ውድድር ስፖርት ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካ ብሰዓራይነት ኢትዮጵያ ተዛዚሙ

መበል 5ይ ስፖርታዊ ውድድር ትካል ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካ ብሓፈሻዊ ሰዓራይነት ፖሊስ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ።

ካብ 9 ክሳብ 25 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም ኣብ መንጎ ሸውዓተ ሃገራት ብሽዱሽተ ዓይነታት ስፖርት እናተሳለጠ ኣብ ዝፀንሐ ውድድር ፖሊስ ኢትዮጵያ ብኽልቲኦም ፆታታት ሰዓራይ ብምዃን ተሸላማይ ዋንጫን ወርቂ ሜዳልያን ኾይኑ።ፖሊስ ሩዋንዳ ኻልኣይ፣ ፖሊስ ኬንያ ሳልሳይ ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣብ ድሮ ፍፃመ እቲ ውድድር ኣሰናዳኢ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ውድድራት ብርክት ዝበሉ ሜዳልያታት ዝኣከበ እንትኸውን፤ ብደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ውድድር ቴኬንዶ ዓለም ብሓፈሻ ሰዓራይ ዝኾነሉ ብጉሉህ ዝጥቀስ ‘ዩ። ኣብቲ ብኣካዳሚ መናእሰይን ስፖርትን ኢትዮጵያ ዝተኻየደን ልዑል ንሕንሕ ዝተረኣየሉን ውድድር ወርልድ ቴኳንዶ ፖሊስ ኢትዮጵያ ጉጅለ ቴኳንዶ ዓለም ብፍፁም ላዕለዋይነት ምስዓር ኽኢሉ።

ጉጅለ ወርልድ ቴኳንዶ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብዓይነታት ውድድር ነፀላ፣ ሕውስዋስን ጉጅለን ካብ መንጎ ዝተዳለዉ 16 ሜዳልያታት ወርቂ 14 ወርቂ፣ 11 ብሪን 1ነሓስን ሜዳልያታት ብምርካብ ነቲ ውድድር ብላዕለፖሊስ ሩዋንዳ ብኽልተ ወርቂ ብሰለስተ ብሪን 13 ነሓስን ሜዳልያታት ኻልኣይ፣ ፖሊስ ኡጋንዳ ብሰለስተ ብሪን ብሸሞንተ ነሓስን ሜዳልያታት ሳልሳይ ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።

ብውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ‘ውን ፖሊስ ኢትዮጵያ ብ21 ኪሎሜትር ንሕንሕ ብኽልቲኡ ፆታ ካብ ቐዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ንዘሎ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዋታይ ኾይኑ። ብምድርባይ ኣሎሎ ደቂ ኣንስትዮ ‘ውን ካብ ቐዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ንዘሎ ደረጃ ብም ሓዝ ዛዚሙ። ኣብ ውዕሎ ሓምሻይ መዓልቲ እቲ ውድድር ኣብ ስታድየም ኣበበ ቢቂላ ኣብ ዝተሳለጡ ውድድራት ኣትሌቲክስ ‘ውን ፖሊስ ኢትዮጵያ ብደቂ ኣንስትዮ 800 ሜትር 1ይን 2ይን ብምውፃእ እንትስዕር፤ ፖሊስ ኬንያ 3ይ ኾይኑ ዛዚሙ። ብውድድር ፍፃመ 800 ሜትር ደቂ ተባዕትዮ ድማ ፖሊስ ኢትዮጵያ 1ይ ኾይኑ እንትዛዝም ፖሊስ ኬንያ 2ይን 3ይን ደረጃ ብም ሓዝ ፈፂሙ።

ፖሊስ ኢትዮጵያ ብደቂ ኣንስትዮ 4×400 ጉያ 1ይ ብምውፃእ እንትስዕር፤ ፖሊስ ኬንያን ታንዛንያን 2ይን 3ይን ኾይኖም ዛዚሞም። ብሓፈሻ ኣብ ስታድየም ኣበበ ቢቂላ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ካብ መንጎ ዝተዳለወ 24 ሜዳልያ ፖሊስ ኢትዮጵያ ነቲ 13 ምእካብ እንትኽእል፤ ፖሊስ ኬንያ 8 ሜዳልያታት ብምርካብ ኻልኣይ፤ ፖሊስ ታንዛኒያ ድማ ስለስተ ሜዳልያታት ብምርካብ ሳልሳይ ኾይኑ።

ብኣካዳሚ ስፖርት ኢትዮጵያ ቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት መዛዘሚ መርሃግብሪ ናይ ኽብሪ ጋሻ ኾይኖም ዝተረኸቡ ፕሬዝዳንት ትካል ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካ ኢንስፔክተር ጀነራል ፌሊክስ ናሙሆራንዬ፤ ማኔጅመንት ፖሊስ ኢትዮጵያ ነቲ ውድድር ብምድላው ንዘርአዮ ቖራፅነት ብሽም እቲ ትካል ኣመስጊኖም፤ ኣብቲ ውድድር ብዝተርኣየ ሕውነት ዝድነቕ ምዃኑ ተዛሪቦም። እቲ ስፖርታዊ ውድድር ርክብ ሕድሕድ እተን ሃገራት ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳልን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ልዑል ዕድል ከምዝፈጥር ገሊፆም።

ኮሚሽነር ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ብወገኖም፤ ኣብቲ 5ይ መዛዘሚ ውድድር ስፖርት ትካል ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካን ኣብ ድሮ ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ንዝተኸበረ መበል 116 በዓል መዓልቲ ምስረታ ፖሊስ ኢትዮጵያ ንተወዳደርቲ ብሽም ኢትዮጵያ እንኳዕ ኣብፅሐኩም ኢሎም።

ኣብቲ ውድድር ስፖርት ዝተረኣየ ልዑል ንሕንሕ ፖሊስ ኣብ ዘፈር ፀጥታ ጥራሕ ዘይኾነስ ኣብ ኹሎም ዓውድታት ኣይሰዓርን በሃላይነቱ ዘርአየሉ መድረኽ ምዃኑ ተዛሪቦም። እቲ ውድድር ርክብ ሕድሕድ ሃገራት ብምዕባይ ምስ ኣፍሪካውያን ኣሕዋትና ኣብ ኹሉም ዓውዲ ብምትሕብባርን ብምውዳድን ንምስራሕ ንንገብሮ ጉዕዞ ዓብዪ መንቀሊ ‘ዩ ኢሎም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 30 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You