ሕገ-መንግስትን ሕገ-መንግስታዊ ትካላትን ምኽባር- መትከል ስምምዕነት ፕሪቶሪያ

ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኹናት ብስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ከምተዛዘመ ይዝከር፡፡ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኹናት ጠጠው ብምባል ኣብ ትግራይ ዳግመ ህንፀትን ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽምጅመር ምግባርን… ህገ መንግስትን ህገ መንግስታዊ ትካላት ምኽባርን …ቀንዲ መትከል እቲ ስምምዕነት እዩ፡፡

በመሰረት ስምምዕነት ሰላም ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ተጣይሹ ናይ ሰላምን ልምዓትን ስራሕቲ ተጀሚሮም ኣለው፡፡እዞም ጅማሮታት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናማዕበሉ ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ዝምለሱሉ ኹነታት ተጀሚሩ ኣሎ፡፡ናብ ራያን ፀለምትን ተመዛበልቲ ናይ ምምላስ ስራሕ ተሰርሑ ኣሎ፡፡

ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ህወሓት ካብ መዝገብ ራዕዳውነት ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተሰሪዙ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቓልሲ ንኸካይድ ምችው ኹነታት ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ ኣብ ቦርድ መረፃ ህጋዊ ምዝገባ ዘካይደሉ ኹነታት እውን መመሓየሺ ኣዋጅ ፀዲቑ እዩ፡፡

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብ 4 ሰነ 2024 ካብ ሕጋውን ሰላማዊን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ወፃኢ ክንቀሳቐሱ ዝፅንሑ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ዳግም ከም ፖለቲካዊ ፓርቲ ንምምዝጋብ ዘኽእል ድንጋገ ዝሓዘ መመሓየሺ ኣዋጅ 1332/2016 ኣፅዲቑ ኣሎ።

እዚ ምምሕያሽ ንውድብ ህወሓት ዝኣመሰሉን ኣብ ጎንፂ ክሳተፉ ዝፀንሑ ሓይልታት ዳግም ንኽምዝገቡ ዘኽእል ስርዓት ንምዝርጋሕ ዝዓለመ ‘ዩ። ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ምጥያሹ ስዒቡ ሰላም እንተሰፈነ ‘ውን ፈራሚ እቲ ስምምዕነት ዝኾነ ህወሓት ሕጋውነቱ መሊሱ ክረክብ ዘይምኽኣሉ ከዘራርብ ፀኒሑ ‘ዩ።

ቦርድ መረፃ ኣብቲ ኣዋጅ መረፃ ኢትዮጵያ ምዝገባ ፖለቲካዊ ፓርቲ ስነ ምግባር መረፃን ኢትዮጵያ ብዝብል ዝፍለጥ ነባር ሕጊ መረፃ ኣብ ጎንፂ ተሳቲፉ ዝነበረ ውድብ መሊሱ ንምምዝጋብ ሕጋዊ መሰረት ከም ዘየለ ክጠቅስ ፀኒሑ ‘ዩ።ህወሓት ብወገኑ ነቲ ውሳነ “ሕጋዊ ኾነ ፖለቲካዊ ቅቡልነት የብሉን” ክብል ነቲ ቦርድ ዝነቐፈ ኾይኑ ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ተስፋ ሰላም ዘዕንቅፍ ምዃኑ ስግኣቱ ይገልፅ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣካላት ወጥሪ ክፍጠርንህወሓትን ብልፅግናን ከዘራርብ ምፅንሑ ይፍለጥ። እቲ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምምሕያሽ ዝተገብረሉ ኣዋጅ ሓደ ኣብ ተግባራት ዓመፅ ክሳተፍ ዝፀንሐ ፖለቲካዊ ፓርቲ ‹‹ሕገ መንግስታዊን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ኣኽቢሩ ንምንቅስቓስ ከም ዝተሰማምዐ መንግስቲ ምስ ኣረጋገፀ፤ እቲ ፓርቲ ብፍሉይ ኩነታት ክምዝገብ ይኽእል›› ይብል። ስለዝኾነ እውን መልዐሊን መወዳእታን ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ሕገ- መንግስትን ሕገ-መንግስታዊ ትካላትን ምኽባር ‘ዩ ፡፡

ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ቐረባ ብመሰረት እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ቁፅሪ መረፃ 1332/2016 ዓንቀፅ 2(1) ንህወሓት ምስክር ወረቐት ምዝገባ ከምዝሃበ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ሕገ-መንግስታዊ ትካላት ብሕግን ብትካላዊ ናፅነትን ንዝውስንዎ ውሳነ ይቕበል፤ የድንቕ ‘ዩ ፤ ሓደ ፍረ እቲ ለውጢ ስለዝኾነ ክብል ገሊፁ።

