‹‹ራእይና ዝበልፀገት ኢትዮጵያ፣ ዘይትልምን ኢትዮጵያ ዝተኸበረትን ዝተፈርሐትን ኢትዮጵያ ምፍጣር ‘ዩ›› – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ልምዓት ኮሪደር ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ንዝተሳተፉ ኣፍልጦ ሂቦም ‘ዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበርዎ መደረ እቲ ልምዓት ኮሪደር ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተመረፁ ከተማታትን ክልል ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም ‘ዮም። ኣብ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ዝገበርዎ መደረ ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

ልምዓት ኮሪደር አብ ኣዲስ ኣበባ ዝጀምረናዮ ኣብ ቀረባ እንተኾነ ‘ውን ካብ ቢሮና ጀሚርና መልክዕ ኢትዮጵያ ንምቕያር ቀስ እናበልና ናብ ከተማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምዕባይ ዝኻኣልናሉ ኩነታት ተፈጢሩ ‘ዩ። ኾይኑ ግና ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ምቕያር ኢትዮጵያ ምቕያር ስለዘይኾን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወሰድናዮም ስራሕቲ ትምህርትን ልምድን ወሲድና ናይ ምስፋሕ ስራሕ ሎሚ ብዕሊ እንጅምር ‘ዩ ዝኾን።

ልምዓት ኮሪደር ዋና ዕላማ ህዝቢ ንመፃኢ ምድላው ‘ዩ። ኸዚ ዘሎ ህዝቢ ንመፃኢ ዘመን ክዳሎ ይግባእ። ኣብ መፃኢ ዘመን ከተሜነት ዝተስፋሕፈሐሉ ቴኖሎጂ ዝሰፍሐሉ፤ ክብሪ ወዲ ሰብ ዝረኽበሉ ፣ ንፁህ ኸባቢ ምፍጣር ናይ ቀፃሊ ዘመን ትልምና ‘ዩ። እዚ ትልሚ እግረኛ መንገዲ ፈልዩ ክራመድ ዝኽእል ፣መኻይን ንእግረኛ ቅድምያ ዝህብሉ፣ ሕግን ስርዓትን ዝኽብሩ ገይርካ ምቕራፅ ንፁህ ኸባቢ ምርኣይ ዘኽእል ባህሊ ምቕራፅ የድሊ። ናይዚ ኮሪደር ልምዓት መሰረት ህዝቢ ንመ ፃኢ ዘመን ምድላው ‘ዩ።

ከተማታት ፎተና ፀላእናን እናዓበየ ዝኸዱ ከይዲ ‘ዩ። ከተማነት ግና ብላሲትክ ብቆርቆሮ ኣብ ሓደ ኸባቢ ዝተኣከበ ህዝቢ ማለት ኣይኮነን። ከተማነት ማለት እኹል መንገዲን መሰረተ ልምዓትን ዘለዎ፤ እኹል መብራህን ግልጋሎት ቴሎኮም ዘለዎን፣ ብፍጥነት ሆስፒታል ከይዱ ምሕካም ዝኽእለሉ፣ ሃፍታም ብገንዘቦም እንትዘናግዑ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ድማ ውፅእ ኢሎም ኣብ ኸባቢኦም ብዘሎ ፓርክ ዝዝናነይሉ ማለት ‘ዩ።

እዚ ከተማነት ድልየት ንምምፃእ ኣብ ኢትዮጵያ ምስራሕ ይግበአና። ከተማ ምስራሕ ዘድልዩ ኹሉ ኢትዮጵያ ኣለዋ። እዚ ንምግባር ካብ ሓሳብ ዝላዓል እንተኾነ ‘ውን ብዙሓት ፀገማት፣ ናይ ኣይካኣልን ሓሳባት ፣ ብስፍሓት ዝሰራጨውሉ ከተማ ምንም እኳ ሓሳቡ ዝቐንዐ እንተኾነ ተግባራዊ ንምግባር ዘፀግም ‘ዩ ዝኸውን። ንሕና ግን እስረኛታት ፀገምና ኣይኮናን። ናይ ራእይና መንገደኛታት ኢና።

