
ኢትዮጵያዊት ኮኾብ ኣትሌት ማራቶን ትእግስት ኣሰፋ ኣብ ማራቶን ለንደን ሓዱሽ ኽብረሰወን ዓለም ብምምዝጋብ ስዒራ። ኮኾብ ኣትሌታት ማራቶን ዓለም ዝተነሓንሕሉ ማራቶን ለንደን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት እንትሳለጥ ትእግስት ብዘደንቕ ብቕዓት 2:15:50 ክትዛዝም ኽኢላ። እዚ ‘ውን ብደቂ ኣንስትዮ ኣጓየይቲ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ዝተመዝገበ ሓዱሽ ኽብረሰወን ዓለም ኾይኑ።
ቕድሚ ዓመት ኣብዚ ውድድር ኽብረሰወን ሒዛ ዝነበረት ኬንያዊት ኣትሌት ፔርስ ጂፕቺርቺር ‘ያ ነይራ። ትእግስት ነቲ ነባር ኽብረወሰን ብ26 ሰከንድ ኣብ ዘመሓየሸትሉ ኣብዚ ውድድር ብዘደንቕ ብቕዓታ ንመወዳድርታ ካብ ሰለስተ ደቒቓ ብዝበልፅ ኣፈላላይ ምስዓራ ብዙሓት ዘይተፀበይዎ ‘ዩ። ነታ በዓልቲ ዓወት ኣትሌት ስዒባ ኬንያዊት ጆይስሊን ጂፕኮስጌ 2:18:43 ብዝኾነ ሰዓት ኻልአይቲ ኾይና ዛዚማ። ጂፕኮስጌ ዓሚ 2:16:16 ብዝኾነ ሰዓት ሰዓሪት ምንባራ ዝዝከር ‘ዩ።
ሎሚ ዓመት ግና ካብቲ ዓሚ ዝሰዓረትሉ ሰዓት ብሰለስተ ደቒቓ ዘንጊዓ ‘ያ ኻልአይቲ ኾይና ዛዚማ። እታ ናይ ሎሚዓመት ወናኒት ዓወት ትእግስት ኣሰፋ ዓሚ ኣብዚ ውድድር ኻልአይቲ ኾይና እንተዛዘመት ‘ውን ነታ ኬንያዊት ኣትሌት ብምስዓር ንሕራነኣ ብኽብረሰወን ብዝተዓጀበ ዓወት መሊሳ።
እቲ ናይ ማራቶን ለንደን ትእግስት ኻልእ ሕራነ ‘ውን ዘውፅአትሉ ‘ዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ፓሪስ ኦሎምፒክ ኣብ ማራቶን ንሒዲት ቐዲማታ ወርቂ ሜዳልያ ንዝተዓወተት ኮኾብ ኣትሌት ኔዘርላንድስ ሲፈን ሓሰን ኣብ ለንደን ስዒራታ ‘ያ። ትእግስት ብኽብረወሰን ኣብ ዝደመቐትሉ ንሕንሕ በዓልቲ ዓወት ኦሎምፒክ እቲ ርሕቐት ሲፈን ልዕሊ ሰለስተ ደቒቓ ዘንጊዓ ብ2:18:59 ሰዓት ሳልሰይቲ ኾይና ‘ያ ዛዚማ።
ትእግስት ኣብዚ ውድድር ኣብ ኦሎምፒክ ብኣወዳድኣ ቐዲማታ ወርቂ ዝሰዓረት ኣትሌት ሲፈን ኣብ ለንደን ተነሓናሒት ከም ምዃና ኣብ ፓሪስ ዝገጠማ ተመሳሳሊ ነገር ክገጥመኒ ‘ዩ ኢላ ስግኣት ሓዲሩዋ ነይሩ ግዲ ንዝቐረበላ ሕቶ፤ “ነቲ ውድድር ምስዛዘምኩ ዓብዪ ደስታ ‘ዩ ተሰሚዑኒ፣ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንምስዓር ድሉውቲ ‘የ ነይረ፣ ኣብ መወዳእታ ታቓሊሰ ንምስዓር ‘ውን ነዊሕ ርሕቐት ንቕድሚት እናመራሕኹ ንምስዓር ተዳሊወ ‘የ፣ ቐንዲ ነገር ብደምቢ ምድላው ‘ዩ፣ ዝገበርክዎ ‘ውን እዚ ‘ዩ፣ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ንሒዲት ኻልአይቲ ኾይነ ድሕሪ ምዝዛመይ ሎማዓንቲ ንምስዓር ልዑል ባህጊ ነይሩኒ፣ ነዚ ‘ውን ጠንኪረ ተዳሊወ’የ፣ ውፅኢት ልፍዓተይ ብምርካበይ ‘ውን ኣዝየ ሕጉስቲ ‘የ” ብምባል ኣብቲ ቦታ ንዝነበሩ መራኸብቲ ሓፋሽ ርኢቶኣ ሂባ።
ትእግስት ብደቂ ኣንስትዮ ኣጓየይቲ ኽብረሰወን ዓለም ብዘመሓየሸትሉ ንምእማን ዝኸብድ ብቕዓት ነቲ በታ እንግሊዛዊት ፓውላ ራድክሊፍ ንነዊሕ ዓመት ተታሒዙ ዝፀንሐ ኽብረሰወን ማራቶን ለንደን (2:15:25) ንምምሕያሽ ቐሪባ ዝነበረት እንተኾነት ‘ውን ንሒዲት ኣይተሳኽዐላን። ተዓዋቲት ብሪ ሜዳልያ ማራቶን ኦሎምፒክ ብርትዕቲ ኣትሌት ትማሊ ዘመዝገበቶ ሰዓት ኣብ ናይ ማራቶን ውድድር ታሪኻ ሳልሳይ ቕልጡፍ ሰዓት ‘ዩ።
ትእግስት ኣብ 2022 ኣብ ማራቶን በርሊን እንትስዕር 2:15:37 ዝኾነ ቕልጡፍ ሰዓት ምምዝጋባ ዝፍለጥ ‘ዩ። ኣብ ዝቕፅል ዓመት ‘ውን ኣብ ማራቶን በርሊን ብኣወዳት ኣጓየይቲ ተሓጊዛ ኣብ ዝተወዳደረትሉ ውድድር 2:11:53 ብምዝዛም በቲ ርሕቐት ሓዱሽ ኽብረሰወን ዓለም ማራቶን ዓቲራ ዓለም ክተደንቕ ኽኢላ ነይራ። እቲ ኽብረሰወን ግና ኣብ 2024 ናይ ችካጎ ማራቶን ብኬንያዊት ኣትሌት ሩዝ ቺፕንጌቲች 2:09:56 ብዝኾነ ሰዓት ተመሓይሹ።
ትፅቢት ዝግበረሉ ኣብ ዝነበረ ማራቶን ለንደን ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ኬንያዊ ሰባስትያን ሳዌ 2:02:27 ብምእታው ሰዓራይ ኾይኑ። ኡጋንዳዊ ኮኾብ ጃኮብ ክሊሞ ብ2:03:37 ኽብረሰወን ሃገሩ ኣመሓይሹ ኻልኣይ ብምዃን ፈፂሙ።
እቲ ኻልእ ኬንያዊ ኣሌክዛንደር ሙቲሶ ብ2:04:20 ሰዓት ሳልሳይ፣ ኔዘርላንዳዊ ኣብዲ ናጋዬ ብ2:04:20 ራብዓይ ደረጃ ሒዙ። ንዓወት ተሓፅዩ ዝነበረ ተዓዋታይ ኦሎምፒክ ማራቶን ታምራት ቶላ ብ2:04:42 ሰዓት ሓምሻይ ኾይኑ እንተዛዘመ ‘ውን ዘመዝገቦ ሰዓት ኣብ ዝቕፅል ሻምፒዮና ዓለም ንኢትዮጵያ ንምውካል ከምዘብቅዖ ትፅቢት ይግበር።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 23 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም