‹‹ ኢትዮጵያ ጥንኩር መሰረት ዝወነነ ማክሮ ኢኮኖሚ ምህናፅ ክኢላ’ያ›› – ግልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ኣብ ዉሽጢ ብዙሕ ፈተናታት ብምዃን መዕባለኣ ደዉ ከይበለ ጥንኩር መሰረት ዝወነነ ማክሮ ኢኮኖሚ ምህናፅ ዝኸኣለት ሃገር ምዃና ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ ‘ዩ። ሚኒስትር ዴኤታ ሰላማዊት ካሳ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፤ ኢትዮጵያ ዘመዝገበቶ 7 ነጥቢ 9 ዕብየት ኢኮኖሚ ኣብ ስሉጥ ምዕባለ ከምዘላ ዘርኢ እዩ ኢለን።

ከም’ውን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ኢትዮጵያ ኣብ ዉሽጢ ብዙሕ ፈተናታት ብምዃን መዕባለኣ ደዉ ከየበለት ጥንኩር መሰረት ዝወነነ ማክሮ ኢኮኖሚ ምህናፅ ዝኸኣለት ሃገር ምዃና ገሊፀን። እዚ ድማ ሃገራዊ ጠመተ ኣብ መስሳን ምህርቲ ብስፍሓት ምስራሕ ከምዝተኽኣለን ኣብ ተረባሕነት ሃፍትቲ ተፈጥሮ ጠመተ ምግባሩን አወንታዊ ዉፅኢት የረጋግፅ ከምዘሎ ዘርእይ ‘ዩ ኢለን። እተን ሚኒስትር ዴኤታ ብሰፊሑ ዝሃበኦ መግለፂ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና:: ሰናይ ንባብ!

ኣብ ዋና ዋና ዘፈር ኣፈፃፅማ ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ግምገማታት እናተኻየዱ ፀኒሖም ‘ዮም:: ኢትዮጰያ ኣብ ኣፍሪካ መበል ሓምሻይ ወናኒት ልዑል ኢኮኖሚ ከምዝኾነት ዝተፈላለዩ ትካላት ቑጠባ እናረጋገፁ ዝመፁ ሓቂ ‘ዩ:: ኢትዮጵያ ዘይተቋረፀን ኣብብዙሕ ፈተና ‘ውን ኾይና ብድልዱል መሰረት ዝተሃነፀ ናይ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘላዋ ሃገር ከምዝኾነት ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ወርሒ ኣመስኪራ ‘ያ::

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት ዝተመዝገበ ብሓፈሻ ናይ ሸውዓተ ነጥቢ ትሻዓንተ ሚኢታዊ ቑጠባ ዕብየት ሃፍቲ ካብ ጎረቤት ሃገራትን ካልኣት ሃገራት ኣንፃር እትረአ ኢትዮጵያ ኸዚ ‘ውን ኣብ ፈጣን ዕብየት ኢኮኖሚ እትርከብ ከምዝኾነት ብግልፂ ዘርኢ ‘ዩ::

ኢትዮጵያ እዚ ዕብየት ንምምዝጋብ ዘኽእላ መልዐሊኣ እንታይ ‘ዮም? መግለፂኦም እንታይ ‘ዮም? ዝብል ሕቶ ንምምላስ ብፍላይ ድማ ምስ ማሕበረሰብ ቕርብ ዝበሉ ናይቲ ዕብየት መርኣያ ዝኾኑ ነጥብታት ንምርኣይ ዝኣክል ብቀዳምነት ከምዝፍለጥ ሕርሻ ማክሮ ኢኮኖሚ ብፅሒት ዝሕዝ ብመዃኑ ኣብ ናይ ሎሚ ሓጋይ ግዜ ዋና ዋና ናይ እኽሊ ምህርቲ ንምምራት ተተሊሙ ዝነበረ ናብ 513 ሚልየን ኩንታል ‘ዩ::

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ኣዋርሕ ዝተረኸበ ኣፈፃፅማ ድማ 506ሚልየን ኩንታል ኣብ ሓጋይ ግዜ ምርካብ ተኻኢሉ ‘ዩ:: እዚ ድማ 98ሚኢታዊ ኣሳኺዑ ‘ዩ:: ዓሚ 393 ሚልየን ኩንታል ነይሩ ሎሚ ዓመት ድማ 506 ሚልየን ኩናትል ማለት ‘ዩ:: ኣብ ሆልቲካልቸር ዓብይ ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሐ ዝነበረ ዘፈር ግብርና ‘ዩ:: ዓሚ ካብ ዝነበሮ 122ሚልየን ኩንታል ምህርቲ ነይሩ ሎሚ ዘመን 340ሚልየን ኩንታል ክብ ንምግባር ተኻኢሉ ‘ዩ::

ዓብይ ትኹረት ዝነበረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ መስኖ ስርናይ ኣብ ዓመት ኽልተ ሰለስተ እዋን ምምራት ዘኽእል ስርዓት እንትኾን ዓሚ 47ሚልየን ኩንታል ሎሚ ዘመን 106 ሚልየን ኩንታል ክብ ንምባል ዝተኽኣለሉ ዓመት ‘ዩ:: ኢትዮጵያ ብምግቢ ባዕላ ክትኽእል ኣለዋ፣ ከምኡ ‘ውን ዜጋታት ዝደልዩዎም እታዎት መንግስቲ ምህርትን ምህርታውነትን ብስፍሓት ክስራሕ ኣለዎ ብዝብል ዘለና ሃፍቲ ክንጥቀም ኣለና ብዝብል ‘ዩ እናተሰርሐ ፀኒሑ::

ምህርቲ ሩዝ ከም ኣብነት ኣልዒልና እንተሪእና ዓሚ 9ሚልየን ኩንታል ዝነበረ ናብ 37 ሚልየን ኩንታል ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ኣዋርሕ ንምምራት ዝተኽኣለ ‘ዩ:: እዚ ዘሪአና ዘሎ ሃፍቲ ብኣግባቡ እንድሕር ተጠቒምና ኸዚ ‘ውን ካብዚ ብዝሓሸ ምህርቲ ግብርና ምዕባይ ከምዝካኣል መርኣያ ‘ዮም::

ዘፈር ግብርና ብትኹረት እንትንምልከቶ ናይ ሆልቲካልቸር ምህርቲ ትኹረት ተገይርሉ ስራሕ ከምዝግባእን ካልኦት ‘ውን ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ክሰርሕዎ ከምዝግባእ ተገሊፁ ‘ዩ:: ከም ሃገር ካብ ተረዳኢነት ንምልቃቕ እንገብሮ ፃዕሪ እዚ ንምስኻዕ ድማ መንግስቲ ዝተቐመጡ ሽቶ ንክሳኽዑ ትኹረት ገይሩ እናተሰርሐ ፀኒሑ ‘ዩ::

ካልእ ናይ ዕብየት ዓምዲ ዝባሃል ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘፈር ኢንዱስትሪ ‘ዩ:: ዘፈር ኢንዱስትሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ኣዋርሕ መፍረይቲ ኢንዱስትሪ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ናይ ሃገር ብፅሒት ናብ 40 ሚኢታዊ ንምግባር ‘ዩ ነይሩ ዝተተለመ 39ሚኢታዊ ዝኾነ ብፅሒት ዕዳጋ ንክህልዎ ምግባር ተኻኢሉ ‘ዩ::

ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ምህርቲ ብሃገር ውሽጢ ኣፍሪኻ ምትካእ ካብ ወፃኢ ምድሓን ተኻኢሉ ‘ዩ:: ንኣብነት ብሃገር ውሽጢ ዝተተከአ ፍርያት ናይ ቡቕሊ ፍርያት ‘ዩ:: 228ሚልየን ዶላር ወፃኢ ምቕናስ ተኻኢሉ ‘ዩ:: ዝውድኡ ኣቅሑ በቢገዛና እንጥቀመሉ ንኣብነት ፓስታ፣ መኮረኒ፣ ናይ ህፃናት ምግቢ ኣብ ሃገር ውሽጢ ምፍራይ ናብ 458ሚልየን ዶላር ወፃኢ ብምድሓን ናይ ሃገር ውሽጢ ፍርት ምትካእ ዝተኽኣለሉ ዓመት ‘ዩ ነይሩ::