ራእይና ዝበልፀገት ኢትዮጵያ፣ ዘይትልምን ኢትዮጵያ ዝተኸበረትን ዝተፈርሐትን ኢትዮጵያ ምፍጣር ‘ዩ። ግና ጀመርቲ ስለዝኾና ብብዙሕ ፀገማት ምሕላፍ ግድን ‘ዩ። ራእይና ኣብ ኣይካኣልን ዝተመስረተ ኣይኮነን። ምስኻዕ ንኽእል ኢና ካብ ዝብል ዝፈልፈለ ‘ዩ። ኣዲስ ኣባባ ብዝምልከት ብዙሕ ወረታት ሰሚዕኹም ትኾኑ ሎም ንመላእ ኢትዮጵያ ክገልፆ ዝደሊ ሓቂ ኣብ ኮሪደር ኣዲስ ኣበባ ሓንቲ ፐርሰንት ሓሳብ ካብ ዓለም ኣይወሰድናን።

ሓሳቡን ገንዘቡን ናይ ኢትዮጵያውያን ‘ዩ ። ስርሑ ‘ውን ናይ ኢትዮጵያውያን ‘ዩ። ካብ ኢትዮጵያውያን ወፃኢ ሓደ ብር ዝሓገዘና ናይ ወፃኢ ሓይሊ የለን ። ስለዚ ኢትዮጵያውያን እንድሕር ደሊና ንኽእል ኢና ማለት ‘ዩ ። ኸዚ ‘ውን ኻልኣይ ዙር እንትንእውጅ ዝተረፈ ገንዘብ ሃልይና ኣይኮነን። ግና ናይ ድኽነት ሓሳብ ኣይተርኣየናን ። ንኽእል ኢና ህዝብና ጉልበትና ‘ዩ፣ ህዝብና ሃፍትና ‘ዩ፣ ኢትዮጵያውን እንድሕር ደልዮም ርእሲ ኣለዎም።

እዚ ምጥቃም እንተኽኢልና ኣዲስ ኣበባ ኾነ ካልኦት ክልላት ከተማትታ ምቕያር ንኽእል ኢና ዝብል ሙሉእ እምነት ኣለና። ንሃገርናን ህዝብናን ዘለና ፍቕሪን እምነትን ጥራሕ ‘ዩ። እዚ እምነትን ፍቐርን ድማ እንኳዕ ከተማ ምስራሕ ካብዚ ዝሓለፈ ፀገም ምስጋር ስለዝኽእል ካብ ተግባር ብልምዲ ዝተምሃርና ስለዝኾነ ፅባሕ ኣብ እንጅምሮ ስራሕ ከምንደግሞ ባዓል ሙሉእ ተስፋ ‘የ።

ክብርቲ ከንቲባን ኣብ ኮሪደር ልምዓት ዝተሳተፍኩም ሎሚ ከተሓሳስበኩም ዝደሊ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝነበርክምዎ ከይዲ ስራሕ ብጣዕሚ ኣፀጋሚ ኔሩ ‘ዩ። ኣብዚ ከይዲ ብዙሕ ፀገማት ኣሕሊፍም ኢኹም እዚኦም ፈተና ግና ከተማ ንምስራሕ ትምህርቲ ዝወሰድክምሉ ስለዝኾነ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምስጋናን ዝፀወዓኩም ስለዝኾነ ሰናይ ፍረ ስለዘምፃእኹም እንኳዕ ደስ በለኩም ንብል።

ንክብርቲ ከንቲባ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ምንም ዝጭበጥ ነገር ከይረኣዩ ብፍቕርን እምነትን ጥራሕ ብምርጨኦም ኣጋርነቶም ኣሪኦም ‘ዮም። ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዘርኣየቶ ሰልፊ ብመረፃን ድልየትን ንመንግስቲ ዘርኣየቶ ተቀባልነት ኮሪደር ዝንእሳ እንበር ዝበዝሕ ኣይኮነን።

ህዝብና ብመረፃ ዘርኣየና ኣኽብሮትን ፍቕርን ኸዚ ካብ ዝደኽምናዮ ንላዕሊ ደኺምና ተንሰርሕ ዝግበኦ ህዝቢ ስለዝኾነ ዝመረፀኩም ‘ውን ንክትሰርሕሉ ስለዝኾነ ነቲ ህዝቢ ዝምጥን ስራሕ ‘ውን ስለዝሰራሕኹም ብሽም ኣዲስ ኣበባ ብድጋሚ ከመስግነኩም ይፎቱ።

