“ናይ ፅባሕ ፍረ ኣማዕዲና ብምርኣይ ንብሩህ መፃኢ ዘበን ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና” – ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ከምዝፍለጥ ደኒታት መሰረት ፍልፍል ሂወት ‘ዮም። ኣብ ማሕበራዊ ኢኮኖመያዊ ዘለዎም ረብሓ ‘ውን ልዑል ግደ ‘ዩ ዘለዎም። ብፍላይ ኣብ ስነ ከባቢ ምስቲ ሐዚ ብሰንኪ ለውጢ ኣየር ንብረት ኣብ ሃገርና ይኹን ኣብ ዓለም ዝፈጥሮ ዘሎ ፀገም ኣብ ምሕካም ደኒ ዓቢይ ግደ ከመዘለዎ ይፍለጥ ‘ዩ።

ተኽሊ እንተዘይሃለዩ ሂወት ከመዘየሎ ብሰነ ሓሳብ ኩሉ ዝፈልጦ ‘ዩ። ኩሎም መራሕቲ ሃገር ይኹኑ ውልቀ ሰባት ሓደ ካብ ካሊእ ዘይሰማዕማዐሉ ሓሳብ ተግባር ክህልው ይኽእል ‘ዩ። ኣብ ኣድላይነት ደኒ ግና ዳርጋ ተመሳሳሊ ‘ዩ ምባል ይከኣል። ነዚ ‘ውን ‘ዩ ዝሓለፉ መራሕቲ ይዕበ ይንኣስ ፈልሲ ይተኽሉ ነይሮም ሎሚ ‘ውን ካብ እዋን ናብ እዋን ብዝሓሸ ስፍሓት እናቐፀለ ይኸይደ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብበዝሒ እናተተኸሉ ‘ዮም ሎሚ ‘ውን ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝቀፀለ ተኸላ ብፍላይ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣብ ዝተገበረ ተኸላ ፈልሲ ሽዱሽተ ሚኢቲ ሚልየን ተተሓሒዙ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዶ/ር ዝገበርዎ መደረ ከምዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና ሰናይ ንባብ:-

ክቡር ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ተምስገን ጥሩነህ ክቡር ፕረዚደንትና ኣልሻድሊ ሓሰን ክቡር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ክቡራት ሚኒስተራት ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዝተፈተኹም ክቡራት ነበርቲ ከተማ ኣሶሳ ናብዚ ዓቢ ዝድነቅ መዓለቲ ብሓባር ሰረት ንክነቅምጥ ስለዘብቅዐና ፈጣሪና እናመስገንኩ እንኳዕ ደስ በለኩም ደስበለና ክብል ይፈትው ብምባል ዘረባኦም ዝጀመሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፤ ንመጀመርታ እዋን ናብ ኣሶሳ ናይ ሎሚ ሳላሳን ሓደን ዓመት ኣብ 1985 ዓ.ም መፂኦም ከምዝነበሩ ከምዚ ክብሉ ይዝከሩ:-

ኣብቲ እዋን ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ካብ ባባሲ ናብ ኣሶሳ ካብ ባባሲ ናብ ቤጊ ንምኻድ ብጣዕሚ ኣፀጋሚ ‘ዩ ነይሩ። ብእግሪ ይኽየደሉ ኣብ ዝነበረ ዘመን ብዙሕ ጭቃ ዝነበረሉ ዘመን እቲ ሐዚ ዘሎ ተፈጥሮ ንምድናቅ ዘኽእል ፍልጥት ኣብዘይነበርኩሉ ዕድመ ስለዝነበርኩ ሐዚ ዝዝክሮ እቲ ማንጎ ‘ዩ። ክጠምየና ከሎ በቢቦትኡ ከልካሊ ዘይብሉ ዝወደቀ ማንጎ ኣልዒልካ ጥራሕ ዝብልዓሉ ‘ዩ ነይሩ። ካበኡ ከዓ እቲ ቃጫ ዘለዎ ማንጎ ኣብ ኣፍካ ዝተርፍ ዝነበረ ኣይርስዓንን ይብሉ።

ኣሶሳ ብብዙሕ መልክዕ ብተፈጥሮ ሃፍቲ ዝተዓደለት ከባቢ ‘ያ። እኹልን ካብ እኹል ንላዕልን መዓድናት ኣለዋ። ንሕርሻ ዝኸውን ልሙዕ መሬት ኣለዋ። ብኣውሮፕላን እንትንጉዓዝ፤ ንምእማን ብዝኸብድ ደረጃ ብሓምላዋይ ተፈጥሮ ዝተዓደለት ኸባቢ ኾይና ኢና ንረኽባ።

እዚ ኸባቢ ንወለዶ ብዝረብሕ ኾይኑ ንክቅፅል፤ እቲ ልምዓት ሎሚ እናነበርናሉ፤ ንፅባሕ ‘ውን መሰረት ንምቅማጥ እንኽእለሉን ካብ ምትኻል ብላዕሊ ድማ ናብ ትውልዲ ዘሰጋገር ሃፍቲ ስለዘየለ ሎሚ ኣነን ንስኹምን ብብርኪ ኣፍሪካን ዓለምን ተራእዩ ብዘይፍለጥ 600 ሚልየን ቁፅሪ ፈልሲ፤ ብሚልዮናት ብዝቁፀሩ ኢትዮጵያውያን ብሓባር ወፂኦም ኣብ ዝተኽልሉ መዓልቲ፤ ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ምሳኹም ኣብ ኣሶሳ ዓሻራይ ንከቅምጥ ብምዕዳለይ ኣነን በዓልቲ ገዛይን ልዑል ክብርን ምስጋናን ዘለና ሙዃኑ ክገለፀልኩም ይደሊ ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም።

ብምቅፃል ‘ውን ከምዚ ይብሉ፡- ሃገሮም ዝፈትዉ ንወለዶ ፍቅሪ ዘለዎም፤ ፅባሕ ኣርሒቖም ዝጥምቱ ዜጋታት፣ ማሕበረሰብን ኣመራርሓን ዘለዋ ሃገር፤ ናይ ሎሚ ፀገም ዘይኮነስ ናይ ፅባሕ በረከት እናረኣየ፤ ናይ ሎሚ ፈተና ዘይኮነስ ናይ ፅባሕ ፍረ እናረኣየ፤ ንፅባሕ ዝሰርሕ መንግስትን ህዝብን ፅባሕ ንምስራሕ ዝተሓባበር ዝኾነ ይኹን ዜጋ መፃኢ እዋን ዝፀበቀ ከምዝኸውን ዝኾነ ዓይነት ጥርጥር የለን።

ሕማቅ ዝኸውን መንግስታት ድሕሪ ዓወት ትማሊ ጥራሕ እናዘመሩ፣ እናወደሱን ዝሓለፍዎ መንገዲ እናዘከሩ ኣብኡ ዝነብሩ እንተኾይኖም ንወለዶ ፍረ ኣየቅምጡን። በቢ እዋኑ ትማሊ በዚ ጎቦ እንትንሓልፍ በዚ መንገዲ እንትንሓልፍ ዝበሉ ዝርርባት ንትምህርቲ እንተዘይኮይኑ ፅባሕ ብእኹል ንምህናፅ ስለዘየኽእሉ ትማሊ ከይረሳዕና ሓለሓሊፉ ምልስ እናበልና ካብ ታሪኽ እናተመሃርና ሎሚ ብትኹረት እናሰራሕና ፅባሕ እናፀበቅና ንወለዶ ዝሐሸ ሃገር ምሕዳግ ካብ ዝኾነ ይኹን ሓላፍነት ዝስምዖ ዜጋን መንግስትን ትፅቢት ዝግበር ዓብዪ ተግባር ‘ዩ።

እዚ ተግባር መንግስትና ካብ ዝገለፀሉ ሓደ መንገዲ ሓመላዋይ ኣሰር ‘ዩ። ከምዝትፈልጥዎ ካብ 20 ዘይንእሱ ዓበይቲ እኒሼቲቫት ኣብ ዘሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ተኸናዊኖም ‘ዮም። ምሕዳስ ገዛ ድኻታት እንተይልና ሎሚ ብሚእቲ ሽሕ ዝቁፀር ድኻ ገዛ ተሰሪሕሉን ተሓዲሱሉ ወናኒ በዓለ ገዛ ኮይኑ ‘ዩ።

እዚ ‘ውን ዝቅፅል ተግባር ‘ዩ። ምምጋብ ተምሃሮ እንተይልና ‘ውን ብሚልየን ዝቁፀር ተምሃራይ ኣብ መዓልቲ ክልተ ምግቢ እናረኸበ ናብ ትምህርቲ ንክኸይድን ካብ ትምህርቲ ንከይተርፍ ዝግበር እንሼቲቭ ተጠናኺሩ እናተሰርሐ ይርከብ። ድሕንነት ምግቢ ንምረግጋፅ ብስንዳይ፣ ብሩዝን ፍራምረን ዝጀመርናዮም ኣደነቕቲ ስራሕቲ በቢዓመቱ ዝጭበጥ ዕብየትን ምምሕያሽን እናርኣየ ሐዚ ‘ውን እናቀፀለ ይርከብ።

ኣብ ከተማ ልምዓት ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልምዓት ኮሪደር ዝጀመርናዮ ስራሕ ኣብ ናይ መጀመርያ ዙር ልዑል ፍረ ዘፍረየ እንትኾን፤ ካልኣይ ዙር ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ካልኦት ከተማታትን ንምጅማር ኣብ ሓደ ሓዲኦም ‘ውን ጀሚርና ኢና። ኣብዚ ሰፊሕ ምንቅስቃስን ፈተናታትን ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ህንፀት ቤት ትምህርታት ብፍላይ ኣብ ህንፀት መውዐሊ ህፃናት፤ ሎሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓምታት ልዕሊ 35 መውዐሊ ህፃናት ሃኒፃ ደቅና ኣብ ህፃንነት ዕድምኦም ትምህርቲ ናይ ምቅሳም ዕድል ንክረኽቡን ቐንዲ ቐንዲ ዝጀመርናዮም እንሼትቭ ፍረታት ኮይኖም ውፅኢት እናምፅኡ ‘ዮም ዝርከቡ። እኹል ሃፍቲ ከይረኸብና ህዝብና ተኣማሚንና ዝጀመርናዮ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ውሽጢ ልዕሊ ትልምና ኣሳኺዒና ኢና።

ክሳብ ሎሚ ‘ውን 39 ነጥቢ 5 ቢልየን ፈልሲ ዘተኸልና እንትንኾን፤ ሎሚ ምስ እንገብሮ ተኸላ ድማ ካብ ልዕሊ 40 ቢልየን ፈልስታት ዘይንእስ ብብርኪ ሃገር እንተኸለሉ ዓመት ክኸውን ‘ዩ። ኣርብዓ ቢልየን ማለት ሕድ ሕዱ ፈልሲ ዘርኢ ካብ ምድላው ካብ ምፍላስ፣ ምንክብካብ፣ ጉልበት ሰብ ሓዊስና ሓደ ሓደ ዶላር እኳ እንተስሊሕናዮ ኣርብዓ ሚልየን ንደቅና ኢንቨስት ገይረና ማለት ‘ዩ።

ኣርብዓ ቢልየን ዶላር ንደመወዝ ተኸፊሉ እንትብላዕ፤ ክዳን፣ ጫማን ኣፅዋርን እንትግዛእን ኣርብዓ ቢልየን ንፅባሕ ኢንቨስት እንትግበር ማዕረ ኣይኾንን። እቲ ኣርብዓ ቢልየን ፅባሕ 120፣240ን ተባዚሑ በርኪቱ ፅባሕ ደቅና ብዝበለፀ ዓቅምን ውፅኢትን ዝጥቀሙሉ ስለዝኸውን ከም ሃገር ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ፅባሕ ‘ውን እናሓሰብና እንገብሮ ኢንቨስትመንት ስለዝኾነ፤ ሃገርና ብብዙሕ መልክዑ ለማኒት ከይኮነት ዝማዕበለት ክትኾንን ንባዕላ ኮይና ንኻልኦት እትሕግዝ፤ ለዓላውንታ ብኹሉ ዓውዲ ክተረጋግፅ ስለዝገበራ፤ ሎሚ ዝተኽላ ኣእዳው ዝተባረኻን ንደቅኹም መሰረት ዝተንፅፉ ስለዝኾንኩም እንኳዕ ደስ በለኩም ክብለኩም ይፈትው።

