
ንዓመታት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ፀወታ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ከምዝጅምር በዓል ዋና እቲ ውድድር ዝኾነ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ምሕባሩ ዝፍለጥ ‘ዩ። ፀወታ መላእ ኢትዮጵያ ምናልባት ኣብዚ ወርሒ ብኣንጋዳይነት ከተማ ጅማ ክጅመር ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። ዝተፈላለያ ክልላት ‘ውን ንቕድመ ምድላው ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ምእንቲ ክሕግዞም መላእ ፀወታታቶም እናካየዱ ይርከቡ።
ክልል ኦሮሚያ ቕድም ኢሉ ነቲ ውድድር ዝጀመረ እንትኸውን ብኣሰናዳኣይነት ከተማ ኣምቦ ፀወታታት መላእ ኦሮሚያ ኣሳሊጡ። ክልል ኣምሓራ ድማ ካብ ቕድሚ ትማሊ ጀሚሩ ንመበል 9ይ ውድድር ፀወታታት መላእ ኣምሓራ “ስፖርት ንሰላም፣ ሰላም ንስፖርት” ብዝብል መልእኽቲ ኣብ ከተማ ደሴ ስታድየም ሆጤ እናሳለጠ ይርከብ።
ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ኣብ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ እቲ ውድድር ተረኺበን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ “ስፖርታዊ ፀወታታት ካብ ውድድር ሓሊፉ ሓድነት ህዝብታት ብምጥንኻር ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሕውነትን ሕብረትን ዘምህሩ ‘ዮም። ልዕሊ እዚ ‘ውን ኣብ ስፖርት ዓለምና ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ዲፕሎማሲያውን ስራሕቲ ንምክያድ ቑልፊ መሳርሒ ኾይኑ እናገልገለ ‘ዩ። ስፖርታዊ ውድድራት ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ፣ ማሕበራዊ ርክብን ከተማታት የነቓቕሑ። መንግስቲ ንዘፈር ስፖርት ብዝሃቦ ፍሉይ ትኹረት ኣብ መላእ ሃገርና ቕድሚ ሕዚ ተቛሪፆም ዝነበሩ ስፖርታዊ ውድድራት ብሰፊሑ እናተሳለጡ ይርከቡ” ኢለን።
እተን ሚኒስትር ኣተሓሒዘን ‘ውን ንልዕሊ ትሽዓተ ዓመታት ተቛሪፁ ንዝነበረ ፀወታ መላእ ኢትዮጵያ ንምቕፃል ቤት ዕዮ እቲ ሚኒስቴር ምስ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ብምትላም ኣድላዪ ምድላው ብምግባር ናብ ተግባር ምእታዉ ገሊፀን። ኹለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ንተሳትፎ ፀወታ መላእ ኢትዮጵያ ናይ ባዕለን ውድድር እናካየዳ ከምዝርከባ ተዛሪበን።
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣብዱ ሑሴን(ዶ/ር) ብወገኖም፤ ስፖርት ኣብ ሰላማዊ ዓውዲ ውሽጢ ዝካየድ ሕብረት ዘጠናኽር ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም። “ፀወታ መላእ ኣምሓራ ሰብን ሰብነትን ኣብ ዝግለፀሉ ከባቢ ደሴ ዝካየድ ንምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ” ዝበሉ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፤ ስፖርት ንመናእሰይ ብኣካል ዝጠንከሩ ብኢኮኖሚ ዝማዕበሉ ካብ ወልፊ ዝፀረዩ ስለዝገብሮም ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም። ኣተሓሒዞም ‘ውን፤ ስፖርት ከም ሃገር ሓባራዊ ገዛኢ ትርኽቲ ንምህናፅን ብሄራዊነት ንምስራፅን ሓጋዚ ብምዃኑ ከምመንግስቲ ብትኹረት ክስርሐሉ ‘ዩ ኢሎም።
ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ክልልን ኣምሓራ እርዚቅ ኢሳ፤ ዕላማ ውድድር መላእ ኣምሓራ ተተካእቲ ስፖርተኛታት ምፍራይን ርክብ ሕድሕድ ብምጥንኻር ሰላም እቲ ክልል ምፅናዕን ምዃኑ ገሊፆም፤ ኣብ ከተማ ጅማ ንዝካየድ ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ነቲ ክልል ዝውክሉ ብቑዓት ተወዳደርቲ ንምፍላይ እቲ ውድድር እናተኻየደ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ብተመሳሳሊ መበል 6ይ ስፖርታዊ ፀወታታት ቤንሻንጉል ጉሙዝ ካብ ቕድሚ ትማሊ ጀሚሩ እናተኻየዱ ‘ዮም። ኣብቲ መኽፈቲ መርሃ ግብሪ ተረኺበን መደረ ዝገበራ ሚኒስትር ዴኤታ ዘፈር ልምዓት ባህልን ቛንቋን ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ነፊሳ ኣልማህዲ፤ መንግስቲ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዕብየት ስፖርት ንዝገጠመ ስብራት ብምፅጋን ስፖርት ሕብረ-ብሄራውነት ብዘጠናኽር መገዲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፀን።
ስፖርት ንህንፀት ምስሊ ሃገረ መንግስቲ ዘለዎ ረብሓ ብምርዳእ ንነዊሕ ዓመታት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተቛሪፆም ዝፀንሑ ስፖርታዊ ውድድራት ንኽጅመሩ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝርከብ እተን ሚኒስትር ዴኤታ ኣፍሊጠን። ኣተሓሒዘን ‘ውን ምጅማር እዚ ስፖርታዊ ውድድር ስፖርተኛታት ኹለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ሃገርና ኣብ ሓደ ቦታ ብምእካብ ክእለት ዘለዎም ምሩፃት ስፖርተኛታት ብምምልማል ንኦሊምፒክን ንፀወታታት መላእ ኣፍሪካን ንምድላው ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ ‘ውን ኣገንዚበን።
ኣብ ከተማ ባንባሲ እናተሳለጠ ዝርከብ መበል 6ይ ስፖርታዊ ውድድር መላእ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ መንጎ 17 ወረዳታትን ሓደ ምምሕዳር ከተማን ብ11 ዓይነታት ስፖርት ክሳብ 14 ጉንበት 2017 ዓ.ም ክፀንሕ ‘ዩ።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 7 ጉንበት 2017 ዓ.ም