ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሽዱሽተ ሚኢቲ ሚልዮን ፍልስታት ንምትካል ኩሉ ክረባረብ ይግባእ

ደን ንጥዕና ወዲሰብን ካልኦት ህይወታውያንን ብሓፈሻ ንድሕንነት ምድሪ ኣዝዩ ኣገዳሲ ‘ዩ። ንወዲሰብ ኦክስጅን ይህብ፤ ነባሪ ኣየር ብምቑፅፃር ፅዕንቶ ለውጢ ነባሪ ኣየር ብምምካት ጥዑይ ነባሪ ኣየር ክህሉ ይገብር። ደን ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ፍጥረታት መንበሪ ስለዝኾነ ዘለዉና ደናት ብምሕላው ካልኦት ተወሰኽቲ ብምትካል ሽፋን ደን ከንውስኽ ይግባእ።

ፅባሕ 17ነሓሰ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል ኣብዝካየድ ፕሮግራም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600 ሚልዮን ፈልሲታት ብምትካል ኩሉ ዓሸርኡ ከቕምጥ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብሓደ መንፈስ እንተተላዒሉ ካብዚ ንለዓሊ ምትካል ከምዝከኣል ብማሕበራዊ ገፆም መልእኽቲ ኣማሓላሊፎም ‘ዮም።

ዝተፈላላዩ ክልላት ንሃገራዊ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተፈላላዩ ምድላዋት እናገበሩ መፂኦም ኣለዉ። ብፍላይ ፅባሕ 17 ነሓሰ ንዝካየድ 600 ፈልስታት ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ናይ ምትካል ፕሮግራም ምድላዋቶም ወጊኖም ‘ዮም፤ ነዚ ብብርኪ ሃገር 17 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600 ሚልዮን ፈልሲ ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ ምድላው እንታይ ከምዝመስል ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዘዛራረቦም ዝተወሰኑ ክልላት ከምዝስዕብ ይብሉ፡-

ክልል ትግራይ ከንሪኢ እንተለና ክረምቲ ካብዝኣቱ ጀሚሩ ብዙሓት ፈልስታት እናተተኸሉ ዝመፁ እንትኾኑ፤ ኣብ ወርሒ 17ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምትካል ፈልሲ መርሃ ግብር ማለት ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚኢትን ሰለስተን ሽሕን 28ን (503,028) ኣብ 450 ሄክታር መሬት ንምትካል ምድላዋት እናተገበሩ ምምፅኦም ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ገሊፁ ኣሎ።

ዳይሬክተር ልምዓትን ኣጠቓቕማን ደኒ እቲ ቢሮ ኣይተ ተስፋይ ተክለሃይማኖት ብፍላይ ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 58ሚልዮን558 ሽሕን 241ን ፈልሲ ንምድላው ተተሊሙ እናተሰርሐ ነይሩ ‘ዩ፣ ይኹን ‘ምበር ብሕፅረት ዓቅሚ ምኽንያት 33ሚልየንን 207ሽሕን 433ን ፈልሲ ‘ዩ ተዳልዩ እናተተኸለ መፂኡ።

ኣብ ወርሒ 17 ነሓሰ ብፌደራል ብዝተወሃበ መደብ መሰረት ብብርኪ ሃገር ዝካየድ ሓምለዋይ ኣሰር መርሃ ግብሪ፣ ማለት ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ዝግበር ወፍሪ ምትካል ፈልሲ ኣብ ትግራይ ከምቲ ቕድም ዝበልክዎ 503,028 ፈልሲ ኣብ 450 ሄክታር ንክትከል ወዲእና ኣለና ክብሉ ኣይተ ተስፋይ ይዛረቡ።

ህዝቢ ትግራይ ቕድሚ ሕዚ ጀሚሩ ኣብ ፅቡቅ ስራሕቲ ምሕዋይ ከባቢ ዝነበረ ‘ዩ ዝብሉ ኣይተ ተስፋይ፤ ሎሚ ‘ውን ናብኡ ንክንምለስ ፅቡቅ ፃዕሪ እናተገብረ ከምዝርከብ ይዛረቡ። ብምዃኑ ሐዚ ‘ውን ከም ትማሊ እቲ ህዝቢ ተወዲቡ ውፅኢታዊ ስራሕ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ ይብሉ።

ህዝቢ ትግራይ ትማሊ ዘጥረዮ ደኒ ኣብዚ ፀገም እዋን ተጠቂሙሉ ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ተስፋይ፤ ሐዚ ድማ ነቲ ተፈጥሮ ንምሕዋይ ክስራሕ ኣለዎ፤ ናይ ቀፃሊ ሂወትና ክነውሕስ ሐዚ ብርሰት ክንከላከልን ከንተክል ኣለና ይብሉ።

ነዚ ሐዚ ገጢሙና ዘሎ ፀገም ነኒበይንኻ ከይድካ ክፍታሕ ከምዘይክኣል ስለ እንርዳእ ምስ ዝምልከቶ ኩሉ ብምርድዳእን ብምትሕግጋዝን ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ ዝበሉ ኣይተ ተስፋይ፤ እዚ ተዘይኸውን ነይሩ ሐዚ ነዚ ፈልሲ ክነፍልሰሉ እንኽለሉ ዕድል ኣይምሃለወን ነይሩ፤ እዚ ተሰሪሑ ዘሎ ብናይ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ሓገዝ ከምዝኾነን ይገልፁ።