ሽዱሽተ ሚልየን ዘይተኽሉ ሃገራት ዓለም ኣለው ‘ዮም። ኢትዮጵያ ብሓንቲ ፀሓይ ሽዱሽተ ሚእቲ ሚልየን ክተክል ‘የ ክትብል ከላ፤ ኣብ ህዝባ ዘለዋ ምትእምማን ኣብ ምድማር ዘሎ ሓይሊ፣ ኣብ ትልምን ምድላውን ናይ ምትግባር ዓቅሚ፣ ዝሓለፉ ዓመታት ብተግባር ፈቲሽና ስለዝረኣናዮ፤ ሽዱሽተ ሚኢቲ ሚልየን ክንተክል ኢና ክንብል ከለና ኣንስቲ፣ ዓበይቲ፣ መንእሰይ፣ ተምሃራይ፣ መምህር፣ ቀሽን ኣብ ኩሉ ዓውዲ ሰራሕ ዘሎ ኩሉ ሎሚ ሓመድ ከይነኽኡ ዘይውዕሉሉን ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዓለም ዘይክኣል እትኽእል፤ ድኽነት እትጋፈጥን እተሸንፍን፣ ዝሓሰበቶ እተሳኽዕ፣ ጀሚራ ናይ ምውዳእ ልማዳ ዘኾነ፣ ተዛሪባ እተተግብር ሃገር ምዃና፤ ንዓለም እነርእየሉ ስለዝኾነ ሎሚ ፀሓይ ቅድሚ ምውፅኣ ምትኻል ዝጀመርኹም በቢዝኸድናዮ እናተኸልና ክሳብ ምሸት ሽዱሽተ ሚእቲ ሚልየን ፈልሲ ምትኻሉ ክሳብ እነረጋግፅ ዝናብ፣ ፀሓይን ጥምየትን ናብ ገዛ ኣይመልሰናን። ሙሉእ መዓልቲ ክንተክል ኢና ክብሉ ተዛሪቦም።

ቀፂሎም ‘ውን ከምዚ ይብሉ፡- ዝተዛረብናዮ ብተግባር ንፍፅም ኢና። ንደቅና መሰረት ክነቅምጥ ኢና። በዚ ድማ ደቅና ከይሓፈሩ ቅንዕ ኢሎም ኣብ ትሕቲ ኣቦታትና ዝተኸልዎም ኣእዋም ፅላል ዘፅልል፤ ናይ ኣቦታተይ ማንጎ ኮፍ ኢለ ዝበልዕ ኢሎም ዘመስግኑ ወለዶ ብድሕሪት ንክፍጠሩ ዘኽእል፤ ናይ ሎሚ ወለዶ ሎሚ ኣብ ዓራት ዘይደቀሰ ናብ ደገ ወፂኡ ክተክል ዝኽእል እነተተኺሉ ፅቡቃት ኣቦታት ዝብል ክብሪ ዝረኽበሉን ንደቁን ንሃገሩን ዘለዎ ፍቀሪ ዘርእየሉ ስለዝኾነ፤ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ኣነን ነባሪ ከተማ ኣሶሳን ኣብ በቢዘለኹሞ ኣብ ዝምችወኩም ከባቢ ሎሚ ወፂእኹም ፈልሲ ብምትካል ኢትዮጵያ ናይ ምልባስ፣ ድልየት ኢትዮጵያ ናይ ምስኻዕ፣ ኣብ ኣፍሪካ ብብዙሕ ፅቡቅ ነገር ሱማ ንክፅዋዕ ኣብነት ዝትኸኖነሉ መንገዲ ንክትጅምሩ ብልዑል ትሕትናን ፍቅርን ፃውዒተይ ከቅርበልኩም ይደሊ ክብሉ ፃውዒት ኣቅሪቦም ‘ዮም።