‹‹ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተምርት›› ቅድም ኢልና ዘልዓልናዮም ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ነበሩ ናውቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብምፍራይ እቲ ዓብይ ናይ ትኹረት ነጥቢ ‘ዩ ነይሩ:: ብፍላይ ኣብ ዘፈር ኢንዱስትሪ እቲ ዓበይ ትኹረት ዝተውሃበ ነገር ‘ዩ:: ኣብዚ ዘፈር ብዙሕ ዕንቅፋት ዝኾኑ ነገራት ይላዓሉ ‘ዮም፤ እዚኦም ንምቕራፍ ድማ ምስ ኣፍረይቲ ተቐራሪብካ ምስራሕ የድሊ ‘ዩ ::

ነዚ ድማ 240 ዝኾኑ ዓበይቲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ተፈልዮም ‘ዮም፤ ምስ እዚኦም ብቕርበት ዘላዎም ፀገማት እንታይ ‘ዩ? ዝብል ቅልጡፍ መልሲ ንምሃብ እዚ ምትእስሳር ኣድላይ ከምዝኾነ ‘ውን ትኹረት ዝተውሃበ ‘ዩ:: ከም ሃገር ናይ ማክሮ ኢንዱስትሪ እንትላዓል ሓደ ዘፈር ማዓድን ‘ዩ፤ ኢትዮጵያ ብዙሓት ዘፈር ማዕድን ኣለዋ ግና ብዝግባእ ከይተጠቐምናሉ ከምዝፀናሕና እናተገለፀ ዝነበረ ሓቂ ‘ዩ:: እዚ ዘፈር ንዝግበኦ ልክዕ ንከይዓቢ ዕንቅፋት ኾይኑዎ ዝፀንሐ ንግዲ ኮንትሮባንድ ‘ዩ:: ኣብቲ ዘፈር ግልፂ ዝኾነ ኣሰራርሓ ክዝርጋሕ ከምዝግባእ ዘርኢ ‘ዩ::

ንግዲ ዘፈር እንድሕር ርኢና ከም ሃገር ካብ ወፃኢ ንግዲ ዝተረኸበ ኣታዊ 3 ነጥቢ 3 ቢልየን ዶላር ‘ዩ:: ዓሚ ካብዚ ዘፈር ዝተረኸበ 3 ነጥቢ 2 ቢልየን ዶላር ‘ዩ ነይሩ ብዙሕ ‘ውን ፍልልይ ዝፈጠረ ኣይኮነን፤ እዚ ዓብይ ገዛዕዮ መንግስቲ ከምዘለዎ ዘመላኽት ‘ዩ::

ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ብዙሓት ሓደሽቲ መባፅሕቲ ቱሪዝም ተሰሪሖም ‘ዮም ዝነበሩ ድማ ሕድሳት ብምግባር ብዙሕ ስራሕ እናተሰርሐ ፀኒሑ ‘ዩ፤ በዚ ዘፈር ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ኣዋሕ ብዝተፈላለየ መልክዑ ልዕሊ 928ሽሕ ቱሪስትታት ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ‘ዮም:: ኣብ ቀረባ ዓብይ ዕብየት እናምፀአ ዘሎ ናይ ሃገር ውሽጢ ምንቅስቃስ ቱሪዝም ‘ዩ:: ኣብዚ ዝተንቀሳቐሰ ገንዘብ እንትንርኢ ናብ 58ቢልየን ብር ‘ዩ:: እዚ ዘፈር ዓብይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ዘመላኸተ ዓመት ‘ዩ ነይሩ::

ዲጂታል ኢኮኖሚ ምቅስቃስ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ኣዋርሕ፣ ክፍያ፣ ቁጠባን ልቃሕን ዝኣመሰሉ ዓብይ ስራሕቲ ተሰሪሑ ‘ዩ:: ከም ሃገር ዓብይ ለውጥ ከምፅእ ‘ዩ ዝባሃል እቲ ሓደ ቁጠባ ‘ዩ:: ዓሚ ናይ ድጅታል ቁጠባ ዝነበረ 1ነጥቢ 7 ቢልየን ብር ‘ዩ ሎሚ ዓመት እዚ ብር ልዕል ብምባል 5ቢልየን ብር በፂሑ ‘ዩ::