ህወሓት ሕጋዊ ሰብነቱ ዝሰኣነ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ብመሰረት ኣዋጅ ምዝገባን ስነ-ምግባርን ፖለቲካዊ ፓርትታት ብዘመሓላለፎ ውሳነ ምዃኑ ዝፍለጥ ‘ዩ ፡፡ እቲ ቦርድ ፓርቲ ህወሓት ኣብ ናይ ሓይልን ዓመፅን ምንቅስቓስ ብምስታፉ ምዝገባ እቲ ፓርቲ ንኽስረዝ ብምውሳኑ፣ ህወሓት ሕጋዊ ሰብነቱ ከምዝስኣነ ዝፍለጥ ‘ዩ። እዚ ውሳነ ቦርድ መረፃ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ንህወሓት ራዕዳዊ ኢሉ ቕድሚ ምስያሙ ዝተመሓላለፈን ዓርሱ ኽኢሉ ደው ዝብልን፣ ናይ ዓርሱ ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ ውሳነ ‘ዩ ።

ስምምዕነት ፕሪቶሪያ እንትፍፀም መንግስቲ ፌደራል ኣብቲ ስምምዕነት ዝኣተዎ ግቡእ ስያመ ራዕዳዊነት ህወሓት ንኽልዓል ነቲ ኸይዲ ናይ ምስላጥ ሓላፍነት ‘ዩ (ዓንቀፅ 7(2) (C) እቲ ስምምዕነት)። መንግስቲ ፌደራል ሕጋዊ ሰውነትን ጉዳይ ምዝገባን ህወሓት ብዝምልከት ኣብ ውሽጢ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዝወሰዶ ዝተፈለየ ሓላፍነት ወይ ግቡእ ኣይነበረን።

ኸምኡ ‘ውን ህወሓት ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዓንቀፅ 7 (2) (A) ስልጣን ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር፣ ሕግታት፣ ትካላት ፌደራልን ኻልኦት ሕገ- መንግስታዊ ትካላትን ናይ ምኽባር ግቡእ ኣትዩ ‘ዩ ። ስለዚ ህወሓት ንስልጣን ሕጊ ምዝገባ ፖለቲካዊ ፓርትታት እታ ሃገርን ቦርድ መረፃን ብምኽባር ናይ ምስራሕ ግቡእ ከምዘለዎ ግልፂ ‘ዩ።

ስለዝኾነ ብመንፅር ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ እንትረኣይ ‘ውን ጉዳይ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ብመሰረት ኣግባብነት ዘለዎ ሕግን ብኣሰራርሓ ብሄራዊ ቦርድ መረፃን ጥራሕ መዕለቢ ክረክብ ዝግባኦ ጉዳይ ‘ዩ ፤ መንግስቲ ፌደራል ኣብዚ መዳይ ምስ ኣመራርሓታት ብሄራዊ ቦርድ መረፃን ህወሓትን ተደጋገምቲ ምኽክራት ብምግባር፣ ህወሓት ከም ፖለቲካዊ ፓርቲ ሕጋዊ ኣፍልጦ ንክህልዎ ኩነታት ንምምችቻው ፃዕሪ እናገበረ ፀኒሑ ‘ዩ ።

በዚ መዳይ ቕዋም ብሄራዊ ቦርድ መረፃ፤ ህወሓት ዝኾነ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ፓርቲ ብዝምስረተሉ ስርዓትን ኣግባብን መሰረት ከም ሓዱሽ ፓርቲ ብምውዳብ ክምዝገብን ኣፍልጦ ክረክብን ይኽእል ‘ዩ፤ ካብዚ ወፃኢ ግና ሕጋዊ ሰብነት ክረክብ ዝኽእለሉ ሕጋዊ ኣሰራርሓ የለን ዝብል ‘ዩ ነይሩ። ብወገን ህወሓት ዝነበረ ቕዋም ‹‹ነባርን ዕድመ ዝፀገብኩን ፖለቲካዊ ትካል ስለዝኾንኩ ከም ሓዱሽ ፓርቲ ክምዝገብ ኣይግባእን፣ እዚ ጉዳይ ናይ ሕጊ ጥራሕ ዘይኾነስ ጉዳይ ፖለቲካ ስለዝኾነ ዝተፈለየ ፖለቲካዊ ውሳነ ይደሊ ‘ዩ›› ዝብል ‘ዩ።