ብተመሳሳሊ ክልል ኣምሓራ 17 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ንዝካየድ ሃገራዊ ምርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ምድላዋቱ ከምዝወገነ ገሊፁ ዩ። በዚ መሰረት ተኸላ ዝካየደሎም ቦታታት ሓዊሱ ዓይነታትን በዝሕን ናይ ምፍላይ ስራሕ ምፍላዩ ካብ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ የርድእ።

ህዝቢታት ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ኣይተ መስረሻ በላቸው ብግዲኦም ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ እንትገልፁ፤ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600 ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምድላዋት ተገይሩ ‘ዩ።

ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሓደ ነጥቢ ሓደ ሚልዮን ሰባት ብምስታፍ ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕን 560 ሄክታር መሬት 18 ነጥቢ ትሽዓተ ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል ምድላው እናተገብረ ምምፅኡ ይገልፁ።

ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር 23 ነጥቢ 7 ሚልዮን ፈልስታት ናይ ምፍላይ ስራሕ ቐዲሙ ተሰሩሑ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሓለፊ 18 ነጥቢ ሓደ ሚልዮን ናይ ፈልሲ መትከሊ ጉድጓድ ከምተዳለወ ብምግላፅ፣ ንመትከሊ ቦታታት ተፈልዮም ተዳልዮም ከምዝርከቡ ይዛረቡ።

ኣብ 2016 ዓ.ም ኣብቲ ክልል 400 ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል ተተሊሙ እናተሰርሐ ብዘሎ ስራሕ ክሳብ 10ነሓሰ 2016 ዓ.ም ካብ 2080 ሚልዮን ንለዓሊ ፈልሲ ተተኺሉ፤ እተ ዝቐረየ ክሳብ 30 መስከረም ተተኺሉ ክዛዘም ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ መስረሻ፤ ካብቲ ዝትከል 400 ሚልዮን ፈልሲ 60ሚኢታዊ ዝኸውን ንምግብነት ዘግልግሉ ‘ዮም ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ባበኸር ሃሊፍ በግዲኦም፤ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ዝተመረፁ ሓደ ሚኢቲን 96ን ቦታታት 500 ሰባት ብምስታፍ 15ሚልዮን ፈልሲታት ንምትካል ፈልስታት ናይ ምጉዕዓዝን ጉድጓድ ናይ ምኹዓትን ስራሕ እናተሰርሐ ምምፅኡ ይገልፁ።

ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብቲ ክልል ንምትካል ካብዝተተለመ 15ሚልዮን ፈልሲታት ውሽጢ 60 ሚኢታዊ ዝኸውን ንምግብነት ዘገልግሉ እንትኾኑ፤ 40 ሚኢታዊ ዝኸውን ድማ ንሓመድን ማይ ንምሓዝ ዘገልግሉ ከምዝኾኑ ይሕብሩ።

ኣብ 2016 ዓ.ም ኣብቲ ክልል 70ሚልዮን ፈልሲታ ንምትካል ተተሊሙ እናተሰርሐ ኣብዘለወሉ ክሳብ 10ነሓሰ 2016 ዓ.ም 35 ሚልዮን ፈልሲታት ናይ ምትካል ስራሕ ከምዝተኻየደን እቲ ዝቐረየ ንምትካል ጠንካራ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣይተ ባበኸር ይገልፁ።

ኣብቲ ክልል ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓደ ሽሕን 226 ሄክታር መሬት 221 ሺሕ 432 ሰባት ብምስታፍ ክልተ ሚልዮን 214ሺሕ 324 ፈልሲታት ንምትካል ምድላው እናተገብረ ከምዝኾነ ኣብ ክልል ዓፋር ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮን ምክትል ሓላፊ ኣይተ ዑስማን መሓመድ ይዛረቡ።

ነቲ ጎስጓስ ተግባራዊ ንምግባር እናተሰርሐ ብዘሎ ስራሕ ሓደ ነጥቢ ሰለስተ ሚልዮን ጉዳጓድ ፈልሲ ከምተዳለዉ ብምግላፅ፤ ኣብ 2016 ዓ.ም ሓምለዋይ ኣሰር መርሃ ግብሪ ኣብ ሓሙሽተ ሽሕን 531 ሄክታር መሬት ዓሰርተ ሚልዮን ፈልሲታት ንምትካል ተተሊሙ እናተሰርሐ ከምዝመፀን እናተሰርሐ ብዘሎ ስራሕ ኣርባዕተ ነጥቢ ክልተ ሚልዮን ዝኸውን ናይ ምትካል ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝመፀ ‘ዮም ዝዛረቡ።

ኣብቲ ክልል ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ተግባራዊ ንምግባር እቲ ማሕበረሰብ ግዲኡ ክዋፃእ ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣማሓላሊፎም ‘ዮም።

ብደረጃ ሃገር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 600 ሚልዮን ፈልሲታት ንምትካል ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ኣሰር፣ ትልሚ ተተሊሙ ዝተፈላላዩ ምድላዋት እናተገብረ ምምፅኡ ዝፍለጥ ‘ዩ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 16 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You