ክብርቲ ከንቲባ ናትና ስራሕን ዓቕምን ህዝቢ ምትሕብባር ህዝቢ ዘይነፅፍ ጉልበት ስለዘለዎ ተሓባቢርና ኣርብዓ ቢልየን ፈልስታት ምትኻል ክኢልና ኢና። ኢትዮጵውያን ድንቕ ታሪኽ ምፅሓፍ ስለዝኻኣልኩም ክትኾርዑ ይግባእ። ዉሑዳት እንተኾና ‘ውን ክንስብሰብ ከላና ብዙሕ ነገር ምስራሕ ከምንኽእል ዘርእይ ‘ዩ።

ህዝቢ ምትሕብባር እቲ ሓደ ናይ ሃፍቲ ፍልፍልና እንትኾን እቲ ኻልኣይ ግን ህዝቢ ምኽባር ‘ዩ። ኽብሪ ዝግበኦ ህዝቢ ስለእንመርሕ። ካብ ዝግበአና ሰዓት ንላዕሊ ብምስራሕ እምነት ኣብ ህዝብና ክንፈጥር ኣለና። እዚ ኣመራርሓ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኹሉ ክብርቲ ከንቲባ ሓዊሱ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣነን መላእ ነበርቲ እቲ ከተማ ኣገልጋሊ ምዃንኩም ኣመስኪርኩም ኢኾም ክነመስግን ንፈቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዝሰራሕናዮ ስራሕ ብዉሑዳት ሰባት እንተኾነ ‘ውን ቅር ኢልና ክንኾን ንኽእል። እዚ ናይ ዕብየት መልዓሊ ‘ዩ። ኣብ ካልኣይ ጉዕዞ ግና ስነምግባር ክወሰኾ ኣለዎ። እንሰርሖ ስራሕ ካብ ዝሓለፈ ብዝበለፀ ኮምኒኬት እናገበርና ህዝቢ እናሳተፍና ክንሰርሕ ኣለና። ንምንታይ ዕብየት በይኑ እንሓስቦ ብልፅግና ኣየረጋግፅን።

ኣብ ዝሓለፈ ዝሰረሕናዮ ስራሕ ምንም ፀገም ኣይነበሮን፣ ቀሊል ‘ዩ ኢልና ክንመፃደቕ ኣይንኽእልን። ብዙሕ ባዓል ሃፍቲ ኣቐይምና ኢና፤ ሓፁር ሓፂሮም ኣፍሪስኹም ህነፁ ኢልና ኢና፤ ቀለም ምስ ቀብኡ ቀለምኹም ቀይሩ ኢልናዮም ኢና፤ እዚ ብሽም ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንመላእ ነበርቲ ኣነ ይቕርታ ክሓትት ይፎቱ።

ኣብ ካልኣይ ዙር ኮሪደር ብዙሕ ነገር ከምንእርም ተስፋ ይገብር። ክብርቲ ከንቲባ ዓብይ ፃዕሪ ተራእይኩም ‘ዩ ኣብ ዝቕፅል ጥንቃቐ ዘድልዮ ኢለ ዝሓስቦ ነገር ማንም ሰብ ኣብ ስራሕ ኮሪደር ትችት ምሃብ ዝተፈቐደ እንተኾነ ‘ውን ንሕና እቲ ስራሕ እንሰርሕ ሰባት ግን ካብ ማንም ሰብ ሓሳብ ትፅቢት ኣይንገብርን።

ብንፁህ ኣእምሮ ናብራ ህዝብና ንምቕያር ስለእንሰርሕ ብወረ ጠጠው እንብል ወይም ብውዳሰ እንዘናጋዕ ንከይኾን ስራሕን ስራሕናን ጥራሕ ክንፈጥር ይግባእ። ናይ ሰባት ምስጋናን ወቀሳን ሚዛኑ ስሒቱ ካብ ስራሕና ከይንዘናጋዕ ንህዝብና ቃል ብዝኣተናዮ መሰረት ጠንኪርና ብምስራሕ ንደቅና ምችው ኸባቢ ብምፍጣር ትፅቢት ይገበረልና።