4ነጥቢ 6ሚልየን ዜጋታት ናብ ፋይዳ መታወቅያ ምዝገባ ተኻይዱ ‘ዩ:: ፋይዳ ናይ ድጅታል መታወቅያ ካብ ክፍያ ተደሓሒዙ ካብ ዝመፁ ሕቶታት ድጂታል መታወቅያ ምዝገባ ምንም ዓይነት ክፍያ ኣይጥይቕን:: እቲ ግልጋሎት ድማ ብኢትዮ ቴሌኮምን ጨንፈር ባንክታትን ኣብ ካልኦትን ምርካብ ይካኣል ‘ዩ:: ናይ ፋይዳ መታወቅያ ብዝምልከት መራኸቢ ሓፋሻት ንማሕበረሰብ ግንዛቤ ምፍጣር ይግባእ::

ክሳብ ኸዚ ዝገለፅናዮ ከም ሃገር ዓበይቲ ዝባሃሉ ዕብየት ሃገር መልዓሊ ዝኾኑ ኣብ ካልኦት ‘ውን ዝተረኸቡ ዓወት ኢትዮጵያ ከም ሃገር ካብ ኣፍሪካ ልዑል ኢኮኖሚ ንክትኾን ኣኽኢሉ ‘ዩ:: ዓወት ጥራሕ ግና ኣልዒልና ኣይንሓልፍን:: ካብዚ ዝሓለፈ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ትሻዓንተ ኣዋርሕ ካብ ማሕበረሰብ ዝላዓሉ ሕቶታት ኣለዉ:: እቲ ሓደ ጉዳይ ሰላምን ድሕንነትን ‘ዩ::

ካልእ ምኽባር ዋጋ ኣብ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰብ ዝላዓል ጉዳይ ‘ዩ:: ስእነት ስራሕ፣ ፅሬት ግልጋሎት ኣዋህባ፣ እዚኦም ብስፍሓት ካብ ማሕበረሰብ ዝላዓሉ ነጥብታት ‘ዮም:: ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ወርሒ ኣብ ማላእ ሃገርና ዘሎ ከተማ ብ18 ከተማታት ኣብ 107 ወረዳታታት 253 ቀበሌታት ምልከታ ተገይሩ ‘ዩ:: ዕብየት ማክሮ ኢኮኖሚ ካብ ዘርከቡ እቲ ሓደ ምኽንያት እዚ ኽትትል ብምግባሩ ‘ዩ::

ዜጋታት ዘልዕልዎም ፅዕንቶ ናብራ ንምቅላል ካብ ዝተወሰዱ ስጉምቲ እቲ ሓደ ሌማት ትሩፋት ሃገራዊ ጎስጓስ ሓደ ‘ዩ:: በዚ ስራሕ ብዙሓት እናተሳተፉ ‘ዮም:: ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ኣዋርሕ ሌማት ትሩፋት ውፅኢት ምምፃእ ዝጀመርሉ ግዜ ማለት ንኽእል ኢና:: ሌማት ትሩፋት ኣብ ናብራና ሕድሕድ ክንጥቀሞም ዝግብኡ ብውሽጡ ዝሓዘ ”ዩ:: ካብዚኦም ውሽጢ ፀባ፣ ስጋ ደርሆ፣ ዓሳ ለውጢ ንምምፃእ ፍርያት ልዕል ምባል ‘ዩ:: ስለዚ ሌማት ትሩፋት ኣብዚ ዓመት ለውጢ ዘምፅእሉ ዓመት ‘ዩ ኢልና ምልዓል ንኽእል ኢና ::

ምስ ሰላም ኣጀንዳ ብዝምልክት መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ድልየት ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ዘሪኦ ዘሎ ጉዳይ ‘ዩ:: እዚ ተግባራዊ ንምግባር ዝተፈላለዩ ምንቅስቃሳት እናተገበረ ፀኒሑ ‘ዩ:: እቲ ሓደ ናይ ምኽክር ኮምሽን ንክጠየሽ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ፍትሒ ስግግር ንክሳኻዕ ናይ ምግባር ከይዲ ‘ዩ:: ሃገራዊ ምኽክር ብዙሕ ምርምርን ፅንዓትን ኣካይዱ ‘ዩ ናብዚ ተግባር ዝኣተወ::

