾነ ‘ውን ተዛሪቦም።

ካብ 120 ሚልዮን በዝሒ ህዝቢ ተመሪፅካ ሃገር ምውካል ዓብዪ ዕድል ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ፕሬዚዳንት፤ ምድግጋፍ ከምዘድልን ኮሚቴ ኦሎምፒክ ‘ውን ኣብ ጎኖም ምዃኑ ገሊፆም። ኣፈላላያት ከምዘየድሊን ጠንኪርካን ተሓባቢርካን ሓደ ናይ ሓደ ክፍተት ብምምላእ ኢትዮጵያ ሓፍ ምባል ከምዝግባእ ኣመላኺቶም።

ካብ ዝምስረት ቀረባ እዋን ዝኾኖ ኣትሌታት ንምብርትታዕን ከምኡ ‘ውን ፅቡቅ ውፅኢት ንከምፅኡ ዘይነዓቅ ግደ ኣብ ምፃወት ዝርከብ ዘሎ ማሕበር ደገፍቲ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብቲ ቦታ ብምኻድ ነቲ ጉጅለ ከምዘበረታትዕ ‘ውን ተገሊፁ። ካብ ቡዳፔስት ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ጀሚሩ ድጋፍ እናገብረ ዝፀንሐ እቲ ማሕበር 20 ዝኾኑ ልኡዃት ናፍቲ ውድድር ቦታ ንምውሳድ ፃዕሪ እናገበረ ምዃኑ ‘ውን ኣፍሊጦም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 13 ሰነ 2016 ዓ.ም

 

Recommended For You