ነዞም ዝተፈላለዩ ቕዋማትን ድልየታትን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣድላይነት ምፅናዕ ሰላም፣ ከምኡ ‘ውን ናፅነትን ዘይሻራዊነትን ዴሞክራሲያዊ ትካላት ብዘገናዘበ መልክዑ ነቲ ጉዳይ መዕለቢ ንምሃብ ዝሓሸ መገዲ፣ ህወሓት ኾነ ኻልኦት ኣብ ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ዘለዉ ጉጅለታት ናብ ሕጋዊ መስመር ክመፁ ዝኽእልሉ መገዲ ዘመዓራርይ ሕጋዊ መመሓየሺ ምግባር ከምዝኾነ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ተኣሚኑሉ ኣድላዪ መመሓየሺ ሕጊ ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ቐሪቡ ፀዲቑ ።

በዚ መሰረት ኣዋጅ መረፃ፣ ምዝገባ ፖለቲካዊ ፓርትታትን ስነ ምግባር መረፃን ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምሕያሹ፤ ብመሰረት ዝተመሓየሸ ድንጋገ እቲ ኣዋጅ ህወሓት ሕጋዊ ሰብነት ንኽረክብ ንምግባር ኣድላዪ ወይ ቕድመ ኩነታት ዝኾነ ስምምዕነት ሰላም ንምፍፃም ብዝምልከት ሚኒስቴር ፍትሒ ንቦርድ መረፃ ደብዳበ ፅሒፉ ዩ።

በዚ ‘ውን ጉዳይ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት መዕለቢ ንኽረክብ ብወገን መንግስቲ ክግበር ዝኽእል ኹሉ ተገይሩ ‘ዩ። መንግስቲ ፌደራል ልዕሊ ፍርቂ ርሕቐት ኸይዱ፣ ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ትፅቢት ካብ ዝግበረሉን ካብ ዘለዎ ግቡእን ሓሊፉ ምስ ቦርድ መረፃን ህወሓትን ኣብቲ ጉዳይ ተኸታተልቲ ምይይጣት ገይሩ ‘ዩ።

ብመሰረት እቲ ዝተገበረ መመሓየሺ ሕጊ ቦርድ መረፃ ንህወሓት ብምምዝጋብ እቲ ትካል ሕጋዊ ሰብነትን ኣፍልጦን ንክህልዎ ናብቲ ቦርድ ሕቶ ምትሕብባር ኣቕሪቡ። ነዚ ስዒቡ ‘ውን ህወሓት ሕጋዊ ሰብነትን ኣፍልጦን ንምርካብ ትፅቢት ዝግበረሉ ናይ ፓርቲ ሰነዳቱ ማለት ‘ውን መደብን ሕገ ደንቢን እቲ ፓርቲ ከምኡ ‘ውን ኻልኦት ተተሓሓዝቲ ሰነዳትን ናብ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ብምቕራብ ብመሰረት እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ተመዝጊቡ ሕጋዊ ሰውነት ረኺቡ ‘ዩ።

ስለዝኾነ ‘ውን ጉዳይ ምዝገባን ሕጋዊ ሰውነትን በዚ ብምዝዛም፤ ምርብራብ ኹሎም መዳርግቲ ኣካላት ሰላም ኣብ ምፅናዕ፣ ዳግማይ እግሪ ምትካልን ኣብ ኣጀንዳ ልምዓትን ክኸውን ይግባእ። ዘየድልን ንህዝቢ ዘይጠቅምን፣ ትርጉም ኣልቦ ሞገት ኣወጊድና ንህዝቢ ኣብ ዝረብሑ ኣጀንዳታት ሰላምን ልምዓትን ክነድህብ ይግባእ ክብል እቲ መግለፂ ኣብሪሁ ‘ዩ፡፡

ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ብወገኑ ነቲ ብሰንኪ ኹናት ትግራይ ሕጋዊ ኣፍልጦኡ ተኸሊኡ ዝፀንሐ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ [ህወሓት] ብፍሉይ ኹነታት ምስክር ወረቐት ኣፍልጦ ከም ዝሃቦ ይዝከር። ህወሓት ብፍሉይ ኹነታት ከም ፖለቲካዊ ውድብ ንኽምዝገብ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ዝተዳለወ ኾይኑ፤ ነዚ መሰረት ብምግባር ናይ ዓመፅ ተግባር ደው ኣቢሉ ብሕገ መንግስታዊ መገዲ ንኽንቀሳቐስ ከም ዝተሰማምዐ መግለፂ እቲ ቦርድ የመልክት። ድሕሪ ኹናት ትግራይ ሕጋዊ ሰብነቱ ዝተሰረዘ ህወሓት ዳግማይ ሕጋውነቱ ክምለሰሉ ሕቶ ከቕርብን ምስ ፈደራል መንግስቲ ዝርርባት ከካይድን ምፅንሑ ይፍለጥ።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብወገኑ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነቱ በቲ ውድባት ፖለቲካ ብፍሉይ ኵነታት ንምምዝጋብ ዝወፀ ኣዋጅ መሰረት ከም ብሓድሽ ንኽምዝገብ ዝተውሃበ ውሳነ ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መንጐ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያን ምስኡ ተዛሚዱ ድማ ምስ መንግስቲ ፈደራል በቲ ኻልእ ድማ ኣብ ሞንጎ መሪሕነት ተፈጢሩ ብዘሎ ምክፍፋልን ምጕጅጃልን ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ ዘሎ ጉዳይ ‘ዩ።

እዚ ከምዘሎ ኾይኑ ኣብ መዳይ ፀጥታ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ካብ ሕጊን ስርዓትን ወፃኢ ክንቀሳቐሱ ዝፀንሑ፣ ኣብ ስርቂ፣ ብልሽውናን ካልኦት ተግባራትን ከምዝተዋፈሩ ዝተጠርጠሩ ሹመኛታትን ሓለፍቲ ስራሕን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እናዋዓሉ ከምዝኾኑ ዝፍለጥ ‘ዩ፡፡

ልዕልና ሕግን ፀጥታን እቲ ክልል ንምርግጋፅ ዝተፈላለዩ ምንቅስቃሳት ይካየዱ ከምዘለዉ ‘ውን ካብ ፖለቲካ ኣካላትን ካብ ኣካላት ፀጥታን እናተገለፀ ፀኒሑ ‘ዩ። በዚ መሰረት ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ገበናት ተዋፊሮም ዝፀንሑ ውልቀሰባት ሕጋዊ ስጕምቲ ክውሰድ ከምዝጀመረ እናተገለፀ ይርከብ።

ብኣይተ ጌታቸው ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ‘ውን ኣብታ ክልል ዝካየድ ዝኾነ ይኹን ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ዝዘርግ፣ ድሕነትን ውሕስነትን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝግበር ኣካይዳታትን ከምዘይዕገስ ከምዘጠንቀቑ ይዝከር። ልዕልና ሕጊ ንምርግጋፅ ዘኽእል ሕጋዊ ስጉምቲታት ድማ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ዝርዝር እቲ ሰላምን ፀጥታን እታ ክልል ይኹን ድሕነት ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዝተባህለ ተግባራትን ምንቅስቓሳትን ብዝርዝር እንተዘይተገለፀ ‘ውን ስእነት ድሕነትን ፀጥታን እቲ ክልል ከምኡ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ እቲ ክልል ዝተፈጥረ ፀገም በቲ ኻልእ ንንቡር ፖለቲካውን ማሕበራውን ፀጥታን ትግራይ ዝፍትኑ ዘለዉ ተርእዮታት ምዃኖም ክግለፅ ፀኒሑ ‘ዩ።

ኣብቲ ክልል ሐዚ ዘድሊ ሰላምን ልምዓትን እዩ፡ ፡ጉዳይ ህጋዊ ኣፍልጦ መዕለቢ ረኺቡ ኣሎ፡፡ህወሓት እውን ጉባኤ ንምክያድ መደብ ሒዙ ዝፀንሐ እንትኾን እዚ ንምክያድ ግና መመሪሒታት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ከኽብር ግድን ይኸውን፡፡ህጋዊ አካይዳ በምኽታል ኣብ ትግራይ ውሑስ ሰላምን ልምዓትን ንክመፅእ ምስራሕ ካብ ኩሉ ትፅቢት ይግበር፡፡

ሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ትካትን ምኽባር እዩ፡፡ዝኾነ ውድብ ኮነ ኣካል ወይ ውልቀ ሰብ ካብ ሕጊ ንላዕሊ ክኸውን ስለዘይብሉን ስለዘይግባእን ሕጊን ስርዓትን ክኽበር ኣለዎ፡፡ካብዚ ወፃኢ ዘሎ መገዲ መገዲ ጥፍኣት ከምዝኾነ ምግንዛብ ይግባእ፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 9 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You