ሃገራዊ እሴት ብዝተኸተለ መልክዑ ኣብ መላእ ሃገርና ብዝተሳኸዐ መንገድ እናተኸደ ይርከብ:: ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘ውን ኣብ ቀረባ ኣጀንዳ ምፍላይ ብዓወት ስራሕ ተሰሪሑ ‘ዩ:: ኹሉ ኢትዮጵያዊ ብተስፋ ዝፅበዮ ጉዳይ ‘ዩ:: ነዚ ንምሳኻዕ ኸዚ ‘ውን መንግስቲ ኣድላይ ዝባሃል ሓገዝ ምግባሩ ክቕፅል ‘ዩ::

መንግስቲ ብሓይሊ ንምውዳቕ ዝሓስቡ ሓይልታት ናብ ሰላማዊ መንገዲ መፂኦም ሰላማዊ ምንቅስቃስ ፖለቲካ ንምስተፍ እንተደለዩ ‘ውን ቅድሚ ኸዚ ዝሳተፍሉ ዕድል ዝተመቻቻወ ኣይነበረን:: እዚ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ‘ውን የለን:: ናይ ሃገርና ፖለቲካ መድረኽ ካብ ጎንፂ ባህርያት ንክወፅእ እዚ ዝተዳለወ ምኽክር መንገዲ ተጠቒሞም ሓሳቦም ምቕራብ ዝደልዩ ናይ ፖለቲካ ሓይልታት እንተሃልዮም ንዐኦም ምችው ኣጋጣሚ ንምፍጣር ምምሕያሽ ዝተገበረሉ ሰሙን ‘ዩ::

እዚኦም ሓይልታት ሕጋዊ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ኣፍልጦ ብምሃብ ናብ ስሩዕ መረፃ ኣካይዳ ንክኸዱ ናይ መረፃ ኣዋጅ ንክመሓይሽ ተገይሩ ‘ዩ:: እዚ ድማ ንሰላም ክባሃል ንቕድሚት ስጉምቲ ዝተኻደሉ ሰሙን ‘ዩ ክብል ንኽእል:: ድልየትን ቅዋም ሰላምን መንግስቲ ቅድሚ ኸዚ ዝነበረ ኸዚ ኾነ ፅባሕ ዝህሉ ከምዝኾነ ዝተረጋጋፀሉ ‘ዩ::

ናይ ሎሚ ዓመት ግልጋሎት ወለንታውያን ብዙሕ ስራሕቲ እናተሰርሑ ፀኒሖም ‘ዮም:: ኣጠቃላይ ሃገራዊ ጎስጓስ ክቅፅሉ ‘ዮም:: መዓልቲ ግልጋሎት ወለንታውያን ብብርኪ ሃገር ‹‹ሓድነት ንሃገር ልዕልነት›› ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝስራሕ ‘ዩ:: ወለንታውያን ስራሕቲ ሃገሩ ዝፈቱ ንወገኑ ዝሓስብ ዘለዎ ሃፍቲ ንካልኦት ንምክፋል ዝደሊ ወለዶ ንምፍጣር ዓብይ መሰረት እሴት ዝቕምጥ ‘ዩ::

ኣብ ናይ ሎሚ ክረምቲ ብዙሕ ውፅኢት ዘምፅኡ ግልጋሎት ወለንታውያን ስራሕቲ ክስርሑ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ‘ዩ፤ ናብ 39 ሚልየን ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ መላእ ሃገር ክሳተፍሉ ትፅቢት ይግበር:: እዚ ብቅርሺ እንትትመን ኣብ ኢኮኖሚ ዘሕድሮ ኣስተዋፅኦ እንትንርኢ 21ነጥቢ 5 ቢልየን ቅርሺ ‘ዩ::

እዚ መርሃ ግብሪ ኣብ ዝተፈላለየ ኸባብታት ዝርከብ ማሕበረሰብ ሕድሕድ ርክብ ዘጠናኽር ስራሕ ግልጋሎት ‘ዩ:: ኣብዚ መርሃ ግብሪ ብወለንታውያን ፈልስታት ክትከሉ ‘ዮም፣ መናእሰይ ብምእካብ ዓቅመ ደካማታት መሬቶም ክሓርሱ ዘይኽእሉ ንክሕረስ ክግበር ‘ዩ፣ ገዘኦም ‘ውን ንክሕደስ ክግበር ‘ዩ ካልኦት ስራሕቲ ‘ውን ክስርሑ ክግበር ‘ዩ::

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 13 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You