ኣብዚ ዓመት እንተኽሎ ፈልሲ ልዕሊ 7 ቢልየን ምዃን ይፍለጥ ‘ዩ። ካብዚ ውሽጢ ናብ ልዕሊ 50 ሚእታዊ ዝኸውን ንፅባቀ ዝትከል ዘይኮነስ፤ ንምግብነት ዝውዕል፣ ሓመድ ከይሽርሸር ዝዕቅብ፣ ሃገር በቆል ዝኾኑ ንመድሓኒት ዝውዕሉ፣ ንብዙሕ ነገራት ረብሓ ዘለዎም ፈልስታት ዝተተኸሉ እንትኾኑ፤ ልዕሊ ኣርብዓ ሚእታዊ ዝተተኸሉ ፈልስታት ድማ ንሓለዋ ክባቢን ንፅባቀን ንፅላልን እኹል ዝናብ ንክንረብ ዝሕግዝ ‘ዩ ይብሉ።

ሎሚ ዘመን ሽዱሽተ ሚእቲ ሚልየን ፈልሲ ክነትክል ከለና ኣሶሳ ዝመረፅናሉ ዋና ምኽንያት ናይ ኣፍሪካ ኩርዓት ዝኾነ ህዳሴ ግድብ ዝርከበሉ ክልል ብምዃኑን ዝሓለፉ ዓምታት ብምትካልና ሎሚ ግድብና ትፅቢት ካብ እንገብረሉ ብላዕሊ ልዕሊ መጠኑን ቅድሚ እዋኑ ማይ ብምሓዙ ናብ ታሕተዎት ሃገራት ማይ እናለቅቀና ዘለናሉ ኩነታት ኣብ ተፋስስ ኣባይ እኹል ዛፍ እንተዘይ ተተኺሉ ብዘሎ ዝናብ ሓመድ እናተሸርሸረ እቲ ግድብ ብደለል ዝምላእ እንተኾይኑ ሓሙሽተ ቢልየን ዶላርን እቲ ኹሉ ስቃይናን ኪሳራ ‘ዩ ዝኸውን ማለት ‘ዩ።

እቲ ግድብ ንምድሓን፣ እኹል ዝናብ ንምርካብ፣ እኹል ምግቢ፣ እኹል መድሓኒት ‘ውን ንምርካብ ኣብ ከባቢ ተፋሰስ ኣባይ ሐዚ ‘ውን ብቀፃልነት ኣብዚሕና ምትካልን ምሕላውን ከድልየና ‘ዩ። እዚ ክንገብር ከለና ነሃትና ማይ ዝመልአ ይኸውን፣ ሓመድ ኣይሽርሸርን ታሕተዋይ ሃገራት ተፋሰስ እኹል ማይ ንክረኽቡ የኽእል።

ኣንሕና ኢትዮጵያውያን ማይ ተጠቂምና ንኻልኦት ምሃብን ምክፋልን ካብ ፈጣሪ ዝተወሃበና ሓላፍነት ስለዝኾነ ሓላፍነትና ብብቅዓት ንምውፃእ እናተኸልና ማይ ብብዝሓት ብምሕላው ንኣሕዋትና እኹል ማይ ናይ ምሃብ ሓላፍነትና ብልዕልና ሞራል እንዋፃእ ምዃና ንዓለም እነርእየሉ ተግባር ስለዘኾነ፤ ሎሚ ብምንቅስቓስ ሙሉእ መዓልቲ ክንተከል ኢና ንስኹም ‘ውን ምሳና ትኸሉ ኣዲስ ኣበባ ክትከል ‘ዩ። ብሰሜን፣ ብምብራቕ፣ ብደቡብ፣ ብምዕራብ ኢትዮጵያ ክትከል ‘ዩ።

ህዝቢ ኣሶሳ እንኳዕ ደስ በለኩም። እናተኸልና እናሓረስና ኮንትሮባንድን ሌብነትን እናጥፋእና ቀትርን ለይትን እናለፋዕና እናሰራሕና ካብ ሃገርና ድኽነት ክነጥፍእ ኢና። ካብ ሃገርና ልመና ክነጥፍእ ኢና። ዝበልፀገትን ልምዕትን ዝኾነት ኩሉ ዝምነያ ኢትዮጵያ ንደቅና ክነሳግር ኢና። ስለዝኾነን ሰለዝኸውንን ኩሉ ፈጣሪና ኣብዚሕና ነመስግን። ፅቡቅ መዓልቲ ተኸላን ምዝራእን፣ ፅቡቅ ናይ ዓወት መዓልትን ክኸውን ይምነይ የቕንየለይ ብምባል ድማ መልእኽቶም ይዛዝሙ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 23 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You