
ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንዓመታት ተቛሪፆም ዝፀንሑ ሃገርለኸ ውድድራት ሎሚዓመት ዳግማይ ናይ ምጅማር ዕድል እናረኸቡ ‘ዮም። ካብ መንጎ እዞም ሃገርለኸ ውድድራት እቲ ሓደ ዝኾነን ንዓመታት ተቛሪፁ ዝፀንሐን ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ቐረባ ከምዝጅምር በዓል ዋና እቲ ውድድር ዝኾነ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ምሕባሩ ዝፍለጥ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር እቲ ውድድር መዓዝን ኣበይን ይካየድ ዝብል ጉዳይ ብዕሊ ኣይተገለፀን።
ፈፃሚት ስራሕ ርክብ ህዝብን ኮሙዩኒኬሽንን ወይዘሮ ሃይማኖት ኣለማየሁ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝገለፅኦ፤ ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ንዓመታት ተቛሪፁ ድሕሪ ምፅንሑ ሎሚዓመት ናብ ውድድር እንትምለስ ብኣንጋዳይነት ክልል ኦሮሚያ ኣብ ከተማ ጅማ ከምዝሳለጥ ተረጋጊፁ። እቲ ውድድር ኣብ ዝመፅእ 07ሰነ 2017 ዓ.ም ንምጅማር ግዝያዊ መርሃ ግብሪ ከምዝተትሓዘ ወይዘሮ ሃይማኖት ሓቢረን።
ኣሰናዳኣይ እቲ ውድድር ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ኸምኡ ‘ውን ኣስተኣናጋዳይ እቲ ውድድር ክልል ኦሮሚያ ነቲ ውድድር ዝተሳኽዐ ንምግባር ኣድላዪ ቕድመ ምድላው እናገበሩ ይርከቡ። ነዚ ‘ውን ኣሰናዳኢ ኮሚቴን ንኡስ ኮሚቴን ተጣይሹ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ተፈሊጡ። ኣብቲ ከም ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዝቑፀርን ብመሰረት መትከልን ፅንሰ ሓሳብን ኦሎምፒክ ዝካየድን ኣብዚ ዓብዪ ሃገርለኸ ውድድር ንምስታፍ ዝተፈላለዩ ክልላት ካብ ብሕዚኡ ምድላው እናገበሩ ይርከቡ። ክልላት ንምድላው ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ክሕግዞም ምእንቲ ናይ ዓርሶም መላእ ፀወታታት እናካየዱ ይርከቡ።
ክልል ኦሮሚያ ቕድም ኢሉ ነቲ ውድድር ዝጀመረቶ እንትኸውን፤ ብኣሰናዳኣይነት ከተማ ኣምቦ ፀወታታት መላእ ኦሮሚያ ኣካይዱ ቕድሚ መዓልትታት ምዝዛሙ ዝፍለጥ ‘ዩ። ክልል ኣምሓራ ድማ ቕድሚ ዓሰርተ መዓልትታት መበል 9ይ ውድድር ፀወታታት መላእ ኣምሓራ “ስፖርት ንሰላም፣ ሰላም ንኹሉ” ብዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ደሴ ስታድየም ሆጤ እናካየደ ይርከብ። ብተመሳሳሊ መበል 6ይ ስፖርታዊ ፀወታታት ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ባምባሲ እናተኻየደ ይርከብ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገርለኻዊ ውድድራት ክሳተፉ ንዘይኸኣሉ ክፍልታት ማሕበረሰብ ብምስታፍ ካብ ዘፈር ስፖርት ተጠቀምቲ ንክኾኑ ምግባር ዝኸኣለ ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ዓበይቲ ዓለምለኻዊ መድረኻት ንኢትዮጵያ ወኪሎም ውፅኢታዊ ዝኾኑ ስፖርተኛታት ምፍራይ ተኻኢሉ። እቲ ኮኾብ ነዊሕ ርሕቐት ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ካብ ዘፍረዮም ዓለምለኻዊ ኮኾባት እቲ ሓደ ‘ዩ፤ ብስፖርት ብሽክሌታ ድማ ሓድነት ኣስመላሽ ተጠቃሲት ‘ያ።
ካብ 1999 ዓ.ም ጀሚሩ በቢኽልተ ዓመቱ ዝካየድ ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ዓመታት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተቛሪፁ ፀኒሑ ‘ዩ። እቲ ውድድር ኣብ 1999 እንትጅመር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣስተኣናጋዲት ምንባራ ዝዝከር ‘ዩ። ቕድም ክብል ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ፍልስፍና ኦሎምፒክ መሰረት ብምግባር ዝተሓንፀፀ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ በቢ ኣርባዕተ ዓመት ክካየድ ‘ዩ ተባሂሉ ዝተሓሰበ ስለዝነበረ ኻልኣይ ውድድር ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ 2002 ተኻይዱ። ዳግማይ ክተስተኣናግድ ዝኸኣለት ‘ውን ኣዲስ ኣበባ ‘ያ ነይራ።
ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ንፈለማ ግዜ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ዝተኻየደ ሳልሳይን ብኣንጋዳይነት ክልል ኦሮሚያ ኣብ 2004 ዓ.ም ኣብ ኣዳማ ኣበበ ቢቂላ ስታድየም ዝተሳለጠ ‘ዩ ነይሩ። ድሕሪ ኣዳማ ኣብ 2006 ዓ.ም ነቲ ራብዓይ ውድድር ዘስተኣናገደ ክልል ኣምሓራ እንትኸውን፤ ኣብቲ ግዜ ሓዱሽ ኣብ ዝነበረሉ ስታድየም ባህርዳር ተኻይዱ።
መበል ሓምሻይ ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ድማ ብኣንጋዳይነት ነበር ክልል ብሄር ብሄረሰባት ደቡብ ኣብ ስታድየም ሃዋሳ ኣብ 2008 ዓ.ም ተኻይዱ። ድሕሪ ሃዋሳ ግን ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ዓመታት ከይተኻየደ ፀኒሑ ‘ዩ።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 14 ጉንበት 2017 ዓ.ም