ክብርት ከንቲባ ሓለፍቲ ሰራሕ ኣዲስ ኣበባን ድሕሪ ኸዚ ሓደ ዓመት ዓሰርተ ወርሒ ከባቢ ዘመን ስልጣን ኣለኩም። እዚ ኽልተ ዓመት ዘይመልእ ግዜ ተጠቒምኩም ናይ ምቕያር ዕድል ተዋሂብኩም ‘ዩ። እዚ ብዙሓት ዘይረኸብዎ ዕድል ‘ዩ። እዚ ዕድል ተጠቒምኹም ኣብ ዝቕፅሉ ኽልተ ዓመታት ማእኸላይ ስራሕ ተትሰርሑ ብዘይ ነስሓ ኢኹም ትነብሩ። ንኣብነት ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝካየድ መረፃ ኸዚ ዘሎ መንግስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንተዘይተመሪፁ ተወሳኺ ኮሪደር ሰሪሕና ኢና እነረክብ።

ምኽንያቱ ናትና መግለፂ ብዘረኸብናያ ዕድል ምጥቃም ‘ዩ። ዘመን ዘይርሰዖ ዓሻራ ምቕማጥ እንበር ክሳብ መረፃ ምስራሕ እንድሕር ዘይተመሪፅና ድማ ኣኹሪፍና ጠጠው ንምባል ኣይኮነን። በዚ ሓሳብ ዝቕፅል ኮሪደር ንትሰርሑ ካብ ኸዚ ሓደራ እናበልና ዝቕፅል ኮሪደር ሎሚ ብዕሊ ዝእወጅ እንተኾነ ‘ውን ዝሓለፈ ኮሪደር ምንም ስራሕ ዝተረፎ የለን ማለት እንተይኾነስ ግዜ ዝደልዩ ግዚኦም እናሓለወ ዝዛዘሙ ንካልኣይ ዙር ግና ካብ ኸዚ ጀሚሩ ናብ ምቅስቃስን ምድላውን ዝእቶ ‘ዩ ዝኸውን።

እዚ ሓድሽ ኮሪደር ክሳብ ኸዚ ካብ ዝሰራሕናዮም ሰፍሕ ዝብል ‘ዩ። ካዛንችስ ኸባቢ ዘለዎ ከም ፒያሳ ምቕያርን ናይ ከንቲባን ኣብ ትሕቲአን ኾይኖም ዝሰርሑ ስራሕ ‘ዩ። እዚ ኮሪደር ልክዕ ከም ፒያሳ ህዝቢ ዘተ ብምግባር ብፍጥነትን ብፅሬትን ከምዝስራሕ ተስፋ ንገብር።

ካልኣይ ኮሪደር ምኽትል ከንቲባ ዣንጥራር ኣባይ ዝመርሕዎ ኾይኑ ካብ ሳውዝጌት ክሳብ መገናኛ መስቀል አደባባይ ‘ዩ ዝኸውን። ሳልሳይ ኮሪደር ኣይተ ሞገስ ባልቻ ዝመርሕዎ ካብ ኢምባሲ ጣልያን ፣ግንፍሌ ፣ቀበና ፣ኣዋሬ እንትኾን ኣብ ከተማና ዓብይ ለውጢ ዘምፅእ ስራሕ ‘ዩ።

ራብዓይ ኮሪደር ኣይተ ጥራቱ ዝመርሕዎ ቀጣና ሲኤምሲ ዝተጀመረ ስራሕ ኣሎ ንሱ ምዝዛም ‘ዩ። ዶክተር ጀማሉ ካብ ኣራት ኪሎ ብሽሮ ሜደ ክሳብ እንጠጦ ዝመርሕዎ ‘ዮም። ኣይተ ጥላሁን ካብ እንጠጦ ጀሚሩ ካብ ፒያሳ ፍሬንድሽፕ ናብ ፒኮክ ዝኸይድ ፕሮጀክት ክሕዙ ‘ዮም። ሽድሽተ ኮሪደራት ክህልዉና ‘ዮም ።

ካብዚ ብተወሳኺ ክብርቲ ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ ካዛንችስ ብተወሳኺ ኮሪደር ጎንደርን ቢሾፍቱን ኣተሓባባሪ ኾይኖም ምስ ኽልቲኦም ኸንቲባ ብምዃን ክሰርሓ እየን። ኣብ ዝቕፅል ምርቓት ኮሪደር ጎንደርን ቢሾፍቱን ሓቢሮም እንትምረቑ ምርኣይ ንደሊ ኢና። ምኽትል ከንቲባ ዣንጥራር ኣባይ ደሴን ሰመራን ኮሪደር ምስ ከንቲባ ብምዃን ክመርሑ ‘ዮም።

ሳልሳይ ኣይተ ሞገስ ባልቻ ኮሪደር ጅግጅጋ ምስ ከንቲባ እቲ ከተማ ብምዃን ክሰርሑ ‘ዮም። ኢንጅነር ማሓመድ ዋና ስራሕ ፈፃሚ መንገድታት ባዓል መዚ ምስ ከንቲባ እታ ከተማ ብምዃን ሃረር ከተማ ክመርሑ ‘ዮም። ኣይተ ጥራቱ ናይ ኣርባምንጭ ኮሪደር ምስ ከንቲባ ብምዃን ክሰርሑ ‘ዮም። ወይዘሮ ኣለም ፀሃይ ጳውሎስ ከተማ ሃዋሳ ምስ ከንቲባ እታ ከተማ ብምዃን ክመርሓ እየን። ባህርዳር ፣ኣዳማን ሸገርን ካብ ኣዲስ ኣበባ ስለዘይንእሱ ዘለዎም ሃፍቲ ተጠቒሞም ባዕሎም ምቕያር ስለዝኽእሉ ምስ ዝሕገዙ ከተማታት ኣይተኻተቱን ።

ብድምሩ ልምዓት ኮሪደር ብዝተወሰነ መልክዑ ዝተጀመሩ ብከተማ ኣዲስ ኣባባ እናተሓገዙ ልዕሊ ኢልና ዝገለፅናዮም ከተማታት ዘካተቱ ‘ዮም። እዚ እንትንሰርሕ ዘይበፅሕናዮም ከተማታት ብትዕግስቲ ክፅበዩ ኣለና። ብዙሕ ጉልበትን ገንዘብን ዝሓትት ጉዳይ ስለዝኾነ ሓደ ግዝ ከተማ ኣፍሪስና ከንሃንፅ ኣይንኽእልን። ዓሰርተ ሚልየን ህዝቢ ወፂኡ ዘኣትወሉ ከተማ ኣብ ሓፂር እዋን ኣፍሪስካ ምህናፅ ዘፀግም ‘ዩ ዝኸውን። ነዚ ዝተወሰነ ምዕጋስ የድሊ ‘ዩ።

እዚ ከይወዳእና ንምንታይ ናብ ክልል ከተማታት ወፂና ዝብል ሕቶ እንተሃልዩ ድማ ኹሉግዜ ኣዲስ ኣበባ ልምዲ እናተወሰዱ ዝስፋሕፍሑ ስራሕቲ ብሃገር ብርኪ ዘለና ስራሕቲ ከተማ ኣብ ሓፂር እውን ንምዝዛም ስለዝሕግዝ ‘ዩ። ብዘለና ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ‘ውን እናሰራሕኻ ምፅናሕ ይካኣል ‘ዩ።

እዚ ስራሕ እንትንስራሕ ብዙሕ ሰባት ብዘይሓሰብዎ ገዘኦምን ሓፅሮምን ክንካእ ይኽእል ‘ዩ፤ ሰብ ድማ ሓፅሩ መሬቱ እንትንካእ ኣይፎቱን እዚ ድማ ብምዝርራብ ንሓባራዊ ረብሓን ዕብየትን ስለዝኾነ እናእመና እናተዛተና ንሰርሕ ‘ዩ ዝኾን። ህዝቢ ንክሕግዘና በቢደረጅኡ ዘሎ ኣመራርሓ ንክሕግዘና ብሓባር ጠጠው ክንብል ንኣፍሪካ ኣርኣያ ንክንኾን ሰሪሕኻ ምቕያር ከምዝካኣል ዝቃወሙ ሰባት ‘ውን ብኣካል ሪኦም ንክናስሑ ንክንገብር ብምትሕብባር መንፈስ ንክንሰርሕ ሓደራ እናበልኩ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ብሓድሽ ኮሪደር ንራኸብ ይብል ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 30 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You